1ብልጣሶር ኣብ ባቢሎን ምስ ነገሰ፥ ኣብታ ቐዳመይቲ ዓመቱ፥ ዳንኤል ኣብ ዓራቱ እንተሎ ሕልምን ራእይን ረአየ። ሽዑ ነቲ ሕልሚ ፀሓፎ፤ ርእሰ ነገሩውን ተናገረ፤
2ዳንኤል ከምዙይ ኢሉ ተዛረበ፦ ለይቲ ራእይ ረአኹ፤ እንሆ ኸዓ፥ እቶም ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማይ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ዓብዪ ባሕሪ(ሀ) ይጋጨዉ ነበሩ።
3ካብቲ ባሕሪ ድማ፥ በበይኖም ዝዓይነቶም ኣርባዕተ ዓበይቲ ኣራዊት ወፁ።
4እቲ ቐዳማይ ኣንበሳ ይመስል፤ ኣኽናፍ ንስሪ ድማ ነበሮ። ኣኽናፉ ኽሳዕ ዝንቀል ከዓ ጠመትክዎ። ካብ ምድሪ እውን ልዕል ልዕል በለ፤ ከም ሰብ ድማ በእጋሩ ደው በለ፤ ልቢ ሰብውን ተውሃቦ።
5እቲ ኻልኣይ ንድቢ ይመስል ነበረ። ንሱ ብጐድኑ ተስአ፤ ሰለስተ ዓፅሚ ጐድኒ ኣብ ኣፉ ኣብ መንጎ ኣስናኑ ሒዙ ነበረ። “ተስእ እሞ ብዙሕ ስጋ ብላዕ” በልዎ።
6ድሕሪዙይ ክጥምት እንተለኹ፥ እንሆ፥ ካልእ ኣብ ጐድኑ፥ ኣርባዕተ ኣኽናፍ ዒፍ ዝነበሮ፥ ንነብሪ ዝመስል ካልእ ኣራዊት ረአኹ። እዝ ኣራዊት እዙይ ኣርባዕተ ርእሲ ነበሮ፤ ክገዝእ ድማ ስልጣን ተውሃቦ።
7ድሕሪዙይ ብራእይ ለይቲ፥ መፍርሕን መደንገፅን የመና ብርቱዕን ዝኾነ፥ ራብዓይ ኣራዊት ረአኹ። ዓበይቲ ኣስናን ሓፂን ነበሮ፤ ይውሕጥን፥ ነቲ ዝተረፈ ኸዓ በእጋሩ ይረግፆን ነበረ። ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ዅላቶም ኣራዊት ፍሉይ ዝዓይነቱ እዩ ዝነበረ፤ ዓሰርተ ኣቕርንቲ እውን ነበሮ።
8ኣነ ነቶም ኣቕርንቲ ኽጥምት እንተለኹ፥ ኣብ ማእኸሎም ንእሽተይ ካልእ ቀርኒ ወፀ፤ ሰለስተ ኻብቶም ቀዳሞት ኣቕርንቲ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ተነቓቐሉ። ነዝ ቐርኒ እዙይ፥ ዓይኒ ሰብ ዝመስል ዓይኒ ነበሮ። ብትዕቢት ዝዛረብ ኣፍ ድማ ነበሮ።
9ዙፋናት ክሳዕ ዝዝርግሓ ድማ ጠመትኩ፤ እቲ ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ዝነብር ከዓ፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ተቐመጠ። ክዳውንቱ ፃዕዳ ኸም በረድ፥ ፀጕሪ ርእሱ ኸዓ ኸም ፅሩይ ፀምሪ ነበረ። ዙፋኑ ሃልሃልታ ሓዊ፥ መንኰራዅሩ ድማ ኸም ጕሁር ሓዊ ነበረ።
10ውሕጅ ሓዊ ኻብ ቅድሚኡ ይውሕዝ ነበረ። ሽሕ ጊዜ ሽሕ የገልግልዎ፤ እልፍ ኣእላፋት ከዓ ኣብ ቅድሚኡ ቖይሞም ነበሩ፤ ፍርዲ ተጀመረ፤ መፃሕፍትውን ተገለፁ።
11ሽዑ ኣነ፥ እቲ ንእሽተይ ቀርኒ ብዛዕባ ዝተዛረቦ ድምፂ ዓብዪ ቓል ጠመትኩ። እቲ ኣራዊት ክሳዕ ዝቕተልን፥ ስጋኡ ኣብ ሓዊ ኽሳዕ ዝድርበን ጠመትኩ።
12ካብቶም ዝተረፉ ኣራዊት ድማ ግዝኣቶም ተወሰደ፤ ግና ብህይወት ክፀንሑ፥ ዘመንን ውሱን ጊዜን ተውሃቦም።
13ለይቲ ብራእይ ክጥምት እንተለኹ፥ እንሆ፥ ወዲ ሰብ ዝመስል፥ ብደመና ሰማይ ይመፅእ ነበረ። ናብቲ ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ዝነብር ዝነበረ ድማ በፅሐ፤ ናብ ቅድሚኡውን ኣቕረብዎ።
14ኵላቶም ኣህዛብን ወገናትን በበይኑ ዓይነት ቋንቋታት ዝዛረቡን ክግዝኡሉ፥ ግዝኣትን ክብርን መንግስትን ንእኡ ተውሃቦ። ግዝኣቱ ዘይሓልፍ ዘለኣለማዊ ግዝኣት እዩ፤ መንግስቱውን ከቶ ኣይትጠፍእን እያ።
15ኣነ ዳንኤል ኣብ ውሽጢ ስጋይ መንፈሰይ ደንገፀ፤ እቲ ራእያት ከዓ ርእሰይ ኣጨነቐኒ።
16ካብቶም ደው ኢሎም ዝነበሩ ናብ ሓደ ቕርብ ኢለ፥ ብዛዕባ እዝ ዅሉ ነገር እዙይ ክገልፀለይ ጠየቕክዎ። ንሱውን ትርጕም እቲ ነገር ገለፀለይ።
17እዞም ኣርባዕተ ዓበይቲ ኣራዊት እዚኣቶም ኣብ ምድሪ ዝትስኡ ኣርባዕተ ነገስታት እዮም።
18እቶም ናይ ልዑል እግዚኣብሄር ቅዱሳን ድማ፥ ነታ መንግስቲ ኽቕበልዋ እዮም፤ ነታ መንግስቲ እውን ንዘለኣለመ ኣለም ክወርስዋ እዮም።
19ድሕሪዙይ ድማ ብዛዕባ እቲ ኣስናኑ ሓፂን፥ ኣፅፋሩ ኸዓ ነሃስ ዝኾነ፥ ዝውሕጥን ዝሰባብርን፥ ንዝተረፎ ድማ በእጋሩ ዝረጋግፅ ዝነበረን፥ ካብ ካልኦት ኣራዊት ዝተፈልየን፥ እምብዛ ዘፍርሕን ራብዓይ ኣራዊት ክፈልጥ ደለኹ።
20ብዛዕባ እቲ ኣብ ርእሱ ዝነበረ ዓሰርተ ኣቕርንትን፥ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ሰለስተ ኣቕርንቲ ዝወደቑ፥ ደሓር ዝወፀ ንእሽተይ ቀርኒን፥ እቲ ኣዒንቲ ዝነበራኦ፥ ብትዕቢት ዝዛረበሉ ኣፍ ዝነበሮ፥ ትርኢቱ ድማ ኻብቶም ካልኦት የመና ዘፍርሕ ዝነበረ ቐርኒ፥ ክፈልጥ ደለኹ።
21ክጥምት እንተለኹ ኸዓ እቲ ቐርኒ፥ ኣብ ልዕሊ ቅዱሳን እግዚኣብሄር ኲናት ኣዊጁ ሰዓሮም።
22እዙይ ዝኸውን፥ እቲ ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ዝነብር ክሳዕ ዝመፅእ፥ ፍርዲ ኸዓ ነቶም ቅዱሳን እቲ ልዑልውን፥ ኣምላኽ ከዓ ኽሳዕ ዝህብ፥ ቅዱሳን እቲ ልዑል መንግስቲ ዝወርሱላ ጊዜ ኽሳዕ እትበፅሕ ነበረ።
23ንሱ ኸዓ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረበኒ፦ “እቲ ራብዓይ ኣራዊት፥ እቲ ኻብ ኵሉ መንግስታት ፍሉይ ዝዓይነቱ፥ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዝለዓል ራብዓይ መንግስቲ እዩ። ንሱ ንዅላ ምድሪ ኽውሕጥን ክረግፅን እዩ።
24እቶም ዓሰርተ ኣቕርንቲ ኸዓ፥ እቶም ካብዝ መንግስቲ እዙይ ዝትስኡ ዓሰርተ ነገስታት እዮም፤ ድሕሪ እዚኣቶም ድማ፥ ካብቶም ቀዳሞት ዓይነቱ ፍሉይ ዝኾነ፥ ካልእ ክትስእ እዩ፤ ንሰለስተ ነገስታትውን ከውርዶም እዩ።
25ኣብ ልዕሊ እቲ ልዑል እግዚኣብሄር፥ ቃል ትዕቢት ክዛረብ እዩ፤ ንቅዱሳን እቲ ልዑልውን ከጨንቖም እዩ፤ ዘመናትን ሕግጋትን ክልውጥ ድማ ኽህቅን እዩ፤ ንሳቶምውን ንዘመንን፥ ዘመናትን ፍርቂ ዘመንን ኣብ ኢዱ ኽወሃቡ እዮም።
26ግና ዙፋን ፍርዲ ኽዝርጋሕ እዩ፤ ፈፂሙ ምእንቲ ኽፀንትን ክጠፍእን ከዓ ግዝኣቱ ኻብኡ ኽውሰድ እዩ።
27እቲ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ሰማይ ዘሎ መንግስትን፥ ግዝኣትን ዕቤት መንግስታትን ንቅዱሳን ህዝቢ እቲ ልዑል ክወሃብ እዩ፤ መንግስቱ፥ ናይ ዘለኣለም መንግስቲ እያ፤ ኵሎም ገዛእቲ ኸገልግልዎን ክእዘዝዎን እዮም።”
28ፍፃመ እቲ ነገር ክሳዕ እዙይ እዩ። ኣነ ዳንኤልውን ሓሳባተይ ኬርና ኣጨነቐኒ፤ ገፀይ ተለወጠ፤ ነቲ ነገር ከዓ ኣብ ልበይ ዓቘርክዎ።