ትንቢት ህዝቅኤ 25

BCVትግርኛ17 ፍቕድታት3:11 ስማዕ
ስማዕ 3:11 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦

2“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ገፅካ ናብ ደቂ ኣሞን ኣቢልካ ምለስ እሞ ተነበየሎም።

3ንደቂ ኣሞን ከዓ ቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽ ስምዑ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኸምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም፤ መቕደሰይ ስለ ዝረኸሰት፥ ሃገር እስራኤል ስለ ዝባደመት፥ ቤት ይሁዳ ስለ እተማረኹ፥ እሰይ ኢልካ ኢኻ እሞ፥

4ስለዙይ እንሆ ንደቂ ምብራቕ ርስቶም ክትከውን፥ ድንኳናቶም ክተኽሉልካ፥ ኣብ ማእኸልካውን ሰፈሮም ክሰርሑ ኽውፍየካ እየ፤ ንሳቶም ፍረኻ ኽበልዑ፥ ፀባኻውን ክሰትዩ እዮም።

5ንራባት መጓሰዪ ኣግማል፥ ንደቂ ኣሞን ከዓ ደምበ ኣባጊዕ ክገብሮም እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ድማ ኽትፈልጡ ኢኹም።

6“እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ በእዳውካ ስለ ዘጣቓዕኻ፥ በእጋርካ ዀደብደብ ስለ ዝበልካ፥ ብዅሉ ነፍስኻ ንዒቕካያ፥ ብምድሪ እስራኤል ስለ እተሓጐስካ፥

7ስለዙይ እንሆ ኢደይ ኣባኻ እዝርግሕ ኣለኹ እሞ፥ ዘመተ ኣህዛብ ክትከውን ክውፍየካ፥ ካብ ኣህዛብ ፈልየ ኸፅንተካ፥ ካብ ሃገራት ክጥርሰካ፥ ከጥፍአካውን እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ድማ ኽትፈልጥ ኢኻ።”

8እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ሞኣብን ሰዒርን እንሆ ቤት ይሁዳስ፥ ከም ኵላቶም ህዝብታት እዮም፥ ይብሉ ኣለዉ እሞ፥

9ስለዙይ እንሆ ኣነ ንግድሚ ሞኣብ፥ ብወገን ከተማታት ካብተን ብዅሉ ኸባቢኣ ዘለዋ ኸተማታት ክቡራት እታ ምድሪ፥ ካብ ቤት የሺሞት፥ ካብ በዓልሜዎን ካብ ቂርያታይም ክኸፍት እየ።

10እቶም ደቂ ኣሞን ድሕሪዙይ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ከይዝከሩስ፥ ነቶም ኣብ ርእሲ ደቂ ኣሞን ዝመፁ ደቂ ምብራቕ ርስቲ ገይረ ኽውፍየን እየ።

11ኣብ ሞኣብ ፍርዲ ኽገብር እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከዓ ኽፈልጡ እዮም።”

12እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኤዶም ንቤት ይሁዳ ሕነ ብምፍዳዩ፥ ኤዶም ጨኪኑ ንቤት ይሁዳ ብርቱዕ በደል በዲሉ ኣሎ እሞ፥

13ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ኢደይ ናብ ኤዶም ክዝርግሕ፥ ሰብን እንስሳን ድማ ኻብኣ ኸጥፍእ እየ፤ ካብ ቴማን ጀሚረ ፀምፀም በረኻ ኽገብሮ እየ፤ ክሳዕ ዴዳን ከዓ ብሰይፊ ኽወድቁ እዮም ይብል ኣሎ።

14ኣነ ኸዓ ብኢድ ህዝበይ እስራኤል ገይረ፥ ሕነይ ናብ ኤዶም ከውርዶ እየ፤ ንሳቶም ንኤዶም ከም ቍጥዓይን መዓተይን ክገብርዋ እዮም፤ ምፍዳይ ሕነይውን ክፈልጡ እዮም” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።

15እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እቶም ፍልስጥኤማውያን ጨኪኖም ሕነ ስለ ዝፈደዩ በቲ ናይ ጥንቲ ፅልኦም ከጥፍኡ ኢሎምስ፥ ብነፍሶም ንዒቖም ሕነ ስለ ዝፈደዩ፥

16ስለዙይ ከዓ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ ኢደይ ናብ ፍልስጥኤማውያን ክዝርግሕ፥ ንከሊታውያን ከዓ ኸጥፍኦም፥ ነቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ተረፉ ዘሎውን ከጥፍኦ እየ።

17ብመዓት ቍጥዓ ኸዓ ብርቱዕ ምፍዳይ ሕነ ኽፈድዮም እየ፤ ሕነይ ምስ ፈደኽዎም፥ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።”

ትርጓሜ

25:1-7። ሓደጋታት ዝኾነ ሰብ፣ ብፍላይ ድማ ናይ ህዝቢ ኣምላኽ፣ ምሕጓስ ክፍኣት እዩ። እዚ ድማ ኣምላኽ ፈጺሙ ሒሳብ ዝገብረሉ ሓጢኣት እዩ። ኣምላኽ ንእዋን ኣብ ባቢሎን ምርኮኛታት ንኽኾኑ እኳ እንተፈቐደሎም፣ ንሱ ኣምላኽ እስራኤል ምዃኑ ከርኢ እዩ። ንዕኡ ምፍላጥን ድኻ ምዃንን፣ ካብ ሃብታም ምዃንን ንዕኡ ዘይምፍላጥን ይሓይሽ።

25:8-17 ሓደ ፍጻሜ ንጻድቓን ንረሲኣንን ሓደ ኮይኑ እንተተራእየ እኳ፣ እቲ ፍልልዩ ግን ኣዝዩ ዓብይ እዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6