3ይ ዮሃንስ 1

BCVትግርኛ15 ፍቕድታት5:44 ስማዕ
ስማዕ 5:44 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ካብ ሽማግሌ፥(ሀ) ናብቲ ኣነ ብሓቂ ዝፈትዎ ፍቑር ጋይዮስ።

2ኣታ ፍቑረይ፥ ከምቲ መንፈሳዊ ናብራኻ ፅቡቕ ዘሎ፥ ከምኡ ኸዓ ብዅሉ ደሓን ክትህሉን፥ ጥዒና ኽትረክብን፥ እፅልየልካ ኣለኹ።

3ንስኻ በታ ሓቂ ትነብር ከም ዘለኻ፥ ኣሕዋት መፂኦም፥ ብዛዕባ እታ ኣባኻ ዘላ ሓቂ ብምምስካሮም፥ ብዙሕ ተሓጒሰ ኣለኹ።

4ኣነ እቶም ደቀይ፥ በቲ ሓቂ ይነብሩ ኸም ዘለዉ ኻብ ምስማዕ ዝዓቢ ሓጐስ የብለይን።

5ኣታ ፍቑረይ፥ ንሳቶም ኣጋይሽ እንተ ኾኑ እኳ፥ እቲ ነቶም ኣሕዋት እትገብሮ ዘለኻ ኣገልግሎት፥ እሙን ኴንካ ትገብሮ ኣለኻ።

6እዚኣቶም ኣብ ቅድሚ ቤተ ክርስቲያን፥ ብዛዕባ ፍቕርኻ መስኪሮም ኣለዉ። ንእግዚኣብሄር ከም ዘሐጕስ ጌርካ፥ ዘድልዮም ሂብካ ኣፋንዎም።

7ንሳቶም፥ ካብቶም ኣህዛብ ሓንቲ እኳ እንተይወሰዱ፥ ምእንቲ ስም ክርስቶስ ዝወፁ እዮምሞ።

8እምበኣር ናይታ ሓቂ፥ ተሳተፍቲ ኣገልግሎት ምእንቲ ኽንከውን፥ ከምዚኣቶም ንዝበሉ ሰባት፥ ክንሕግዞም ይግብአና እዩ።

9ኣነ ናብታ ቤተ ክርስቲያን ፅሒፈ ነይረ፤ እቲ ሓለቓኦም ክኸውን ዝደሊ ድዮጥራጢስ ግና፥ ሓሳብና ኣይቕበሎን።

10ስለዙይ ኣነ ምስ መፃእኹ፥ ነቲ ንሱ ኣብ ልዕሌና ዝዛረቦ ኽፉእ ነገራት፥ ክገልፆ እየ። እዙይ ምእኻል ኣብይዎ ኸዓ፥ ንሱ ባዕሉ ነቶም ኣሕዋት ኣይቕበሎምን፤ ነቶም ክቕበልዎም ዝደልዩውን፥ ይኽልክሎም፤ ካብ ቤተ ክርስቲያን ድማ፥ የውፅኦም ኣሎ።

11ኣታ ፍቑረይ፥ ነቲ ሰናይ ደኣ እምበር፥ ነቲ ኽፉእስ ኣይትስዓቦ። እቲ ሰናይ ዝገብር ካብ እግዚኣብሄር እዩ፤ እቲ ኽፉእ ዝገብር ግና፥ ንእግዚኣብሄር ኣይረአዮን።

12ንድሜጥሮስ ኵላቶም ይምስክሩሉ ኣለዉ፤ እታ ሓቂ ድማ፥ ባዕላ ትምስክረሉ ኣላ። ንሕናውን ንምስክረሉ ኣለና። ምስክርነትና ሓቂ ኸም ዝኾነ ድማ፥ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ።

13ብዙሕ ዝፅሕፈልካ ነይሩኒ፤ ግናኸ ብቐለምን ብብርዕን ክፅሕፈልካ ኣይደለኹን።

14ቀልጢፈ ኽሪአካ ተስፋ ኣለኒ፤ ሽዑ ኣፍ ንኣፍ ክንዘራረብ ኢና።

15ሰላም ምሳኻ ይኹን። እቶም ፈተውትኻ፥ ሰላም ይብሉኻ ኣለዉ። ነቶም ፈተውትና፥ በብስሞም ሰላም በሎም።

ትርጓሜ

1:1-8 ብክርስቶስ ዝተፈቐሩ ነቶም ኣሕዋት ስለኡ የፍቅሩ እዮም። ናይ ነፍሲ ምዕባለ ኣብዛ ምድሪ ካብ ሰማይ ንታሕቲ እቲ ዝዓበየ በረኸት እዩ። ጸጋን ጥዕናን ሃብታም መጻምድቲ እዮም። ጸጋ ንጥዕና ብግቡእ ክጥቀመሉ እዩ። ሃብታም ነፍሲ ኣብ ድኹም ስጋ ክትነብር ትኽእል እያ፤ ሽዑ ኸኣ ጸጋ ነዚ ዝበለ ስርዓት ኣምላኽ ንምእዛዝ ክትግበር ኣለዎ። ግናኸ ነቶም ነፍሶም ዝሰጎመት ሰባት ጥዑይ ኣካል ይህልዎም ክንበሃግን ክንጽልን ንኽእል ኢና፤ ጸጋኦም ከኣ ብዙሕ ንጥፈት ንምግባር ዝያዳ ቦታ ኣብ ዝርከበሉ ክብርህ። ክንደይ ዝኣምኑ ሰባት ኣለዉ፡ ቃል ሃዋርያ ብዛዕባኦም ክምለስ ዘለዎ፡ ንሕና ኸኣ ነፍሶም ከምቲ ጥዕናኦምን ኩነታቶምን ዘሎ ክትሰጉም ብትግሃት ክንበሃግን ክንጽልን ኣሎና!

ሓቀኛ እምነት ብፍቕሪ ክትሰርሕ እያ። ጽቡቕ ምስክርነት ካብቶም ጽቡቕ ዝቕበሉ ይግብኦም እዩ፤ ናብ ቤተ ክርስቲያን ዝረኸብዎን ዝተሰምዖምን ክምስክሩ ግድነት ነበሮም። ጽቡቓት ሰባት ብናይ ካልኦት ምዕባለ ነፍሲ ክሕጎሱ እዮም፤ ብዛዕባ ጸጋን ጽቡቕ ግብርን ናይ ካልኦት ክሰምዑ ኸኣ ይሕጎሱ እዮም። ከምቲ ንጽቡቕ ወለዲ ሓጎስ ዝኾኖም፡ ንጽቡቕ ኣገልገልቲ እውን ህዝቦም እምነቶም ከም ዘምብርቕ ምርኣይ ሓጎስ ክኸውን እዩ።

ጋይዮስ ኣብ መንጎ እሙናት ክርስትያናት ንኣናእሽተይ ፍልልያት ኣሕሊፉ፣ ንኹሎም ምስሊ ክርስቶስ ዝጸርፉን ዕዮ ክርስቶስ ዝገብሩን ድማ ብነጻ ረድአ። ኣብ ዝገበሮ ቕኑዕ ነበረ፡ ከም እሙን ኣገልጋሊ። እሙናት ነፍሳት ከይተመክሑ ውዳሰኦም ክሰምዑ ይኽእሉ እዮም፤ እቲ ኣብኣቶም ዘሎ ጽቡቕ ነገር ምጉላሕ ኣብ እግርታት መስቀል ክርስቶስ የውርዶም።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6