ግብሪ ሃዋርያት 10

BCVትግርኛ46 ፍቕድታት6:51 ስማዕ
ስማዕ 6:51 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኣብ ቂሳርያ “ኢጣልያዊ(ሀ) ጭፍራ” ንዝበሃል ክፍሊ ሰራዊት ሓለቓ ሚእቲ ዝኾነ፥ ቆርኔሌዎስ ዝተብሃለ ሰብ ነበረ።

2ንሱ ምስ ኵሉ ስድራ ቤቱ ናብ እግዚኣብሄር ዝፅሊ፥ ንህዝቢ እውን ብዙሕ ምፅዋት ዝምፅውት፥ ኵልሻዕ ከዓ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ መንፈሳዊ ሰብ ነበረ።

3ብታሽዐይቲ ሰዓት ናይ መዓልቲ ኣቢሉ ድማ፥ ናይ እግዚኣብሄር መልኣኽ ብገሃድ ተርኣዮ፤ ናብኡ ኣትዩ “ቆርኔሌዎስ” በሎ።

4ብፍርሒ ናብኡ እናጠመተ ኸዓ “እንታይ እዩ ጐይታይ?” በሎ። እቲ መልኣኽ ድማ “ፀሎትካን ምፅዋትካን፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንመዘከርታ ዓሪጉ እዩ፤

5ሕዚ ኸዓ ናብ ኢዮጴ ሰባት ልኢኽካ፥ ነቲ ጴጥሮስ ዝበሃል ስምኦን ፀውዓዮ።

6ንሱ ምስቲ ቘርበት ዘልፍዕ፥ ገዛኡ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘላ ስምኦን፥ ጋሻ ኾይኑ ኣትዩ ኣሎ” በሎ።(ለ)

7እቲ ዝዛረቦ ዝነበረ መልኣኽ ምስ ከደ ኸዓ፥ ካብቶም ሓሻኽሩ ኽልተ፥ ካብቶም ዝሕልውዎ ወታደራት ከዓ፥ ሓደ ፍርሓት እግዚኣብሄር ዘለዎ ፀውዐ እሞ፥

8ነቲ ዝኾነ ነገራት ኣረዲኡ፥ ናብ ኢዮጴ ለኣኾም።

9ብፅባሒቱ ንሳቶም ከይዶም፥ ጥቓ እታ ኸተማ ምስ በፅሑ፥ ጴጥሮስ ብሻድሸይቲ ሰዓት ኣቢሉ፥ ክፅሊ ናብ ናሕሲ ደየበ።

10ሽዑ ስለ ዝጠመየ ኽበልዕ ደለየ፤ ምሳሕ ኸዳልዉሉ እንተለዉ ኸዓ ተመሰጠ።

11እንሆ ኸዓ ሰማይ ተኸፊቱ፥ በርባዕተ መዓዝኑ ዝተትሓዘ ዓብዪ መጋረጃ ዝመስል ነገር፥ ናብ ምድሪ ኣቢሉ እንትወርድ ረአየ።

12ኣብኡ ኸዓ ዅሎም ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም ኣራዊትን፥ ኣብ ምድሪ ለመም ዝብሉን፥ ኣዕዋፍ ሰማይን ነበሩ።

13ሽዑ “ጴጥሮስ ተስእ፤ ሓሪድካ ብላዕ” ዝብል ድምፂ መፆ።

14ጴጥሮስ ግና፥ “ጐይታ፥ ኣይኸውንን፤ ርኹስ ወይ ዘፈንፍን ፈፂመ በሊዐ ኣይፈልጥን”(ሐ) በለ።

15መሊሱ ድማ ንኻልኣይ ጊዜ “ነቲ እግዚኣብሄር ዘንፅሆ፥ ንስኻ ‘ኣይተርክሶ’ ” ዝብል ድምፂ መፆ።

16እዝ ነገር እዙይ ሰለስተ ሻዕ ኾነ፤ ሽዑ ንሽዑ ኸዓ፥ እቲ መጋረጃ ናብ ሰማይ ተወሰደ።

17ጴጥሮስ ብዛዕባ እቲ ዝረአዮ ራእይ፥ “እንታይ ኮን ይኸውን” እናበለ ብልቡ ኽጭነቕ እንተሎ፥ እንሆ እቶም ካብ ቆርኔሌዎስ ዝተልኣኹ ሰባት “እንዳ ስምኦን ኣበይ እዩ” ኢሎም እናጠየቑ፥ ኣብቲ ኣፍ ደገ ደው በሉ።

18ፀዊዖም ድማ፥ እቲ ጴጥሮስ ዝበሃል ስምኦን ጋሻ፥ ኣብኡ እንተ ሃልዩ ጠየቑ።

19ጴጥሮስ ከዓ ነቲ ራእይ ከስተንትን እንተሎ፥ መንፈስ ቅዱስ “እንሆ ሰለስተ ሰባት ይደልዩኻ ኣለዉ፤

20ኣነ እየ ልኢኸዮም እሞ፥ ተሲእኻ ውረድ፤ እንተይተጠራጠርካውን ምስኣቶም ኪድ” በሎ።

21ሽዑ ጴጥሮስ ናብቶም ሰባት ወሪዱ፥ “እንሆ እቲ እትደልይዎ ዘለኹም ሰብ ኣነ እየ፤ ስለ ምንታይ መፃእኹም?” በሎም።

22ንሳቶም ድማ “ቆርኔሌዎስ እቲ ሓለቓ ሚእቲ፥ ብዅሉ ህዝቢ ኣይሁድ ዝተመስከረሉ፥ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ ፃድቕ ሰብኣይ፥ ናብ ገዛኡ ኽፅውዐካ፥ ካባኻ ድማ ቓል ክሰምዕ፥ ብቕዱስ መልኣኽ ተነጊርዎ ኣሎ” በልዎ።

23ሽዑ ጴጥሮስ ተቐቢሉ፥ ኣብ ገዛ ኣሕደሮም። ብፅባሒቱ ተሲኡ ምስኣቶም ከደ፤ ካብ ኢዮጴ ኸዓ፥ ውሑዳት ኣሕዋት ምስኡ ኸዱ።

24ብፅባሒቱ ድማ፥ ናብ ቂሳርያ ኣተዉ። ቆርኔሌዎስ ከዓ፥ ኣዝማዱን ዝኣምኖም ፈተውቱን ኣኪቡ፥ ይፅበዮም ነበረ።

25ጴጥሮስ ክኣቱ እንተሎ ቆርኔሌዎስ ተቐበሎ፤ ኣብ እግሩ ተደፊኡ ድማ ሰገደሉ።

26ጴጥሮስ ግና “ተስእ፤ ኣነውን ከማኻ ሰብ እየ” እናበለ ኣተስኦ።

27ምስኡ እናተዛረበ ኣተወ፤ ኣብኡ ድማ ብዙሓት ሰባት ረኸበ።

28“ንሓደ ኣይሁዳዊ ሰብ፥ ምስ ካልእ ህዝቢ ኽሕወስ ወይ ናብ ገዛኣቶም ክኣቱ፥ ግቡእ ከም ዘይኮነ ትፈልጡ ኢኹም፤ ንኣይ ግና፥ ንሓደ ሰብ እኳ ኸይፅየፍ፥ ወይ ‘ርኹስ እዩ’ ኸይብል እግዚኣብሄር ኣርኢዩኒ እዩ።

29ምእንቲ እዙይ ድማ ምስ ለኣኽኩምለይ፥ ሰጋእ እንተይበልኩ መፂአ ኣለኹ፤ እስኪ ንገሩኒ፥ ንምንታይ ኢኹም ዝፀዋዕኹምኒ?” በሎም።

30ቆርኔሌዎስ ድማ “ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልቲ፥ ከምዛ እዋን እዚኣ ብታሽዐይቲ ሰዓት፥ ኣብ ገዛይ እፅሊ ነበርኩ፤ እንሆ ኸዓ፥ ዘንፀባርቕ ክዳን ዝተኸድነ ሰብኣይ፥ ኣብ ቅድመይ ደው በለሞ፥

31‘ቆርኔሌዎስ፥ ፀሎትካ ተሰሚዑ፤ ምፅዋትካ ድማ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዓሪጉ እዩ።

32ስለዙይ ናብ ኢዮጴ ልኢኽካ፥ ነቲ ጴጥሮስ ዝበሃል ስምኦን ፀውዓዮ። ንሱ ኣብታ ገምገም ባሕሪ ዘላ ቤት፥ እንዳ እቲ ቘርበት ዘልፍዕ ስምኦን ተቐሚጡ ኣሎ። ንሱ ምስ መፀ(መ) ኽነግረካ እዩ’ በለኒ።

33ሽዑ ኸዓ ናባኻ ለኣኽኩ፤ ንስኻ ድማ፥ ብምምፃእኻ ፅቡቕ ገበርካ። ሕዚ ኸዓ፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝተኣዘዝካዮ ዅሉ ምእንቲ ኽንሰምዕ፥ ኵላትና ኣብ ቕድሚ እግዚኣብሄር(ሠ) ኣብዙይ እኒሀና” በሎ።

34ሽዑ ጴጥሮስ፦ “ኣብ ዝኾነ ይኹን ሃገር፥ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕን ቅንዕና ዝገብርን፥ ኣብ እግዚኣብሄር ቅቡል እዩ እምበር፥ ኣብኡ ኣድልዎ ኸም ዘየለ፥ ብሓቂ ኣስተውዓልኩ።

36እግዚኣብሄር በቲ ጐይታ ዅሉ ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንደቂ እስራኤል ሰላም እናብሰረ፥ ዝለኣኾ ቓል እዙይ እዩ፤

37እቲ ድሕሪ እታ ዮሃንስ ዝሰበኻ ጥምቀት፥ ካብ ገሊላ ጀሚሩ ኽሳዕ ይሁዳ ዝኾነ ነገር፥ ትፈልጥዎ ኢኹም።

38እግዚኣብሄር ከመይ ኢሉ፥ ንናይ ናዝሬት ኢየሱስ፥ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓይልን ከም ዝቐብኦ፥ ንሱ ኸዓ እግዚኣብሄር ምስኡ ስለ ዝነበረ፥ ኣብ ኵሉ ፅቡቕ ከም ዝገበረን፥ ንዅሎም ነቶም ንሰይጣን ዝተገዝኡ ኸም ዘሕወየውን፥ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም።

39ንሕና ኸዓ፥ ናይቲ ኣብ ኵሉ ሃገር ይሁዳን፥ ኣብ ኢየሩሳሌምን ዝገበሮ ምስክር ኢና። ንሳቶም ንእኡ ኣብ ዕንፀይቲ ሰቒሎም ቀተልዎ።

40እግዚኣብሄር ግና፥ ብሳልሰይቲ መዓልቲ ኣተስኦ፤ ብገሃድ ንኽግለፅውን ሃቦ።

41ንሱ ዝተገልፀ፥ ንዅሉ ህዝቢ ዘይኮነስ፥ ነቶም መሰኻኽር ምእንቲ ክኾኑ ኣቐዲሙ እግዚኣብሄር ንዝሓረዮም፥ ንኣና እዩ እምበር፤ ካብ ምዉታን ድሕሪ ምትሳኡ፥(ረ) ምስኡ ዝበላዕናን ዝሰተናንውን ንሕና ኢና።

42እግዚኣብሄር ንህያዋንን ንምዉታንን ክፈርድ ዝመደቦ፥ ንሱ ምዃኑ፥ ንህዝቢ ኽንሰብኽን ክንምስክርን ኣዘዘና።

43ብእኡ ዝኣምን፥ ብስሙ ስርየት ሓጢኣት ከም ዝረክብ፥ ኵሎም ነቢያት መሰኻክሩ እዮም” በሎም።

44ጴጥሮስ ገና ነዝ ነገር እዙይ እናነገሮም እንተሎ፥ ኣብቶም ነዝ ቓል እዙይ ዝሰምዑ ዅላቶም፥ መንፈስ ቅዱስ ወረደ።

45እቶም ካብ ወገን ግርዘት ዝኾኑ፥ ምስ ጴጥሮስ ዝመፁ ኣመንቲ፥ እቶም ኣህዛብ ብቛንቋታት ክዛረቡን፥ ንእግዚኣብሄር ከመስግኑን ስለ ዝሰምዑ፥ ንኣህዛብ ድማ፥ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝተውሃቦም ተገረሙ።

47ሽዑ ጴጥሮስ “እዚኣቶም ከማና መንፈስ ቅዱስ ካብ ተቐበሉስ፥ ብማይ ከይጥመቑ ክኽልክሎም ዝኽእል ደኣ መን እዩ?” በለ።

48ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ክጥመቑ ድማ ኣዘዞም፤ ድሕሪዙይ ንቑሩብ መዓልቲ ምስኣቶም ክቕኒ ንጴጥሮስ ለመንዎ።

ትርጓሜ

10:1-8 ክሳዕ ሕጂ ካብ ኣይሁድ፡ ሳምራውያንን እቶም ዝተገዝሩን ሕጊ ስርዓት ዘኽበሩን ዝነበሩ ምልዋጥ ዝገበሩ ደኣ እምበር፡ ኣብ ክርስትያናዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተጠምቀ ሓደ እኳ ኣይነበረን። ግናኸ ሕጂ ኣህዛብ ብዘይካ ፈለማ ኣይሁድ ምዃኖም፡ ኵሉ መሰል ህዝቢ ኣምላኽ ንኽካፈሉ ተጸዊዖም ነበሩ። ንጹህን ዘይረኸሰን ሃይማኖት ሓሓሊፉ ኣብቲ ዝውሕድ እንጽበዮ ስፍራ ይርከብ። ፍርሃት ኣምላኽ ኣብ ልቢ ኣብ ዝገዝኣሉ ቦታ ኵሉ፡ ኣብ ግብሪ ምሕረትን ኣምልኾን ክረአ እዩ፣ ሓደ ኸኣ ኻብቲ ሓደ ኣየድሕንን። ብዘይ ጥርጥር ቆርኔሌዎስ ክሳዕ ዝረደኦ ኣብ ቃል ኣምላኽ ናይ ሓቂ እምነት ነበሮ፡ እንተዀነ ግን ክሳዕ እዚ እዋን እዚ ንጹር እምነት ብክርስቶስ ኣይነበሮን። እዚ ግብሪ መንፈስ ኣምላኽ ነበረ፡ ብሽምግልና የሱስ ቆርኔሌዎስ ከይፈለጦ ኸሎ፡ ከምቲ ኣብ ኵላትና ዝኸውን፡ ንሕና ቕድሚ ሕጂ ብሓጢኣት ምዉታት ዝነበርና ኸተባዕትወና ከሎ። ብክርስቶስ ኣቢሉ ኸኣ ጸሎቱን ምጽዋቱን ተቐቢሉ ነበረ፡ እንተዘይኮይኑ ግን ተነጺጎም ምዀኑ ነበሮም። ብዘይ ምጥርጣር ወይ ምድንጓይ ቆርኔሌዎስ ነቲ ሰማያዊ ራእይ ተኣዘዘ። ኣብ ጉዳይ ነፍስና ጊዜ ኣይንጥፋእ።

10:9-18 ጴጥሮስ ንኣህዛብ ዝነበሮ ቅድመ-ፍርዲ፡ እግዚኣብሔር ንዕኡ ነዚ ኣገልግሎት እዚ እንተ ዘይኣዳልዎ ነይሩ፡ ናብ ቆርኔሌዎስ ምኻዱ ምዓገቶ ነይሩ። ንሓደ ኣይሁዳዊ፡ ኣምላኽ ነቶም ክሳብ ሽዑ ርኹሳት ተባሂሎም ዝቑጸሩ ዝነበሩ እንስሳታት ጽሩያት ክኾኑ ከም ዝመሓዞም ምግላጽ፡ ሕጊ ሙሴ ከም ዝተወገደ ብተግባር ከም ዝብል ነበረ። ጴጥሮስ ድማ ትርጉሙ ቀልጢፉ ክፈልጥ ተገብረ። ኣምላኽ ቅድሜና እንታይ ኣገልግሎታት ከም ዘሎናን ከመይ ገይሩ ከም ዘዳልወናን ይፈልጥ። ንሕና ድማ ትርጉም ናይቲ ዘምሃረና፡ ነቲ ክንጥቀመሉ ዘሎና ኣጋጣሚ ምስ ረኸብናዮ ንፈልጥ።

10:19-33 ሓደ ግዜ ጻውዒትና ንዝኾነ ኣገልግሎት ግልጺ ኮይኑ ምስ እንርእዮ፡ ካብ ቅድመ-ፍርድታትን ወይ ካብ ዝሓለፉ ሓሳባትን ዝብገስ ብጥርጣሬታትን ብስግኣታትን ክንሻቐል የብልናን። ቆርኔሌዎስ ካብ ጴጥሮስ ዝጽበዮ ዝነበረ ሰማያዊ ጥበብ ምእንቲ ክካፈሎም፡ ንብጾቱ ኣኪቡ ነበረ። መንፈሳዊ ምግናታትና በይንና ንምብላዕ ክንሃርፍ የብልናን። ንኣዝማድናን ንፈተውትናን ኣብ ሃይማኖታዊ ልምምዳትና ምእንቲ ክሳተፉ ንኽንዕድሞም፡ እዚ ከም ለውሃትን ኣኽብሮትን ኮይኑ ክውሃብን ክውሰድን ይግባእ። ቆርኔሌዎስ ንጴጥሮስ ክጸውዕ ኣምላኽ ዝሃቦ መምርሒ ገሊጹ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6