1ይቲ ጢሞቴዎስ 1

BCV aksumትግርኛ20 ፍቕድታት3:49 ስማዕ
ስማዕ 3:49 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ብትእዛዝ መድሓኒና እግዚኣብሄርን፥ ብተስፋና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ሃዋርያ ኻብ ዝኾነ ጳውሎስ፥

2ናብቲ ብእምነት፥ ናይ ሓቂ ወደይ ዝኾነ ጢሞቴዎስ፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ምሕረትን ሰላምን ንኣኻ ይኹን።

3ከምቲ ናብ መቄዶንያ ክኸይድ እንተለኹ ሓደራ ዝበልኩኻ፥ ኣብ ኤፌሶን ፅናሕ እሞ፥ ገሊኣቶም ናይ ሓሰት ትምህርቲ ኸይምህሩ ኣዝዝ።

4ከምኡውን ናብ ኣፈ ታሪኻትን፥ መወዳእታ ናብ ዘይብሉ ናብ ምቝፃር ትውልድታትን፥ ከየዘምብሉ መዓድ። እዝ ነገራት እዙይ ክትዕ እምበር፥ ኣብቲ ብእምነት ዝግበር ናይ እግዚኣብሄር መጋቢነት፥ ዝጠቅም የብሉን።

5ናይዝ ትእዛዝ እዙይ ዕላማ ግና፥ እታ ኻብ ንፁህ ልቢ፥ ካብ ፅርይቲ ሕሊና፥ ካብ ሓቀኛ እምነት እትርከብ ፍቕሪ እያ።

6ገሊኣቶም ሰባት ካብዙይ ወፂኦም፥ ናብ ከንቱ ኽርክር ተመሊሶም ኣለዉ።

7ነቲ ዝብልዎ ወይ ነቲ ብምትእምማን ዝዛረብዎ እኳ፥ ዘይፈልጥዎ እንተለዉስ፥ መምህራን ሕጊ ክኾኑ ይደልዩ።

8ሰብ ንሕጊ፥ ብዝግባእ መንገዲ እንተ ደኣ ፈፂምዎ፥ ሰናይ ከም ዝኾነ ንፈልጥ ኢና።

9ሕጊ ኸዓ፥ ንፃድቃን ከም ዘይተሰርዐ ንፈልጥ ኢና፤ ሕጊ ዝተሰርዐ፥ ንጠሓስቲ ሕጊ፥ ንዓመፀኛታት፥ ንጕሒላታት፥ ነቶም ቅድስና ዘይብሎም፥ ንሓጥኣን፥ ንርኹሳት፥ ነቶም መንፈሳዊ ነገራት ዝንዕቑ፥ ነቶም ኣቦኦምን እኖኦምን ዝቐትሉ፥ ንቐተልቲ ነፍሲ፥

10ንዘመውቲ፥ ግብረ ሰዶም ንዝገብሩ፥ ነቶም ሰብ ዝሸጡ ነጋዶ፥ ንሓሰውቲ፥ ነቶም ብሓሰት ዝምሕሉ፥ ነቶም ንቕኑዕ ትምህርቲ ዝፃረር ዝገብሩ ዅሎም እዩ።

11እዝ ትምህርቲ እዙይ፥ ናይቲ ኣነ ኸብስሮ ሕድሪ ዝተውሃበኒ፥ ኣብቲ ናይቲ ቡሩኽ እግዚኣብሄር፥ ክቡር ወንጌል እዩ ዝርከብ።

12ነቲ ኸገልግሎ ሓይሊ ዝሃበኒ፥ ከም እሙን ቈፂሩ ኸዓ፥ ናብዝ ኣገልግሎት እዙይ ዝሓረየኒ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ አመስግኖ ኣለኹ።

13ኣነ ቐደም ስም ጐይታ ዝፀርፍን፥ ዘሳጕጉን፥ ዝገፍዕን፥ እንተ ነበርኩ እኳ፥ ሰኣን ፍልጠትን፥ ሰኣን ምእማንን፥ ነዙይ ስለ ዝገበርክዎ፥ ምሕረት ረኸብኩ።

14ኣብ ርእሲ እቲ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝረኸብናዮ እምነትን ፍቕርን፥ ፀጋ ጐይታና፥ ኣባይ ብዘይ መጠን በዝሐ።

15“ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንሓጥኣን ከድሕን መፀ” ዝብል ቃል፥ እሙንን ኵሉ ሰብ ክቕበሎ ዝግባእን እዩ። ኣነ ኸዓ፥ ካብ ኵሉ ዝገደድኩ ሓጢኣተኛ እየ።

16በዝ ምኽንያት እዙይ ድማ እየ፥ ኣነ ምሕረት ዝረኸብኩ፤ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ነቲ ወሰን ዘይብሉ ትዕግስቱ፥ ቅድም ኣባይ ካብ ኵሉ ዝገደድኩ ሓጢኣተኛ ንዝኾንኩ ብምግላፅ፥ ነቶም ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረኽቡ ኢሎም ብእኡ ዝኣምኑ፥ መርኣያ ገበረኒ።

17ነቲ ናይ ዘለኣለም ንጉስ፥ ዘይመውት፥ ዘይረአ፥ በይኑ ኣምላኽ ዝኾነ፥ ንዘለኣለመ ኣለም ክብርን ምስጋናን ይኹኖ። ኣሜን።

18ጢሞቴዎስ ወደይ፥ ኣብቲ ዝተነግረልካ ናይ ትንቢት ቃላት ተመስሪተ፥ እዝ ትእዛዝ እዙይ ሓደራ እህበካ ኣለኹ። ነቲ ዝተነገረካ ቓል ኣፅኒዕኻ ሓዞ፤ ተቢዕኻውን ሰናይ ገድሊ ተጋደል።

19እምነትን ንፁህ ሕሊናን ይሃሉኻ። ገሊኣቶም ሰባት፥ ንሕሊናኣቶም ብዘይምእዛዝ፥ ከምታ ብማዕበል እትጠፍእ መርከብ፥ ንእምነቶም ኣጥፊኦምዋ እዮም እሞ።

20ኣብ መንጎኦም እኳ፥ ንእግዚኣብሄር ምፅራፍ ከም ዘይግባእ ምእንቲ ኽመሃሩ ኢለ፥ ንሰይጣን ኣሕሊፈ ዝሃብኩዎም፥ ሄሜኔዎስን እስክንድሮስን ዝበሃሉ ሰባት ኣለዉዎም።

ትርጓሜ

1:1-4 የሱስ ክርስቶስ ናይ ክርስትያን ተስፋ እዩ፤ ኩሉ ተስፋና ናይ ዘለኣለማዊ ህይወት ኣብኡ እዩ ዝተሰረተ፤ ክርስቶስ ከኣ ተስፋ ክብሪ ኣብ ውሽጥና እዩ። እቲ ሃዋርያ ምኽንያት ምልዋጥ ጢሞቴዎስ ዝኸውን ይመስል፤ ንሱ ድማ ከምቲ እሙን ወዲ ምስ ፈቃር ኣቦኡ፣ ምስኡ ኣብ ኣገልግሎቱ ኣገልጊሉ። እቲ ሕቶታት ዜልዕል፣ ንምህናጽ ኣይኮነን፤ እቲ ንጥርጡራት ባእሲ ዕድል ዚህብ ድማ፣ ንቤተክርስትያን የፍርስ እምበር ኣይሃንጻን። ናይ ልብን ህይወትን ፍርሃት ኣምላኽ፣ ብተግባር እምነት ኣብ ሓቅታትን ተስፋታትን ኣምላኽ፣ ብየሱስ ክርስቶስ ጥራይ ክዕቀብን ክውስኽን ይኽእል።

1:5-11. ንፍቕሪ ኣምላኽ ወይ ንፍቕሪ ኣሕዋት ዜዳኽም ዘበለ ኹሉ፡ ነቲ ዕላማ ትእዛዝ የፍሽሎ። ሓጥኣን ብንስሓ ናብ ኣምላኽን ብእምነት ብየሱስ ክርስቶስን ክርስቲያናዊ ፍቕሪ ኺገብሩ ኺበጽሑ ኸለዉ፡ ዕላማ ወንጌል ይፍጸም። እሞኸ ከምቲ ምእመናን ብመገዲ ኣምላኽ ጻድቃን ዝነበሩ፡ ሕጊ ኣይተጻረሮምን።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6