ወንጌል ዮሃንስ 12

BCVትግርኛ46 ፍቕድታት6:50 ስማዕ
ስማዕ 6:50 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ሽዑ ኢየሱስ ሽዱሽተ መዓልቲ ቕድሚ ፋሲካ፥ ናብታ ንሱ ኻብ ምዉታን ዘተስኦ ኣልኣዛር ዘለዋ፥ ቢታንያ ናብ ዝተብሃለት ዓዲ ኸደ።

2ኣብኣ ኸዓ ድራር ገበሩሉ፤ ማርታውን ተገልግል ነበረት፤ ካብቶም ምስኡ ዝተቐመጡ ሓደ ኣልኣዛር ነበረ።

3ማርያም ድማ ፍርቂ ሊትሮ(ሀ) ዝኸውን ብፅሩይ ናርዶስ ዝተሰርሐ፥ ብዙሕ ዝዋጋኡ ምዑዝ ሽቱ ወሲዳ፥ ኣእጋር ኢየሱስ ቀብአት፤ ብፀጕሪ ርእሳውን ሓበሰቶ። እታ ገዛ ኸዓ፥ ብመዓዛ እቲ ሽቱ መልአት።

4ሓደ ኻብቶም ደቀ መዛሙርቱ፥ እቲ ኸትሕዞ ዘለዎ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ወዲ ስምኦን ግና፥

5“እዝ ምዑዝ ሽቱ እዙይ፥ ብሰለስተ ሚእቲ ዲናር ተሸይጡ፥ ንምንታይ ንድኻታት ዘይምተውሃበ ነይሩ?” በለ።

6እዙይ ዝበለ ድማ፥ ሰራቒ ስለ ዝኾነ እዩ እምበር፥ ንድኻታት ሓልዩሎም ኣይኮነን፤ ተሓዚ ሙዳየ ምፅዋት ስለ ዝነበረ፥ ካብቲ ኣብኡ ዝኣተወውን የልዕል ስለ ዝነበረ እዩ።

7ስለዙይ ኢየሱስ “ንመዓልቲ ቐብረይ ዘዳለወቶ እዩ እሞ ሕደጉዋ።

8ድኻታትስ ኵልሻዕ ምሳኻትኩም ኣለዉ፤(ለ) ንኣይ ግና ዅልሻዕ ኣይትረኽቡንን ኢኹም” በሎም።

9ድሕሪዙይ ካብ ኣይሁድ ብዙሓት ሰባት፥ ኢየሱስ ኣብኡ ኸም ዘሎ ፈሊጦም፥ ናብ ቢታንያ መፁ። እንተ ኾነ ነቲ ኻብ ምዉታን ዘተስኦ ኣልኣዛርውን ክሪኡ እምበር፥ ምእንቲ ኢየሱስ ጥራሕ ኢሎም ኣይኮኑን ዝመፁ።

10ብዙሓት ኣይሁድ ብምኽንያት ኣልኣዛር እናኸዱ፥ ብኢየሱስ ይኣምኑ ስለ ዝነበሩ፥ ሊቃነ ካህናት ንኣልኣዛር ክቐትልዎ ተማኸሩ።

12ብፅባሒቱ እቶም ንበዓል ዝመፁ ብዙሓት ህዝቢ፥ ኢየሱስ ናብ ኢየሩሳሌም ከም ዝመፅእ ሰሚዖም፥

13ጨናፍር ስየ ሒዞም ክቕበልዎ ወፁ። ዓው ኢሎም ከዓ “ሆሳዕና! እቲ ብስም እግዚኣብሄር ዝመፅእ፥ ንጉስ እስራኤል ቡሩኽ እዩ!” በሉ።

14ከምቲ፦ “ኣቲ ጓል ፅዮን ኣይትፍርሒ፤ እንሆ ንጉስኪ፥ ኣብ ገልገል ኣድጊ ተቐሚጡ ይመፅእ ኣሎ” ተብሂሉ ኸም ዝተፅሓፈ፥ ኢየሱስ ገልገል ኣድጊ ረኺቡ ኣብ ልዕሊኡ ተቐመጠ።

16ደቀ መዛሙርቱ፥ ነዝ ነገር እዙይ ቅድም ኣየስተውዓልዎን። ኢየሱስ ምስ ከበረ ግና፥ ነዝ ነገር እዙይ ብዛዕባኡ ኸም ዝተፅሓፈ፥ ንሳቶምውን እዙይ ከም ዝገበሩሉ ዘከሩ።

17እቶም ንኣልኣዛር ካብ መቓብር ፀዊዑ፥ ካብ ምዉታን ከተስኦ እንተሎ፥ ምስኡ ዝነበሩ ህዝቢ ኸዓ ይምስክሩሉ ነበሩ።

18እቶም ህዝቢ ድማ፥ እዝ ተኣምራት እዙይ ከም ዝገበረ ስለ ዝሰምዑ እዮም፥ ክቕበልዎ ዝወፁ።

19ሽዑ ፈሪሳውያን ንስንሳቶም “ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ፥ ከም ዘይትኽእሉ ትሪኡዶ ኣለኹም? እንሆ ዅሉ ዓለም ደድሕሪኡ ይስዕብ ኣሎ” ተበሃሃሉ።

20ካብቶም በቲ በዓል ክሰግዱ ዝደየቡ ኸዓ፥ ገሊኣቶም ግሪካውያን ነበሩ።

21ንሳቶም ናብ ፊልጶስ፥ በዓል ቤተ ሳይዳ ናይ ገሊላ መፂኦም፥ “ጐይታ፥ ንኢየሱስ ክንሪኦ ንደሊ ኣለና” ኢሎም ለመንዎ።

22ፊልጶስ ድማ ኸይዱ ንእንድርያስ ነገሮ፤ እንድርያስን ፊልጶስን ድማ፥ ከይዶም ንኢየሱስ ነገርዎ።

23ኢየሱስ ድማ መሊሱ ኸምዙይ በሎም፦ “ወዲ ሰብ ዝኸብረላ ሰዓት በፂሓ እያ።

24ፍረ ስርናይ፥ ኣብ ምድሪ ወዲቓ እንተ ዘይሞተት፥ በይና እያ እትነብር፤ እንተ ሞይታ ግና፥ ብዙሕ ፍረ ኸም እትፈሪ፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።

25እቲ ንነፍሱ ዝፈትዋ፥ ከጥፍኣ እዩ፤ እቲ ንነፍሱ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዝፀልኣ ግና፥ ንህይወት ዘለኣለም ክሕልዋ እዩ።

26እቲ ኸገልግለኒ ዝደሊ ይከተለኒ፤ እቲ ዘገልግለኒ ኸዓ፥ ኣብቲ ኣነ ዘለኹዎ ኽነብር እዩ። ነቲ ዘገልግለኒውን፥ ኣብ ከኽብሮ እዩ።

27“ሕዝስ ነፍሰይ ተጨኒቓ ኣላ፤ እንታይ እሞ ኽብል እየ? ‘ኣቦ! ካብዛ ሰዓት እዚኣ ኣድሕነኒ’(ሐ) ግና፥ ምእንቲ እዙይ እንድየ ዝመፃእኹ፥ ናብዛ ሰዓት እዚኣውን ዝበፃሕኹ።

28ኦ ኣቦ! ንስምካ ኣኽብሮ”(መ) ሽዑ ኻብ ሰማይ “ኣነ ኣኽቢረዮ ኣለኹ፤ ደጊመውን ከኽብሮ እየ” ዝብል ድምፂ መፀ።

29ሽዑ እቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ህዝቢ፥ እዙይ ምስ ሰምዑ “ነጐድጓድ እዩ” በሉ፤ ገሊኣቶም ከዓ “መልኣኽ እዩ ዝተዛረቦ” በሉ።

30ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰሎም፦ “እዝ ድምፂ እዙይ ምእንታኻትኩም እምበር፥ ምእንታይ ኣይኮነን ዝመፀ።

31እዝ ዓለም እዙይ ዝፍረደሉ ጊዜ በፂሑ እዩ፤ ገዛኢ እዝ ዓለም እዙይውን፥ ናብ ወፃኢ ዝድርበየሉ ሕዚ እዩ።

32ኣነ ድማ ኻብ ምድሪ ልዕል ምስ በልኩ፥ ንዅሉ ናባይ ክስሕቦ እየ።”

33እዙይ ዝበለ ኸዓ፥ ብኸመይ ዝበለ ሞት፥ ክመውት ከም ዘለዎ እንተመልክት እዩ።

34ስለዙይ እቶም ህዝቢ “ንሕናስ ክርስቶስ ንዘለኣለም ከም ዝነብር፥ ካብ ሕጊ ሰሚዕና ኔርና፤ ንስኻ ደኣ ኸመይ ኢልካ ኢኻ ‘ወዲ ሰብ ግድን ልዕል ክብል እዩ’ ትብል ዘለኻ? እቲ ወዲ ሰብ እቱይከ መን እዩ?” ኢሎም ጠየቕዎ።

35ሽዑ ኢየሱስ “ገና ንቑሩብ መዓልቲ፥ ብርሃን ምሳኻትኩም ኣሎ፤ ስለዙይ ፀልማት እንተየርከበኩም፥ ብብርሃን ተመላለሱ፤ እቲ ብፀልማት ዝመላለስ፥ ናብ ዝኸዶ ኣይፈልጥን እዩ እሞ።

36ደቂ ብርሃን ምእንቲ ኽትኮኑ፥ ብርሃን እንተለኩም ብብርሃን እመኑ” በሎም። ኢየሱስ ከምዙይ ኢሉ ምስ ተዛረበ፥ ካብኣቶም ከይዱ ተሰወሮም።

37እቲ ነቢይ ኢሳይያስ “ኦ ጐይታ፥ ንምስክርነትና መን ኣመኖ? ሓይሊ እግዚኣብሄርከ ንመን ተግሃደሉ?” ዝበሎ ቓል ምእንቲ ኽፍፀም፥ ክንድዙይ ዝኣክል ተኣምራት እኳ፥ ኣብ ቅድሚኣቶም እንተ ገበረ፥ ብእኡ ኣይኣመኑን፤

39ከምኡ ድማ ኢሳይያስ ደጊሙ “በዒንቶም ከይሪኡ፥ ብልቦምውን ከየስተውዕሉ እሞ፥ ናባይ ከይምለሱ፥ ኣነውን ከይምሕሮምስ፥ ኣዒንቶም ኣዕወረ፤ ልቦምውን ኣትረረ” ኸም ዝበሎ ምእማን ሰኣኑ።

41ኢሳይያስ ብዛዕባኡ ኸምዙይ ኢሉ ዝተዛረበ፥ ክብሩ ስለ ዝረአየ እዩ።

42ምስዙይ ኵሉ፥ ካብ ኣሕሉቕ ብዙሓት ብእኡ ኣመኑ፤ እንተ ኾነ ፈሪሳውያን፥ ካብ ቤተ ፀሎቶም ከየባርርዎም ስለ ዝፈርሑ፥ እምነቶም ኣየግሃዱን።

43እዙይ ከዓ፥ ካብ ክብሪ እግዚኣብሄር፥ ክብሪ ሰብ ስለ ዝመረፁ እዩ።

44ኢየሱስ ከዓ ዓው ኢሉ ኸምዙይ በለ፦ “እቲ ዅሉ ብኣይ ዝኣምን፥ ብኣይ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ በቲ ዝለኣኸኒውን እዩ ዝኣምን።(ሠ)

45እቲ ንኣይ ዝረአየ፥ ነቲ ዝለኣኸኒውን ይርኢ።

46እቲ ዅሉ ብኣይ ዝኣምን፥ ኣብ ፀልማት ምእንቲ ኸይነብር፥ ኣነ ብርሃን ኮይነ፥ ናብ ዓለም መፂአ ኣለኹ።

47እቲ ንቓለይ ሰሚዑ ዘይሕልዎ፥ ኣነ ኣይኮንኩን ዝፈርዶ፤ ኣነ ዝመፃእኹ፥ ንዓለም ከድሕን ደኣ እምበር፥ ንዓለም ክፈርድ ኣይመፃእኹንሞ።

48ነቲ ነኣይ ዘይደሊ፥ ንቓለይውን ዘይቕበል ዝፈርዶ ኣለዎ፤ እዝ ኣነ ዝዛረቦ ዘለኹ ቓል፥ ንሱ በታ ዳሕረወይቲ መዓልቲ ኽፈርዶ እዩ።

49እቲ ዝለኣኸኒ ኣብ፥ እንታይ ከም ዝብልን እንታይ ከም ዝዛረብን ዝኣዘዘኒ እምበር፥ ኣነ ኻብ ባዕለይ ኣይተዛረብኩን።

50እቲ ትእዛዙ ኸዓ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዝኾነ እፈልጥ እየ፤ ስለዙይ እቲ ኣነ ዝዛረቦ ኸምቲ ኣብ፥ ዝነገረኒ ገይረ እየ ዝዛረቦ ዘለኹ።”

ትርጓሜ

12:1-11 ክርስቶስ ቅድሚ ሕጂ ብብዝሒ ኣገልግሎት ስለ ዝተሸገረት ንማርታ ገኒሑዋ ነይሩ። ግናኸ ኣገልግሎት ኣይሓደገትን፣ ከምቶም ብሓንቲ መገዲ ኣዝዮም ርሒቖም ስለ ዝኸዱ ክፍኣት ምስ ተረኸቦም፣ ብቝጥዓ ብኻልእ መገዲ ርሑቕ ዝኸዱ ሰባት ኣይኮነትን፤ ንሳ ኣገልግሎታ ቀጸለት፣ ግናኸ ቃል ጸጋ ክርስቶስ ክትሰምዕ ከላ እያ። ማርያም ንክርስቶስ ምልክት ፍቕሪ ሃበቶ፣ ንሱ ድማ ንእኣን ንስድራቤታን ናይ ሓቂ ምልክታት ፍቕሩ ሂብዎም ነይሩ። ቅቡእ ኣምላኽ ድማ ቅቡእና ክኸውን ይግባእ። ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ብጾቱ ዘይቲ ሓጎስ እንተ ኣፍሲሱሉ፣ ንሕና ኸኣ ቅብኣት ብሉጽ ፍቕርና ኣብኡ ነፍስስ። ኣብ ይሁዳ ክፍኣት ሓጢኣት ብዝመስል ምኽንያት ተሸፊኑ ነይሩ። ብናይ ንሕና ንገብሮ መገዲ ዘይገብሩ፣ ቅቡል ኣገልግሎት ኣይገብሩን ኢና ክንብል የብልናን። እቲ ዝነገሰ ፍቕሪ ገንዘብ ስርቂ ልቢ እዩ። ጸጋ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታዊ ቃላትን ተግባራትን ሕያው ርእይቶ ይህብ፣ ኣብቲ ዘሰናክል ዘሎ እቲ ዝበለጸ ይገብር፣ ካብቲ ጽቡቕ ከኣ እቲ ዝዓበየ የውጽእ። ዕድላት ክንጥቀመለን ይግባእ፤ ብፍላይ እቶም ናይ ምውዳእ ዕድሎም ቀረባ ዝኾኑ ብቅድሚያን ብቕልጣፈን ክጥቀመለን ይግባእ። ንላዛሮስ ብምቕታል ነቲ ተወሳኺ ሳዕቤን ናይቲ ተኣምር ንምዕጋት ምምኽኻር፣ ብብርቱዕ ጽልኢ ልቢ ሰብ ንኣምላኽ እንተ ዘይኮይኑ፣ ክግለጽ ዘይክእል ገበን፣ ክፉእነትን ዕሽነትን እዩ። ነቲ እግዚኣብሔር ናብ ህይወት ዘበሮ ሰብ ከም ዝመውት ወሰኑ። ዓወት ወንጌል ብዙሕ ግዜ ንኽፉኣት ሰባት ኣዝዩ የቘጥዕ፣ ክሳዕ እቲ ዝኽእል ዘበለ ኣምላኽ ባዕሉ ከም ዝስዕሩ ትስፉታት ኮይኖም ዝዛረቡን ዝገብሩን።

12:12-19 ክርስቶስ ብዓወት ናብ የሩሳሌም ምእታዉ ብዅሎም ወንጌላውያን ተመዝጊቡ ኣሎ። ብዙሓት በለጽቲ ነገራት፡ ኣብ ቃል ኣምላኽን ኣብ ምምሕዳር ኣምላኽን ዘለዉ፡ ደቀ መዛሙርቲ ንመጀመርታ ግዜ ምስ ኣምላኻዊ ነገራት ኣብ ዝተፋለጡሉ ግዜ ኣይርድኦምን እዩ። ንመንፈሳዊ ባህሪ መንግስቲ ክርስቶስ ቅኑዕ ምስትውዓልና፡ ነቲ ብዛዕባኡ ዝዛረብ ቅዱስ ጽሑፍ ብጌጋ ኸይንጥቀመሉ ይከላኸለና።

12:20-26 ቅዱሳት ስርዓታት ክንካፈል ከለና፣ ብፍላይ ድማ ፋሲካ ወንጌል፣ ናይ ነፍስና ዓብዪ ድሌት ንየሱስ ምርኣይ ክኸውን ይግባእ፤ ከም ናትና ገይርና ንምርኣዩ፣ ምስኡ ኅብረት ንምምስራት ከምኡ እውን ካብኡ ጸጋ ንምቕባል እዩ። ምጽዋዕ ኣህዛብ ንቤዛ ኣዕበዮ። ሓንቲ ፍረ ስርናይ ናብ መሬት ተዘሪኣ እንተዘይኰይና ወለዶ ኣይትህብን እያ። በዚ ኸኣ ክርስቶስ ሰብ ከይኮነ በይኑ ንሰማያዊ ክብሩ ክውንን ምኽኣለ። ወይ ድማ፣ ሰብኣዊ ባህርይ ምስ ለበሰ፣ ብናይ ባዕሉ ፍጹም ጽድቁ፣ ብዘይ መከራን ሞትን፣ በይኑ ናብ ሰማይ ክኣቱ ምኸኣለ፤ ግናኸ ድሕሪኡ ካብ ደቂ ሰብ ዝኾነ ሓጥእ ክድሕን ኣይምኸኣለን።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6