ግብሪ ሃዋርያት 9

BCVትግርኛ43 ፍቕድታት6:50 ስማዕ
ስማዕ 6:50 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ሳውል ግና ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ጐይታ፥ “ክቐትሎም እየ” ኢሉ እናተሓነየ፥ ናብቲ ሊቀ ካህናት ከደ።

2ዝኾነ ይኹን፥ ነቶም መንገዲ ጐይታ ዝስዕቡ ሰብኡትን ኣንስትን እንተ ረኸበ ድማ፥ እናኣሰረ ናብ ኢየሩሳሌም ከምፅኦም ዘኽእሎ፥ ናብተን ኣብ ደማስቆ ዘለዋ ኣብያተ ፀሎት ኣይሁድ ዝበፅሕ፥ ናይ ፍቓድ መልእኽቲ፥ ካብ ሊቃነ ካህናት ለመነ።

3ክኸይድ እንተሎ ኸዓ፥ ናብ ከተማ ደማስቆ ቐረበ፤ ብድንገት ድማ፥ ካብ ሰማይ ብርሃን ኣብ ዙርያኡ ኣንፀባረቐ።

4ናብ ምድሪ እውን ወደቐ፤ “ሳውል፥ ሳውል፥ ስለ ምንታይ ተሳጕጐኒ?” ዝብል ድምፂውን ሰምዐ።

5ንሱ ድማ “ጐይታይ፥ መን ኢኻ?” በሎ፤ ጐይታ ኸዓ “ኣነ እቲ ንስኻ እተሳጕጐኒ ዘለኻ ኢየሱስ(ሀ) እየ። በሊሕ ነገር እንተ ረገፅካ ንባዕልኻ እዩ ዝገደካ” በሎ።

6ንሱ ኸዓ ፈሪሑ እናንቀጥቀጠ “ጐይታይ፥ እንታይ ክገብር ትደሊ ኣለኻ?” በሎ። ጐይታ ድማ “ተስእ እሞ ናብ ከተማ እቶ፤ እንታይ ክትገብር ከም ዝግብአካውን፥ ኣብኡ ኽነግሩኻ እዮም” በሎ።

7እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባት ድማ፥ ድምፂ እናሰምዑ ሓደኳ ብዘይምርኣዮም ገሪምዎም ደው በሉ።

8ሳውል ድማ ኻብቲ ዝወደቐሉ ምድሪ ተሲኡ፥ ኣዒንቱ ቛሕ ኣበለ፤ እንተ ኾነ ኽርኢ ኣይከኣለን፤ ስለዙይ ብኢዱ እናመርሑ ናብ ደማስቆ ኣእተውዎ።

9እንተይረአየን እንተይበልዐን እንተይሰተየን ድማ፥ ሰለስተ መዓልቲ ገበረ።

10ኣብ ደማስቆ ኸዓ፥ ሓደ ሓናንያ ዝስሙ ደቀ መዝሙር ነበረ። ንእኡ ጐይታ ብራእይ “ሓናንያ” ኢሉ ፀውዖ፤ ንሱ ኸዓ “እኒሀኹ ጐይታይ” በለ።

11ጐይታ ድማ “ተስእ እሞ፥ ናብታ ቕንዕቲ ተብሂላ እትፅዋዕ መንገዲ ኺድ፤ ሳውል ዝበሃል ሰብኣይ በዓል ጠርሴስ ይፅሊ ኣሎ እሞ፥ ኣብ እንዳ ይሁዳ ድለዮ፤

12ብራእይ ሓናንያ ዝበሃል ሰብ ናብኡ ኣትዩ፥ ኢዱ ኣብ ልዕሊኡ እንተንብረሉ፥ ኣዒንቱ ኸም ዝሪኣ፥ ብራእይ ተገሊፁሉ ኣሎ” በሎ።

13ሓናንያ ኸዓ “ኦ ጐይታ! ብዛዕባ እዝ ሰብኣይ እዙይ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ንቕዱሳንካ ኽንደይ ክፉእ ከም ዝገበሮም፥ ካብ ብዙሓት ሰሚዐ ኣለኹ።

14ናብዙይ ድማ፥ ነቶም ስምካ ዝፅውዑ ዅሎም ክኣስር፥ ካብ ሊቃነ ካህናት ስልጣን ተውሂብዎ ኣሎ” ኢሉ መለሰ።

15ጐይታ ግና “ኪድ ደኣ፥ እዝ ሰብኣይ እዙይ፥ ኣብ ቅድሚ ኣህዛብን ነገስታትን ህዝቢ እስራኤልን፥ ስመይ ክፀውር ዘለዎ፥ ናተይ ሕሩይ ኣቕሓ እዩ።

16ምእንቲ ስመይውን፥ ብዙሕ መከራ ኽቕበል ከም ዘለዎ ኸርእዮ እየ” በሎ።

17ሓናንያ ኸዓ፥ ከይዱ ናብ ገዛ ኣተወ፤ ኢዱ ኣብ ልዕሊኡ ኣንቢሩ ድማ “ሳውል ሓወይ፥ እቲ ኽትመፅእ እንተለኻ፥ ኣብ መንገዲ ዝተርኣየካ ጐይታ ኢየሱስ፥ ክትርእን መንፈስ ቅዱስ ክመልአካን ናባኻ ልኢኹኒ” በሎ።

18ሽዑ ንሽዑ ኸዓ፥ ካብ ኣዒንቱ ኸም ቅርፍቲ ዝበለ ረጊፉ ወደቐ(ለ) እሞ ረአየ፤ ተሲኡውን ተጠመቐ።

19ምግቢ ምስ በልዐ ድማ በርትዐ። ሳውል ከዓ ምስቶም ኣብ ደማስቆ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርት፥ ንቑሩብ መዓልቲ ተቐመጠ።

20ሽዑ ድማ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ(ሐ) “ኢየሱስ ወዲ እግዚኣብሄር እዩ” እናበለ ኽሰብኽ ጀመረ።

21እቶም ዝሰምዕዎ ዅሎም ድማ፥ “እዙይ ደኣ፥ እቲ ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ስም ኢየሱስ ዝፅውዑ ዅሎም፥ ዘሳጕግ ዝነበረዶ ኣይኮነን? ናብዙይ መፂኡ ዘሎስ፥ ንኣኣቶም እናኣሰረ ናብ ሊቃነ ካህናት ምእንቲ ኽወስዶምዶ ኣይኮነን?” እናበሉ ተገረሙ።

22ሳውል ግና እናበርትዐ ኸደ፤ ነቶም ኣብ ደማስቆ ዝቕመጡ ዝነበሩ ኣይሁድ ከዓ፥ ኢየሱስ ብሓቂ፥ እቲ ክርስቶስ ከም ዝኾነ እናረድአ ይረትዖም ነበረ።

23ብዙሕ መዓልቲ ምስ ሓለፈ ድማ፥ ኣይሁድ ንሳውል ክቐትልዎ ሓቢሮም ተማኸሩ።

24ንሱ ግና ኽቐትልዎ ኸም ዝተማኸሩ ፈለጠ፤ ንሳቶም ድማ ምእንቲ ኽቐትልዎ፥ ነቲ ኣፍ ደገታት እታ ኸተማ፥ ለይትን መዓልትን ይሕልውዎ ነበሩ።

25እንተ ኾነ፥ እቶም ደቀ መዛሙርት ብለይቲ ወሲዶም፥ ኣብ ቅርጫት ገይሮም ብቕፅሪ ኣውረድዎ።

26ሳውል ኣብ ኢየሩሳሌም ምስ በፅሐ፥ ናብቶም ደቀ መዛሙርት ክሕወስ ፈተነ፤ ንሳቶም ግና፥ ደቀ መዝሙር ምዃኑ ስለ ዘይኣመኑ ዅላቶም ፈርሕዎ።

27በርናባስ ግና፥ ተቐቢሉ ናብ ሃዋርያት ኣምፅኦ፤ ጐይታ ኣብ መንገዲ ኸመይ ኢሉ ኸም ዝተርኣዮን ከም ዝተዛረቦን፥ ኣብ ደማስቆ ኸዓ፥ ብስም ኢየሱስ ከመይ ገይሩ፥ ብትብዓት ከም ዝመሃረን ነገሮም።

28ኣብ ኢየሩሳሌም ከዓ፥ ተቢዑ ብስም ጐይታ እናተዛረበ፥ ምስኣቶም ይኣቱን ይወፅእን ነበረ።

29ምስቶም ካብ ግሪክ ዝመፁ ኣይሁድ ድማ፥ ይዛረብን ይከራኸርን ነበረ፤ ንሳቶም ግና ኽቐትልዎ ደለዩ።

30እቶም ኣሕዋት ምስ ፈለጡ ድማ፥ ናብ ቂሳርያ ኣውረድዎ፤ ናብ ጠርሴስውን ሰደድዎ።

31ስለዙይ ከዓ እታ ኣብ ኵላ ይሁዳን ገሊላን ሰማርያን ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን፥(መ) ሰላም ረኺባ ተሃንፀት፤ ብፍርሓት እግዚኣብሄር እናተመላለሰት፥ ብመንፈስ ቅዱስ እናተፀናንዐት፥ ትበዝሕ ነበረት።

32ጴጥሮስ ኣብ ኵሉ ኽዘውር እንተሎ፥ ናብቶም ኣብ ልዳ ዝነብሩ ቅዱሳን ወረደ።

33ኣብኡ ድማ ንሸሞንተ ዓመት ዝኣክል፥ ኣብ ዓራት ደቂሱ ዝነብር ሓደ ኤንያ ዝስሙ መፃጕዕ ረኸበ።

34ጴጥሮስ ድማ “ኤንያ፥ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣሕውዩካ ኣሎ፤ ተስእ፥ ዓራትካ ኣንፅፍ”(ሠ) በሎ። ሽዑ ንሽዑ ተስአ።

35ኵሎም ኣብ ልዳን ኣብ ሳሮንን ዝነብሩ ከዓ፥ ንእኡ ሪኦም ናብ ጐይታ ተመለሱ።

36ኣብ ከተማ ኢዮጴ ድማ፥ ጣቢታ(ረ) እትበሃል ኣማኒት ነበረት፤ ትርጕሙ ድማ፥ ድኵላ ማለት እዩ፤ ንሳ ኸዓ ሰናይ ምግባርን፥ ምፅዋት ምሃብን ተዘውትር ነበረት።

37በቲ ቕነ እቱይ ሓሚማ ሞተት፤ ሓፂቦም ድማ ኣብ ደብሪ ኣንበርዋ።

38ከተማ ልዳ ንኢዮጴ ቀረባ ነበረት፤ እቶም ደቀ መዛሙርት ከዓ፥ ጴጥሮስ ኣብ ልዳ ኸም ዘሎ ምስ ሰምዑ፥ ክልተ ሰባት ልኢኾም እንተይደንጐየ ኽመፆም ለመንዎ።

39ሽዑ ጴጥሮስ ተሲኡ ምስኣቶም ከደ፤ ኣብኡ ምስ በፅሐ ድማ፥ ናብ ደብሪ ኣደየብዎ፤ ኵለን እተን መበለታት ከዓ፥ ኣብ ጥቓኡ ደው ኢለን እናበኸያ፥ እቲ ጣቢታ ብህይወት ምስኣተን እንተላ ብኢዳ ዝኣለመቶ(ሰ) ቐማውሽን ክዳውንትን ኣርአያኦ።

40ሽዑ ጴጥሮስ ንዅሎም ንደገ ኣውፂኡ፥ ተንበርኪኹ ፀለየ፤ ናብቲ ሬሳኣ ቘላሕ ኢሉ ኸዓ “ጣቢታ፥ ተስኢ” በላ፤ ንሳ ድማ ኣዒንታ ቛሕ ኣቢላ ንጴጥሮስ ረአየቶ፤ ተሲኣውን ኮፍ በለት።

41ንሱ ኸዓ ብኢዱ ሒዙ ኣተስኣ፤ ነቶም ቅዱሳንን ነተን መበለታትን ፀዊዑ ድማ፥ ብጥዒታ ሃቦም።

42እዙይ ኣብ ኵሉ ኢዮጴ ተፈለጠ፤ ብዙሓት ከዓ ብጐይታ ኣመኑ።

43ጴጥሮስ ድማ፥ ኣብ ኢዮጴ ምስ ሓደ እንዳ ቘርበት ዘልፍዕ፥ ስምኦን ዝስሙ፥ ንብዙሕ መዓልቲታት ተቐመጠ።

ትርጓሜ

9:1-9 ሳኦል ኣዝዩ ብዘይፍልጠት ተሓጺሩ ስለ ዝነበረ፡ ንቕዱስ ስም ክርስቶስ ዚኻእሎ ኩሉ ክጻረር ከም ዘለዎ ሓሰበ፡ በዚ ድማ ንኣምላኽ ኣገልግሎት ይገብር ከም ዝነበረ እዩ ዝመስሎ ነይሩ። ነዚ ኸኣ ከም ንፋስ ህይወቱ ገይሩ ይትንፍሶ ነበረ። ንናይ ምሕዳስ ጸጋ ንለውጢ እቶም ዝዓበዩ ሓጥኣን ተስፋ ኣይንቊረጽ። ከምኡውን ንኸምኡ ዝበሉ ካብ ምሕረት ምቕራይ ኣምላኽ ንዝዓበየ ሓጢኣት ተስፋ ከይቆርጹ። ኣምላኽ ጸጋኡ ብውሽጣዊ ስርሑ ተባዕተወ ኮይኑ ወይ ድማ ብናይ ኣምላኽ ኣተሓሕዛ ፍጻመታት ንሓጢኣታዊ ዕላማታትና ካብ ምፍጻምን ምቅጻልን እንተ ኣዐገበና፡ እዚ ፍሉይ ምልክት ኣምላኻዊ ደገፍ እዩ። ሳኦል ነቲ ጻድቕ ርኣየ (ግብ. 22:14፤ 26:13)። እቲ ዘይርአ ዓለም ክንደይስ ቀረባና እዩ! ኣምላኽ መጋረጃ ምእላይ ጥራይ እዩ ዝድለዮ እሞ፡ እምብኣርከስ ነገራት ናብ እምሮ ይቕርቡ። በንጻሩ ድማ፡ ኣብ ምድሪ ዝተፈልጠ ኩሉ ንኡስን ንዕቀት ዘለዎን ይኸውን። ሳኦል ብዘይ ወሰን ተገዝአ፡ ጐይታ የሱስ እንታይ ከም ዝደልዮ ክፈልጥ ድማ ደለየ። ክርስቶስ ንርእሱ ንነፍሰ-ውቁዓት ነፍሳት ምግላጹ ትሕትና ዘለዎ እዩ፡ ንኣቶም ድማ ብዛዕባ ርእሶም ኣብ ትሑት ሓሳባት የውርዶም። ሳኦል ንሰለስተ መዓልታት ዝኾነ ምግብን ኣይበልዔን፡ ኣምላኽ ድማ ንሳዕቤኑ ነቲ ግዜ እቲ ብዘይሕገዝ ክገድፎ ፍቓዱ ኮነ። ሕጂ ሓጢኣታቱ ኣብ ቅድሚኡ ተሰሪዑ ነበረ፡ ብዛዕባ መንፈሳዊ ኩነታቱ ድማ ኣብ ጸልማት ነበረ፡ ንሓጢኣቱ ድማ ብመንፈሱ ተወግአ። ሓደ ሓጥእ ናብ ቅኑዕ ምስትውዓል ናይ ገዛእ ኩነታቱን ባህርያቱን ምስ ዝመጽእ፡ ርእሱ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ምሕረት መድሓኒ የውድቕ፡ እንታይ ከም ዝደልዮ ድማ ይሓትት። ኣምላኽ ነቲ ዝተዋረደ ሓጥእ ኪመርሖ እዩ፡ ብዘይ ጓህን ጭንቀትን ሕልና ድማ ምስ ምእማን ናብ ሓጎስን ሰላምን ንገበረኛታት ብቐሊሉ ኣየብጽሖምን እኳ እንተኾነ፡ በዚ ድማ ነፍሲ ንዘለኣለማዊ ነገራት ኣዝያ ተዋፊራ ትኸውን፡ እንተኾነ ግን፡ ብንብዓት ዝዘርኡ ብሓጎስ ይዓጽዱ እዮም፡ ቡሩኻት እዮም።

9:10-22 ኣብ ሳኦል ጽቡቕ ግብሪ ተጀመረ፡ ናብ እግሪ ክርስቶስ ብቓላት፡ “ጐይታይ፡ እንታይ ክገብር ትደሊ?” ምስ ቀረበ። ክርስቶስ ከኣ ናብኡ ዝመጹ ሰባት ፈጺሙ ኣይሓደገን። እሆ፡ ትዕቢተኛ ፈሪሳዊ፡ ዘይድንግጽ መጽሃቒ፡ ዝደፈረ ጸራፊ፡ ይጽሊ ኣሎ! ከምዚ ድማ ሕጂ'ውን ምስ ትዕቢተኛ ከሓዲ ወይ ምስቲ ኣዝዩ ዝበደለ ሓጥእ ይኸውን። እዚ እንታይ ዝኣመሰለ ሕጉስ ወረ እዩ፡ ነቶም ባህሪን ሓይልን ጸሎት፡ ካብቲ ትሑት ሓጥእ ንበረኸት ናጻ ምድሓን ዘቕርቦ ጸሎት፡ ዝርዳኡ ኩሎም! ሕጂ ኸኣ ቀደም ካብ ዝገብሮ ወጻኢ ብኻልእ ኣገባብ ክጽሊ ጀመረ፡ ቅድሚ ሕጂ ጸሎቱ ይዛረብ ነበረ እምበር፡ ሕጂ ግን የጽልዮም ኣሎ። ጸጋ ሓዳስ ልደት ሰባት ንኽጽልዩ ተባዕተወኦም፡ ህያው ሰብ ብዘይ ትንፋስ ከም ዝርከብ፡ ከምኡ ድማ ህያው ክርስትያን ብዘይ ጸሎት ኣይርከብን።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6