1እግዚኣብሄርውን ነዝ ዅሉ ቓል ከምዙይ ኢሉ ተዛረበ፦
2“ካብ ምድሪ ግብፂ፥ ካብ ቤት ባርነት ዘውፃእኹኻ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ።
3“ብዘይ ዘኣይ ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይሃልዉኻ።
4“ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ፥ ኣብ ታሕቲ ድማ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፥ ኣብ ማይ ከዓ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፥ ብዝኾነ ኣምሳል ዝተቐረፀ ምስሊ ንኣኻ ኣይትግበር።
5ኣይትስገደሎም፤ ኣይተምልኮምውን። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቐናእ ኣምላኽ እየ እሞ፥ ንዝፀልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ውሉድ ክሳዕ ሳልሳይን ራብዓይን ትውልዲ ዝቐፅዕ፥
6ንዝፈትዉንን ትእዛዛተይ ንዝሕልዉን ግና ኽሳዕ ሽሕ ትውልዲ ምሕረት ዝገብር እየ።
7“ስመይ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብኸንቱ ኣይተልዕል፤ እግዚኣብሄር ንስሙ ብኸንቱ ዘልዓለ ካብ በደል ኣየንፅሆን እዩ እሞ።
8“ንመዓልቲ ሰንበት ክትቅድሳ ዘክር።
9ሽዱሽተ መዓልቲ ስራሕ፤ ኵሉ ተግባርካውን ግበር።
10እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሰንበት እያ። ብኣኣ ንስኻ፥ ወድኻ ኾነ ጓልካ፥ ኣገልጋሊኻ ኾነ ኣገልጋሊትካ፥ እንስሳኻ ኾነ ኣብ ውሽጢ ደገታትካ ዘሎ ስደተኛ፥ ከቶ ስራሕ ኣይትስርሑ።
11እግዚኣብሄር ብሽዱሽተ መዓልቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣብኣቶም ዘሎ ዅሉን ፈጢሩ፥ ብሻውዐይቲ መዓልቲ ኣዕሪፉ እዩሞ፥ ስለዙይ እግዚኣብሄር ንመዓልቲ ሰንበት ባረኻ፤ ቀደሳውን።
12“ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኽነውሕ፥ ኣቦኻን እኖኻን ኣኽብር።
13“ኣይትቕተል።
14“ኣይትዘሙ።
15“ኣይትስረቕ።
16“ኣብ ልዕሊ ብፃይካ ብሓሰት ኣይትመስክር።
17“ቤት ብፃይካ ኣይትመነ። ሰበይቲ ብፃይካ፥ ኣገልጋሊኡ፥ ኣገልጋሊቱ፥ ብዕራዩ፥ ኣድጉ፥ ወይ ናይ ብፃይካ ዝኾነ ዅሉ ኣይትመነ።”
18ኵሎም እቶም ህዝቢ ነጐድጓድን መብረቕን ምስ ረአዩ፥ ድምፂ መለኸትውን ምስ ሰምዑ፥ እቲ እምባ ድማ ኽትኪ ምስ ረአዩ፥ ፈሪሖም ኣንቀጥቀጡ፤ ርሕቕ ኢሎም ድማ ቆሙ።
19ንሙሴ ድማ “ንስኻ ባዕልኻ ተዛረበና፤ ክንሰምዐካ ኢና፤ ግና፥ ምእንቲ ኸይንመውት እግዚኣብሄር ኣይዛረበና” በልዎ።
20ሙሴ ኸዓ ነቶም ህዝቢ “ሓጢኣት ንኸይትገብሩ፥ ፍርሓት እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽሓድረኩም፥ እግዚኣብሄር ክፍትነኩም ኢሉ እዩ ዝመፀ እሞ፥ ኣይትፍርሑ” በሎም።
21እቲ ህዝቢ ርሕቕ ኢሉ ቖመ፤ ሙሴ ግና ናብቲ እግዚኣብሄር ዘለዎ ፀልማት ቀረበ።
22እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፦ “ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ኣነ ኻብ ሰማይ ከም ዝተዛረብኩኹም፥ ባዕልኻትኩም ርኢኹም ኣለኹም።
23ብዘይ ዘኣይ ኣማልኽቲ ኣይትግበሩ፤ ኣማልኽቲ ብሩርን ኣማልኽቲ ወርቅን ንኣኻትኩም ኣይትግበሩ።
24“ካብ መሬት ዝተሰርሐ መሰውኢ ግበረለይ፤ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ኣባጊዕኻን ኣብዑርካን ዝቃፀል መስዋእትኻን፥ መስዋእቲ ድሕነትካን ሰውእ። ስመይ ክዝከር ኣብ ዝገበርኩሉ ዅሉ ቦታ ናባኻ መፂአ ኽባርኸካ እየ።
25ብእምኒ መሰውኢ እንተ ገበርካ፥ ብፅሩብ እምኒ ኣይትንደቆ፤ ብመፅረቢ ኽትፀርቦ እንተለኻ ኽተርክሶ ኢኻሞ።
26ሕፍረትካ ኣብኡ ኸይቕላዕ ናብ መሰውእየይ ብደረጃ ኣይትደይብ።