ገላትያ 2

BCVትግርኛ21 ፍቕድታት4:13 ስማዕ
ስማዕ 4:13 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ድሕሪ ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመት፥ ምስ በርናባስ ንቲቶ ሒዘ፥ መሊሰ ናብ ኢየሩሳሌም ደየብኩ።

2እዙይ ከዓ እግዚኣብሄር ብራእይ ስለ ዝገለፀለይ እየ ዝደየብኩ። ምናልባሽ ንኸንቱ እጐዪ ኸይህሉ፥ ወይ ድማ ንኸንቱ ጐይየ ኸይከውን ኢለ፥ ነቲ ኣብ ኣህዛብ ዝሰብኮ ዝነበርኩ ወንጌል፥ ነቶም መራሕቲ ንበይናቶም ገለፅኩሎም።

3እቲ ምሳይ ዝነበረ ቲቶ፥ ግሪካዊ እኳ እንተ ነበረ፥ ክግረዝ ኣይተገደደን።(ሀ)

4እዙይ ከዓ እቶም ኣሕዋት መሲሎም፥ ኣብ ማእኸልና ሸሊኾም ዝኣትዉ ሰለልቲ፥ ነቲ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝረኸብናዮ ሓርነት ኣጥፊኦም፥ ባሮት ከይገብሩና እዩ።

5እቲ ናይ ወንጌል ሓቂ፥ ኣባኻትኩም ምእንቲ ኽፀንዕ፥ ንኣኣቶም ንሓንቲ ሰዓት እኳ ኣይተገዛእናሎምን።

6እቶም ዋናታት ዝበሃሉ፥ እንታዎት ከም ዝነበሩ ግዲ የብለይን፤ ኣምላኽ ገፅ ሰብ ሪኡ ኣየዳሉን እዩ እሞ፥ ንሳቶም ሓንቲ ነገር እኳ ኣይወሰኹለይን።

7እኳ ደኣ ኸምቲ ጴጥሮስ ንግሩዛት ወንጌል ክሰብኽ፥ ሓደራ ዝተውሃቦ፥ ኣነ ኸዓ ነቶም ዘይግሩዛት ኣህዛብ ወንጌል ክሰብኽ፥ ሓደራ ኸም ዝተውሃብኩ ፈለጡ።

8ከምቲ ንኣይሁድ ሃዋርያ ክኸውን ንጴጥሮስ ዝሰርሐ፥(ለ) ንኣይውን ሃዋርያ ኣህዛብ ክኸውን ሰሪሑ(ሐ) እዩ እሞ።

9እቶም ኣዕማድ ተብሂሎም ዝፅውዑ ያእቆብን ጴጥሮስን ዮሃንስን ከዓ፥ ነቲ ተውሂቡኒ ዝነበረ ፀጋ ምስ ረአዩ፥ ንኣይን ንበርናባስን የማናይ ኢዶም ሃቡና። ንሕና ናብ ኣህዛብ ክንከይድ፥ ንሳቶም ከዓ ናብቶም ኣይሁድ ክኸዱ ተሰማማዕና።

10ጥራሕ ንድኻታት ክንዝክሮም ሓደራ በሉና፤ እዙይ ከዓ ባዕለይ ዝተግሀሉ ነገር እዩ።

11ጴጥሮስ ናብ ኣንፆኪያ ምስ መፀ ግና፥ ተጋግዩ ስለ ዝነበረ ኽውቀስ ይግብኦ ነበረ፤ ኣነውን ገፅ ንገፅ ተቓወምክዎ።

12ሰባት ካብ ያእቆብ ተልኢኾም ቅድሚ ምምፅኦም፥ ምስቶም ኻብ ወገን ኣህዛብ ዝኾኑ ኣሕዋት ይበልዕ ነበረ። ንሳቶም ምስ መፁ ግና፥ “ነቶም ዝኣመኑ ኣህዛብ ክግረዙ ኣለዎም” ዝብሉ ኣሕዋት ፈሪሑ፥ ካብኣቶም ተፈለየ።

13እቶም ዝተረፉ ኻብ ወገን ኣይሁድ ዝኾኑ ኣሕዋትውን፥ ከም ጴጥሮስ ግብዛት ኮኑ፤ በርናባስ እኳ እንተይተረፈ፥ በቲ ግብዝናኦም ተስሓበ።

14ከምቲ ናይ ወንጌል ሓቂ፥ ብቕኑዕ መንገዲ ኸም ዘይተመላለሱ ምስ ረአኹ ግና፥ ንጴጥሮስ ኣብ ቅድሚ ዅላቶም፦ “ንስኻ ኣይሁዳዊ እንተለኻ፥ ከም ኣይሁድ ዘይኮነስ፥ ከም ኣህዛብ ካብ እትነብር፥ ከመይ ኢልካ ደኣ፥ ነቶም ኣህዛብ ከም ኣይሁድ ክነብሩ፥ ግዲ ትብሎም ኣለኻ?” በልክዎ።

15ንሕና ዓሌትና ኣይሁድ ኢና፤ ካብቶም ሓጥኣን ኣህዛብውን ኣይኮንናን።

16ሰብ ብኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን እምበር፥ ሕጊ ብምፍፃም ከም ዘይፀድቕ ከዓ ንፈልጥ ኢና፤ ንሕናውን ሕጊ ብምፍፃም ዘይኮነስ፥ ንክርስቶስ ብምእማን ምእንቲ ኽንፀድቕ፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ኣመንና፤ ሕጊ ብምፍፃም ዝፀድቕ ሰብ የለንሞ።

17ንሕና ብክርስቶስ ክንፀድቕ እንደሊ፥ ሓጢኣተኛታት ኴንና እንተ ተረኺብና፥ እምበኣር ክርስቶስዶ ኣገልጋሊ ሓጢኣት እዩ? ብፍፁም ኣይኮነን!

18ነቲ ዘፍረስክዎ ደጊመ ዝሃንፆ እንተ ደኣ ኾይነ፥ ንባዕለይ ሕጊ ጠሓሳይ ምዃነይ ኣረጋግፅ ኣለኹ።

19ንእግዚኣብሄር ህያው ኮይነ ምእንቲ ኽነብር፥ በቲ ሕጊ፥ ንሕጊ ሞይተ ኣለኹሞ።(መ)

20ኣነ ምስ ክርስቶስ ተሰቒለ ኣለኹ፤ ደጊም ክርስቶስ እዩ ኣባይ ዝነብር ዘሎ እምበር፥ ኣነ ኣይኮንኩን ዝነብር ዘለኹ፤ እዝ ሕዚ ብስጋ ዝነብሮ ዘለኹ ድማ፥ በቲ ዘፍቀረኒ፥ ምእንታይ ከዓ ንባዕሉ ቤዛ ዝሃበ ወዲ እግዚኣብሄር ብምእማን እየ ዝነብሮ ዘለኹ።

21ኣነስ ንፀጋ እግዚኣብሄር ኣየቃልልን፤ ፅድቂ፥ ሕጊ ብምፍፃም ዝርከብ እንተ ኾይኑ፥ እምበኣር ክርስቶስ ንኸንቱ እዩ ዝሞተ ማለት እዩ።

ትርጓሜ

2:1-10 እቲ ሃዋርያ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ዝሰበኾን፣ ካብ ዝኾነ ይኹን ሕብረት ኣይሁዳውነት ሓራ ዝኾነ፣ ናይ ክርስትና ትምህርቲ ክሰብኽ ቈሪጹ ዝነበረን ምሉእ ትምህርቲ ብታማኝነት ብንጹር ምግላጹ ተመልከት። እዚ ትምህርቲ እዚ ንብዙሓት ዘይፈትውዎ እኳ እንተነበረ፣ ንሱ ግና ክሳብ ክንድቲ ክእውጆ ኣይፈርሀን። ስግኣቱ ድማ ናይቲ ዝሓለፈ ዕዮኡ ዕዉትነት ከይቅንስ፣ ወይ ከኣ እቲ ዝመጽእ ግብራዊ ኣገልግሎቱ ከይዕንቀፍ ነበረ። ኣብ ዕዮና ንዓወት ጥራይ ኣብ ኣምላኽ ክንውከል ከሎና፣ ስሕተታት ንምእላይን ንተቓወምቲ ንምውጋድን ነፍሲ ወከፍ ቅኑዕ ጥንቃቐ ክንጥቀም ይግባእ። ብሕጊ ዝፍቀዱ ነገራት እኳ እንተሃለዉ፣ ሓቂ ብዘይምጥላም ክግበሩ ምስ ዘይክእሉ ግና ክነብዮም ይግባእ። ሓቂ ወንጌል ዝምከረሉ ዝኾነ ይኹን ኣካይዳ ቦታ ክንህብ የብልናን። ጳውሎስ ምስ ካልኦት ሃዋርያት እኳ እንተተዛረበ፣ ካባታቶም ግና ንፍልጠቱን ስልጣኑን ዝኾነ ይኹን ተወሳኺ ኣይረኸበን። እቲ ንእኡ ዝተዋህቦ ጸጋ ተገንዚቦም፣ ንእኡን ንበርናባስን የማናይ ኢድ ርክብ ሃብዎም፣ በዚ ድማ ንሱ ከምኦም ንኽብሪ ሃዋርያነትን ንስልጣን ሃዋርያነትን ከም እተመደበ ኣፍለጡ። እዞም ክልተ እዚኦም ናብ ኣህዛብ ክኸዱ ተሰማምዑ፣ ንሳቶም ግና ንኣይሁድ ምምስካር ቀጸሉ፣ እዚ ድማ ናይ ክርስቶስ ሕልና ዝሰማማዕ ከም ዝኾነ ብምግምጋም፣ ዕዮኦም ከምኡ ገይሮም ክከፋፍልዎ። ኣብዚ ወንጌል ናትና ዘይኮነስ ናይ ኣምላኽ ምዃኑን፣ ሰባት ድማ ሓለውቱ ጥራይ ምዃኖምን ንመሃር፣ ስለዚ ድማ ንኣምላኽ ክነመስግን ይግባእ። እቲ ሃዋርያ ምሕረታዊ ባህርዩ ኣርኣየ፣ እሞ ድማ ነቶም ዝተለወጡ ኣይሁድ ከም ኣሕዋት ክቕበሎም ክንደይ ምድላው ከም ዝነበሮ፣ ብዙሓት ግና ነቶም ዝተለወጡ ኣህዛብ ከምዚ ዝኣመሰለ ደገፍ እኳ እንተዘይፈቕዱሎም። እኳ ደኣ ፍልልይ ርእይቶ ንኣኡ ንምሕጋዞም ምኽንያት ኣይነበረቶን። ኣብዚ ናይ ክርስትያናዊ ፍቕሪ ኣብነት ኣሎ፣ እዚ ድማ ንዅሎም ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ከነርሕቦ ይግባእ።

2:11-14 ጴጥሮስ ዝነበሮ ባህሪ ብዘየገድስ፡ ጳውሎስ ከኣ ንሱ ንሓቂ ወንጌልን ንሰላም ቤተ-ክርስቲያንን ጐዳኢ ብዝኾነ መገዲ ኪገብር ምስ ረኣዮ፡ ኪገንሖ ኣይፈርሀን። ጳውሎስ ጴጥሮስን እቶም ካልኦትን ነቲ ብወንጌል ዝተምህሮም፡ ንሳቶም እውን ዝእመኑሉ ዝነበሩ መሰረት ከም ዘይነበሩሉ ምስ ረኣየ፡ እዚ ድማ፡ ብሞት ክርስቶስ እቲ ኣብ መንጎ ኣይሁድን ኣህዛብን ዝነበረ መፋርቕ ቅኒዕ ከም እተአልየን፡ ምሕላው ሕጊ ሙሴ ድማ ሓይሉ ከም ዘይብሉን ዝገልጽ እዩ። ጌጋ ጴጥሮስ ህዝባዊ ስለ ዝነበረ፡ ንሱ ድማ ብግህዶ ገኒሑዎ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6