1ስለዙይ ናይ ክርስቶስ ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ሓዲግና፥ ናብ ፍፃሜ ንሕለፍ። ብዛዕባ ኻብቲ ናብ ሞት ዘብፅሕ ግብሪ ብንስሃ ምምላስ፥ ብዛዕባ ብእግዚኣብሄር ምእማን፥
2ብዛዕባ ጥምቀት፥ ብዛዕባ ኢድ ኣንቢርካ ምፅላይ፥ ብዛዕባ ትንሳኤ ምውታን፥ ብዛዕባ ናይ ዘለኣለም ፍርዲ ዝምልከት፥ መሊስና መሰረት ክንምስርት ኣየድልን።
3እግዚኣብሄር እንተ ፈቒዱስ፥ እዙይ ክንገብር ኢና።
4እቶም ሓደ ጊዜ ብርሃን ዝበርሀሎም፥ ሰማያዊ ውህብቶ ዝጠዓሙ፥ ተሳተፍቲ መንፈስ ቅዱስ ዝኾኑ፥
5ነቲ ሰናይ ዝኾነ ቃል እግዚኣብሄርን፥ ሓይሊ ናይታ እትመፅእ ዓለምን ዝጠዓሙ፥
6ዝኣመንዎ እንተ ኽሒዶም፥ ንወዲ እግዚኣብሄር ብፍቓዶም መሊሶም ስለ ዝሰቕልዎን፥ ብገሃድ ስለ ዘላግፁሉን፥ ብንስሃ ኽምለሱ ኣይከኣልን እዩ።
7እታ ብዙሕ ጊዜ፥ ነቲ ኣብኣ ዝወረደ ዝናም እትሰቲ ምድሪ፥ ነቶም ዝሓርስዋ ዝጠቅም ፍረ እንተ ሃበቶም፥ ካብ እግዚኣብሄር በረኸት ትረክብ።
8እሾዅን ዳንዴርን እንተ ኣብቈለት ግና፥ ንመርገም ዝቐረበት፥ ጥቕሚ ዘይብላ ምድሪ እያ፤ መወዳእታኣ ኸዓ፥ ብሓዊ ምንዳድ እዩ።
9ኣቱም ፍቑራት ኣሕዋትና፥ ከምዙይ ኢልና እንተ ተዛረብና እኳ፥ ብዝበለፀ ዝሐሸን፥ ንድሕነት ዝኸውን ከም ዝኾነን፥ ተረዲእና ኣለና።
10እግዚኣብሄር ቅኑዕ ፈራዲ ስለ ዝኾነ፥ ነቲ ምእንቲ ፍቕሩ ኢልኩም፥ ብስሙ ነቶም ቅዱሳን ዘገልገልኩምዎምን፥ እተገልግልዎም ዘለኹምን፥ ስራሕኹም ዝርስዕ ኣይኮነን።
11ነፍሲ ወከፍኩም እቲ ተስፋኹም ምእንቲ ኽፍፀመልኩም፥ ክሳዕ መወዳእታ ኸምዙይ ዝዓይነቱ ትግሃት ክተርእዩ ንደሊ ኣለና።
12ነቶም ብእምነትን ብትዕግስትን፥ ነታ ተስፋ ዝወረሱ ምእንቲ ኽትመስልዎም እምበር፥ ሃካያት ክትኮኑ ኣይንደልን ኢና።
13እግዚኣብሄር ንኣብርሃም ተስፋ ኽህቦ እንተሎ፥ ካብ ስሙ ዝዓቢ ዝምሕለሉ ኻልእ ስለ ዘየለ፥ “ብሓቂ ኽባርኸካን ከብዝሐካን እየ” ኢሉ ብርእሱ መሓለ።
15ኣብርሃም ድማ ብትዕግስቲ ተፀብዩ፥ ነታ ተስፋ ረኸባ።
16ሰባት ካብኣቶም ብዝዓቢ ይምሕሉ፤ እቲ ማሕላ ኸዓ፥ ነቲ ዝተብሃለ የፅንዖ፤ ንዅሉ ኽርክር ከዓ ይውድኦ።
17ስለዙይውን እግዚኣብሄር፥ እቲ ምኽሩ ኸም ዘይልወጥ፥ ነቶም ወረስቲ ተስፋ ብገሃድ ከርእዮም ምስ ደለየ፥ ብማሕላ ኣረጋገፀሎም።
18እምበኣር ንሕና በዘን ክልተ ዘይልወጣ ነገራት፥ ማለት ተስፋኡን ማሕላኡን፥ እግዚኣብሄር ከዓ ብኣኣተን ክሕሱ ዘይከኣሎ፥ ነታ ኣብ ቅድሜና ዘላ ተስፋ ንምውራስ፥ ናብኡ ተማዕቚብና ዘለና፥ ብርቱዕ ምፅንናዕ ክንረክብ ኢና።
19እዛ ተስፋ እዚኣ፥ ድልድልትን ፅንዕትን ዝኾነት፥ ናይ ህይወትና መልህቅ እያ። ብመጋረጃ ሓሊፋ፥ ናብታ ውሽጣዊት መቕደስ እትበፅሕውን እያ።
20ኢየሱስ ድማ ኸም መዓርግ መልከ ፄዴቅ፥ ናይ ዘለኣለም ሊቀ ካህናት ኮይኑ፥ ምእንታና ቅድሜና ናብኣ ኣትዩ እዩ።