ትንቢት ኤርምያስ 26

BCV aksumትግርኛ24 ፍቕድታት4:51 ስማዕ
ስማዕ 4:51 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ብመጀመርታ ዘመን መንግስቲ ኢዮኣቄም ወዲ ኢዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መፀ፤

2እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ኣብቲ ዓፀድ ቤት እግዚኣብሄር ቁም እሞ፥ ንዅሎም እቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ክሰግዱ፥ ካብ ከተማታት ይሁዳ ዝመፁ፥ እዝ ዅሉ ኣነ ንገሮም ኢለ ዝእዝዘካ ዘለኹ ቓላት፥ ሓንቲ ቓል እኳ እንተየጕደልካ ንገሮም።

3ምናልባሽ ሰሚዖም፥ ነፍሲ ወከፎም ካብ ክፉእ መንገዶም ይምለሱ ይኾኑ። እንተ ደኣ ተመሊሶም፥ ኣነውን እቲ ብሰንኪ ኽፉእ ግብሮም ከውርደሎም ኢለ ዝሃቀንክዎ መዓት ከህድእ እየ።”

4እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም፦ “በቲ ኣብ ቅድሜኹም ዘንበርክዎ ሕገይ ክትመላለሱ እንተ ዘይሰማዕኹምኒ፥

5ንቓላት እቶም እንተየቋረፅኩ መላሊሰ ናባኻትኩም ዝለኣኽኩልኩም፥ ኣገልገልተይ ነቢያት እንተ ዘይሰማዕኹም፥

6ኣነ ነዛ ቤት እዚኣ ኸም ሴሎ ኽገብራ እየ፤ ነዛ ኸተማ እዚኣውን ንዅላቶም ህዝብታት ምድሪ ንመራገሚ ኽገብራ እየ።”

7ካህናትን ነቢያትን ኵሉ ህዝብን ከዓ፥ ኤርሚያስ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ነዝ ቃል እዙይ እንትዛረብ ሰምዑ።

8ኤርሚያስ፥ እቲ ዅሉ፥ እግዚኣብሄር ንዅሉ ህዝቢ ኽነግሮም ኢሉ ዝኣዘዞ ተዛሪቡ ምስ ወድአ፥ እቶም ካህናትን ነቢያትን ኵሉ እቲ ህዝብን ሓዝዎ እሞ፥ “ክትመውት ኢኻ!”

9ስለ ምንታይ ኢኻ፤ “እዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ኸም ሴሎ ኽትከውን እያ፤ እዛ ኸተማ እዚኣ ድማ ዝነብረላ ዘይብላ ዑና ኽትከውን እያ” ኢልካ ብስም እግዚኣብሄር ዝተነበኻ? እናበሉ ንኤርሚያስ ከበብዎ።

10ኣሕሉቕ ይሁዳ ኸዓ እዝ ነገር እዙይ ምስ ሰምዑ፥ ካብ ቤት ንጉስ፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ደየቡ፤ ኣብታ ሓዳስ ኣፍ ደገ ቤት እግዚኣብሄር ከዓ ተቐመጡ።

11እቶም ካህናትን ነቢያትን ድማ ነቶም ኣሕሉቕን ንዅሉ እቲ ህዝብን “እዝ ሰብኣይ እዙይ ነዛ ኸተማ እዚኣ፥ ከምቲ በእዛንኩም ዝሰማዕኹምዎ፥ ተነብዩላ እዩ እሞ፥ ሞት ይግብኦ እዩ” ኢሎም ተዛረብዎም።

12ኤርሚያስ ድማ ንዅሎም ኣሕሉቕን ንዅሉ እቲ ህዝብን “እቲ ብዛዕባ እዛ ቤት እዚኣን ብዛዕባ እዛ ኸተማ እዚኣን ዝሰማዕኹምዎ ዅሉ ቓል፥ ክንበዮ ዝለኣኸኒ እግዚኣብሄር እዩ።

13እምበኣር ኣካይዳኹምን ግብርኹምን ኣዐርዩ፤ ንቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ስምዑ። እግዚኣብሄር ከዓ ነቲ ኣባኻትኩም ከውርዶ ሃቂኑዎ ዝነበረ መዓት ክሓድጎ እዩ።

14ኣነ ግና እኒሀኹ ኣብ ኣእዳውኩም እየ፤ ፅቡቕን ቅኑዕን ኮይኑ ዝተርኣየኩም ግበሩ።

15እንተ ቐተልኩሙኒ ግና፥ ፍዳ ንፁህ ደም ኣብ ርእስኹምን፥ ኣብዛ ኸተማ እዚኣን፥ ኣብቶም ኣብኣ ዝነብሩን፥ ከም እተውርዱ ኣረጋጊፅኩም ፍለጡ። ንዅለን እዘን ቃላት እዚኣተን፥ ክነግረኩም ዝለኣኸኒ ባዕሉ እግዚኣብሄር እዩ” ኢለ ተዛረብክዎም።

16ሽዑ እቶም ኣሕሉቕን ኵሉ እቲ ህዝብን፥ ነቶም ካህናትን ነቢያትን “እዝ ሰብኣይ እዙይ፥ ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ ዝተዛረበና እሞ፥ ሞት ኣይግብኦን እዩ” በልዎም።

17ካብቶም ሽማግለታት እታ ሃገር ከዓ ተሲኦም፥ ንዅሉ እቲ ተኣኪቡ ዝነበረ ህዝቢ ከምዙይ ኢሎም ተዛረብዎ፦

18“ብዘመን ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ነቢይ ዝነበረ እቲ ሞሬታዊ ሚክያስ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ‘ፅዮን ከም ግራት ክትሕረስ እያ፤ ኢየሩሳሌምውን ኵምራ ፍርስራስ ክትከውን እያ፤ እቲ ዀረብታ ቤተ መቕደስውን ኰረብታ ዱር ክኸውን እዩ’ ኢሉ ንዅሉ ህዝቢ ይሁዳ ትንቢት ተናገረ።

19“ግና ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳን፥ ኵሎም ህዝቢ ይሁዳንዶ ቐቲሎምዎ እዮም? ሕዝቅያስ ንእግዚኣብሄር ፈሪሑዶ ኣይኮነን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እተማህለለ? እግዚኣብሄር ከዓ ነቲ ኸውርዶ ሃቂንዎ ዝነበረ መዓት ሓደጎ፤ ንሕናውን ኣብ ነፍስና ዓብዪ መዓት መውረድና።”

20ከምኡውን ትንቢት ዝተነበየ ኦርዮ ወዲ ሸማያ፥ በዓል ቅርያትየዓሪም ነበረ። ንሱ ኸዓ ኸም ኵለን ቃል ኤርሚያስ ገይሩ፥ ኣብ ከተማን ኣብዛ ምድሪ እዚኣን ትንቢት ተናገረ።

21ንጉስ ኢዮኣቄምን ኵሎም ጀጋኑኡን ኵሎም ኣሕሉቕን ቃላት ኦርዮ ምስ ሰምዑ፥ እቲ ንጉስ ክቐትሎ ደለየ። ኦርዮ እዙይ ምስ ሰምዐ ፈርሐ፤ ሃዲሙ ኸዓ ናብ ግብፂ ኸደ።

22ሽዑ ንጉስ ኢዮኣቄም ንኦርዮ ኸምፅእዎ ምስ ብዙሓት ሰባት ገይሩ ንኤልናታን ወዲ ኣክቦር፥ ናብ ግብፂ ለኣኾ።

23ንሳቶም ድማ ንኦርዮ ኻብ ግብፂ ኣምፅእዎ፤ ናብ ንጉስ ኢዮኣቄም ከዓ ኣቕረብዎ። ንሱ ድማ ብሰይፊ ቐተሎ፤ ሬሳኡውን ኣብቲ ዝኾነ ሰብ ዝቕበረሉ ደርበዮ።

24ግና ንህዝቢ ኣሕሊፎም ከይህብዎን ከይቐትልዎን ኢድ ኣኪቃም ወዲ ሳፋን ምስኡ ነበረት።

ትርጓሜ

26:1-6 መልእኽተኛታት ኣምላኽ ንሰባት ኬሐጕሱ ወይ ንርእሶም ካብ መጕዳእቲ ኬድሕኑ ኣይግብኦምን። እሞ ኸኣ ኣምላኽ ጸጋ ኬርኢ ከመይ ከም ዝጽበ ርአዩ። ኣብ ዘይምእዛዝ እንተጸንዑ ግና፡ ከተማኦምን ቤተ-መቕደሶምን ጥፍኣት ኬውርዶም እዩ። ካልእስ እንታይ እዩ ክትጽበ ዝካኣል? ንትእዛዛት ኣምላኽ ዘይእዘዙ ንርእሶም ንርግመት ኣምላኽ የትሕዙ።

26:7-15 ካህናትን ነብያትን ንኤርምያስ ናይ ሞት ፍርዲ ይግብኦ እዩ ኢሎም ከሰስዎ፣ ንዕኡ ተጻሪኦም ከኣ ሓሳዊ ምስክርነት መስከሩ። ሽማግለታት እስራኤል ነዚ ጉዳይ እዚ ንምምርማር መጹ። ኤርምያስ ድማ እግዚአብሔር ከምዚ ኪንበሎ ኢሉ ከም ዝለኣኾ ሓበረ። ኣገልገልቲ ነቲ ካብ ኣምላኽ ዝረኸብዎ ቃል እንተ ተጣቢቖም ዝፈርህዎ የብሎምን።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6