1ሕውነታዊ ፍቕሪ ይሃሉ።
2ኣጋይሽ ምቕባል ኣይትረስዑ፤ ገሊኣቶም እንተይፈለጡ፥ ንመላእኽቲ ኸም ኣጋይሽ ዝተቐበሉ ኣለዉሞ።
3ንእሱራት፥ ምስኣቶም ከም ዝተኣሰርኩም ኴንኩም፥ መከራ ንዝተቐበሉውን፥ ከምኣቶም መከራ ኸም እትቕበሉ ዘለኹም ኴንኩም ዘክርዎም።
4መውስቦ ኣብ ኵሉ ኽቡር ይኹን፤ እቲ ዓራት ኣሚን ከዓ ኣይርከስ።(ሀ) ንኣመንዝራታትን ንዘመውትን ግና፥ እግዚኣብሄር ክፈርዶም እዩ እሞ።
5እግዚኣብሄር ባዕሉ “ኣይሓድገካን፥ ሸለልውን ከቶ ኣይብለካን እየ” ኢሉ እዩ እሞ፥ ናብራኻትኩም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፤ በቲ ዘለኩምውን ይኣኽለኒ ምባል ተምሃሩ።
6ስለዙይ ብትብዓት “እግዚኣብሄር ረዳእየይ እዩ እሞ፥ ኣይፈርሕን፤ ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ?” ንብል።(ለ)
7ነቶም ቃል እግዚኣብሄር ዝመሃሩኹም መራሕትኹም ዘክርዎም፤ ናይ ኣካይዳኦም ፍረ ኣስተውዒልኩም፥ ኣሰር እምነቶም ሰዓቡ።
8ኢየሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለኣለምን ንሱ እዩ፤ ኣይልወጥን።
9ብዙሕ ብዝዓይነቱ ብዘይተለመደ ሓድሽ ትምህርቲ ኣይትታለሉ፤ ነቶም ብእኡ ዝመላለሱ፥ ሓንቲ ዘይጠቕሞም ናይ መብልዕ ስርዓት ዘይኮነስ፥ ልብኹም ብፀጋ እንተ ፀንዐ ሰናይ እዩ እሞ።
10እቶም ነታ ድንኳን ዘገልግሉ፥ ካብኡ ኽበልዑ ዘይግብኦም፥ ንኣና መሰውኢ ኣለና።
11እቲ ሊቀ ካህናት፥ ነቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝውፈ ናይ እንስሳታት ደም ሒዙ፥ ናብ ቕድስተ ቅዱሳን ይኣቱ። እቲ ስጋ ግና ኻብ ሰፈር ወፃኢ ይቃፀል ነበረ።
12ኢየሱስውን ንህዝቢ ብደሙ ምእንቲ ኽቕድስ፥ ኣብ ወፃኢ እታ ኸተማ መከራ ተቐበለ።
13እምበኣር ንሕናውን፥ ንሱ ዝተቐበሎ ውርደት ፆይርና፥ ናብ ወፃኢ ሰፈር፥ ናብቲ ኢየሱስ ዘለዎ ንኺድ።
14ነታ እትመፅእ ደኣ ንፅበ ኣለና እምበር፥ ኣብዙይ ነባሪት ከተማ የብልናን።
15እምበኣርከስ ኵልሻዕ ንእግዚኣብሄር፥ መስዋእቲ ምስጋና ብኢየሱስ ነቕርብ፤ እዙይ ከዓ፥ ናይተን ንስሙ ዝምስክራ ፍረ ኸናፍርና እዩ።
16ሰናይ ምግባርን፥ ዘለኩም ንኻልኦት ምክፋልን ኣይትረስዑ፤ ከምዙይ ዝበለ መስዋእቲ፥ ንእግዚኣብሄር የሕጕሶ እዩ እሞ።
17ንመራሕትኹም ተኣዘዝዎምን ተገዝእዎምን። ንሳቶም ከምቲ መልሲ ዘቕርቡ፥ ነቒሖም ምእንቲ ነፍስኹም ይተግሁ እዮም እሞ። ስለዙይ፥ ነዙይ ብጓሂ እንተ ገበርዎ፥ ንኣኻትኩም ኣይጠቕመኩምን እዩ እሞ፥ ተሓጕሶም ከም ዝገብርዎ ግበሩ።
18ቕኑዕ ሕሊና ኸም ዘለና ርግፀኛታት ኢና፤ ኣብ ኵሉ ፅቡቕ ንምግባርውን ድልየት ኣለናሞ፥ ፀልዩልና።
19ብዝበለፀ እኳ፥ ናባኻትኩም ቀልጢፈ ምእንቲ ኽምለስ፥ ክትፅልዩለይ እልምነኩም ኣለኹ።
20እቲ ኣምላኽ ሰላም፥ ብደም እቲ ናይ ዘለኣለም ኪዳን፥ ዓብዪ ጓሳ ኣባጊዕ ንዝኾነ፥ ንጐይታና ኢየሱስ ካብ ሞት ዘተስኦ፥
21ብኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኣብ ቅድሚኡ ደስ ዘብሎ ኣባኻትኩም እናገበረ፥ ፍቓዱ ምእንቲ ኽትፍፅሙ፥ ብዅሉ ሰናይ ግብሪ ፍፁማን ይግበርኩም። ንእኡ ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።
22ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ነዝ ኣሕፅር ኣቢለ ፅሒፈልኩም ዘለኹ ቓል ምዕዳን፥ ብትዕግስቲ ኽትቅበልዎ እልምነኩም ኣለኹ።
23ጢሞቴዎስ ሓውና ኸም ዝተፈትሐ ፍለጡ፤(ሐ) ንሱ ቐልጢፉ ናባይ እንተ መፂኡ፥ ብሓደ ዄንና ኽንሪአኩም ኢና።
24ንዅሎም መራሕትኹምን ንዅሎም ቅዱሳንን፥ ሰላም በልዎም። እቶም ካብ ኢጣልያ ዝኾኑ፥ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ።
25ፀጋ ምስ ኵልኻትኩም ይኹን። ኣሜን።