2ይ ቆረንቶስ 12

BCVትግርኛ21 ፍቕድታት4:31 ስማዕ
ስማዕ 4:31 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ብምምካሕ ዝርከብ ጥቕሚ እንተ ዘይሃለወኳ፥ ምምካሕ እንተ ኣድልዩስ፥ ካብ ጐይታ ብዘሎ ራእይን ምግላፅን፥ ክምካሕ እየ።

2ቅድሚ ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመት፥ ሓደ ናይ ክርስቶስ ዝኾነ ሰብ፥ ክሳዕ ሳልሳይ ሰማይ ከም ዝተወሰደ እፈልጥ። ብስጋኡ ይኹን ካብ ስጋኡ ወፃኢ ኣይፈልጥን እየ፤ እግዚኣብሄር ይፈልጥ።

3እዝ ሰብ እዙይ ዝተወሰደ፥ ብስጋ ይኹን ኣይኹን ኣይፈልጥን፤ እግዚኣብሄር ይፈልጥ።

4እዝ ሰብዙይ ናብ ገነት ተወሰደ፤ ኣብኡ ከዓ ኽንገር ዘይከኣል፥ ሰብ ክዛረቦ ዘይተፈቕደሉ ነገር ሰምዐ።

5በዝ ኸምዙይ ዝመሰለ ኽምካሕ እየ፤ ብዛዕባ ርእሰይ ግና፥ ብድኻመይ እንተ ዘይኮይኑ ኣይምካሕን እየ።

6ክምካሕ እንተ ዝደልስ፥ ሓቂ ስለ ዝዛረብ ከም ዓሻ ኣይምተቘፀርኩን። ኣነ ግና፥ ሕዚ ሓደኳ ብዛዕባይ፥ ልዕሊ እቲ ኣባይ ዝሪኦን፥ ካባይ ዝሰምዖን ምእንቲ ኸይግምተኒ፥ ሸለል ኢለ እሓድጎ ኣለኹ።

7ብምኽንያት እቲ ብዙሕ ዝተገልፀለይ፥ እምብዛ ምእንቲ ኸይዕበ ኸዓ፥ ስጋይ ዝወግእ፥ ናይ ሰይጣን ልኡኽ ተውሃበኒ።

8እዙይ ካባይ ንኸርሕቐለይ፥ ንጐይታ ሰለስተ ሻዕ ለመንክዎ።

9ንሱ ግና “ሓይለይ ኣብ ድኻም እዩ ፍፁም ዝኸውን እሞ፥ ፀጋይ ይኣኽለካ” በለኒ። ስለዙይ ሓይሊ ክርስቶስ፥ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኽሓድር፥ ብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ።

10እንትደክም፥ ሽዑ እየ ዝብርትዕ እሞ ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ብድኻም፥ ብፀርፊ፥ ብሓሳር፥ ብስደት፥ ብመከራ እሕጐስ ኣለኹ።

11ከም ዓሻ እየ ዝተዛረብኩ፤ እንተ ኾነ ኸም ዓሻ ኽዛረብ ዝገበርኩምኒ፥ ንስኻትኩም ኢኹም። ክትንእዱኒ ዝግብአኩም ዝነበረስ፥ ንስኻትኩም ኢኹም። ዘይረብሕ እኳ እንተ ኾንኩ፥ ካብቶም “ብሉፃት ሃዋርያት” ኢና ዝብሉ፥ ኣይንእስን እየ።

12ኣነ ሃዋርያ ኸም ዝኾንኩ ዘረድእ፥ ብዙሕ ምልክትን ተኣምራትን ዘደንቕ ነገራትን፥ ምስ ብዙሕ ትዕግስቲ፥ ኣብ ማእኸልኩም ተገይሩ እዩ።

13ሓግዙኒ ብምባል፥ ንኣኻትኩም ዘይምፅጋመይ እንተ ዘይኮይኑ፥ ካብቶም ካልኦት ኣብያተ ክርስቲያን ዘጕደልኩልኩም እንታይ እዩ? እዚኣ በደል እንተ ደኣ ኾይና፥ ይቕረ በሉለይ።

14እንሆ ናባኻትኩም ክመፅእ እንትዳሎ፥ እዙይ ሳልሳየይ እዩ፤ ሕዚ እውን ሸኽሚ ክኾነኩም ኣይደልን። ኣነ ንኣኻትኩም እምበር፥ ገንዘብኩም ኣይኮንኩን ዝደሊ። ወለዲ እዮም ንውሉዶም ገንዘብ ከዋህልሉሎም ዝግባእ እምበር፥ ውሉድ ኣይኮኑን ንወለዲ ዘዋህልሉሎም።

15ኣነ ዅሉ ዘለኒ፥ ህይወተይውን እንተይተረፈ፥ ምእንታኻትኩም ኣሕሊፈ ኽህብ፥ ሕጉስ እየ። ኣብሊፀ ስለ ዘፍቀርኩኹም ዲኹም፥ ኣንኢስኩም ተፍቅሩኒ ዘለኹም?

16ሸኽሚ ኣይኮንኩኹምን፥ ግና ብጕርሒ ተጣቢበ ዝሓዝኩኹም እምበር።

17በቶም ናባኻትኩም ዝለኣኽኩዎም ገይረዶ፥ ተበሊፀልኩም እየ?

18ንቲቶ ናባኻትኩም ክኸይድ ለሚነዮ ነይረ፤ ምስኡውን ሓደ ሓው ሰዲደ ነይረ፤ ቲቶ ደኾን ተበሊፁልኩም ኮይኑ? ኣነን ንሱን፥ ብሓደ መንፈስን ብሓደ መንገድንዶ፥ ኣይኮንናን እንሰርሕ?

19ኣብ ቅድሜኹም፥ ንባዕልትና ኽንከላኸል ዝፀናሕናዶ ይመስለኩም? ኣቱም ፍቑራተይ፥ ከም ፍቓድ ክርስቶስ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኢና እንዛረብ ዘለና፤ እዝ ዅሉ ኸዓ፥ ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትህነፁ እዩ።

20ክመፅእ እንተለኹ፥ ከምቲ ኣነ ዘይደልዮ ዄንኩም ከይረኽበኩም፥ ንኣይውን ከምቲ ንስኻትኩም ዘይትደልይዎ ኾይነ ኸይትረኽቡኒ፥ ምናልባሽውን ባእሲ፥ ቅንኢ፥ ቍጥዓ፥ ሻራ፥ ምፅላም ስም፥ ሓሜት፥ ትዕቢት፥ ህውከት፥ ከይህልወኩም እፈርሕ ኣለኹ።

21ከምኡውን እግዚኣብሄር ብሰንክኹም ከየሕፍረኒ፥ እዙይ ከዓ እቶም ቀደም ሓጢኣት ዝገብሩ ዝነበሩ፥ ካብቲ ዝገብርዎ ርኽሰትን ምንዝርናን ዕብዳንን፥ ብዙሓት እንተይተነስሁ ኸይፀንሑ እሞ፥ ከይጕሂ እፈርሕ ኣለኹ።

ትርጓሜ

12:1-6 ምንም ምጥርጣር የብሉን እቲ ሃዋርያ ብዛዕባ ባዕሉ እዩ ዝዛረብ ዘሎ። ሰማያዊ ነገራት ናብኡ ተወሪዶምሉ፥ ስጋኡ ብፍስሓ ተዋሒጡ ከሎ (ከምቲ ንጥንቲ ነብያት ዝዀኖም) ይኹን ወይስ ነፍሱ ንሓጺር ግዜ ኻብ ስጋኣ ተፈሊያ ናብ ሰማይ ተወስዳ፥ ወይስ ብስጋኡን ብነፍሱን ብሓንሳእ ተወስደ፥ ንሱ ኣይፈለጠን። ንሕና እቲ ዝርዝር ነገር ናይቲ ግርማዊ ቦታን ኩነታትን ክንፈልጥ ኣይንኽእልን ኢና፥ ኣባና ድማ ጌና ንፈልጦ ኣይግባእን። ኣብኡ ዝሰምዖ ንዓለም ክነግር ኣይፈተነን፥ ግናኸ ትምህርቲ ክርስቶስ ኣቕረበ። በቲ መሰረት እያ እታ ቤተ ክርስቲያን እተሰርሓት፥ በቲ እዩ ድማ እምነትናን ተስፋናን ክንሃንጽ ዝግብኣና። እዚ ኸኣ፡ እቲ ኪግለጽ ዘሎ ክብሪ ትጽቢትና ከነዕቢ ዚምህረና ኸሎ ፡ ብልሙድ መገዲ ሓቅን ፍቓድ ኣምላኽን ምምሃር ክንዕገብ ክገብረና ይግባእ።

12:7-10 እቲ ሃዋርያ፣ ኣምላኽ ንዕኡ ትሑት ንምግባርን፣ ብሰሪ እቲ ዝረኣዮ ራእያትን ዝተዋህቦ ምግላጻትን ድማ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ከይዓቢ ንምክልኻልን ዝወሰዶ መገዲ ይገልጽ። እዚ ሾዂዒ ኣብ ስጋ እንታይ ምንባሩ፣ ሓደ ዓቢ ሽግር ይኹን ወይ ሓደ ዓቢ ፈተና፣ ኣይተነግረናን። ግናኸ ኣምላኽ ካብ ክፉእ ብዙሕ ሳዕ ሰናይ የውጽእ፣ ምጽራፍ ጸላእትና ድማ ካብ ትዕቢት ንኽንሕባእ ይሕግዘና። ኣምላኽ እንተ ፈቲና፣ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ምዕባይ ክሕልወና እዩ፣ መንፈሳዊ ጾር ድማ ነቲ መንፈሳዊ ትዕቢት ንምሕዋይ እዩ ዝፍቀድ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6