ትንቢት ኢሳይያስ 49

BCV aksumትግርኛ26 ፍቕድታት5:17 ስማዕ
ስማዕ 5:17 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኣትን ደሴታት ስምዓኒ፤ ኣቱም ኣብ ርሑቕ ዘለኹም ኣህዛብ፥ ፅን በሉ፤ ኣብ ማህፀን እንተለኹ እግዚኣብሄር ፀውዐኒ፤ ካብ ከርሲ እኖይ ጀሚሩ ስመይ ኣልዓለ።

2ንኣፈይ ከም ዝተስሓለ ሰይፊ ገበሮ፤ ኣብ ፅላል ኢዱ ኸዓ ሓብአኒ፤ ከም ዝተስሓለ ፍላፃ ገበረኒ፤ ኣብ ሰገባኣውን ሓብአኒ፤

3ንሱውን “ኣታ እስራኤል፥ ንስኻ ባርያይ ኢኻ፤ ብኣኻውን ክኸብር እየ” በለኒ።

4ኣነ ግና “ብኸንቱ ፀዓርኩ፤ ጥቕሚ ንዘይብሉ ብኸምኡ ሓይለይ ወዳእኹ፤ ግና ፍርደይ ኣብ እግዚኣብሄር፥ ዓስበይውን ኣብ ኣምላኸይ እዩ” በልኩ።

5ሕዚ ኣነ ብዓይኒ እግዚኣብሄር ከቢረ ኣለኹ፤ ኣምላኸይውን ሓይለይ ኮይኑኒ እዩ፤ ንያእቆብ ናብኡ ምእንቲ ኽመልሶ፥ ንእስራኤልውን ናብኡ ምእንቲ ኽእክብ፥ ባርያኡ ክኸውን፥ ካብ ማህፀን ጀሚሩ ዝሰርሐኒ እግዚኣብሄር፥ ከምዙይ ይብል፦

6ንሱውን “ንነገድ ያእቆብ ንምትሳእ፥ ነቶም ዝድሕኑ እስራኤል ናባይ ንምምላስ፥ ባርያይ ምዃንካ ንኣኻ የመና ዝቐለለ እዩሞ፥ ምድሓነይ ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምእንቲ ኽበፅሕ፥ ብርሃን ኣህዛብ ክገብረካ” እየ።

7እግዚኣብሄር እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስን ተቤዛዊኡን፥ ነቲ ሰባት ዝነዓቕዎ፥ ህዝብታት ዝፀልእዎ ባርያ ገዛእቲ፥ ከምዙይ ይብል፦ “ስለ እቲ እሙን እግዚኣብሄርን፥ ስለ እቲ ዝመረፀካ ናይ እስራኤል ቅዱስን፥ ነገስታት ሪኦም ክትስኡልካ፥ መሳፍንቲ ድማ ሪኦም ክሰግዱልካ እዮም።”

8እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “በታ ሕርይቲ ጊዜ ሰማዕኹኻ፤ ብመዓልቲ ምድሓን ከዓ ረዳእኩኻ፤ ክሕልወካውን እየ፤ ንምድሪ ኽተቕንዕ፥ ዝባደሙ ርስትታት ክተውርስ፥

9ንእሱራት ውፁ፤ ነቶም ኣብ ፀልማት ዝተቐመጡ ድማ፥ ተገለፁ ንኽትብሎም፥ ቃል ኪዳን ገይረ፥ ንህዝቢ ሂበካ ኣለኹ። በብመንገዱ ኽዋፈሩ እዮም፤ ኣብ ዝባደማ፥ ሳዕሪ ኣብ ዘይብለን ኰረብታታትውን፥ መጓሰዪ ኽረኽቡ እዮም።

10እቲ ዝርህርሀሎም ክመርሖም፥ ናብ ዓይኒ ማያት ከዓ ኽወስዶም እዩ እሞ፥ ኣይጠምዩን ኣይፀምኡን እዮም፤ ሃሩር ፀሓይውን ኣይጐድኦምን እዩ።”

11“ንዅሎም እምባታተይ መንገዲ ኽገብሮም እየ፤ ጐደናታተይውን ልዕል ክብሉ እዮም።

12እንሆ፥ እዚኣቶም ካብ ርሑቕ ይመፁ፤ እንሆ እዚኣቶም ካብ ሰሜንን ካብ ምዕራብን፥ እዚኣቶም ከዓ፥ ካብ ምድሪ ሲኒም ክመፁ እዮም።”

13እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኣፀናኒዑ እዩሞ፥ ንዝተሸገሩውን ክርህርሀሎም እዩ እሞ፥ ኣቱም ሰማያት፥ ዘምሩ፤ ኣቲ ምድሪ እውን፥ ተሓጐሲ፤ ኣቱም እምባታት ድማ፥ ዕልል በሉ።

14ፅዮን ግና፥ “እግዚኣብሄር ሓዲጉኒ፤ ጐይታ ኸዓ ረሲዑኒ እዩ” በለት።

15“ብሓቂ እኖ ንተጥብዎ ውሉዳ ትርስዖዶ? ነቲ ኻብ ማህፀና ዝተወለደኸ ኣይትርህርሀሉንዶ? እወ፥ ንሳ ትርስዕ ትኸውን፤ ኣነ ግና ኣይርስዐክን እየ።

16እንሆ፥ ኣብ ከብዲ ኢደይ ቀሪፀኪ ኣለኹ፤ ቅፅርታትኪ ድማ ዅልሻዕ ኣብ ቅድመይ እዮም።

17ደቅኺ ቐልጢፎም ክመፁ እዮም፤ መፍረስትኽን መጥፋእትኽን ከዓ፥ ክወፁልኪ እዮም።

18ዓይንኺ ቘላሕ ኣቢልኪ ዙርያኺ ጠምቲ፤ ኵሎም ተኣኻኺቦም ናባኺ ኽመፁ እዮም። ኣነ ህያው እየሞ፥ ንዅላቶም ከም ሽልማት ክትክደንዮም፥ ከም መርዓት ከዓ ኽትውንዘፍዮም ኢኺ” ይብል እግዚኣብሄር።

19“ኣብቲ ዓንዩን ባዲሙን ዘሎ ቦታኽን፥ ኣብቲ ዝጠፍአ ምድርኽን፥ ካብቶም ዝነብሩልኪ ዝተልዓለ፥ ሎሚ ኽትፀብዮም ኢኺ፤ እቶም ዝወሓጡኺ ድማ ኽርሕቑ እዮም።

20እቶም ናይ ወላድ መኻን ምስ ኮንኪ፥ ዝተወለዱልኪ ደቅኺ፥ እዝንኺ እናሰምዐ፥ ‘ስፍራ ፀቢቡና እዩ እሞ፥ እንነብረሉ ቦታ ሃብና’ ኽብሉኺ እዮም።

21ሽዑ ብልብኺ ‘ኣነ ናይ ወላድ መኻን ኮይነ እየሞ፥ ኣነ በይነይ ምርኽትን ስጕጕትን ዝነበርኩስ፥ ነዚኣቶም መን ወለደለይ? ነዚኣቶምከ መን ኣዕበዮም? በይነይ እየ ተሪፈ ዝነበርኩ፤ እዚኣቶም ደኣ ኣበይ ነበሩ?’ ኽትብሊ ኢኺ።”

22እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ፥ ናብ ኣህዛብ ኢደይ ከልዕል እየ፤ ዕላማይውን ናብ ህዝብታት ከቕውም እየ፤ ንሳቶም ድማ ነወዳትኪ ሓቚፎም፥ ነዋልድኪውን ሓንጊሮም ከምፅኡልኪ እዮም።

23ነገስታት ከም መዕበይቲ ኣቦታትኪ፥ እተጌታቶም ድማ መጕዚታትኪ ክኾኑ እዮም፤ ብግምባሮም ኣብ ምድሪ ተደፊኦም ክሰግዱልኪ፥ በነንታ እግርኺውን ክልሕሱ እዮም። ንስኺ ኸዓ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ፥ ክትፈልጢ ኢኺ፤ እቶም ንኣይ ተኣማሚኖም ዝፅበዩኒ ድማ ኣይሓፍሩን።”

24“ካብ ኢድ ሓያል ተዋጋኢዶ፥ ዝተዘምተ ኽውሰድ ይከኣል እዩ? ካብ ኢድ ጨካንከ፥ ምሩኽ ከምልጥዶ ይከኣል?”

25እግዚኣብሄር ግና ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ምርኮ እቶም ሓያላት ክውሰዱ እዮም፤ ምሩኻት እቶም ጨካናት ከዓ ኸምልጡ እዮ??። ንኣኺ ዝፃረሩ ኽፃረሮም እየ፤ ንደቅኺውን ከድሕኖም እየ።

26እቶም ዘጨንቑኺ፥ ናይ ባዕልቶም ስጋ ኸም ዝበልዑ ኽገብሮም እየ፤ ወይኒ ሰቲኻ ኸም ዝስከር፥ ናይ ባዕልቶም ደም ሰትዮም ክሰኽሩ ኽገብሮም እየ። ኵሉ ሰብ ድማ፥ ኣነ እግዚኣብሄር መድሓኒኽን ተቤዛዊኽን፥ እቲ ሓያል ናይ ያእቆብ ኣምላኽ ምዃነይ ክፈልጥ እዩ።”

ትርጓሜ

49:1-6 እቲ ዓቢ ደራሲ ናይ ቤዛነት ንስልጣን ዕዮኡ የርኢ። ሴፍ ቃሉ ንትምኒት ህዝቡ፡ ከምኡውን ንኹሎም እቶም ምስኦም ጸላእቲ ዝኾኑ ይቐትል። ጽሉላት ፍላጻታቱ ንሕሊና ይቘስሉ፤ ግናኸ እዞም ኲሎም ቘስሊ ሓጥእ ንምሕረቱ ክልምኖ ኸሎ ክሓውዩ እዮም። ግናኸ እቲ ፈዳዪ'ውን፡ በታ ብሕታዊ ኣገልግሎቱ ሓደ እኳ ሰብ ከምኡ ዘይተዛረቦ ዝተዛረበ፡ ብዙሕ ግዜ ብኸንቱ ዚጽዕር ኮይኑ ይመስል ነበረ። እሞ ያእቆብ ናብ ኣምላኽ እንተዘይተመልሰ፡ እስራኤል'ውን እንተዘይተኣከበ፡ ክርስቶስ ግና ክብሪ ዝመልኦ ክኸውን እዩ። እዛ ተስፋ እዚኣ፡ ብምጽዋዕ ኣህዛብ ብኸፊሉ ተፈጺማ እያ። ሰብኣዊ ፍጥረት ብጸልማት ይጠፍኡ። ክርስቶስ ግና ንሰብኣዊ ፍጥረት የብርህ፡ በዚ ኸኣ ቅዱሳንን ሕጉሳትን ይገብሮም።

49:7-12 እቲ ኣቦ እግዚኣብሔር፡ ቤዛን ቅዱስ እስራኤልን እዩ። ወዱ ቤዛ ክኸውን ስለዝለኣኾ። እቲ ንምድሓኑ ዝመጾ ሰብ ግን ነዐቖ። ንደሕነትና ኢሉ ነዚ ተጻዊርዎ። ንሱ ንኹሉ በረኸት ኪዳን ውሕስና እዩ። ብእኡ ኣምላኽ ንዓለም ምስኡ የዐርቃ ነበረ። ምሕረት ይቕረታ ካብ መርገም ሕጊ ነጻ ምውጻእ እዩ። ምሕዳስ ጸጋ ኸኣ ካብ ግዝኣት ሓጢኣት ነጻ ምውጻእ እዩ። ክልቲኡ ድማ ካብ ክርስቶስ እዩ። ንሱ ንኣብ ጸልማት ዘለዉ፡ "ርእስኹም ኣርእዩ" ይብሎም። ብምርኣይ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንኽብሪ ኣምላኽን ንምጽንናዕኩምን ክትርኣዩ። ናብ ሰማይ ኣብ ዝወስድ መገዲ ዕንቅፋታት እኳ እንተሃለወ፡ ጸጋ ኣምላኽ ግን የሰግረናን ንኣኽራናት እውን መገዲ ይገብሮን እዩ። እዚ ድማ ናጻ ዕድመታት፡ እተተባብዕ መብጽዓታት ወንጌል፡ ከምኡውን ምፍሳስ መንፈስ ቅዱስ የመልክት።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG ደሴቶች ሆይ፥ ስሙኝ፥ እናንተም በሩቅ ያላችሁ አሕዛብ፥ አድምጡ፤ እግዚአብሔር ከማኅፀን ጠርቶኛል፥ ከእናቴም ሆድ ጀምሮ ስሜን አንሥቶአል፤ አማርኛ ENGNIV Listen to me, you islands; hear this, you distant nations: Before I was born the Lord called me; from my birth he has m… English BCV ኣትን ደሴታት ስምዓኒ፤ ኣቱም ኣብ ርሑቕ ዘለኹም ኣህዛብ፥ ፅን በሉ፤ ኣብ ማህፀን እንተለኹ እግዚኣብሄር ፀውዐኒ፤ ካብ ከርሲ እኖይ ጀሚሩ ስመይ ኣልዓለ። ትግርኛ GAZBIB Isin warri biyya galaana gidduu keessa jiraattan na dhaggeeffadhaa! Sabni biyya fagoo jirtanis dhaga'aa! Garaa haadha k… Afaan Oromoo BCV GIZ ስምዑኒ ደሰያት ወአፅምኡኒ አሕዛብ በጕንዱይ መዋዕል ይቀውም ይቤ እግዚአብሔር እምከርሠ እምየ ሰመየኒ ስምየ። giz GAZGAZ Isin warri biyya galaana gidduu keessa jiraattan na dhaggeeffadhaa! Sabni biyya fagoo jirtanis dhaga'aa! Garaa haadha k… Afaan Oromoo AMHNIV እናንት ደሴቶች ስሙኝ፤ እናንት በሩቅ ያላችሁ ሕዝቦች ይህን አድምጡ፤ በእናቴ ማሕፀን ሳለሁ እግዚአብሔር ጠራኝ፤ ከመወለዴ በፊት በስም ጠራኝ። አማርኛ SWAHSUV Nisikilizeni, enyi visiwa; tegeni masikio yenu, enyi kabila za watu mlio mbali sana; Bwana ameniita tangu tumboni; toka… Kiswahili