1ኣብ መበል ሓምሳ መዓልቲ፥ ድሕሪ ፋሲካ ዝውዕል በዓል ጰንጠቆስጤ፥(ሀ) ዅላቶም ሓቢሮም እንተለዉ፥
2ብድንገት ከም ብርቱዕ ኣውሎ ንፋስ፥ ካብ ሰማይ ድምፂ መፀ። ነታ ተቐሚጦሙላ ዝነበሩ ቤትውን መልኣ።
3ልሳናት ሓዊ ዝመስል ድማ ተርኣዮም፤ ተመቓቒሉ ኸዓ፥ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፎም ተቐመጠ።
4ንዅሎም ድማ መንፈስ ቅዱስ(ለ) መልኦም፤ መንፈስ ቅዱስ ክዛረቡ ኸም ዝሃቦምውን፥ ብኻልእ ቋንቋታት ክዛረቡ ጀመሩ።
5ኣብ ዓለም(ሐ) ካብ ዘለዉ ሃገራት ኣህዛብ ዝመፁ፥ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሑ(መ) ኣይሁድ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ነበሩ።
6እዝ ድምፂ እዙይ ምስ ሰምዑ፥ ብዙሓት ህዝቢ ተኣከቡ። ነፍሲ ወከፎም፥ በብቛንቋኣቶም ክዛረቡ ምስ ሰምዑ ኸዓ ተገረሙ።
7ኵላቶም ተገሪሞምን ተደኒቖምን፦ “እንሆ እዞም ዝዛረቡ ዅላቶም፥ ገሊላውያንዶ ኣይኮኑን?
8ከመይ ኢልና ደኣ ዅላትና፥ በብቲ ዝተወለድናሉ ቛንቋ፥ እንትዛረቡ ንሰምዖም ኣለና?
9ንሕና ሰብ ጳርቴን ሰብ ሜድን ሰብ ኢላምን፥ እቶም ኣብ መስጴጦምያን ኣብ ይሁዳን ኣብ ቀጰዶቅያን ኣብ ጳንጦስን ኣብ እስያን ዝነብሩ፥
10ኣብ ፍርግያን ኣብ ጵንፍልያን ኣብ ግብፅን ኣብ ከባቢ ቀሬና ዘለዋ ዓድታት ሊብያን ካብ ሮሜ ዝመፃእና ኣይሁድን፥ ናብ ይሁዲነት ዝኣተና ወገናት ኣህዛብን፥
11ሰብ ቀርጤስን ዓረብን ኢና፤ እንተ ኾነ እንሆ በብቛንቋና፥ ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ግብሪ እግዚኣብሄር፥ ክዛረቡ ንሰምዖም ኣለና” በሉ።
12ኵላቶም ደንጊፆም ዝብልዎ ጠፊእዎም ከዓ ንስንሳቶም “እዝ ነገር እዙይስ እንታይ ኮን ይኸውን!” ተበሃሃሉ።
13ገሊኣቶም ግና እናላገፁሎም “እዚኣቶም ጕዕሽ ወይኒ ሰትዮም፥ ሰኺሮም እዮም” እናበሉ ሰሓቕዎም።
14ሽዑ ጴጥሮስ ምስቶም ዓሰርተ ሓደ ተሲኡ፥ ድምፁ ዓው ኣቢሉ፥ ከምዙይ ኢሉ ተዛረቦም፦ “ኣቱም ሰብ ይሁዳን፥ ኣብ ኢየሩሳሌም እትነብሩ ዅልኻትኩምን፥ እቲ ዝኾነ ነገር ምእንቲ ኽትፈልጡ፥ ፅን ኢልኩም ስምዑኒ።
15ከምቲ ንኣኻትኩም ዝመሰለኩም፥ እዚኣቶም ሰኺሮም ኣይኮኑን፤ ገና ሰለስተ ሰዓት ናይ መዓልቲ እዩ እሞ።
16እዙይ ግና፥ ከምቲ ነቢይ ኢዩኤል ዝበሎ እዩ፦
17‘በተን ዳሕረዎት መዓልቲታት፥ ከምዙይ ክኸውን እዩ ይብል እግዚኣብሄር፦ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሰብ፥ ካብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ፤ ኣወዳትኩምን ኣጓላትኩምን ክንበዩ፥ ኣጓብዝኩም ከዓ ራእይ ክሪኡ፥ ሽማግለታትኩምውን ሕልሚ ኽሓልሙ እዮም።
18እወ፥ በተን ዳሕረዎት መዓልቲታት እቲኣተን፥ ኣብ ሰብኡትን ኣንስትን ኣገልገልተይ፥ መንፈሰይ ከፍስስ እየ፤ ንሳቶም ከዓ ኽንበዩ እዮም።
19ኣነ ድማ፥ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ተኣምራት፥ ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ኸዓ፥ ምልክት ደምን ሓዊን ጣቓን ክገብር እየ።
20እታ ዓባይን እተገርምን መዓልቲ እግዚኣብሄር እንተይመፀት፥ ፀሓይ ናብ ፀልማት፥ ወርሒ ኸዓ፥ ናብ ደም ክትልወጥ እያ።
21ኵሉ ስም እግዚኣብሄር ዝፅውዕ ድማ፥ ክድሕን እዩ።’
22“ኣቱም ሰብ እስራኤል፥ ነዝ ነገር እዙይ ስምዑ፤ ከምቲ ባዕልኻትኩም እትፈልጥዎ፥ ናይ ናዝሬት ኢየሱስ፥ በቲ እግዚኣብሄር ብእኡ፥ ኣብ ማእኸልኩም ዝገበሮ ሓይልን ተኣምራትን ምልክትን፥ እግዚኣብሄር ዝመስከረሉ ሰብ እዩ ነይሩ።
23ከምቲ ምዱብ ምኽሪ እግዚኣብሄርን፥ ዘለኣለማዊ ፍልጠቱን፥ ንዝተወፈየ ኢየሱስ፥ ብኢድ ሓጢኣተኛታት፥ ሰቐልኩምዎን ቀተልኩምዎን።
24ሞት ሒዙ ኸፅንዖ ስለ ዘይከኣለ ኸዓ፥ እግዚኣብሄር መእሰሪ ሞት ፈቲሑ ኣተስኦ።
25ዳዊትውን ብዛዕባኡ ኸምዙይ ይብል፦ ‘ንእግዚኣብሄር ኵልሻዕ ኣብ ቅድመይ እሪኦ፤ ንሱ ብየማነይ ስለ ዘሎ ኸዓ ኣይናወፅን እየ፤
26ስለዙይ ልበይ ተሓጐሰ፤ ልሳነይ ከዓ ዕልል በለት፤ ስጋይውን ብተስፋ ኽነብር እዩ።
27ንነፍሰይ ኣብ ሲኦል ኣይትሓድጋን ኢኻ፤ ንቕዱስካ ድማ፥ ኣብ መቓብር ክብስብስ ኣይትገድፎን ኢኻ።
28ንስኻ መንገዲ ህይወት ኣፍለጥካኒ፤ ምሳይ ብምህላውካ ድማ፥ ብታሕጓስ ክተፅግበኒ ኢኻ።’
29“ኣቱም ኣሕዋትና፥ እቲ ርእሲ ኣቦታት ዝኾነ ዳዊት፥ ከም ዝሞተን ከም ዝተቐበረን፥ መቓብሩ ኸዓ ኽሳዕ ሎሚ ኣባና ኸም ዘሎን፥ ኣረጋጊፀ እነግረኩም ኣለኹ።
30ንሱ ነቢይ ስለ ዝነበረ፥ እግዚኣብሄር ሓደ ኻብ ፍረ ኸርሱ ኣብ ዙፋኑ ኸቐምጥ፥ ማሕላ ኸም ዝመሓለሉ ይፈልጥ ነበረ።
31ነፍሱ ኣብ ሲኦል ከም ዘይትተርፍ፥ ስጋኡውን ምብስባስ ከም ዘይርኢ፥ ኣቐዲሙ ፈሊጡ፥ ብዛዕባ ትንሳኤ ክርስቶስ ተዛረበ።
32እግዚኣብሄር ነዝ ኢየሱስ፥ ኣተሲእዎ እዩ፤ ንሕና ዅላትና ኸዓ፥ ናይዝ ነገር እዙይ መሰኻኽር ኢና።
33ሕዚ ድማ ኣብ የማን እግዚኣብሄር ብኽብሪ ምስ ተቐመጠ፥ ተስፋ መንፈስ ቅዱስውን፥ ካብ ኣብ ምስ ተቐበለ፥ ነዝ ንስኻትኩም እትሪእዎን እትሰምዕዎን ዘለኹም፥ ንሱ ኣፍሰሶ።
34ዳዊት ባዕሉ ደኣ ‘ጐይታ ንጐይታይ፥ ንፀላእትኻ መርገፂ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፥ ኣብ የማነይ ተቐመጥ፥ በሎ’ ይብል እምበር፥ ንሱስ ናብ ሰማይ ኣይዓረገን።
36እምበኣርከስ፥ ነዝ ንስኻትኩም ዝሰቐልኩምዎ ኢየሱስ፥ እግዚኣብሄር ንእኡ ጐይታን መሲሕን ከም ዝገበሮ፥ ኵሉ ቤት እስራኤል ብርግፅ ይፍለጥ።”
37ሽዑ እዙይ ምስ ሰምዑ ልቦም ተነኽአ እሞ፥ ንጴጥሮስን ነቶም ካልኦት ሃዋርያትን “ኣቱም ኣሕዋትና፥ እንታይ ደኣ ንግበር?” በልዎም።
38ጴጥሮስ ድማ፦ “ተነስሁ፤ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኽሕደገልኩም፥ ኵልኻትኩም ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ተጠመቑ፤ ውህብቶ መንፈስ ቅዱስውን ክትቅበሉ ኢኹም።
39እቲ ተስፋ ንኣኻትኩምን ንደቅኻትኩምን፥ ነቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንዝፅውዖም፥ ኣብ ርሑቕ ንዘለዉውን እዩ እሞ” በሎም።
40ካልእ ብዙሕ ነገርውን ነገሮምሞ፥ “ካብዝ ኽፉእ ትውልዲ ርእስኹም ኣድሕኑ” ኢሉውን መዓዶም።
41እቶም ሽዑ ነቲ ቓሉ ዝተቐበሉ፥ ተጠመቑ። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፥ ሰለስተ ሽሕ ዝኣኽሉ ኣመንቲ ተወሰኽዎም።
42ንሳቶም ከዓ ትምህርቲ ሃዋርያት ብምክትታልን፥ ሓቢሮም ብምንባርን፥ ብምቝራስ እንጀራን፥ ብፀሎትን ፀኒዖም ነበሩ።
43ብዙሕ ምልክትን ተኣምራትን ድማ፥ ብኢድ ሃዋርያት ይግበር ነበረ፤ ኣብ ኵሎም ከዓ ፍርሓት ኮነ።
44እቶም ዝኣመኑ ዅሎም ድማ፥ ሓቢሮም ይነብሩ ነበሩ። ዘለዎም ኵሉ ኸዓ ናይ ሓባር ነበረ፤
45ንሳቶም መሬቶምን ጥሪቶምን ሸይጦም፥ ንኹላቶም ከከም ዘድልዮም ይመቕልዎም ነበሩ።
46በብመዓልቱውን፥ ኣብ ቤተ መቕደስ እንተየቋረፁ፥ ብሕብረት ፀኒዖም ይእከቡ ነበሩ። ኣብ ገዛውቶም እንጀራ እናቘረሱ ኸዓ፥ ብታሕጓስን ብቕኑዕ ልብን፥ ኣብ ማእዲ ይሳተፉ ነበሩ፤
47ንእግዚኣብሄርውን የመስግኑ ነበሩ፤ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ድማ ሞገስ ነበሮም፤ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ዝድሕኑ ዕለት ዕለት፥ ናብቲ ማሕበር ይውስኽ ነበረ።