1ይ ዜና መዋእል 11

BCVትግርኛ47 ፍቕድታት6:23 ስማዕ
ስማዕ 6:23 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ሽዑ ዅሎም ህዝቢ እስራኤል ናብ ዳዊት ኣብ ኬብሮን ተኣኪቦም መፁ እሞ ኸምዙይ በልዎ፦ “እኒሀና ንሕና ዓፅምኻን ስጋኻን ኢና።

2ካብ ቀደምውን ሳኦል ነጊሱ እንተሎ፥ ንእስራኤል እተእቱን እተውፅእን ዝነበርካ ንስኻ ኢኻ። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸዓ ‘ንስኻ ንህዝበይ እስራኤል ክትጓሲ ኢኻ፤ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤልውን መራሒ ኽትከውን ኢኻ’ ዝበለካ ንኣኻ እዩ።”

3ስለዙይ ኵሎም ዓበይቲ እስራኤል ናብ ንጉስ ናብ ኬብሮን መፁ፤ ዳዊት ከዓ ኣብ ኬብሮን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምስኣቶም ኪዳን ኣተወ። ከምቲ ብሳሙኤል ዝተነግረ ቓል እግዚኣብሄር ድማ ንዳዊት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ክኸውን ቀብእዎ።

4ዳዊትን ኵሉ ህዝቢ እስራኤልን ድማ ናብ ኢየሩሳሌም ከዱ። ንሳ ቐደም ኢያቡስ ትብሃል ነበረት። ኢያቡሳውያን ከዓ ኣብኣ ይቕመጡ ነበሩ።

5እቶም ኣብ ኢያቡስ ዝቕመጡ ከዓ ንዳዊት “ናብዙይ ኣይትኣቱን ኢኻ” በልዎ። ዳዊት ግና ንእምባ ፅዮን ሓዛ። ንሳውን ከተማ ዳዊት እያ።

6ዳዊት ከዓ “እቲ ቐዲሙ ንኢያቡሳውያን ዝተዋግኦም፥ ሓለቓን ኣዛዚ ሰራዊተይን ክገብሮ እየ” በለ። ኢዮኣብ ወዲ ፅሩያ ኸዓ ኣቐዲሙ ወፀ፤ ሓለቓውን ኮነ።

7ዳዊት ከዓ ኣብታ እምባ ተቐመጠ፤ ስለዙይ ድማ ኸተማ ዳዊት ኢሎም ሰመይዋ።

8ካብ ሚሎ ጀሚሩ ኣብ ዙርያኡ ኸተማ ሰርሐ፤ ነቲ ኣብታ ኸተማ ዝተረፈ ኸዓ ኢዮኣብ ኣዐረዮ።

9ዳዊት ድማ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ምስኡ ስለ ዝነበረ እናበርትዐ ኸደ።

10እቶም ምስ ኵሉ እስራኤል ኮይኖም፥ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ብዛዕባ እስራኤል ዝበሎ፥ ንዳዊት ዘንገስዎን፥ መንግስቱ ኽድልድል ከዓ ዝሓገዝዎን ኣሕሉቕ ሓያላት እዚኣቶም እዮም።

11ቍፅሪ እቶም ጀጋኑ ዳዊት እዙይ ነበረ፦ ያሾበዓም፥ ወዲ ሓደ ሓክሞናዊ፥ ሓለቓ እቶም ሰለስተ ጀጋኑ፥ ኲናቱ ኣልዒሉ ብሓደ ሻዕ ሰለስተ ሚእቲ ሰብ ዝቐተለ እዩ።

12ብድሕሪኡ ድማ ኣልኣዛር ወዲ ዱዲ፥ ኣሖሓዊ እዩ፤ ንሱ ኻብቶም ሰለስተ ጀጋኑ ሓደ ነበረ።

13ንሱ ኣብ ፈስደሚም ምስ ዳዊት ነበረ። ፍልስጥኤማውያን ከዓ ንውግእ ኣብኡ ተኣኪቦም ነበሩ፤ ኣብኡ ድማ ግራት ስገም ነበረት፤ እቶም ህዝቢ እስራኤል ከዓ ኻብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ሃደሙ።

14ንሱ ግና ምስቶም ምስኡ ዝነበሩ ኾይኑ ነታ ግራት ኣድሓና፤ ንፍልስጥኤማውያንውን ተዋጊኡ ሰዓሮም፤ እግዚኣብሄር ድማ ዓብዪ ዓወት ሃቦ።

15ካብቶም ሰላሳ ጀጋኑ ድማ ሰለስተ ናብታ ኰዅሒ፥ ናብታ ዳዊት ዝነበረላ በዓቲ ኣዶላም ወረዱ። እቲ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ከዓ ኣብ ለሰ ራፋይም ሰፊሩ ነበረ።

16ሽዑ ዳዊት ኣብ ውሽጢ እቲ ዕርዲ ነበረ፤ ሓሻኽር ፍልስጥኤማውያን ድማ ንቤተ ልሔም ሒዞምዋ ነበሩ።

17ዳዊት ከዓ “ካብቲ ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገ ቤተ ልሔም ዘሎ ዒላ መን ማይ መስተየኒ” ኢሉ ተመነየ።

18ሽዑ እቶም ሰለስተ ጀጋኑ ነቲ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ጥሒሶም፥ ካብቲ ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገ ቤተ ልሔም ዘሎ ዒላ ማይ ቀዲሖም ንዳዊት ኣምፅኡሉ። ዳዊት ግና ንእግዚኣብሄር ከም መስዋእቲ ገይሩ ኣፍሰሶ እምበር ክሰትዮ ኣይደለየን።

19“ህይወቶም ወፍዮም ኣምፂኦምዎ እዮም እሞ፥ ደም እዞም ህይወቶም ዝወፈዩ ሰባት እዚኣቶምዶ ኽሰቲ እየ? ነዙይ ኣይገብሮን እየ፤ ኣምላኸይ ካባይ የርሕቆ” በለ። ስለዙይ ክሰትዮ ኣይፈተወን። እቶም ሰለስተ ጀጋኑ ዝገበርዎ እዙይ እዩ።

20ኣቢሳ ሓው ኢዮኣብ ከዓ ሓለቓ እቶም ሰላሳ ነበረ። ንሱ ድማ ዂናቱ ኣልዒሉ ሰለስተ ሚእቲ ሰብ ቀተለ። ኣብ መንጎ እቶም ሰላሳ ድማ ስሙይ ነበረ።

21ካብቶም ሰላሳ ይኸብር ነበረ፤ ሓለቓኦም ከዓ ኾነ። ክሳዕ ማዕረ እቶም ሰለስተ ቐዳሞት ግና ኣይበፅሐን።

22በናያስ ወዲ ዮዳሄ በዓል ቀብስኤል ዓብዪ ነገር ዝገበረ ሓደ ጅግና ሰብ ነበረ። ንሱ ኽልተ ውሩያት ደቂ ኣሪኤል ሰብ ሞኣብ ቀተለ። ሓደ ጊዜ ድማ በረድ ኣብ ዝወቕዐሉ እዋን ናብ ውሽጢ ጕድጓድ ወሪዱ ኣንበሳ ቐተለ።

23ከምኡውን ንሓደ ቑመቱ ልዕሊ ኽልተ ሜትር ንዝኾነ ነዊሕ ግብፃዊ ሰብኣይ ቀተሎ። ኣብ ኢድ እቲ ግብፃዊ ሰብኣይ ክንዲ ናይ ኣላማይ መጠቕለሊ ዝኸውን ኲናት ነበረ፤ በናያስ ግና በትሪ ሒዙ ናብኡ ወረደ። ነቲ ዂናት ካብ ኢድ እቲ ግብፃዊ መንዚዑ ድማ በገዛ ዂናቱ ቐተሎ።

24በናያስ ወዲ ዮዳሄ እዝ ነገር እዙይ ገይሩ ነበረ እሞ፥ ኣብ መንጎ እቶም ሰላሳ ጀጋኑ ስሙይ ነበረ።

25እንሆ፥ ንሱ ኻብቶም ሰላሳ ዝኸበረ ነበረ፤ ናብቶም ሰለስተ ቐዳሞት ግና ኣይበፅሐን፤ ዳዊት ከዓ ኣብ ልዕሊ እቶም ዘብዐኛታት ሸሞ።

26እቶም ናይ ውግእ ጀጋኑ ድማ እዚኣቶም እዮም፦ ዓሳሄል ሓው ኢዮኣብ፥ ኤልያና ወዲ ዱዲ በዓል ቤተልሔም።

27ሳሞት ሃሮራዊ፥ ሴሌስ ፈሎናዊ፥

28ዒራስ ወዲ ዒስካ ቴቍሔያዊ፥ ኣቢዔዝር ኣናቶታዊ፥

29ሴቤካይ ኩሳታዊ፥ ዔላይ ኣሖሓዊ፥

30ኖኤሬ ነጦፋዊ፥ ሔሌድ ወዲ በዓና ነጦፋዊ፥

31ካብቶም ደቂ ብንያም፥ ኤታይ ወዲ ሪባይ ካብ ጊብዓ፥ በናያስ ጲርዓቶናዊ፥

32ኡሪ ኻብ ሩባታት ገዓስ፥ ኣቢኤል ዓረባዊ፥

33ዓዝሞት ባሕሩማዊ፥ ኤሊያሕባ ሰዓልቦናዊ፥

34ደቂ ኣሳን ጊዞናዊ፥ ዮናታን ወዲ ሻጌ ሃራራዊ፥

35ኣምናን ወዲ ኣራር ኣሮዳዊ፥ ኤሊፋል ወዲ ኡር፥

36ኦፌር ምኬራታዊ፥ ኣኪያ ፍሎናዊ፥

37ሓፅሮ ቀርሜሎሳዊ፥ ነዕራይ ወዲ ኤዝባይ፥

38ኢዮኤል ሓው ናታን፥ ሚብሓር ወዲ ሃግሪ፥

39ፄሌቅ ኣሞናዊ፥ ነሃራይ እቲ ንኢዮኣብ ወዲ ፅሩያ ኣፅዋሩ ዝሽከም ዝነበረ ቤሮታዊ፥

40ዒራስ ይትራዊ፥ ጋሬብ ይትራዊ፥

41ኦርዮ ኬጢያዊ፥ ዛባድ ወዲ ኣሕላይ፥

42ዓዲና ወዲ ሺዛ ሮቤላዊ፥ ንሱ ሓለቓ ሮቤላውያን ነበረ፤ እቶም ሰላሳ ኸዓ ምስኡ ነበሩ።

43ሓናን ወዲ ማዕካ፥ ኢዮሳፍጥ ሚትናዊ፥

44ዖዝያ ኣስታሮታዊ፥ ሻማን ይኢኤልን ደቂ ኮታም ዓሮዔራዊ፥

45ደቂ ሺምረ ይዲኤል፥ ቲፃዊ ሓው ዮሓን፥

46ኤሊኤል ማሓዋዊ፥ ደቂ ኤልናዓም፥ ይሪባይን ዮሻውያን፥ ይትማ ሞኣባዊ፥

47ኤሊኤልን ዖቤድን ያዕሲኤል ምፆባዊን።

ትርጓሜ

11:1-9 ዳዊት ኣብ ሄብሮን ኣብ ይሁዳ ጥራይ ሸውዓተ ዓመት ካብ ገዝአ ድሕሪኡ ናብ ዝፋን እስራኤል ክወጽእ ተገብረ። ምኽርታት ኣምላኽ፣ ዝኾነ ይኹን ዕንቅፋት ኣብ መገዲ እንተሎ እኳ፣ ብመወዳእታ ክፍጸሙ እዮም። ብሓቂ ዓብይ ንምዃን ዘሎካ መገዲ፣ ብሓቂ ኣገልግሎታዊ ምዃን እዩ፣ ንኹሉ ኣባራትና ንእግዚኣብሔር ምውፋይ እዩ።

11:10-47 ብዛዕባ ጀጋኑ ዳዊት፡ ንዕኡ ዘገልገሉ ዓበይቲ ሰባት፡ ጸብጻብ ተዋሂቡ ኣሎ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6