2ይ ጴጥሮስ 3

BCV aksumትግርኛ16 ፍቕድታት3:09 ስማዕ
ስማዕ 3:09 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኣቱም ፍቑራተይ፥ እዛ ሕዚ ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ ኻልአይቲ መልእኽተይ እያ። ብኽልቲአን፥ እቲ ቐደም ብቕዱሳን ነቢያት ዝተነግረ ቓልን፥ ብሃዋርያት ዝረኸብኩምዎ፥ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ትእዛዝን እናዘኻኸርኩ፥ ቅኑዕ ሓሳባት ክህልወኩም እየ፥ ዝፅዕር ዘለኹ።

3ኣብተን ዳሕረዎት መዓልቲታት፥ ብኽፉእ ፍትወት ስጋኦም ዝመላለሱ፥ መላገፅቲ ኸም ዝመፁ፥ ቅድሚ ዅሉ እዙይ ፍለጡ።

4ንሳቶም “ተስፋ ምፅኣቱ ደኣ ኣበይ ኣሎ? ካብታ ኣቦታትና ዝሞቱላ መዓልቲ፥ ካብ መጀመርታ ፍጥረት ጀሚሩ፥ ኵሉ ኸምቲ ዝነበሮ እዩ ዘሎ” ይብሉ።

5ሰማያት ካብ ጥንቲ፥ ብቓል እግዚኣብሄር ከም ዝተፈጥሩ፥ ምድሪ እውን ካብ ማይን ብማይን ከም ዝፀንዐት፥ ኮነ ኢሎም ይኽሕዱ።

6ስለዙይ እታ ሽዑ ዝነበረት ዓለምውን፥ ብማይ ተውሒጣ ጠፍአት።

7እቶም ሕዚ ዘለዉ ሰማያትን ምድርን ግና፥ እቶም ንግዚኣብሔር ዘይፈርሑ ሰባት፥ ተፈሪድዎም ክሳዕ ዝጠፍኡ፥ ብቓሉ ተሓልዮም፥ ንሓዊ ተዓቝሮም ኣለዉ።

8ግና ኣቱም ፍቑራተይ፥ ብእግዚኣብሄር ሓንቲ መዓልቲ ኸም ሽሕ ዓመት፥ ሽሕ ዓመትውን ከም ሓንቲ መዓልቲ ምዃና፥ እዛ ሓንቲ ነገር እዚኣ ኣይትረስዑ።

9ጐይታስ፥ ኵላቶም ናብ ንስሃ ኽበፅሑ እምበር፥ ሓደኳ ኽጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝኾነ፥ ምእንታኻትኩም ይዕገስ ኣሎ እምበር፥ ከምቲ ንገሊኣቶም ዝድንጕ ዝመስሎም፥ ንተስፋኡ ኣየደንጕዮን እዩ።

10መዓልቲ ጐይታ ግና፥ ከም ሰራቒ ኾይና ኽትመፅእ እያ፤ ሽዑ ሰማያት በዓብዪ ድምፂ፥ ጥዋዕዋዕ እናበሉ ኽሓልፉ እዮም፤ ፍጥረት ሰማይውን፥ ብሓዊ ነዲዱ ኽመክኽ እዩ፤ ምድርን፥ ኵሉ ኣብኣ ዘሎ ነገርን፥ ክነድድ እዩ።

11እዝ ዅሉ ኸምዙይ ኢሉ ዝጠፍእ ካብ ኮነ፥ እንታይ ዝዓይነቶም ሰባት ኢኹም ክትኮኑ ዝግብአኩም? ነታ እግዚኣብሄር ዝመፀላ መዓልቲ፥ እናተፀበኹምን፥ እናቀላጠፍኩምን፥ ብቕዱስ ህይወትን፥ ብፍርሓት እግዚኣብሄርን፥ ክትነብሩ እዩ ዝግብአኩም። በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ሰማያት ብሓዊ ኸም ዝመክኽ፥ ፍጥረት ሰማይ ከዓ፥ ብረስኒ ኽመክኽ እዩ።

13ንሕና ግና ኸምቲ ዘተስፈወና፥ ፅድቂ ዝነብረሉ፥ ሓድሽ ሰማይን፥ ሓዳስ ምድርን፥ ንፅበ ኣለና።

14ስለዙይ ከዓ፥ ኣቱም ፍቑራተይ፥ ነዙይ እናተፀበኹም፥ ብዘይ ነውርን፥ ብዘይ ነቐፋን ኴንኩም፥ ብሰላም ምእንቲ ኽረኽበኩም፥ ብትግሃት ንበሩ።

15ጐይታና፥ ንኸድሕነኩም ኢሉ ዘርእዮ ዘሎ ትዕግስቲ ሕሰቡ። እቲ ፍቑር ሓውና ጳውሎስውን፥ በቲ ዝተውሃቦ ጥበብ፥ ብዛዕባዙይ እዩ ዝፀሓፈልኩም።

16ንሱ፥ ብዛዕባ እዝ ነገራት እዙይ ክዛረብ እንተሎ፥ ኣብ ኵለን መልእኽታቱ፥ ከምዙይ እዩ ዝገብር። ኣብኡ፥ ንምርዳኡ ዘፀግም ብዙሕ ነገር ኣሎ። እቶም ደናቝርን ዘይፅኑዓትን ከዓ፥ ከምቲ ነተን ቅዱሳት መፃሕፍቲ ዝጠዋውይወን፥ ንጥፍኣት ርእሶም ይጠዋውይዎ ኣለዉ።

17ንስኻትኩም ግና ኣቱም ፍቑራተይ፥ ነዙይ ኣቐዲምኩም ስለ እትፈልጥዎ፥ ብስሕተት እቶም ስዲ ዝኸዱ ዘለዉ ተስሒብኩም፥ ካብቲ ፅኑዕ መሰረትኩም ከይትወድቁ ተጠንቀቑ።

18ግና ብናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ፀጋን ፍልጠትን ዕብዩ። ንእኡ፥ ሕዝን ንዘለኣለመ ኣለምን፥ ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።

ትርጓሜ

3:1-4 ጽሩያት ኣእምሮታት ክርስትያናት ንግብሪ ቅድስና ንቑሓትን ህያውያንን ምእንቲ ኪኾኑ ኪነቓቕሑ ይግባእ። ኣብቲ ዳሕሮት መዓልታት፡ ኣብ ትሕቲ ወንጌል እኳ እንተኾነ፡ ሓጢኣት ዘቃልልዎ፡ ብድሕነት ብኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ዝላግጹ ኣላገጽቲ ኪህልዉ እዮም። ሓደ ቀንዲ ዓንቀጽ እምነትና ብናይ ተስፋ ጥራይ ዝድገፍ እዩ፣ እቶም ኣላገጽቲ ድማ ክሳዕ ጐይታና ዝመጽእ ኪቃወምዎ እዮም። ከም ዝመጽእ ኣይኣምኑን እዮም። ምንም ለውጢ ስለ ዘይርእዩ፡ ስለዚ ድማ ንኣምላኽ ኣይፈርሁን እዮም (መዝ 55:19)። ከቶ ዘይገበሮ፡ ከቶ ኪገብሮ ከም ዘይክእል ወይ ከቶ ከም ዘይገብሮ ይሓስቡ።

3:5-10 እዞም መላገጽቲ እዚኦም፡ ኣምላኽ ብሓንሳእ ንብዘሎ ዓለም ናይ ረሲኣን ሰባት ብዘስካሕክሕ በቀል ከም ዘጥፍኣ እንተዝግንዘቡ ነይሮም፡ ብርግጽ ነቲ ኸምኡ ዝኸፍአ ፍርዲ ዘፈራርህ ምዃኑ ኣይምላገጹን ነይሮም። እቲ ሕጂ ዘሎ ሰማይን ምድርን ብተመሳሳሊ ቃል ብሓዊ ኺጠፍእ ከም ዝኾነ ተገሊጹ ኣሎ። እዚ ኸኣ ሓቅን ሓይልን ኣምላኽ ከም ዝገብሮ መጠን ብርግጽ ኪኸውን እዩ። ኣብዚ ክርስትያናት ብዛዕባ ሓቂ ምምጻእ ጐይታ ይምሃሩን ይጸንዑን ኣለዉ። ሰባት ኣብ ምቝጻሮም ኣብ መንጎ ሓንቲ መዓልትን ሽሕ ዓመትን ዓብዪ ፍልልይ እኳ እንተገበሩ፡ ኣብ ምቝጻር ኣምላኽ ግና ፍልልይ የልቦን። ኵሉ ዝሓለፈ፡ ዘሎ፡ ዝመጽእ ከኣ ኩሉ ሳዕ ኣብ ቅድሚኡ እዩ። ምድንጓይ ናይ ሽሕ ዓመት ንእኡ ኸምቲ ንሕና ንሓንቲ መዓልቲ ወይ ንሓንቲ ሰዓት ንዝኾነ ይኹን ነገር እንድንጕዮ መጠን ኣይኮነን። ሰባት ብዛዕባ ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ፍልጠት ወይ እምነት እንተዘይብሎም፡ ከምኦም ገይሮም ኪሓስብዎ ድሉዋት ኪኾኑ እዮም።

ብዛዕባ ዘለኣለማዊ ንሓሳብ ምቕራጽ ክንደይ ከም ዝኸብድ! ሰባት ንምድንጓይ ዝቖጽርዎ ግና ትዕግስቲ እዩ፡ እዚ ድማ ንኣና ዝምልከት እዩ። ንሱ ንህዝቡ ብፍልጠትን ብቕድስናን ንምዕባይ፡ ከምኡ'ውን ብምትግባር እምነትን ትዕግስትን ብሰናይ ግብርታት ኪበዝሑ፡ ዝተጸውዑሉ ዘበለ እናገበሩን እናተሰቀዩን ንኣምላኽ ክብሪ ምእንቲ ኬምጽኡ ዝያዳ ግዜ ይህብ ኣሎ። ስለዚ፡ ብርግጽ ብዛዕባ ኵሉ ብስጋ ዝተገብረ ነገር፡ ሰናይ ይኹን ክፉእ፡ ምእንቲ ኽትምልሱ ኽትጽውዑ ምዃንኩም ኣብ ልብኹም ኣጽንዕዎ። ትሑትን ትጉህን ቅድሚ ኣምላኽ ምኻድኩምን ንርእስኹም ምሉእ ብምሉእ ምፍራድኩምን፡ ብዙሓት ከምዚ ንምልስቲ ዘየብሎም ኮይኖም እኳ እንተንበሩ፡ ናይቲ ዝመጽእ ፍርዲ ጽኑዕ እምነትኩም ይግለጽ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG ወዳጆች ሆይ፥ አሁን የምጽፍላችሁ መልእክት ይህች ሁለተኛይቱ ናት። በቅዱሳን ነቢያትም ቀድሞ የተባለውን ቃል በሐዋርያቶቻችሁም ያገኛችኋትን የጌታንና የመድኃኒትን ትእዛዝ እንድታስቡ በሁለቱ እ… አማርኛ ENGNIV Dear friends, this is now my second letter to you. I have written both of them as reminders to stimulate you to wholeso… English BCV ኣቱም ፍቑራተይ፥ እዛ ሕዚ ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ ኻልአይቲ መልእኽተይ እያ። ብኽልቲአን፥ እቲ ቐደም ብቕዱሳን ነቢያት ዝተነግረ ቓልን፥ ብሃዋርያት ዝረኸብኩምዎ፥ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ትእዛዝ… ትግርኛ GAZBIB Michoota ko! Ani amma ergaa lammaffaa isiniif caafuu koo ti; isaan keessatti isin yaadachiise yaada keessan isa qullaa'… Afaan Oromoo BCV GIZ ወዛቲ ይእቲ አኀውየ ዳግሚትየ ዘጸሐፍኩ ለክሙ መጽሐፈ ከመ አንሥእክሙ በዘክሮ ወትዕቀብዋ በልብክሙ ለጽድቅ። giz GAZGAZ Michoota ko! Ani amma ergaa lammaffaa isiniif caafuu koo ti; isaan keessatti isin yaadachiise yaada keessan isa qullaa'… Afaan Oromoo AMHNIV ወዳጆች ሆይ፤ ይህ አሁን የምጽፍላችሁ ሁለተኛው መልእክት ነው። ሁለቱንም መልእክቶች የጻፍሁላችሁ ቅን ልቦናችሁን እንድታነቃቁ ለማሳሰብ ነው፤ አማርኛ SWAHSUV Wapenzi, waraka huu ndio wa pili niwaandikiao ninyi; katika zote mbili naziamsha nia zenu safi kwa kuwakumbusha, Kiswahili