1ብዛዕባ እቲ ነቶም ቅዱሳን ክኸውን ዝዋፃእ ገንዘብ ድማ፥ ኣብ ገላትያ ንዘለዉ ምእመናን ከም ዝሰራዕኽዎ፥ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩ።
2እቲ ምውፃእ ገንዘብ፥ ኣነ ምስ መፃእኹ ምእንቲ ኸይኸውን፥ ኣብ ሰሰሙን በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ፥ ነፍሲ ወከፍኩም ከከም እቶቱ ኣዋህሊሉ፥ ኣብ ገዛኡ የቐምጥ።
3ኣነ ምስ መፃእኹ ድማ፥ ነቲ ውህብቶኹም ናብ ኢየሩሳሌም ምእንቲ ኸብፅሑ፥ ነቶም ዝሓረኹምዎም ሰባት መልእኽቲ ኣትሒዘ ኽሰዶም እየ።
4ኣነ ክኸይድ ዘድሊ እንተ ኾይኑ ድማ፥ ምሳይ ይኸዱ።
5ብመቄዶንያ ኽሓልፍ እየሞ፥ ናብ መቄዶንያ እንትሓልፍ ናባኻትኩም ክመፅእ እየ።
6ናብቲ ዝኸዶ ዓዲ ምእንቲ ኽተፋንዉኒ፥ ምናልባሽ ምሳኻትኩም እፀንሕ ወይ እኸርም እኸውን እየ።
7ከም ሓላፊ መንገዲ ኾይነ ኽሪአኩም ኣይደልን እየሞ፥ እግዚኣብሄር እንተ ፈቒድዎ፥ ቁሩብ ጊዜ ምሳኻትኩም ክፀንሕ ተስፋ ኣለኒ።
8ግና ኽሳዕ በዓለ ሓምሳ፥ ኣብ ኤፌሶን ክፀንሕ እየ።
9ዓቢይን ፍረ ዘለዎን ኣፍ ደገ ተኸፊቱለይ ኣሎ፤ ተፃረርተይ ግና ብዙሓት እዮም።
10ጢሞቴዎስ እንተ መፀ ኸዓ፥ ከምዝ ኸማይ ናይ እግዚኣብሄር ስራሕ እዩ ዝሰርሕ እሞ፥ ብዘይ ፍርሓት ምሳኻትኩም ክቕመጥ ተጠንቀቑሉ።
11ሓደኳ ኣይንዓቆ፤ ምስቶም ኣሕዋት ክመፅእ እፅበዮ ኣለኹ እሞ፥ ዘድልዮ ሂብኩም ብሰላም ኣፋንውዎ።
12ብዛዕባ ኣጵሎስ ሓውና ኸዓ፥ ምስቶም ኣሕዋት ናባኻትኩም ክመፅእ፥ ብዙሕ ለሚነዮ ነይረ፤ እንተ ኾነ ፍቓዱ ስለ ዘይኮነ፥ ሕዚ ኽመፅእ ኣይደለየን፤ ምስ መቸዎ ግና ኽመፅእ እዩ።
13ንቕሑ፤ ኣብ እምነትኩም ፅንዑ፤ በርትዑ፤ ጠንክሩ፤
14ኵሉ ነገር ብፍቕሪ ግበርዎ።
15ኣሕዋተይ፥ ስድራ እስጢፋኖስ፥ ኣብ ሃገር ኣካይያ ቐዳሞት ኣመንቲ ኸም ዝኾኑን፥ ንቅዱሳን ኸገልግሉ ንርእሶም ከም ዘወፈዩን ትፈልጡ ኢኹም።
16ንስኻትኩም ከዓ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉን፥ ነቶም ምሳና ዝሰርሑን ዝፅዕሩን፥ ክትእዘዝዎም እምዕደኩም ኣለኹ።
17እስጢፋኖስን ፈርዶናጡስን ኣካይቆስን ብምምፅኦም ሕጉስ እየ። ክንዳኻትኩም ኮይኖም፥ ነቲ ዝጐደለኒ መሊኦምለይ ኢዮምሞ።
18ንመንፈሰይን ንመንፈስኩምን ኣዕሪፎም እዮም እሞ፥ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ፍለጥዎም።
19እተን ኣብ እስያ ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያን፥ ሰላም ይብላኹም ኣለዋ። ኣቂላን ጵርስቅላን ምስታ ኣብ ቤቶም እትእከብ ቤተ ክርስቲያን ኮይኖም፥ ብጐይታ ብዙሕ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ።
20ኵላቶም እቶም ኣሕዋት፥ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። ብቕዱስ ሰላምታ ንስንሳትኩም ሰላም ተበሃሃሉ።
21እዛ ሰላምታ እዚኣ፥ ኣነ ጳውሎስ ባዕለይ ብኢደይ ዝፀሓፍክዋ እያ።
22ንጐይታና ዘየፍቅሮ እንተ ሃልዩ፥ ንሱ ዝተረገመ ይኹን። ማራናታ!(ሀ)
23ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምሳኻትኩም ይኹን።
24ፍቕረይ ብኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኵልኻትኩም ይኹን። ኣሜን።