የሱስ ተወሊዱ
20 ፍቕድታት2ትግርኛሉቃ 2:1-7
1በተን መዓልትታት እቲኣ ድማ፡ ብዘላ ዓለም ቀረጽ ኪኽፈል ካብ ቄሳር ኣውጉስጦስ ኣዋጅ ወጸ።
2(እዚ ግብሪ እዚ ድማ ንመጀመርታ ግዜ ቂሬንዮስ ኣመሓዳሪ ሶርያ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እዩ ተገይሩ።)
3ኲላቶም ድማ ነፍሲ ወከፎም ናብ ከተማኦም ከዱ።
4ዮሴፍ ድማ ካብ ገሊላ ካብ ከተማ ናዝሬት ናብ ይሁዳ ናብታ ቤተልሄም እትበሃል ከተማ ዳዊት ደየበ። (ካብ ቤትን መስመር ወለዶን ዳዊት ስለ ዝነበረ።)
5ምስ ማርያም፡ በዓልቲ ቤቱ፡ ዓባይ ጥንሲ ኽትጾር።
6ኣብኡ ኸለዉ ድማ፡ እትሓልፈላ መዓልትታት ተወድአ።
7በዅሪ ወዳ ድማ ወለደት፡ ብኽዳን ጠቕሊላ ድማ ኣብ መብልዕ ማል ኣንበረቶ። ኣብቲ መዕረፊ ኣጋይሽ ቦታ ኣይነበሮምን እሞ።
ሉቃ 2:8-20
8ኣብታ ሃገር ድማ ኣብ መሮር ዚሓድሩን መጓሰኦም ብለይቲ ዚሕልዉን ጓሶት ነበሩ።
9እንሆ ድማ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር መጸ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ዙርያኦም ደሚቑ፡ ኣዝዮም ድማ ፈርሁ።
10እቲ መልኣኽ ድማ፡ “ንዅሉ ህዝቢ ዚኸውን ዓብዪ ሓጐስ ብስራት የምጽኣልኩም ኣለኹ እሞ፡ ኣይትፍርሑ።
11ሎሚ ኣብ ከተማ ዳዊት መድሓኒ ተወሊዱልኩም ኣሎ፡ እዚ ክርስቶስ ጐይታ እዩ።
12እዚ ኸኣ ንዓኻትኩም ምልክት ኪኸውን እዩ። እቲ ህጻን ብመሸፈኒ ክዳን ተጠቕሊሉ ኣብ መብልዕ ማል ደቂሱ ክትረኽቦ ኢኻ።
13ሃንደበት ድማ ምስቲ መልኣኽ ብዙሓት ሰራዊት ሰማይ ንኣምላኽ እናኣመስገኑን እናበሉን መጹ።
14ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕለዎት ሰማያት፡ ሰላም ኣብ ምድሪ፡ ሰናይ ፍቓድ ንሰብ ይኹን።
15መላእኽቲ ካባታቶም ናብ ሰማይ ኪኸዱ ኸለዉ፡ እቶም ጓሶት ንሓድሕዶም፡ ሕጂ ክሳዕ ቤተልሄም ንኺድ እሞ፡ ነዚ ጐይታ ዘፍለጠና ነገር ንርአ።
16ብታህዋኽ መጺኦም ድማ ንማርያምን ዮሴፍን ነቲ ሕጻንን ኣብ መብልዕ ማል ደቂሶም ረኸብዎም።
17ነዚ ምስ ረኣዩ ድማ፡ ብዛዕባ እዚ ቘልዓ እዚ እተነግሮም ቓል ኣብ ደገ ኣፍለጡ።
18እቶም ዝሰምዕዎ ዅሎም ድማ በቲ ጓሶት እተነግሮም ነገር ተገረሙ።
19ማርያም ግና ነዚ ዅሉ ሓቢራ ኣብ ልባ ኣስተንተነት።
20እቶም ጓሶት ድማ ተመሊሶም ከምቲ እተነግሮም፡ በቲ ዝሰምዕዎን ዝረኣይዎን ዘበለ ዅሉ ንኣምላኽ ኣኽበርዎን ኣመስገኑን።