መሃልየ መሃልይ 5

BCVትግርኛ16 ፍቕድታት3:00 ስማዕ
ስማዕ 3:00 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ሓፍተይ፥ መርዓተይ፥ ናብ ገነተይ ኣትየ፥ ከርበይን ምዑዝ ቀመማተይን እእክብ ኣለኹ። ሕብስተይ ምስ መዓረይ፥ ወይነይ ድማ ምስ ፀባይ ሰተኹ። ኣቱም ኣዕርኽተይ፥ ብልዑ፤ ስተዩ፤ ኣቱም ፍቑራት፥ ክሳዕ እትረውዩ ኣብዚሕኹም ስተዩ።

2ኣነ ደቂሰ እየ፤ ልበይ ግና ነቒሑ እዩ፤ ድምፂ ፍቱወይ እዩ፤ ንሱውን ማዕፆ ይዅሕዅሕ ኣሎ። “እቲ ርእሰይ ጠሊ፥ ጐተናይ ከዓ፥ ኣውሊ ለይቲ ጠልቅዩ እዩ እሞ፥ ኣቲ ሓፍተይ፥ ፍቕርተይ፥ ርግበይ፥ ፍፅምተይ፥ ክፈትለይ።”

3ቀሚሸይ ኣውፂአ እየ፤ ከመይ ኢለ ክኽደኖ? እግረይ ተሓፂበ እየ፤ ከመይ ኢለ ኸርስሖ?

4ፍቱወይ ኢዱ ብነዃል ሰደደ፤ ውሽጠይ ብእኡ ተሃወኸ።

5ንፍቱወይ ክኸፍተሉ ተሳእኹ፤ ኣእዳወይ ከርበ፥ ኣፃብዕተይ ድማ፥ ፈሳሲ ኸርበ ኣብቲ መሸጐሪ ማዕፆ ኣንጠብጠቡ።

6ንፍቱወይ ከፈትኩሉ፤ ፍቱወይ ግና ድሮ ድሕር ኢሉ ነበረ፤ ክዛረበኒ እንተሎ ነፍሰይ ደንገፀት፤ ደለኽዎ ግና ኣይረኸብክዎን፤ ፀዋዕክዎ ግና ኣይመለሰለይን።

7ነታ ኸተማ እናዞሩ ዝሕልዉ ረኸቡኒ፤ ወቕዑኒ፤ ኣቝሰሉኒውን፤ ሓለውቲ ቐፅሪ ድማ መጐልበብየይ ገፈፉኒ።

8ኣትን ኣዋልድ ኢየሩሳሌም፥ ንፍቱወይ እንተ ረኺብክናኦ፥ ብፍቕሪ ኸም ዝሓመምኩ፥ ክትነግራኦ ኣምሕለክን ኣለኹ።

9ኣቲ ሕልፊ ዅለን ኣንስቲ እትፅብቒ፥ እዝ ፈታዊኺ ኻብ ካልኦት ፈተውቲ ዝበልፅ መን እዩ? ከምዙይ ጌርኪ እተምሕልናስ ፈታዊኺ ኻብ ካልእ ፈታዊ ዝበልፅ መን እዩ?

10ፍቱወይስ ካብ ዓሰርተ ሽሕ ዝተመርፀ፥ ወዛምን ምልኩዕን እዩ።

11ርእሱ ፅሩይ ወርቂ እዩ፤ ፀጕሩ ለማፅ፥ ከም ኳዅ ኸዓ ፀሊም እዩ።

12ኣዒንቱ ኸም ኣብ ጥቓ ፈልፋሊ ማይ ዘለዋ፥ ብፀባ ኸም ዝተሓፅባ፥ ኣብ ጥቓ ፈሳሲ ማይ፥ ከም ዝተቐመጣ ርግቢታት እየን።

13ምዕጕርታቱ ኸም መደብ ኣታኽልቲ ሽቱ እየን፤ ከናፍሩ ፈሳሲ ኸርበ ዘንጠብጥባ ዕምበባ እየን።

14ኣእዳዉ ብዕንቊ ተርሴስ ዝተሰንቀራ፥ ወርቂ ቐለበት እየን፤ ደረቱ ብሰንፔር ዝተሸለመ፥ ብልሓተኛ ኸም ዝገበሮ ስኒ ሓርማዝ እዩ።

15ኣእጋሩ ኣብ ፅሩይ ወርቂ ዝተሰረታ፥ ከም ኣዕማድ እምነ በረድ ይመስላ፤ መልክዑ ኸም ሊባኖስ፥ ከም ኣእዋም ዝግባ ዝተመረፀ እዩ።

16ኣፉ የመና ጥዑም እዩ፤ ኵለንትናኡ ኸዓ ፍትዊ እዩ፤ ኣትን ኣዋልድ ኢየሩሳሌም፥ ፍቱወይ እዙይ እዩ፤ እወ፥ ፈታዊየይስ እዙይ እዩ።

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG እኅቴ ሙሽራዬ ሆይ፥ ወደ ገነቴ ገባሁ፥ ከርቤዬን ከሽቱዬ ጋር ለቀምሁ፥ እንጀራዬን ከማሬ ጋር በላሁ፥ የወይን ጠጄን ከወተቴ ጋር ጠጣሁ። ባልንጀሮቼ ሆይ፥ ብሉ፤ ወዳጄ ሆይ፥ ጠጪ እስክትረኪ … አማርኛ ENGNIV I have come into my garden, my sister, my bride; I have gathered my myrrh with my spice. I have eaten my honeycomb and … English GAZBIB “Yaa obboleettii ko, kaadhima ko! Ani gara iddoo dhaabaa kootii dhufeera, qumbii koo fi urgooftuu koo walitti qabadheer… Afaan Oromoo BCV GIZ ቦእኩ ውስተ ገነትየ እኅትየ መርዓት አረርኩ ከርቤ ምስለ አፈዋትየ፤ በላዕኩ ኅብስትየ ምስለ መዓርየ፤ ሰተይኩ ወይንየ ምስለ ሐሊብየ፣ በልዑ ካልአንየ፤ ሰትዩ ወሰከሩ ውሉድ አኃውየ። giz GAZGAZ “Yaa obboleettii ko, kaadhima ko! Ani gara iddoo dhaabaa kootii dhufeera, qumbii koo fi urgooftuu koo walitti qabadheer… Afaan Oromoo BCV aksum ሓፍተይ፥ መርዓተይ፥ ናብ ገነተይ ኣትየ፥ ከርበይን ምዑዝ ቀመማተይን እእክብ ኣለኹ። ሕብስተይ ምስ መዓረይ፥ ወይነይ ድማ ምስ ፀባይ ሰተኹ። ኣቱም ኣዕርኽተይ፥ ብልዑ፤ ስተዩ፤ ኣቱም ፍቑራት፥… ትግርኛ AMHNIV እኅቴ ሙሽራዬ፣ ወደ አትክልት ቦታዬ መጥቻለሁ፤ ከርቤዬን ከቅመሜ ጋር ሰብስቤአለሁ፤ የማር እንጀራዬን ከነወለላው በልቻለሁ፤ ወይኔንና ወተቴንም ጠጥቻለሁ። ወዳጆች ሆይ፤ ብሉ፤ ጠጡ፤ እናንት … አማርኛ SWAHSUV Naingia bustanini mwangu, umbu langu, bibi arusi, Nachuma manemane yangu na rihani, Nala sega la asali na asali yangu, … Kiswahili