ትንቢት ህዝቅኤ 28

BCVትግርኛ26 ፍቕድታት4:45 ስማዕ
ስማዕ 4:45 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦

2“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንመስፍን ጢሮስ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮ፤ ልብኻ ተዓብዩስ ኣነ ኣምላኽ እየ፤ ኣብ ማእኸል ባሕሪ ድማ፥ ኣብ ዙፋን ኣምላኽ ተቐሚጠ ኣለኹ ትብል ኣለኻ እሞ፥ ንልብኻ እኳ ኸም ልቢ ኣምላኽ እንተ ገበርካዮ፥ ንስኻ ሰብ ኢኻ እምበር ኣምላኽ ኣይኮንካን።

3እንሆ ኻብ ዳንኤል ንስኻ ጥበበኛ ኢኻ፤ ኵሉ ምስጢርውን ኣይሕብአካን እዩ።

4ብጥበብካን በኣእምሮኻን ሃብቲ ኣጥረኻ፤ ኣብ መዛግብትኻ ድማ ወርቅን ብሩርን ኣከብካ።

5በቲ ዓብዪ ጥበብካን ብንግድኻን ሃብትኻ ኣብዛሕኻ፤ ብምኽንያት ሃብትኻ ኸዓ ልብኻ ተዓበየ።”

6ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንልብኻ ኸም ልቢ ኣምላኽ ስለ ዝገበርካ፥

7ስለዙይ፥ እንሆ ኣነ ኻብ ህዝብታት ዝጭክኑ ጓኖት ከተስአልካ እየ፤ ንሳቶም ከዓ ኣብቲ ፅቡቕ ጥበብካ ሰይፎም ክመዙ፥ ግርማኻ ድማ ኸርክሱ እዮም።

8ናብ ጕድጓድ ከውርዱኻ እዮም፤ ንስኻውን ከምቶም ተወጊኦም ዝሞቱ ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ኽትመውት ኢኻ።

9ኣብ ቅድሚ እቲ ቐታሊኻ ደኾን፥ ኣነ ኣምላኽ እየ፥ ክትብል ኢኻ? ንስኻስ ኣብ ኢድ እቲ ቐታሊኻ፥ ሰብ ኢኻ እምበር ኣምላኽ ኣይኮንካን።

10ኣነ ተዛሪበ እየ እሞ፥ ንስኻ ኸምቲ ኣማውታ ዘይግሩዛት፥ ብኢድ ጓኖት ክትመውት ኢኻ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።”

11ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦

12“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንንጉስ ጢሮስ ብድጕዓ ቘዝመሉ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካውን ንገሮ፦ ንስኻ ጥበብ ዝመልአካ፥ ፍፁም ዝመልክዕኻ፥ ብሉፅ ማሕተም ነበርካ።

13ንስኻ ኣብ ኤደን፥ ገነት እግዚኣብሄር ነበርካ፤ በብዝዓይነቱ ዅሉ ኽቡር እምኒ ሰርድዮስ፥ ቶጳዝዮን፥ ኣልማዝ፥ ቢረሌ፥ መረግድ፥ ኢያሰጲድ፥ ሰንፔር፥ በሉር፥ ዘብረቕርቕ ዕንቍን ወርቅን ተኸዲንካ ነበርካ፤ እቲ ኸበሮኻን እምብልታኻን ምሳኻ ነበረ፤ በታ እተፈጠርካላ መዓልቲ ተዳለወ።

14ንስኻ ዘፅልል ቅቡእ ኪሩብ ነበርካ፤ ኣነ ኣብቲ ቅዱስ እምባ እግዚኣብሄር ኣስፈርኩኻ፤ ኣብ ማእኸል እቲ ኣእማን ሓዊ ተመላለስካ።

15ካብታ እተፈጠርካላ መዓልቲ ጀሚርካ፥ ክሳዕ እቲ በደል እተረኽበካ ጊዜ፥ ብመንገድካ ፍፁም ነበርካ።

16ብብዝሒ ንግድኻ ውሽጥኻ ብዓመፃ መልአ እሞ፥ ሓጢኣት ገበርካ፤ ስለዙይ ኣታ እተፅልል ኪሩብ፥ ካብቲ እምባ ኣምላኽ ከም ርኹስ ደርበኹኻ፤ ካብ ማእኸል እቲ ኣእማን ሓዊ ኸዓ ኣጥፋእኩኻ።

17ብምኽንያት መልክዕኻ ልብኻ ተዓበየ፤ ብኽብረትካ ድማ ጥበብካ ኣባላሸኻ፤ ኣብ ምድሪ ፃሕ ኣበልኩኻ፤ ንኽሪኡኻ ኣብ ቅድሚ ነገስታት ወፈኹኻ።

18ብብዝሒ በደልካን፥ ብዘይ ቅንዕና ዝነገድካዮ ንግድኻን፥ ንመቕደስካ ኣርከስካዮ፤ ስለዙይ ካብ ውሽጥኻ ሓዊ ኣውፃእኹ፤ ንሳውን በልዐትካ፤ ኣብ ቅድሚ ዅላቶም ዝሪኡኻ ድማ፥ ኣብ ምድሪ ሓመዅስቲ ገበርኩኻ።

19እቶም ዝፈልጡኻ ዅሎም ኣህዛብ፥ ብኣኻ ኽስክሑ እዮም፤ መሰክሒ ኾንካ፤ ድሕሪዙይ ከዓ ኸቶ ኣይትህሉን ኢኻ።”

20ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦

21“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ገፅካ ናብ ሲዶን ኣቢልካ ምለስ እሞ ተነበየላ።

22እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገራ፤ ኣቲ ሲዶን እኒሀኹ ኣብ ርእስኺ ኣለኹ፤ ኣብ ማእኸልኪ ኸዓ ክኸብር እየ፤ ፍርደይ ኣብኣ ምስ ፈፀምኩ ኣብኣውን ምስ ተቐደስኩ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።

23ፌራን ደምን ኣብ ኣደባባያ ኽሰደላ እየ፤ በቲ ኣብ ከባቢኣ ዘሎ ሰይፊ ኸዓ እቶም ውጉኣት ኣብ ማእኸላ ፃሕ ክብሉ እዮም እሞ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።

24“ድሕሪዙይ ንቤት እስራኤል፥ ኣብ ኵሎም እቶም ዘቃልልዎም ጐረባብቶም፥ ዝወግእ እሾዅ ወይ ዘሕምም ተዀርባ ኣይህሉን እዩ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ከዓ ኽፈልጡ እዮም።”

25እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንቤት እስራኤል ካብቶም ኣብ ማእኸሎም ፋሕ ኢሎምዎም ዝነበሩ ኣህዛብ ምስ ኣከብክዎም፥ ሽዑ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ኣህዛብ፥ ኣብኣቶም ክቕደስ፥ ንሳቶም ከዓ ኣብታ ንያእቆብ ባርያይ ዝሃብክዋ ምድሮም ክነብሩ እዮም።

26ኣብኣ ብህድኣት ክነብሩ፥ ኣባይቲ ኸዓ ኽሰርሑ፥ ኣታኽልቲ ወይኒ ድማ ኽተኽሉ እዮም፤ ኣነ ኣብቶም ኣብ ዙርያኣም ኮይኖም ዘቃልልዎም ዘለዉ፥ ፍርዲ ምስ ፈፀምኩ፥ ሽዑ ብህድኣት ክነብሩ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይውን ክፈልጡ እዮም።”

ትርጓሜ

28:1-19 ኤትበኣል ወይ ኢትባአል መስፍን ወይ ንጉስ ጥሮስ ነበረ፤ ብዘለለ ዝኾነ ትዕቢት ተለዓዒሉ ድማ መለኮታዊ ክብሪ ደልዩ። ትዕቢት ፍሉይ ሓጢኣት ናይ ዝወደቐ ባህርይና እዩ። እቲ እግዚኣብሔር ዝህቦ እንተዘይኮይኑ ድማ ዝኾነት ጥበብ እኳ ኣብዛ ዓለም ወይ ኣብታ እትመጽእ ናብ ሓጎስ ከተብጽሕ ኣይትኽእልን እያ። እቲ ትዕቢተኛ መስፍን ጥሮስ ንህዝቡ ብባዕሉ ሓይሉ ኺከላኸለሎም ከም ዝኽእል ገይሩ ሓሲቡ፣ ንርእሱ ኸኣ ምስቶም ኣብ ሰማይ ዘለዉ ከም ማዕረ ገይሩ ቖጺሩዋ። ኣብ ገነት ኤድን ኪቕመጥ እንተዝከኣል፣ ወይ እውን ናብ ሰማይ ኪኣቱ እንተዝከኣል እኳ፣ ብዘይ ትሑት፣ ቅዱስን መንፈሳውን ልቢ ዝኾነ ጽኑዕ ሓጎስ ኣይ…

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6