አርጤክስስ

አሐሽዌሮስትግርኛ

ኣብ ዘመን ስደትን ምምላስን ዝነበረ ንጉስ ኮይኑ፡ ፈለማ ዝተጠቕሰ ኣብ እዝራ 4.7 እዩ (ገሊኦም ግን እዚ ካልእ ኣርታሕሻስታ እዩ ይብሉ)።

ኣርታሕሻስታ ብዘመን እዝራን ነህምያን ዝነገሰ ንጉስ ፋርስ ነበረ። ኣብ ሳብዓይ ዓመት ግዝኣቱ ንእዝራ ኻህን ከምኡውን ጸሓፊ፡ ንጉጅለ ስደተኛታት ኣይሁድ ናብ ኢየሩሳሌም ክመርሕ ፈቐደሉ። ኣርታሕሻስታ ንእዝራ ሕጊ ከምህር፡ መኳንንትን ዳኛታትን ክሸይም፡ ከምኡውን ካብ መዝገብ ሃገር ንብረት ክሓትት ስልጣን ዝህብ ደብዳበ ሃቦ። ኣብ ዕስራይ ዓመት ኣርታሕሻስታ፡ ነህምያ ኣሳላፊ ዋንጫ፡ ቅጽሪ ኢየሩሳሌም ከም ዝፈረሰ ምስ ፈለጠ፡ ተመሊሱ ክሃንጾ ንንጉስ ፍቓድ ሓተተ። ኣርታሕሻስታ ንነህምያ ንቕጽሪ ዕንጨይቲ ንኽረክብ ስልጣን ብዝህቡ ደብዳበታት ከም ገዛኢ ገይሩ ናብ ይሁዳ ለኣኾ። ንሱ ድማ ምስቲ ኻብ 465 ክሳብ 424 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ንግዝኣት ፋርስ ዝገዝአ ኣርታሕሻስታ ፩ይ ሎንጊማኑስ ዝፍለጥ ክኸውን ይኽእል እዩ።