1ይ ተሰሎንቄ 2

BCV aksumትግርኛ19 ፍቕድታት3:29 ስማዕ
ስማዕ 3:29 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኣሕዋትና፥ እቲ ናባኻትኩም ምምፃእና፥ ንኸንቱ ኸም ዘይኮነ፥ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም።(ሀ)

2ከም እትፈልጥዎ፥ ቅድም ኣብ ፊልጵስዩስ መከራ ተቐበልናን ተዋረድናን። ይኹን እምበር እንተ ተቓወሙናኳ፥ ብረድኤት እግዚኣብሄር ብትብዓት፥ ወንጌል ሰቢኽናልኩም ኢና።

3እቲ ምዕዶና ኻብ ጌጋ ወይ ካብ ርኽሰት ወይ ከዓ፥ ክንጥብረኩም ኢልና ዝገበርናዮ ኣይኮነን።

4እኳ ደኣ ነቲ ሕድሪ ዝተውሃበና ወንጌል፥ ብእግዚኣብሄር ከም ዝተመስከረሎም ሰባት ንዛረብ ኣለና። ዕላማና ንሰብ ዘይኮነስ፥ ነቲ ልቢ ዝምርምር እግዚኣብሄር ምሕጓስ እዩ።

5ብቓል ቅብጥር ወይ እናመኽነና ብስስዐ ተደፋፊእና፥ ከም ዘይተዛረብናኩም ትፈልጡ ኢኹም፤ ነዙይ እግዚኣብሄር ምስክርና እዩ።

6ካባኻትኩም ኮነ ኻብ ካልኦት ሰባት ክብሪ ኣይደለናን። ሃዋርያት ክርስቶስ ከም ምዃንና፥ ክነኽብደልኩም ምኸኣልና ኔርና።

7እንተ ኾነ ኸምታ ነናእሽተይ ደቃ እትከናኸን እኖ፥ ኣብ ማእኸልኩም ርህሩሃት ነበርና።

8ከምኡ ንሕናውን ስለ እንናፍቐኩም፥ የመናውን ነፍቅረኩም ስለ ዝኾንና፥ ህይወትናውን እምበር፥ ወንጌል እግዚኣብሄር ጥራሕ ኣይኮንናን ክነካፍለኩም እንምነ ዝነበርና።

9ኣሕዋተይ፥ ንሓደኳ ኸይነኽብደሉ ኢልና፥ ለይትን መዓልትን እናሰራሕና፥ ወንጌል ከም ዝሰበኽናልኩም፥ ድኻምናን ፃዕርናን ትዝክርዎ ኢኹም።

10ኣባኻትኩም ኣብ ማእኸል እትኣምኑ፥ ብቕድስናን ብፅድቅን ብዘይ ነቐፋን ከም ዝነበርና፥ ንስኻትኩምን እግዚኣብሄርን ምስክር ኢኹም።

11ነቲ ንመንግስቱን ክብሩን ዝፀውዐኩም እግዚኣብሄር፥ ብቑዓት ኴንኩም ምእንቲ ኽትነብሩ፥ ንነፍሲ ወከፍኩም ከም ኣቦ ንውሉዱ፥ ከመይ ጌርና ንምዕደኩምን ነፀናንዐኩምን ነተባብዐኩምን፥ ከም ዝነበርና ትፈልጡ ኢኹም።

13ነቲ ኻባና ዝሰማዕኹምዎ ቓል እግዚኣብሄር ምስ ተቐበልኩምዎ፥ ከምቲ ኣባኻትኩም ኣብ ኣመንቲ ዝሰርሖ ዘሎ፥ ከምቲ ሓቁ፥ ከም ቃል እግዚኣብሄር እምበር፥ ከም ቃል ሰብ ስለ ዘይተቐበልኩምዎ፥ ንሕና እንተየቋረፅና ንእግዚኣብሄር ነመስግኖ ኣለና።

14ኣሕዋተይ፥ ንስኻትኩም ነተን ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዝነብራ፥ ኣብ ይሁዳ ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያን እግዚኣብሄር፥ መሲልኩምወን ኢኹም። ከምቲ ንሳተን ብኣይሁድ መከራ ዝተቐበላ፥ ንስኻትኩምውን ከምኡ ብደቂ ዓድኹም፥ መከራ ተቐቢልኩም ኢኹም እሞ።

15ኣይሁድ፥ ንጐይታና ኢየሱስን፥ ንነቢያትን ቀተልዎም፤ ንኣና ኸዓ ኣሳጐጉና፤ ንእግዚኣብሄርውን የሕዝኑን፥ ንኵሉ ሰብውን ይፃረሩን ኣለዉ።

16ኣህዛብ ምእንቲ ኽድሕኑ፥ ንሕና ወንጌል ከይንሰብከሎም ብምኽልካሎም፥ በዙይ ከዓ ኸም ቀደሞም፥ መስፈሪ ሓጢኣቶም ይመልኡ ኣለዉ። ግና ቝጥዓ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ድሮ ወሪዱ ኣሎ።

17እንተ ኾነ ኣሕዋተይ፥ ንሕና ግና ብልብና ምሳኻትኩም እኳ እንተ ሃለና፥ ብኣካል ንሓፂር ጊዜ ኻባኻትኩም ተፈሊና ስለ ዝነበርና፥ ገፅኩም ክንርኢ ብዙሕ ናፍቖትን ሃረርታን ነይሩና።

18ስለዙይ ናባኻትኩም ክንመፅእ ደሊና ኔርና፤ ኣነ ጳውሎስ እኳ ሓደ ጊዜ፥ ክልተ ጊዜ ኽመፅእ ፈቲነ ነይረ፤ ግና ሰይጣን ኣዐንቀፈኒ።

19ተስፋና ወይ ሓጐስና ወይ ከዓ ኣብ ካልኣይ ምፅኣቱ፥ ኣብ ቅድሚ ጐይታና ኢየሱስ እንምክሐሉ፥ ኣኽሊልና መን ድዩ? ንስኻትኩምዶ ኣይኮንኩምን?

20ብርግፅ ክብርናን ሓጐስናን፥ ንስኻትኩም ኢኹም።

ትርጓሜ

2:1-6

ሃዋርያ ኣብ ስብከቱ ዓለማዊ ዕላማ ወይ ጥቕሚ ኣይነበሮን። ብጽቡቕ ምኽንያት ዝመጽእ መከራ ንቕዱስ ቁራጽ ክበልሖ ይግባእ። ወንጌል ክርስቶስ መጀመርታ ብብዙሕ ምቅዋም ተቐቢሉ፤ ብምፍጥጣር፣ ማለት ኣብ ስብከት ብምጽዓር፣ ንተቓውሞ እናጋጠመ ድማ ተሰብከ። እቲ ትሕዝቶ ምዕዳን ሃዋርያ ሓቀኛን ንጹህን ስለ ዝነበረ፣ ኣገባብ ኣዘራርባኡ ድማ ተንኮል ዘይብሉ ነበረ። ወንጌል ክርስቶስ ንብልሽቲ ስምዒታትን ትምኒታትን ንምምታን፣ ከምኡ’ውን ሰብ ኣብ ትሕቲ ሓይሊ እምነት ምእንቲ ክመጽእ ዝተዳለወ እዩ። ኣምላኽ ንገብሮ ዘበለ ርኡይ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ሓሳባትና ርሑቕ ከሎ’ውን ከም ዝፈልጥ፣ ንልቢ ድማ ከም ዝፍትሽ ምርዳእ፣ እዚ ንቅንዕና ዓብዪ ምትባዕ እዩ። ዓስብና ድማ ካብዚ ልብና ዝፍትሽ ኣምላኽ ክንቕበል ኣሎና። መርትዖታት ቅንዕና ሃዋርያ ምምልላዕን ስስዔን ምእባዩ ነበረ። ትምኒት ስልጣንን ከንቱ ክብሪን ኣበየ።

2:7-12 ምእኩልናን ለውሃትን ሃይማኖት ኣዝዩ የሞግሱ፣ ከመይሲ ምስቲ ኣምላኽ ንሓጥኣን ብወንጌልን ብእኡ ኣቢሉን ብጸጋ ዝገብሮ ምምሕዳር ኣዝዩ ዝሰማማዕ እዩ። እዚኣ እያ ንሰብ ንምዕዋት እትሕግዝ መገዲ። ከም ክርስትያናት ንጸውዖና እሙናት ክንከውን ጥራይ ኣይኮነን ዘሎና፣ የግዳስ ኣብ ፍሉያት ጸውዖታትናን ዝምድናታትናን እውን እሙናት ክንከውን ይግባእ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6