1ኣነ ኸምኣቶም ሽማግለ(ሀ) ዝኾንኩ፥ ናይቲ ክርስቶስ ዝተቐበሎ ስቓይ መስካሪ፥ ኣብቲ ደሓር ክግለፅ ዘለዎ ኽብሪውን ተኻፋሊ ዝኾንኩ፥ ነቶም ኣብ ማእኸልኩም ዘለዉ ሽማግለታት፥ እምዕዶም ኣለኹ።
2ነቲ ሓደራ ዝተውሃበኩም መጓሰ እግዚኣብሄር ሓልውዎ፤ እንተ ኾነ፥ ከም ፍቓድ እግዚኣብሄር፥ ብፍታው እምበር ብግዲ ኣይኹን። ብፅቡቕ ድሌት እምበር፥ ንኸንቱ ረብሓ ኣይኹን።
3ነቲ መጓሰ፥ ኣርኣያ ደኣ ኹንዎ እምበር፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝተውሃቡኹም መጓሰ፥ ጐይቶት ኣይትኹኑ።
4እቲ ሓለቓ ጓሶት ምስ ተገልፀ ድማ፥ ዘይሓልፍ ኣኽሊል ክብሪ ኽትቅበሉ ኢኹም።
5ከምኡ ኸዓ፥ ኣቱም መንእሰያት፥ ነቶም ኣረጋውያን(ለ) ተኣዘዝዎም። “እግዚኣብሄር ንዕቡያት ይቃወሞም፤ ንትሑታት ግና ፀጋ ይህቦም።” ከም ዝብል፥ ትሕትና ለቢስኩም፥ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ የገልግል።
6ደጊም ብጊዜኡ ንሱ ልዕል ምእንቲ ኸብለኩም፥ ኣብ ትሕቲ እታ ሓያል ኢድ እግዚኣብሄር፥ ርእስኹም ትሕት ኣብሉ።
7ንሱ ይሓልየልኩም እዩ እሞ፥ ንዅሉ ዘጨንቐኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ።
8እቲ መፃርርትኹም ዲያብሎስ፥ ዝውሕጦ ደልዩ ኸም ዝጓዝም ኣንበሳ ይዘውር ኣሎ እሞ፥ ብመጠን ንበሩ፤ ንቕሑውን።
9ብእምነት ፀኒዕኹም ተቓወምዎ፤ ነቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋትኩምውን፥ እዝ መከራ እዙይ ይበፅሖም ከም ዘሎ ትፈልጡ ኢኹም።
10ናብ ዘለኣለም ክብሩ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝፀውዐኩም፥ ኣምላክ ናይ ኵሉ ፀጋ፥ ቁሩብ ጊዜ መከራ ምስ ተቐበልኩም፥ ንሱ ኽፍፅመልኩም፥ ከፅንዐኩም፥ ከበርትዐኩም፥ ክምስርተኩምውን እዩ።
11ንእኡ፥ ንዘለኣለመ ኣለም ክብርን ስልጣንን ይኹን። ኣሜን።
12በቲ እሙን ምዃኑ ዝፈልጦ ሓውና ስልዋኖስ ገይረ፥ ከተባብዐኩምን፥ እዝ ቘይምኩምሉ ዘለኹም ፀጋ፥ ናይ ሓቂ ፀጋ ኣምላኽ ምዃኑ እናመስከርኩልኩም፥ ነዛ ሓፃር መልእኽቲ ፅሒፈልኩም ኣለኹ።
13እታ መተሓርይትኹም ዝኾነት፥ ኣብ ባቢሎን እትርከብ ቤተ ክርስቲያን፥ ሰላም ትብለኩም ኣላ። ማርቆስ ወደይውን፥ ሰላም ይብለኩም ኣሎ።
14ብክርስቲያናዊ ፍቕሪ፥ ብቕዱስ ሰላምታ ንስንሳትኩም ሰላም ተበሃሃሉ። ብክርስቶስ ንዘለኹም ኵልኻትኩም ሰላም ይኹን። ኣሜን።