1ኵሎም ህዝቢ እስራኤል በብማይ ቤቶም ተቘፀሩ፤ ኣብ መፅሓፍ ነገስታት እስራኤልውን ተፅሒፎም እዮም። ህዝቢ ይሁዳ ኸዓ ብሰንኪ ሓጢኣቶም ተማሪኾም ናብ ባቢሎን ከይዶም ነበሩ።
2እቶም ቀዳሞት ኣብ ረርስቶምን ኣብ ከከተማኣቶምን ተመሊሶም ዝቕመጡ ዝነበሩ እስራኤላውያን ካህናትን ሌዋውያንን ንስራሕ ቤተ መቕደስ ዝተመደቡን ካልኦት እስራኤላውያንን ናታኒምን ነበሩ።
3እቶም ካብ ደቂ ይሁዳን ካብ ደቂ ብንያምን ካብ ደቂ ኤፍሬምን ምናሴን ኣብ ኢየሩሳሌም ዝቕመጡ ዝነበሩ እዚኣቶም እዮም፦
4ካብ ደቂ ፋሬስ ወዲ ይሁዳ፦ ዑታይ ወዲ ዓሚሁድ፥ ወዲ ዖምሪ፥ ወዲ ኣምሪ፥ ወዲ ባኒ እዮም።
5ካብ ሴሎናውያን ወዲ ይሁዳ፦ ዓሳያ እቲ በዅርን ደቁን ነበሩ።
6ካብ ደቂ ዛራም ወዲ ይሁዳ፦ የዑኤልን እቶም ኣሕዋቶምን፥ ኵሎም ሽዱሽተ ሚእትን ተስዓን ነበሩ።
7ካብ ደቂ ብንያም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ድማ፦ ሳሉ ወዲ ሜሱላም፥ ወዲ ሖዳይዋ፥ ወዲ ሓስኑኣ፤
8ብኔያ ወዲ ይሮሓም፥ ኤላ ወዲ ኦዚ፥ ወዲ ሚክሪ፥ ሜሱላም ወዲ ሰፋጥያስ፥ ወዲ ራጉኤል፥ ወዲ ይብኒያ፤
9ደቂ ብንያም ድማ በብማይ ቤት ኣቦታቶም ትሽዓተ ሚእትን ሓምሳን ሽዱሽተን ነበሩ። ኵሎም እዞም ቅድም ተሰምዮም ዘለዉ ሰባት ኣብ መማይ ቤት ኣቦታቶም ዋናታት በብቤት ኣቦታቶም ነበሩ።
10ካብ ካህናት ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ዝነበሩ እዚኣቶም እዮም፦ ዮዳኤ፥ ዮኣሪብ፥ ያኪን፥
11ኣዛርያስ ወዲ ኬልቂያስ፥ ወዲ ሜሱላም፥ ወዲ ሳዶቅ፥ ወዲ መራዮት፥ ወዲ ኣኪጦብ። ኣኪጦብ ሹም ቤት እግዚኣብሄር ነበረ።
12ዓዳያ ወዲ ይሮሓም፥ ወዲ ጳስኮር፥ ወዲ መልክያ፥ መዕሳይ ወዲ ዓዲኤል ወዲ የሕዜራ፥ ወዲ ሜሱላም፥ ወዲ ምሺላሚት፥ ወዲ ኢሜር።
13እቶም ዋናታት መማይ ቤት ኣቦታቶም ዝነበሩ ኻህናት ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ስሳን ነበሩ። ንሳቶም ኣብ ስራሕ ቤት እግዚኣብሄር ዘገልግሉ ዝነበሩ የመና ብልሓተኛታት ሰባት ነበሩ።
14ካብ ሌዋውያን ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ዝነበሩ እዚኣቶም እዮም፦ ሸማያ ወዲ ኣሱብ፥ ወዲ ዓዝሪቃም፥ ወዲ ኣሳብያ፥ ካብ ደቂ ሜራሪ፥
15በቅበቃርን ኤሬስን ጋላልን፥ መታንያ ኸዓ ወዲ ሚካ፥ ወዲ ዝክሪ፥ ወዲ ኣሳፍ፥
16ኣብድያ ወዲ ሰሙስ፥ ወዲ ጋላል፥ ወዲ ኤዶታም፥ በራክያ ወዲ ዓሳ፥ ወዲ እቲ ኣብ ዓድታት ነጦፋውያን ዝተቐመጠ ሕልቃና ነበሩ።
17ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ዝነበሩ ሓለውቲ ቤተ መቕደስ ከዓ እዚኣቶም እዮም፤ ሓለውቲ በሪ ድማ፦ ሰሎምን ዓቁብን ጤልሞንን፥ ኣሒማንን ኣሕዋቶምን ነበሩ፤ ሰሎም ድማ ሓለቓ ነበረ።
18ንሳቶም ክሳዕ ሎሚ ኣብታ ብወገን ምብራቕ ዘላ ደገ ንጉስ ይሕልዉ ነበሩ፤ እዚኣቶም ቀደም ሓለውቲ ደገ ሰፈር ደቂ ሌዊ ነበሩ።
19ሰሎም ከዓ ወዲ ቆሬ፥ ወዲ ኣብያሳፍ፥ ወዲ ቆሬ፥ ምስቶም ካብ ቤት ኣቦኡ ዝኾኑ ኣሕዋቱ ቆሬያውያን ኣብ ስራሕ ኣገልግሎት ሓለውቲ ልዳውቲ ድንኳን ነበሩ፤ ኣቦታቶምውን ኣብ ሰፈር እግዚኣብሄር ሓለውቲ ኣፍ ደገ ነይሮም እዮም።
20ቅድም ኢሉ ፊንሃስ ወዲ ኣልኣዛር ሓለቓኦም ነበረ፤ እግዚኣብሄር ድማ ምስኡ ነበረ።
21ዘካርያስ ወዲ ሜሱላም ሓላዊ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ነበረ።
22እዚኣቶም ኵሎም ኣብ ኣፍ ደገታት ሓለውቲ ክኾኑ ዝተሓርዩ ኽልተ ሚእትን ዓሰርተ ኽልተን ነበሩ። እዚኣቶም ኣብ ኣዓዶም ኣብ መፅሓፍ ትውልዲ ዝተፅሓፉ ነበሩ። ንኣኣቶም ኣብ ኣገልግሎቶም ዝመደብዎም ዳዊትን እቲ ረኣዪ ሳሙኤልን ነበሩ።
23ንሳቶምን ደቆምን ከዓ ነቲ ደገታት ድንኳን ተብሂሉ ዝፅዋዕ ዝነበረ ቤት እግዚኣብሄር ይሕልዉ ነበሩ።
24እቶም ሓለውቲ ደገ ኣብ ኣርባዕቲአን መኣዝን ብምብራቕ፥ ብምዕራብ፥ ብሰሜን፥ ብደቡብ ይቖሙ ነበሩ።
25እቶም ኣብ ኣዓዶም ዝነብሩ ዝነበሩ ኣሕዋቶም ከዓ በብተራ መፂኦም ሸሸውዓተ መዓልቲ ብምሕላው ይሕግዝዎም ነበሩ።
26እዞም ኣርባዕተ ኣሕሉቕ ሓለውቲ ደገ ሌዋውያን ነበሩሞ። ሓለፍቲውን ንሳቶም ነበሩ። ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ቤት እግዚኣብሄር ክፍልታትን መዛግብትን ከዓ ምሩፃት ነበሩ።
27ምሕላው ናታቶም ነበረ እሞ፥ ኣብ ዙርያ ቤት እግዚኣብሄር ይሓድሩ ነበሩ፤ ንግሆ ንግሆ ድማ ምኽፋቱ ሓላፍነቶም ነበረ።
28ገሊኣቶም ኣብ ልዕሊ እቲ ኣቑሑ ኣገልግሎት ሓለፍቲ ነበሩ እሞ፥ ቈፂሮም የእትውዎ፤ ቈፂሮም ከዓ የውፅእዎ ነበሩ።
29ገሊኣቶም እውን ኣብ ልዕሊ እቲ ኣቑሑ፥ ኣብ ኵሉ ኣቑሑ ቤተ መቕደስ ዋናታት ነበሩ። ኣብ ልዕሊ እቲ ልሑም ሕሩጭን ወይንን ዘይትን ዕጣንን ቀመማትን ከዓ ሹመኛታት ነበሩ።
30ካብቶም ደቂ ካህናት ድማ ገሊኣቶም ካብቲ ጥዑም ዝጨናኡ ቐመማት ቅብኣት የዳልዉ ነበሩ።
31ማቲትያ ኸዓ ኻብቶም ሌዋውያን፥ በዅሪ ወዱ ንሻሉም እቲ ቈራሓዊ፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ንኣምላኽ መባእ ዝውፈ ቕጫ ዝስንክቱ ሓላፊ ነበረ።
32ካብ ኣሕዋቶም ድማ፥ ካብቶም ደቂ ቀኣት ገሊኣቶም ሰንበት ሰንበት ሕብስቲ ቝርባን ከዳልዉ ሓላፍነት ነበሮም።
33ገሊኣቶም ሌዋውያን ከዓ መዘምራን ነበሩ። ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታቶም ከዓ ኣብቲ ኽፍልታት ቤተ መቕደስ ይነብሩ ነበሩ። ለይትን መዓልትን ብስራሖም ፅሙዳት ዝነበሩ፥ ካብ ካልእ ኣገልግሎት ነፃ ነበሩ።
34እዚኣቶም በብትውልዶም ኣሕሉቕ ነበሩ፤ በብማይ ቤት ኣቦታት ሌዋውያንውን ዋናታት ነበሩ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ ይቕመጡ ነበሩ።
35የዒኤል ድማ ንኸተማ ገባዖን መስሪቱ ኣብኣ ተቐመጠ፤ ማዓካ እትበሃል ሰበይቲ ድማ ነበረቶ።
36በዅሪ ወዱ ድማ ዓብዶን ይበሃል ነበረ። ብድሕሪኡ ድማ ንዱርን ቂስን በዓልን ኔርን ናዳብን፥
37ጌዶርን ኣሕዮን ዘኵርን ሚቅሎትን ኣብ ገባዖን ይቕመጡ ነበሩ፤
38ሚቅሎት ከዓ ንሳምኣ ወለደ፤ እዚኣቶም ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ቅድሚ ኣሕዋቶም ይቕመጡ ነበሩ።
39ኔር ንቂስ ወለደ፤ ቂስ ንሳኦል ወለደ፤ ሳኦል ከዓ ንዮናታንን ንማልኪሳን ንኣሚናዳብን ንኣስባዓልን ወለደ።
40ዮናታን ንመሪብ ባዓል ወለደ፤ መሪብ ባዓል ንሚካ ወለደ።
41ደቂ ሚካ፥ ፒቶንን ሜሌክን ታሬዓን ኣካዝን ነበሩ።
42ኣካዝ ንየዕራ ወለደ፤ የዕራ ንዓሌሜትን ዕዝሞትን ዘምሪን ወለደ፤ ዘምሪ ንሞፃ ወለደ።
43ሞፃ ንቢንዓ ወለደ፤ ቢንዓ ንረፋያ ወለደ፤ ረፋያ ንኤልዓሳ ወለደ፤ ኤልዓሳ ንኤሴል ወለደ።
44ኤሴል ድማ ዓዝሪቃም፥ ቦክሩ፥ እስማኤል፥ ሸዓሪያ፥ ዓብድዩ፥ ሓናን፥ ዝበሃሉ ሽዱሽተ ደቂ ነበርዎ። እዚኣቶም ደቂ ኤሴል እዮም።