1ካብ ሽማግሌ፥(ሀ) ናብቲ ኣነ ብሓቂ ዝፈትዎ ፍቑር ጋይዮስ።
2ኣታ ፍቑረይ፥ ከምቲ መንፈሳዊ ናብራኻ ፅቡቕ ዘሎ፥ ከምኡ ኸዓ ብዅሉ ደሓን ክትህሉን፥ ጥዒና ኽትረክብን፥ እፅልየልካ ኣለኹ።
3ንስኻ በታ ሓቂ ትነብር ከም ዘለኻ፥ ኣሕዋት መፂኦም፥ ብዛዕባ እታ ኣባኻ ዘላ ሓቂ ብምምስካሮም፥ ብዙሕ ተሓጒሰ ኣለኹ።
4ኣነ እቶም ደቀይ፥ በቲ ሓቂ ይነብሩ ኸም ዘለዉ ኻብ ምስማዕ ዝዓቢ ሓጐስ የብለይን።
5ኣታ ፍቑረይ፥ ንሳቶም ኣጋይሽ እንተ ኾኑ እኳ፥ እቲ ነቶም ኣሕዋት እትገብሮ ዘለኻ ኣገልግሎት፥ እሙን ኴንካ ትገብሮ ኣለኻ።
6እዚኣቶም ኣብ ቅድሚ ቤተ ክርስቲያን፥ ብዛዕባ ፍቕርኻ መስኪሮም ኣለዉ። ንእግዚኣብሄር ከም ዘሐጕስ ጌርካ፥ ዘድልዮም ሂብካ ኣፋንዎም።
7ንሳቶም፥ ካብቶም ኣህዛብ ሓንቲ እኳ እንተይወሰዱ፥ ምእንቲ ስም ክርስቶስ ዝወፁ እዮምሞ።
8እምበኣር ናይታ ሓቂ፥ ተሳተፍቲ ኣገልግሎት ምእንቲ ኽንከውን፥ ከምዚኣቶም ንዝበሉ ሰባት፥ ክንሕግዞም ይግብአና እዩ።
9ኣነ ናብታ ቤተ ክርስቲያን ፅሒፈ ነይረ፤ እቲ ሓለቓኦም ክኸውን ዝደሊ ድዮጥራጢስ ግና፥ ሓሳብና ኣይቕበሎን።
10ስለዙይ ኣነ ምስ መፃእኹ፥ ነቲ ንሱ ኣብ ልዕሌና ዝዛረቦ ኽፉእ ነገራት፥ ክገልፆ እየ። እዙይ ምእኻል ኣብይዎ ኸዓ፥ ንሱ ባዕሉ ነቶም ኣሕዋት ኣይቕበሎምን፤ ነቶም ክቕበልዎም ዝደልዩውን፥ ይኽልክሎም፤ ካብ ቤተ ክርስቲያን ድማ፥ የውፅኦም ኣሎ።
11ኣታ ፍቑረይ፥ ነቲ ሰናይ ደኣ እምበር፥ ነቲ ኽፉእስ ኣይትስዓቦ። እቲ ሰናይ ዝገብር ካብ እግዚኣብሄር እዩ፤ እቲ ኽፉእ ዝገብር ግና፥ ንእግዚኣብሄር ኣይረአዮን።
12ንድሜጥሮስ ኵላቶም ይምስክሩሉ ኣለዉ፤ እታ ሓቂ ድማ፥ ባዕላ ትምስክረሉ ኣላ። ንሕናውን ንምስክረሉ ኣለና። ምስክርነትና ሓቂ ኸም ዝኾነ ድማ፥ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ።
13ብዙሕ ዝፅሕፈልካ ነይሩኒ፤ ግናኸ ብቐለምን ብብርዕን ክፅሕፈልካ ኣይደለኹን።
14ቀልጢፈ ኽሪአካ ተስፋ ኣለኒ፤ ሽዑ ኣፍ ንኣፍ ክንዘራረብ ኢና።
15ሰላም ምሳኻ ይኹን። እቶም ፈተውትኻ፥ ሰላም ይብሉኻ ኣለዉ። ነቶም ፈተውትና፥ በብስሞም ሰላም በሎም።