1ካብ ጳውሎስን ስልዋኖስን ጢሞቴዎስን፥ ናብታ ኣብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ኣብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ዘላ ቤተ ክርስቲያን ተሰሎንቄ፥ ኻብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን።
2ምእንቲ ዅልኻትኩም፥ ንእግዚኣብሄር ኵልሻዕ ነመስግኖ ኣለና፤ ኣብ ፀሎትናውን ኵሉ ጊዜ ንዝክረኩም ኣለና።
3ነቲ ናይ እምነት ስራሕኹም፥ ነቲ ኣብ ፍቕሪ ዝተመስረተ ፃዕርኹም፥ ነቲ ኣብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘሎ ተስፋ ዝተመስረተ ፅንዓትኩም፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ኣቦናን፥ እንተየብኰርና ንዝክር ኣለና።
4ኣቱም ብእግዚኣብሄር ፍቑራት ኣሕዋትና፥ እግዚኣብሄር ከም ዝሓረየኩም ንፈልጥ ኢና።
5እቲ ንሕና እንሰብኮ ወንጌል፥ ብሓይልን ብመንፈስ ቅዱስን፥ ብምሉእ ምርዳእን እምበር፥ ብቓል ጥራሕ ኣይመፀኩምን። ንሕናውን ምእንታኻትኩም ክንብል፥ ኣብ ማእኸልኩም ከመይ ኢልና ኸም ዝነበርና ትፈልጡ ኢኹም።
6ብዙሕ መከራ እኳ እንተ ተቐበልኩም፥ ነቲ ቓል፥ በቲ ኻብ መንፈስ ቅዱስ ዝተረኽበ ሓጐስ ብምቕባልኩም፥ ንኣናን ንጐይታን መሰልኩም።
7ስለዙይ ነቶም ኣብ መቄዶንያን ኣካይያን ዘለዉ ዅላቶም ምእመናን፥ ኣርኣያ ኾንኩምዎም።
8እዝ ኻባኻትኩም ዝወፀ ቓል እግዚኣብሄር፥ ኣብ መቄዶንያን ኣካይያን ጥራሕ ኣይኮነን ዝተሰምዐ፤ እቲ ኣብ እግዚኣብሄር ዘለኩም እምነት፥ ኣብ ኵሉ ስፍራ ተሰሚዑ እዩ። ስለዙይ ንሕና ኽንዛረበሉ ኣየድልን እዩ።
9ነቲ ህያው ዝኾነ፥ ናይ ብሓቂ ኣምላኽ ክተገልግሉን፥ ነቲ ኻብ ሞት ዘተስኦ፥ ካብቲ ዝመፅእ ቍጥዓ ዘድሕነናን፥ ወዱ ኢየሱስውን ካብ ሰማያት ክትፅበዩ ኽትብሉ፥ ከመይ ጌርኩም ንጣዖታት ሓዲግኩም፥ ናብ እግዚኣብሄር ከም ዝተመለስኩም፥ ናባኻትኩም ምስ መፃእናውን፥ ከመይ ጌርኩም ከም ዝተቐበልኩምና፥ እዞም ህዝቢ እዚኣቶም፥ ባዕልቶም ይምስክሩ እዮም።