1ምእንቲ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ እሱር ካብ ዝኾንኩ ጳውሎስን፥ ካብ ሓውና ጢሞቴዎስን፥ ናብቲ ፍቑርን መሳርሕትናን ዝኾነ ፊልሞና፥
2ናብ ኣፍብያ ሓፍትናን፥ ናብቲ ምሳና ዝጋደል ኣክርጳን፥ ናብታ ኣብ ቤትካ ዘላ ቤተ ክርስቲያንን።
3ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን።
4ኣብ ፀሎተይ ክዝክረካ እንተለኹ፥ ኵሉ ጊዜ ንኣምላኸይ አመስግን።
5እዙይ ከዓ፥ ንቕዱሳን ከም እተፍቅርን፥ ብጐይታና ብኢየሱስ ከም እተኣምንን ስለ ዝሰማዕኹ እየ።
6ነቲ ብክርስቶስ ዝረኸብናዮ ሰናይ ነገር ኣፀቢቕካ ምእንቲ ኽትርዳእ፥ ነቲ ዘለካ እምነት ብትብዓት ክተካፍሎ እፅሊ ኣለኹ።
7ኣታ ሓወይ፥ ልቢ ቅዱሳን ስለ ዘፀናናዕኻ፥ ብፍቕርኻ ብዙሕ ሓጐስን ምትብባዕን ረኺበ ኣለኹ።
8ስለዙይ ብክርስቶስ ኢየሱስ ብዘለኒ ብዙሕ ትብዓት፥ ነቲ ኽትገብሮ ዝግብአካ፥ ክእዝዘካ ዝኽእል እኳ እንተ ኾንኩ፥
9ኣነ ጳውሎስ፥ ሽማግለ፥ ሕዚ እውን ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ እሱር፥ ምእንቲ ፍቕሪ ኢለ፥
10ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንተለኹ፥ ብክርስቶስ ዝወለድክዎ ወደይ ኣናሲሞስ፥ እልምነካ ኣለኹ።
11ንሱ ቐደም ኣይጠቐመካን፤ ሕዚ ግና ንኣኻን ንኣይን ይጠቕመና እዩ።
12ነቲ ብልቢ ዘፍቅሮ ኣናሲሞስ፥ መሊሰ ናባኻ እሰዶ ኣለኹ።
13ኣነ እኳ፥ ወንጌል ብምስባኸይ ተኣሲረ ኣብ ዘለኹሉ፥ ክንዳኻ ኾይኑ ኸገልግለኒ፥ ምሳይ ከትርፎ ምደለኹ ነይረ።
14ግናኸ እቲ ሰናይ ግብርኻ፥ ብድልየትካ እምበር፥ ብግዲ ምእንቲ ኸይኸውን፥ ብዘይ ፍቓድካ ሓንቲ እኳ ኽገብር ኣይደለኹን።
15ኣናሲሞስ ንሓፂር ጊዜ ዝተፈለየካ፥ ምናልባሽ ንሓዋሩ ምሳኻ ምእንቲ ኽነብር እዩ ዝኸውን።
16ደጊም ከም ባርያ ኣይኮነን፤ ብፍላይ ነኣይ፥ ፍቑር ሓው ካብ ኮነ፥ ንኣኻ ግዳ ብስጋን ብጐይታን፥ ካብ ባርያ ዝበለፀ፥ ፍቑር ሓው ከመይ ዘይኾነካ!
17እምበኣር ከም ሓው ትሪአኒ እንተ ዄንካስ፥ ንኣይ ከም እትቕበለኒ ጌርካ ተቐበሎ።
18እንተ በዲሉካ ወይ ንሱ ዝኸፍለካ ዕዳ እንተ ሃልዩ፥ ካባይ ድለዮ።
19ኣነ ጳውሎስ፥ ክንድኡ ክኸፍለካ እየ ኢለ፥ ብኢደይ እፅሕፈልካ ኣለኹ። ንስኻውን በዓል ዕዳይ ከም ዝኾንካ ምዝራብ ኣየድልየንን እዩ።
20እወ፥ ኣታ ሓወይ፥ ካባኻስ ብጐይታ ኽጥቀም እደሊ ኣለኹሞ፥ ብክርስቶስ ንልበይ ኣዕርፈለይ።
21ካብዝ ዝብለካ ዘለኹ ኣብሊፅካ ኸም እትገብር ፈሊጠ፥ ከም እትእዘዘኒውን ኣሚነ እየ ዝፅሕፈልካ ዘለኹ።
22ከምኡውን እግዚኣብሄር ፀሎትኩም ሰሚዑ፥ ናባኻትኩም ክመፅእ ከም ዝገብረኒ፥ ተስፋ ኣለኒ እሞ ስፍራ ኣዳልወለይ።
23ምእንቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ምሳይ ዝተኣስረ ኤጳፍራስ፥ ሰላም ይብለካ ኣሎ።
24ከምኡውን እቶም መሳርሕተይ ዝኾኑ ማርቆስ፥ ኣርስጠርኮስ፥ ዴማስ፥ ሉቃስ፥ ሰላም ይብሉኻ ኣለዉ።
25ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ምስ መንፈስኩም ይኹን። ኣሜን።