2ይ ዜና መዋእል 18

BCVትግርኛ34 ፍቕድታት5:50 ስማዕ
ስማዕ 5:50 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኢዮሳፍጥ ድማ ብዙሕ ሃብትን ክብርን ነበሮ። ምስ ኣክኣብ ከዓ መውስቦ ገበረ።

2ድሕሪ ቑሩብ ዓመታት ከዓ ንኣክኣብ ክሪኦ ናብ ሰማርያ ወረደ። ኣክኣብ ድማ ንኢዮሳፍጥን ነቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ብዙሓት ኣባጊዕን ከፍትን ሓረደሎም። ምስኡውን ናብ ሬማት ዘገለዓድ ክኸይድ ሓባበሎ።

3ሽዑ ኣክኣብ ንጉስ እስራኤል፥ ንኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳ “ናብ ሬማት ዘገለዓድ ምሳይ ክትከይድዶ ትደሊ ኢኻ?” ኢሉ ጠየቖ። ኢዮሳፍጥ ድማ ንንጉስ እስራኤል “ኣነ ኸማኻ እየ፤ ህዝበይ ከዓ ኸም ህዝብኻ እዩ፤ ናብቲ ውግእውን ምሳኻ ኽንከይድ ኢና” ኢሉ መለሰሉ።

4ኢዮሳፍጥ መሊሱ “ኣቐዲምካ ግና ንእግዚኣብሄር ክትጥይቕ እልምነካ ኣለኹ” በሎ።

5ሽዑ ንጉስ እስራኤል ኣክኣብ ነቶም ኣርባዕተ ሚእቲ ዝኾኑ ነቢያት ኣኪቡ “ናብ ሬማት ዘገለዓድ ንውግእ ክንከይድዶ ወይ ክንተርፍ?” በሎም። ንሳቶም ከዓ “እግዚኣብሄር ናብ ኢድ ንጉስ ኣሕሊፉ ኽህቦም እዩሞ ደይብ” በልዎ።

6ንጉስ ይሁዳ ኢዮሳፍጥ ከዓ “ክንጥይቖ እንኽእል ካልእ ነቢይ እግዚኣብሄርዶ ኣብዙይ የለን እዩ?” በለ።

7ኣክኣብ ንጉስ እስራኤል ከዓ ንኢዮሳፍጥ “ብእኡ ጌርና ንእግዚኣብሄር ክንጥይቐሉ እንኽእል ካልእ ሰብ እባ ኣሎ፤ ንሱ ኸዓ ሚክያስ ወዲ ዪምላ እዩ። ግና ንሱ ንኣይ ኵልሻዕ ክፉእ እምበር፥ ፅቡቕ ኣይንበየለይን እዩሞ፥ ኣነ እፀልኦ እየ” በሎ። ኢዮሳፍጥ ግና “ኣይፋልካን ንጉስ፥ ከምኡ ኣይትበል” በሎ።

8ሽዑ ኣክኣብ ንጉስ እስራኤል ንሓደ ኻብቶም ሹመኛታቱ ፀዊዑ “ንሚክያስ ወዲ ይምላ ቐልጢፍካ ኣምፅኣዮ” ኢሉ ኣዘዞ።

9ኣክኣብ ንጉስ እስራኤልን ኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳን ልብሰ መንግስቶም ለቢሶም ኣብ ዘዙፋኖም ኣብ ኣፍ ደገ ሰማርያ ኣብ ዘሎ ኣደባባይ ተቐሚጦም ነበሩ። ኵሎም እቶም ነቢያት ድማ ኣብ ቅድሚኣቶም ኮይኖም ይንበዩ ነበሩ።

10ሓደ ኻብኣቶም ሴዴቅያስ ወዲ ክንዓና ኸዓ ኣቕርንቲ ሓፂን ሰሪሑ “እግዚኣብሄር ‘ንሶርያውያን ክሳዕ ዝውድኡ በዚኣተን ክትወግኦም ኢኻ’ ይብል ኣሎ” ኢሉ ተነበየ።

11ኵሎም እቶም ነቢያት ድማ ኸምኡ “ንሬማት ዘገለዓድ ውረራ፤ እግዚኣብሄር ኣብ ኢድካ ኣሕሊፉ ኽህበካ እዩ” ኢሎም ይንበዩ ነበሩ።

12እቲ ንሚክያስ ኽፅውዖ ዝኸደ ልኡኽ ከዓ “እንሆ፥ እቶም ነቢያት ከም ሓደ ኣፍ ኮይኖም ነቲ ንጉስ ፅቡቕ ይንበዩሉ ኣለዉ፤ ንስኻ ድማ ኸምቲ ናታቶም ፅቡቕ ተነበ” በሎ።

13ሚክያስ ግና “እቲ ኣምላኸይ ዝበለኒ ኸም ዝዛረብ ብህያው እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ” በለ።

14ናብ ንጉስ ኣክኣብ ምስ መፀ ድማ እቲ ንጉስ “ሚክያስ! ንሬማት ዘገለዓድ ከይድናዶ ኽንወግኣ ወይ ክንተርፍ?” በሎ። ሚክያስ “ኪዱ ደኣ፥ ክቐንዐኩም እዩ፤ ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፉ ኽህበኩም እዩ” በሎ።

15እቲ ንጉስ ድማ “ብስም እግዚኣብሄር ክትዛረበኒ እንተለኻ፥ ሓቂ ጥራሕ እምበር ካልእ ከይትዛረበኒ፥ ኣነ ኽንደይ ሻዕ ከምሕለካ እየ?” በሎ።

16ነቢይ ሚክያስ ከዓ “ንዅሉ ሰራዊት እስራኤል ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ ኣብ እምባታት ፋሕ ኢሎም ረአኽዎም። እግዚኣብሄር ድማ ‘እዚኣቶም ጐይታ የብሎምን፤ ነፍሲ ወከፍ ብሰላም ነናብ ቤቱ ይመለስ’ ” በለ።

17እቲ ንጉስ እስራኤል ከዓ ንኢዮሳፍጥ፥ “እዙይ ንኣይ ክፉእ እምበር ፅቡቕ ኣይንበየለይን እዩንዶ ኣይበልኩኻን?” በሎ።

18ሚክያስ ድማ ኸምዙይ በለ “እግዚኣብሄር ዝብሎ ስምዑ፤ እግዚኣብሄር ኣብ ዙፋኑ ተቐሚጡ፥ ኵሎም መላእኽቲ ሰማይ ከዓ ብየማኑን ብፀጋሙን ቆይሞም ረአኹ።

19እግዚኣብሄር ድማ ‘ንኣክኣብ ንጉስ እስራኤል ናብ ሬማት ዘገለዓድ ደዪቡ ኽዋጋእ እሞ ኣብኣ ኽመውትስ፥ መን የጋግዮ?’ በለ፤ ሽዑ ሓደ ኸምዙይ በለ፤ ሓደ ድማ ኸምቱይ በለ።

20ሽዑ ሓደ መንፈስ ወፀ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ኢሉ ድማ ‘ኣነ ኸጋግዮ እየ’ በለ። እግዚኣብሄር ከዓ ‘ከመይ ጌርካ?’ በሎ።

21“ንሱ ድማ ‘ወፂአ ኣብ ኣፍ ኵሎም ነቢያቱ ሓሳዊ መንፈስ ክኸውን እየ’ በለ። እግዚኣብሄር ከዓ ‘ንስኻስ ክተጋግዮ ትኽእል ኢኻ እሞ ኼድካ ኸምኡ ግበር’ በሎ።

22“ሕዚ ድማ፥ እንሆ፥ ኣብ ኣፍ እዞም ኵሎም ነቢያትካ እዚኣቶም እግዚኣብሄር ሓሳዊ መንፈስ ኣንቢሩ ኣሎ። ኣብ ልዕሌኻ ኸዓ እግዚኣብሄር ጥፍኣት ኣዚዙ ኣሎ።”

23ሽዑ ሴዴቅያስ ወዲ ክንዓና ቐሪቡ ንሚክያስ ጕንዲ እዝኑ ፀፍዖ፤ “እቲ መንፈስ እግዚኣብሄር ንኣይ ከመይ ሓሊፉ እዩ ብኣኻ ዝዛረብ?” በሎ።

24ሚክያስ ከዓ “እንሆ፥ በቲ ጊዜ ውግእ ናብ ውሻጠ እትሕብአላ መዓልቲ ሽዑ ኽትፈልጦ ኢኻ” በሎ።

25ንጉስ እስራኤል ኣክኣብ ድማ ኸምዙይ በለ፦ “ንሚክያስ ሒዝኩም ናብ ኣሞን ሹም እታ ኸተማን ናብቲ ወዲ ንጉስ ኢዮኣስን ውሰድዎ።

26‘ኣነ ኽሳዕ ዝምለስ፥ ነዝ ሰብኣይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእትውዎ፤ እንጀራ መከራን ማይ መከራን ከዓ ሃብዎ፤ ይብል ኣሎ ንጉስ’ ኢልኩም ንገርዎም” በለ።

27ነቢይ ሚክያስ ድማ “ርግፅ ብሰላም እንድሕር ተመሊስካ፥ እምበኣር እግዚኣብሄር ብኣይ ኣይተዛረበን” ኢሉ መለሰሉ። ወሲኹ ኸዓ “ኣቱም ህዝቢ፥ ኵልኻትኩም ስምዑኒ” በለ።

28ሽዑ ኣክኣብ ንጉስ እስራኤልን ኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳን ናብ ሬማት ዘገለዓድ ክዋግኡ ደየቡ።

29ንጉስ እስራኤል ኣክኣብ ድማ ንኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳ “ኣነ ኻልእ ሰብ መሲለ ናብ ውግእ ክኣቱ እየ፤ ንስኻ ግና ልብሰ መንግስትኻ ልበስ” በሎ። ንጉስ እስራኤል ከዓ ኻልእ ሰብ መሲሉ ናብ ውግእ ኣተወ።

30ንጉስ ሶርያ ኸዓ ነቶም ኣሕሉቕ ሰረገላታቱ “ንንጉስ እስራኤል ጥራሕ ደኣ እምበር፥ ምስ ንእሽተይ ኮነ ምስ ዓብዪ ኣይትዋግኡ” ኢሉ ኣዚዙዎም ነበረ።

31እቶም ኣሕሉቕ ሰረገላታት ድማ፥ ንኢዮሳፍጥ ምስ ረአይዎ “እዙይ ርግፅ እቲ ንጉስ እስራኤል እዩ” በሉ፤ ክዋግእዎ ኸዓ ኸበብዎ ኢዮሳፍጥ ግና ኣእወየ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ኸድሕኖ ኢሉ ንፀላእቱ ኻብኡ መለሶም።

32እቶም ኣሕሉቕ ሰረገላታት ከዓ ንሱ ንጉስ እስራኤል ከም ዘይኮነ ምስ ረአዩ፥ ንእኡ ኻብ ምስጓጕ ተመለሱ።

33ግና ሓደ ሰብኣይ ቀስቱ ገቲሩ ናብ ዝወረደት ትረድ ኢሉ ፍላፃ ሰደደ እሞ፥ ንኣክኣብ ንጉስ እስራኤል በቲ መጋጠሚ ድርዒ ወግኦ። እቲ ንጉስ ሽዑ ነቲ መራሒ ሰረገላኡ “ተወጊአ እየ እሞ ተመለስ፤ ካብዝ ውግእ እዙይ ኣውፅአኒ” በሎ።

34በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ እቲ ውግእ በርትዐ፤ ንጉስ ኣክኣብ ከዓ ኣብ ሰረገላኡ ተደጊፉ ንሶርያውያን ኣማዕድዩ ይሪኦም ነበረ። ፀሓይ ክትዓርብ እንተላ ኸዓ ሞተ።

ትርጓሜ

18:1-34 የሆሳፋጥ ምስ ኣሃብ ዝገበሮ ምሕዝነት። እዚ ታሪኽ እዚ ኣብ 1ነገስትና 22 ንረኽቦ። ብዝሒ ሃብትን ክብረትን ጽቡቕ ንምግባር ዓብይ ዕድል ይህቡ እዮም፣ ግናኸ ብብዙሕ መፈንጠራን ፈተናታትን ይሰንዮም እዩ። ሰባት ብዛዕባ ምትላል ሰይጣንን ኣብ ልቦም ዘሎ ምትላላትን ብዙሕ ኣይፈልጡን እዮም፣ በዚ ጽቡቕ ክገብሩ ከም ዝኽእሉ ሓሲቦም ሃብቲ ምስ ዝምነዩ። ኣምላኽ ንዝሕልዎም መን ክጎድኦም ይኽእል? ኣምላኽ ከጥፍኦም ንዝወሰኖምኸ መን ከሕብኦም ይኽእል? የሆሳፋጥ ብኽዳኑ ድሑን ኮይኑ ተረኽበ፣ ኣሃብ ግና ብኣጽዋሩ ተቐትለ። ምኽንያቱ እቲ ቅድድም ናይቶም ፈጣናት ኣይኮነን፣ እቲ ውግእ ከኣ ናይቶም ብርቱዓት ኣይኮነን። ኣብ ዓለማዊ ዕዮታት እኩያት ሰባት ኣብ ምጥምጣም ንርእስና ክንጥንቀቕ ይግባእ፤ ካብቲ ሓጢኣተኛዊ ውጥኖም ከኣ ክንርሕቕ ኣዝዩ ይግባእ። ግናኸ ምስ ጸውዕዎ፣ ኣምላኽ ንእሙናት ህዝቡ ብሓጢኣት ዝኣተዉዎም ካብ ሽግራትን ሓደጋታትን ከውጽኦም ይኽእልን ክውጽኦም ድማ እዩ። ንሱ ንኹሉ ልቢ ኣብ ኢዱ ዝሕዝ እዩ፣ ስለዚ ብቐሊሉ የድሕኖም። ብጹእ እዩ እቲ ኣብ እግዚኣብሔር ዝውከል ሰብ።

ምዕራፍ 18

ናይዚ ምዕራፍ እዚ ዛንታ ከምቲ ኣብ 1 ነገስት 22 ተዘንትዩ ዘሎ፡ ብዛዕባ ግዝኣት ንጉስ እስራኤል ኣሓብ ቀዲምና ረኺብናዮ ኢና። ኣብኡ፡ ምስ ከም ዮሳፋጥ ዝኣመሰለ ጽቡቕ ሰብ ምሕዝነት ምግባሩ፡ ካብ ካልእ ብዛዕባኡ ተመዝጊቡ ዘሎ ዝበለጸ ክብሪ ንኣሓብ ይህቦ። ኣብዚ ግና፡ ዮሳፋጥ ምስ ከም ኣሓብ ዝኣመሰለ ሕማቕ ሰብ ብኸምዚ ምዝማዱ፡ ኣብ ግዝኣት ዮሳፋጥ ዓብዪ ነቐፌታ እዩ። ኣብዚ ዘሎ፡

I. ምስ ኣሓብ ዝገበሮ ምሕዝነት (ቁ. 1)።

II. ንራሞት-ገለዓድ ካብ ኢድ ሶርያውያን ንምምላስ ኣብ ዝገበሮ ወፍሪ ምስኡ ንምሕባር ዝሃቦ ፍቓድ (ቁ. 2, 3)።

III. ቅድሚ ምኻዶም ምስ ነብያት፡ ሓሰውትን ሓቀኛታትን፡ ምምኽሮም (ቁ. 4–27)።

IV. ዕዉት ምዃን ወፍሮም። ዮሳፋጥ ብጭንቂ ድሒኑ (ቁ. 28–32)፡ ኣሓብ ድማ ሞት ዘምጽእ መውጋእቲ ረኺቡ (ቁ. 33, 34)።

ቁጽሪ 1-3 ኣብዚ፡

I. ዮሳፋጥ እናዓበየ ምምጽኡ። ቅድሚ ሕጂ (2 ዜና መዋእል 17:5) ብዙሕ ሃብትን ክብርን ከም ዝነበሮ ተነጊሩ ነይሩ፤ ኣብዚ ድማ ብፍርሃት ኣምላኽን ጽቡቕ ምምሕዳርን ሃብቱን ክብሩን ከም ዝወሰኸሉ ተነጊሩ ኣሎ።

II. ብልሓተኛ ዘይምዃኑ፡ እንተዘይኮይኑ ምስ ኣሓብ፡ እቲ ንገዛእ ርእሱ ንኽፉእ ግብሪ ዝሸጠ ዝተበላሸወ እስራኤላዊ፡ ኣይምተሓበረን። ካብ ከምኡ ዝኣመሰለ ሕማቕ ሰብ እንታይ ጽቡቕ ክረክብ ይኽእል? ንኸምኡ ዝኣመሰለ ብትሪ ዝረግአ ሓጥእ—ጣኦታዊ፡ ሰጓጊ—እንታይ ጽቡቕ ክገብረሉ ይኽእል? ምስኡ ብምሕዝነት ተተሓሓዘ፡ ማለት ወዱ ዮራም ንጓል ኣሓብ ኣታልያ ኣመርዓዎ።

1. እዚ ኣብ ቤት ዳዊት ዝተገብረ ዝኸፍአ መርዓ እዩ ነይሩ። ዮሳፋጥ ብእኡ እንታይ ክረክብ ከም ዝተስፈወ ይገርመኒ። (1.) ምናልባት ትዕቢት ነቲ መርዓ ገይርዎ ይኸውን፡ ከምቲ ንብዙሓት ዝገብሮ፡ ብኡ መሰረት ድማ ይፍጸም። ሃይማኖቱ ንወዱ ምስ ጓል ካብቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ኣረማውያን መሳፍንቲ ከየመርዕዎ ከልኪልዎ ነይሩ—"ኣዋልዶም ንደቅኻ ኣይትውሰድ"፤ ብዙሕ ሃብትን ክብርን ስለ ዝነበሮ ድማ፡ ምስ ተራ ሰብ ከመርዕዎ ውርደት ኮይኑ ተሰሚዕዎ። ጓል ንጉስ ክትከውን ኣለዋ፡ ስለዚ ድማ ጓል ኣሓብ፡ ኢዛቤል ኣዲኣ ምዃና ብውሑድ ኣይሓሰበን። (2.) ገሊኦም፡ ነቲ መንግስታት ብወዱ ንምውሓድ ብእኡ ተስፋ ብምግባር፡ ብጥበብ ከም ዝገበሮ ይሓስቡ፡ ኣሓብ ድማ ወራሲኡ ከም ዝገብሮ ብተስፋ ኣታሊልዎ ይኸውን፡ ንሱ ግና ከምኡ ዝዓይነ ነገር ኣይሓሰበን።

2. እዚ መርዓ እዚ ንዮሳፋጥ፡ (1.) ምስ ኣሓብ ናብ ጥቡቕ ምሕዝነት ኣእተዎ። ኣብ ሰማርያ በጽሖ፡ ኣሓብ ድማ ዮሳፋጥ ዝገበረሉ ክብሪ ብምኽባር፡ ከምቲ ናይቲ ግዜ እቲ ክብሪ ዝበቅዕ፡ ብሉጽ ምግቢ ኣቕረበ። ንእኡ ኣባጊዕን ኣሓን ብብዝሒ ሓረደ፡ ቁ. 2። ኣብዚ ዮሳፋጥ ከምቲ ናይ ኣቦኡ ዳዊት መገዲ፡ እቲ ንጉባኤ እኩያት ዝጸልአን ምስ ረሲኣን ዘይቕመጥን (መዝሙር 26:5)፡ ከምኡ’ውን ካብ ጥዑም ምግቦም ክበልዕ ዘይደለየ (መዝሙር 141:4)፡ ብጥብቂ ኣይተመላለሰን። (2.

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 5