ትንቢት ህዝቅኤ 13

BCV aksumትግርኛ23 ፍቕድታት4:53 ስማዕ
ስማዕ 4:53 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦

2“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ነቶም ዝንበዩ ዘለዉ ነቢያት እስራኤል፥ ኣንፃሮም ተነበየሎም፤ ነቶም ካብ ልቦም ፈጢሮም ዝንበዩ ዘለዉውን፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ” ኢልካ ንገሮም።

3እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ “ነቶም ዝኾነ ኸይረኣዩስ፥ ንመንፈስ ርእሶም ዝስዕቡ ዓያሹ ነቢያት ወይለኦም” ይብል ኣሎ።

4“ኣታ እስራኤል፥ ነቢያትካ ኸምተን ኣብ ምድረ በዳ ዝነብራ ወኻሩ እዮም።

5በታ መዓልቲ እግዚኣብሄር ኣብ ኲናት ቀጥ ኢልኩም ክትቆሙ፥ ናብቲ ፍራስ ኣይወፃእኹምን፤ ኣብ ዙርያ ቤት እስራኤልውን ቅፅሪ ኣይሰራሕኹምን።

6እቶም እግዚኣብሄር እንተይለኣኾም፥ እግዚኣብሄር ይብል ኣሎ፥ ኢሎም ቃሎም ከም ዝፍፀም ዘተስፍዉ፥ ከንቱነትን ትንቢት ሓሰትን እዮም ዝረአዩ።

7ኣነ ኸይተዛረብኩስ ንስኻትኩም፥ ‘እግዚኣብሄር ይብል ኣሎ’ እትብሉ ዘለኹም ከንቱ ራእይዶ ኣይኮነን ዝረአኹምዎ? ትንቢት ሓሰትዶኸ ኣይኮነን እተዛረብኩምዎ?”

8ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብሎም ኣሎ፦ “ከንቱነት ስለ እተዛረብኩም ሓሰት ራእይውን ስለ ዝረአኹም፥ ስለዙይ እኒሀኹ ኣነ ኣብ ልዕሌኹም እየ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።

9ኢደይ ከዓ ነቶም ከንቱነት ዝሪኡን ሓሰት ዝንበዩን ነቢያት ክትፃረሮም እያ፤ ንሳቶም ኣብ ባይቶ ህዝበይ ኣይህልዉን፤ ኣብ መፅሓፍ ቤት እስራኤል ድማ ኣይፀሐፉን፤ ናብ ምድሪ እስራኤል ከዓ ኣይኣትዉን እዮም፤ ኣነውን እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።

10“ሰላም ዘየለስ፥ ሰላም ኣሎ፥ ኢሎም ንህዝበይ ኣስሒቶም እዮም፤ ንሱ መንደቕ እንተ ነደቐ እንሆ ንሳቶም ሓሰር ብዘይብሉ ጭቃ ይመርግዎ።

11ነቶም ሓሰር ብዘይብሉ ጭቃ ዝመርጉ ሰባት፥ ክወድቕ እዩ በሎም። ዝደማስስ ዝናም ክዘንም እዩ፤ ኣውሎ ንፋስ ከዓ ኸፍርሶ እዩ።

12እንሆ እቲ መንደቕ ምስ ፈረሰ፥ እቲ ዝለቕለቕኩምሉ ፀብርስ ኣበይ ኣሎዶ ኣይብሉኹምን እዮም?”

13ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ብመዓተይ ህቦብላ ንፋስ ክሰድድ ብቝጥዓይ ድማ ዝደማስስ ዝናም ከዝንም፥ ብመዓተይውን ዘጥፍእ ኣእማን በረድ ከውርድ እየ።

14ነቲ ብዘይ ሓሰር ብጭቃ ዝለቕለቕኩምዎ መንደቕ ከፍርሶን፥ ናብ ምድሪ ኽድርብዮን እየ፤ መሰረቱውን ጋሕ ክብል እዩ፤ ንሱ ኽወድቕ እዩ፤ ንስኻትኩም ከዓ ኣብ ማእኸሉ ኽትጠፍኡ ኢኹም እሞ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።

15“ነቲ መንደቕን፥ ነቶም ሓሰር ብዘይብሉ ጭቃ ዝለቕለቕዎን፥ ሕነ ቝጥዓይ ክወፀሎም እየ። ኣነ ድማ፥ እቲ መንደቕ የለን፤ እቶም ዝለቕለቕዎውን የለዉን ክብለኩም እየ።

16ንሳቶም ከዓ እቶም ብዛዕባ ኢየሩሳሌም ዝንበዩ፥ ራእይ ሰላም ዝሪኡላ ዘለዉ ነቢያት እስራኤል እዮም፤ ግና ሰላም የለን፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።”

17“ንስኻውን ኣታ ወዲ ሰብ፥ ገፅካ ናብተን ካብ ልበን ፈጢረን ዝንበያ ኣዋልድ ህዝብኻ ኣብል፤ ኣንፃረን ድማ ተነበየለን።

18ንነፍሳት ከፈንጥራ፥ እተን መኼዳ ንዅሉ ዅርናዕ ኣእዳው ዝሰፍያን፥ ንዅሉ ዓቢይን ንእሽተይን ርእሲ ድማ፥ መጐልበቢ ዝገብራን ወይለአን! ነፍሳት ህዝበይ እተፈንጥራ፥ ነፍስኻትክንዶ ኽተድሕና ኢኽን? ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኢልካ ንገር።

19“ንስኻትክን ነተን ዘይሞታ ነፍሳት ንሞት እናወፈኽን፥ ነተን ብህይወት ክነብራ ዘይግብአን ነፍሳት ከዓ ህይወተን እናድሓንክን፥ ነቲ ሓሰት ዝሰምዕ ህዝበይ እናሓሰኽን፥ ምእንቲ ዕዅቲ ስገምን ቍራስ እንጀራን ኣብ ህዝበይ ተርክሳኒ ኣለኽን።”

20ስለዙይ ከዓ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ ኣነ ነተን ንነፍሳት ከም ኣዕዋፍ እተፈንጥራለን መኼዳታትክን ተሓንየለን ኣለኹ፤ ካብ ቅልፅምክን ድማ ኽቐደን፥ ነተን ነፍሳት፥ ነተን ከም ኣዕዋፍ ዘፈንጠርክናለን ነፍሳት ሓራ ኸውፅአን እየ።

21ነቲ መጐልበቢኻትክን ኽቐዶ፥ ንህዝበይ ከዓ ኻብ ኢድክን ከድሕኖ እየ፤ ከይተፈንጥራኦምውን ኣብ ኢድክን ኣይኾኑን እዮም እሞ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጣ ኢኽን።

22“ንልቢ እቲ ፃድቕ ኣነ ኸሕዝኖ ዘይደለኹስ፥ ንስኻትክን ብሓሰት ስለ ዘሕዘንክናኦ፥ እቲ ሓጥእ ካብ መንገዲ ሓጢኣት ከይምለስ እሞ ኸይድሕንስ፥ ኣእዳዉ ስለ ዘበርታዕኽን፥

23ስለዙይ ከንቱ ራእይ ኣይትሪኣን፤ ድሕሪዙይ ከዓ ጥንቈላ ኣይትጥንቁላን ኢኽን። ንህዝበይውን ካብ ኢድክን ከናግፎ እየ እሞ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጣ ኢኽን።”

ትርጓሜ

13:1-9 ኣምላኽ ንዝኾነ ይኹን ነገር ንኽትገብር ትእዛዝ ምስ ዝህብ፡ ጥበብውን ይህብ። እቲ እቶም (ናይ ሓሶት ነብያት) ዘቕረብዎ፡ እቶም ኣገልገልቲ ክርስቶስ ዘቕርብዎ ኸምኡ ከም ዝኾነ፡ ዝረኣይዎ ወይ ዝሰምዕዎ ኣይነበረን። ንሳቶም ጸሎተኛታት ነብያት ኣይነበሩን፣ ምስ ሰማይ ዝኾነ ርክብ ኣይነበሮምን። ንሰባት ከመይ ጌሮም ከሐጕስዎም ከም ዝኽእሉ እምበር፡ ከመይ ጌሮም ጽቡቕ ክገብሩሎም ከም ዝኽእሉ ኣይሓሰቡን። ንሓጢኣት ኣይተቓወሙን። ንሰባት ብምጕብዑ፡ ናብ ከንቱ ተስፋታት ኣእተዉዎም። ከምዚኦም ዝበሉ፡ ቍጥዓ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊኦም ከሎ ኸኣ፡ ንሰብ ናይ ዘለኣለማዊ ህይወት ብቑዓት ከም ዝኾኑ ብምእማን፡ ነቲ ስንጥቕ የሰፍሑ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6