ትንቢት ኤርምያስ 22

BCVትግርኛ30 ፍቕድታት5:30 ስማዕ
ስማዕ 5:30 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1እግዚኣብሄር ከምዙይ በለ፦ ናብ ቤት ንጉስ ይሁዳ ውረድ እሞ፥ ኣብኡ እዝ ቓል እዙይ ተናገር፤ ከምዙይውን በል፦

2ኣታ ኣብ ዙፋን ዳዊት ተቐሚጥካ ዘለኻ ንጉስ ይሁዳ፥ ንስኻን ባሮትካን ህዝብኻን፥ ኣቱም በዘን በርታት እዚኣተን እትኣትዉ፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ።

3እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ፍትሕን ፅድቅን ግበሩ፤ ነቲ ዝተዘምተ ኸዓ ኻብ ኢድ ዓማፂኡ ኣናግፍዎ፤ ንስደተኛን ንደኽታምን ንመበለትን፥ ኣይትበድሉን ኣይትዓምፁን፤ ኣብዝ ስፍራ እዙይውን ንፁህ ደም ኣይተፍስሱ።

4ነዝ ቃል እዙይ ብሓቂ እንተ ፈፂምኩምዎ፥ ኣብ ዙፋን ዳዊት ዝቕመጡ ነገስታት ምስ ባሮቶምን ህዝቦምን፥ ኣብ ሰረገላታትን ኣፍራስን ተቐሚጦም፥ ብበርታት እዛ ቤት እዚኣ ኽኣትዉ እዮም።

5ነዝ ቓል እዙይ እንተ ዘይተኣዘዝኩም ግና እዛ ቤት እዚኣ ኸም እትዓኑ፥ ብርእሰይ መሓልኩ” ይብል እግዚኣብሄር።

6ስለዙይ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ቤት ንጉስ ይሁዳ ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንስኻ ንኣይ ከም ገለዓድን ከም ርእሲ ሊባኖስን ኢኻ፤ ግና ኣነ ብርግፅ ምድረ በዳ፥ ሰብ ዘይነብረለን ከተማታት ክገብረካ እየ።

7ነፍሲ ወከፍ ምስ ኣፅዋሮም መዕነውቲ ኸዳልወልካ እየ። ንሳቶም ድማ ነቶም ምሩፃት ዝግባታት ክቘርፅዎን፥ ኣብ ሓዊ ኸእትውዎን እዮም።

8“ህዝቢ ብዙሓት ሃገራት በዛ ኸተማ እዚኣ እንትሓልፉ፥ ንስንሳቶም ስለ ምንታይ ኮን እዩ እግዚኣብሄር ነዛ ዓባይ ከተማ ኸምዙይ ዝገበራ ኽበሃሃሉ እዮም።

9ሽዑ ኺዳን እግዚኣብሄር ኣምላኾም ስለ ዝሓደጉን፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ስለ ዝሰገዱን፥ ስለ ዘምለኹን እዩ፥ ኢሎም ክምልሱሎም እዮም።”

10ነቲ ኻብ ዓዱ ዝወፀ፥ ደጊም ነታ ዝተወለደላ ሃገር፥ ተመሊሱ ንዘይርኢ ደኣ ብኸዩሉ እምበር፥ ንዝሞተ ኣይትብከዩ፥ ኣይትሕዘኑውን።

11እግዚኣብሄር፥ ብዛዕባ እቲ ኽንዲ ኣቦኡ ኢዮስያስ ዝነገሰ፥ ካብዛ ሃገር እዚኣ ዝወፀ ወዲ ኢዮስያስ፥ ሰሎም ንጉስ ይሁዳ፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦

12“ኣብቲ ተማሪኹ ዝኸደሉ ሃገር ክመውት እዩ እምበር፥ ነዛ ሃገር እዚኣ ኸቶ ኣይሪኣን እዩ።”

13እቲ ብግፍዒ ቤቱ፥ ብዓመፅ ድማ ሰገነቱ ዝሰርሐ፥ ንወገኑውን ብዘይ ዋጋ ዘስርሕ፥ ደመወዝውን ዘይኸፍሎም፥ ወይለኡ።

14ሰፊሕ ቤት፥ በዓል ዓብዪ ሰገነት፥ ክሰርሕ እየ ዝብል ወይለኡ። ሰፋሕቲ መስኮታት የዳልወሉ፤ ብዕንፀይቲ ዝግባ የጋይፅ፤ ቀይሕ ቀለምውን ይቐብኦ።

15ብብዝሒ ዕንፀይቲ ዝግባ ስለ እትወዳደር፥ ብሓቂ ኽትነግስ ዲኻ? ኣቦኻኸ ፍትሕን ፅድቅን ብምስራሑ፥ ዝበልዖን ዝሰትዮንዶ ጐዲልዎ ነይሩ እዩ፤ ኵሉ ኸዓ ሰናይ ኮይኑሉ ነበረ።

16ንፅጉምን ንድኻን ፍትሒ የውፅአሎም ነበረ፤ ኵሉውን ሰናይ ኮነሉ፤ እዙይ ንኣይ ምፍላጥዶ ኣይኮነን? ይብል እግዚኣብሄር።

17ጠመተ ዓይንኻን ልብኻን ግና፥ ኣታሊልካ ጥቕሚ ምርካብ፥ ንፁህ ደም ምፍሳስ፥ ጭቈናን ግፍዕን ምፍፃም ጥራሕ እዩ።

18ስለዙይ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ኢዮኣቄም ወዲ ኢዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ዋይ ሓወይ! ዋይ ሓፍተይ!” ኢሎም ኣየልቅሱሉን፤ “ዋይ ጐይታይ! ዋይ እዝ ኽቡር!” ኢሎም ኣየልቅሱሉን።

19“ከም ኣቀባብራ ኣድጊ ኽቐብርዎ፥ ካብ ደገታት ኢየሩሳሌም ጐቲቶም፥ ክድርብይዎ እዮም።”

20ኵሎም ፈተውትኺ ተደምሲሶም እዮም እሞ፥ ኣብ ሊባኖስ ደዪብኪ ኣእውዪ፤ ድምፅኺውን ኣብ ባሳን ዓው ኣቢልኪ ኣስምዒ፤ ኣብ ዓባሪም ኴንኪውን ኣእውዪ።

21ተመችዩኪ ኣብ ዝነበረ ጊዜ ተዛረብኩኺ፤ ግና ኣይሰምዕን በልኪ፤ ካብ ንእስነትኪ ጀሚሩ፥ መንገድኺ ኸምዙይ ነበረ፤ ቃለይውን ኣይሰማዕኽን።

22ኵሎም ጓሶትኪ ብንፋስ ክጓሰዩ እዮም፤ ፈተውትኺውን ተማሪኾም ክኸዱ እዮም፤ ሽዑ ብሰንኪ ኽፍኣትኪ፥ ክትሓፍርን ክትዋረድን ኢኺ።

23ኣቲ ኣብ ሊባኖስ እትነብሪ፥ ኣጒዶኺውን ብዕንፀይቲ ዝግባ እትሰርሒ፥ ኣብ ልዕሌኺ መከራ እንትመፅእ፥ ሕርሲ ኸም ዝሓዛ ሰበይቲ፥ ኣውያትኪ ኸመይ ይኸውን!

24“ኣነ ህያው እየሞ፥ ኣታ ኢኮንያን ወዲ ኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳ፥ ማሕተም ቀለበት የማናይ ኢደይ እኳ እንተ እትኸውን፥ ኣውፂአ ኽድርብየካ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።

25ኣብ ኢድ እቶም ንነፍስኻ ዝደልዩዋ፥ ኣብ ኢድ እቶም እትፈርሖም፥ ኣብ ኢድ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎንን፥ ኣብ ኢድ ከለዳውያንን ኣሕሊፈ ኽህበካ እየ።

26ንኣኻን ንዝወለደትካ እኖኻን፥ ናብታ ዘይተወለድኩምላ ባዕዲ ሃገር፥ ክድርብየኩም እየ፤ ኣብኡውን ክትሞቱ ኢኹም።

27ክትምለስዋ ናብ እትናፍቕዋ ምድሪ፥ ፈፂምኩም ኣይትምለሱን።”

28“ብሓቂዶ እዝ ሰብ እዙይ ኢኮንያን፥ ዝተንዓቐን ዝተሰበረን ሻኽላ እዩ? ዝኾነ ዘይድለ ኣቕሓዶ እዩ? ንምንታይ ደኣ ንሱን ደቁን ተደርበዩ? ናብ ዘይፈልጥዎ ምድሪኸ፥ ንምንታይ ተወርወሩ?” በልኩ።

29ኣቲ ምድሪ፥ ኣቲ ምድሪ፥ ኣቲ ምድሪ፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዒ!

30“ሓደ እኳ ኻብ ዘርኡ መቺዩዎ፥ ኣብ ዙፋን ዳዊት ዝቕመጥ፥ ኣብ ይሁዳ ኸዓ ዝነግስ የለንሞ፥ ብህይወት ዘመኑ ዘይሰምረሉ መኻን ሰብ፥ ኢልኩም ፀሓፉ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”

ትርጓሜ

22:1-9 ንጉስ ይሁዳ፡ ኣብ ዝፋን ዳዊት ተቐሚጡ ከም ዘሎ፡ ሰብኣይ ልቢ ኣምላኽ ድማ ከም ዝኾነ ገይሩ ተዘሪቡሉ ኣሎ። ነቲ ዝተገብረሉ መብጽዓታት ምእንቲ ኺረክብ፡ ንኣርኣኣያኡ ይስዓብ። መንግስቲ ንምሕላው፡ ግዴታኣ ምፍጻም እዩ። ግናኸ ሓጢኣት ንኣባይቲ መሳፍንቲ ኾነ ንትሑታት ሰባት ጥፍኣት ከኸትለሉ እዩ። ኣምላኽ ዘዳለዎም መጥፍኢታትከ መን ኪቃወም ይኽእል? ኣምላኽ ሰባትን ከተማታትን ሃገራትን ዚዕንው፡ ብዘይካ ሓጢኣት ኣይኮነን፤ ኣብዛ ዓለም እዚኣ'ኳ ንዝገበሩዎ ገበናት መቕጻዕቲ ኸም ዚልእኽ ብዙሕ ግዜ የረድእ እዩ፤ በታ መዓልቲ ፍርዲ ኸኣ ንጹር ኪኸውን እዩ።

22:10-19 እዚ ኣብ ክልተ ነገስታት፣ እቶም ረሲኣን ውሉድ ሓደ እሙን ኣቦ፣ እተዋህበ ፍርዲ ሞት እዩ። ዮስያስ እቲ ኣብዛ ዓለም ዝመጽእ ክፉእ ከይርኢ ተኸልኪሉ፣ ንሱ ግና ኣብታ ኻልእ ዓለም ዝመጽእ ሰናይ ንኸርኢ ተሳዒሩ እዩ፤ ስለዚ ድማ፣ ንእኡ ኣይትብከዩሉ፣ የግዳስ ነቲ ጓሂ ዝመልኦ ምርኮኛ ኮይኑ ክነብርን ክመውትን ዝኽእል ወዱ ሻሉም ግበርሉ። ዝመውቱ ቅዱሳን ብጽድቂ ክቕንኡሎም ይግብኦም እዩ፣ ኣብ ህይወት ዘለዉ ሓጥኣን ከኣ ብጽድቂ ኽምሕሩዎም ይግብኦም። እዚውን ፍርዲ እያቄም እዩ። መራሕትን ዓበይቲ ሰባትን ኣባይቲ ክሰርሑ፣ ከምኡውን ኬጽብቑን ኬንጽብሩን ሕጋዊ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን፤ ግናኸ፣ ኣባይቶም ዘዕብዩን ብዝባሕ ዘቕንዑን፣ ስራሕ ከንቱ ክብሪ ብጥንቃቐ ኺዕዘቡ ይግባኦም። ኣባይቱ ብዘይጽድቂ ገይሩ ሰርሐን፣ ብዘይጽድቂ ብእተረኽበ ገንዘብ ድማ። ነቶም ሰራሕተኛታቱ ኸኣ ዓስቦም ከሓደ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6