1ሽዑ ይስሓቅ ንያእቆብ ፀዊዑ መረቖ፤ ከምዙይ ኢሉ ድማ ኣዘዞ፦ “ካብ ኣጓላት ከነዓን ሰበይቲ ኸይተእቱ።
2ተሲእኻ፥ ናብ ማእኸል ክልቲኦም ኣፍላጋት ናብ እንዳ ኣቦሓጐኻ ባቱኤል ኪድ፤ ኣብኡ ኸዓ ኻብ ኣጓላት ኣኮኻ ላባ ሰበይቲ ኣእቱ።
3እቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ድማ ኣቦ ብዙሓት ህዝብታት ክትከውን ይባርኽካን የፍሪኻን የብዝሕኻን።
4እዛ ተሰዲድካላ ዘለኻ፥ እግዚኣብሄር ንኣብርሃም ዝሃቦ ምድሪ ምእንቲ ኽትወርሳ፥ ንኣኻን ንዘርእኻን በረከት ኣብርሃም ይሃብካ፤ ንዘርእኻውን ከማኻ።”
5ይስሓቅ ከዓ ንያእቆብ ሰደዶ። ንሱ ድማ ናብ ማእኸል ክልቲኦም ኣፍላጋት፥ ናብ እቲ ሶርያዊ ሓው ርብቃ እኖ ያእቆብን ኤሳውን ናብ ዝኾነ ላባ ወዲ ባቱኤል ከደ።
6ኤሳው ከዓ፥ ይስሓቅ ንያእቆብ ከም ዝመረቖ፥ ካብኡ ሰበይቲ ኸእቱ ድማ ናብ ማእኸል ክልተ ኣፍላጋት ከም ዝሰደዶ፥ ክምርቖ እንተሎውን፥ ካብ ኣጓላት ከነዓን ሰበይቲ ኸይተእቱ፥ ኢሉ ኸም ዝኣዘዞ፥
7ያእቆብ ድማ ትእዛዝ ኣቦኡን እኖኡን ሰሚዑ፥ ናብ ማእኸል ክልተ ኣፍላጋት ኸም ዝኸደ ሰምዐ።
8ኣጓላት ከነዓንውን ኣብ ቅድሚ ኣቦኡ ይስሓቅ ፅሉኣት ከም ዝኾና ኤሳው ረአየ።
9ሽዑ ኤሳው ናብ እስማኤል ከይዱ ኣብ ልዕሊ እተን ኣንስቱ፥ ንጓል እስማኤል ወዲ ኣብርሃም ሓፍቲ ነባዮት ንማሓላት ኣእተዋ።
10ያእቆብ ከዓ ኻብ ቤርሳቤህ ወፂኡ፥ ናብ ካራን ክኸይድ ተልዓለ።
11ፀሓይ ዓሪባ ነበረት እሞ፥ ኣብ ሓንቲ ቦታ ምስ በፅሐ፥ ኣብኣ ሓደረ። ካብታ ቦታ ሓንቲ እምኒ ወሲዱ ድማ ተተርኢስዋ ደቀሰ።
12ብሕልሙ ድማ ሓንቲ ኻብ ምድሪ ናብ ሰማይ እትበፅሕ መሳልል ተተኺላ ረኣየ። መላእኽቲ እግዚኣብሄር ድማ ብኣኣ ይድይቡን ይወርዱን ነበሩ።
13እንሆ ድማ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኣ ደው ኢሉ፦ “ኣነ እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ ኣቦኻ ኣብርሃምን ኣምላኽ ይስሓቅን እየ። እዛ ንስኻ ኣብ ልዕሊኣ ደቂስካላ ዘለኻ ምድሪ ንኣኻን ንዘርእኻን ክህባ እየ።
14ዘርእኻ ድማ ኸም ሑፃ ባሕሪ ኽበዝሕ እዩ፤ ንምዕራብን ንምብራቕን ንሰሜንን ንደቡብን ክትሰፍሕ ኢኻ። ኵሎም ዓሌታት ምድሪ እውን ብኣኻን ብዘርእኻን ክባረኹ እዮም።
15እንሆ ኣነ ምሳኻ እየ፤ ነቲ ዝበልኩኻ ኽሳዕ ዝገብሮ ኣይሓድገካን እየ፤ ኣብ ኵሉ እትኸዶ ኽሕልወካ እየ፤ ናብዛ ምድሪ እዚኣ ድማ ኽመልሰካ እየ” በሎ።
16ያእቆብ ከዓ ኻብ ድቃሱ ተበራበረ እሞ፥ “ኣነ ደኣ ኣይፈለጥኩን ነይረ እምበር፥ ብሓቂ እግዚኣብሄር ኣብዛ ቦታ እዚኣ ኣሎ” በለ።
17ፈሪሑ ስለ ዝነበረ ድማ “እዛ ቦታ እዚኣ ኽንደይ ተፍርሕ እያ! እዚኣ ቤት እግዚኣብሄር እያ እምበር፥ ካልእ ኣይኮነትን። እዚኣ ኣፍ ደገ ሰማይ እያ” በለ።
18ያእቆብ ድማ ንፅባሒቱ ኣንጊሁ ተስአ፤ ነታ ተተርኢሱዋ ዝነበረ እምኒ ወሲዱ ኸም ሓወልቲ ኽትከውን ኣቖማ፤ ኣብ ርእሳ ኸዓ ዘይቲ ኣፍሰሰላ።
19ስም እታ ኸተማ ቕድም ሎዛ ይበሃል ነበረ። ያእቆብ ግና “ቤቴል”(ሀ) ኢሉ ሰመያ።
20ያእቆብ ድማ “እግዚኣብሄር ምሳይ እንተ ዀነ፥ ኣብዛ ዝኸዳ ዘለኹ መንገደይ ከዓ እንተ ሓሊዩኒ፥ ዝበልዖ እንጀራን ዝኽደኖ ኽዳንን ድማ እንተ ሂቡኒ፥
21ናብ ቤት ኣቦይውን ብደሓን እንተ መሊሱኒ፥ ሽዑ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ክኸውን እዩ።
22እዛ ኸም ሓወልቲ ገይረ ዝተኸልኩዋ እምኒ ኸዓ፥ ቤት እግዚኣብሄር ክትከውን እያ። ካብ ኵሉ እትህበኒ ድማ ኣስራት ክህብ እየ” እናበለ ተመባፅዐ።