ኦሪት ዘሁልቊ 29

BCVትግርኛ40 ፍቕድታት6:26 ስማዕ
ስማዕ 6:26 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ፥ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ። ዝኾነ ስራሕ ኣይትስርሑ። ንሳ መለኸት እትነፍሑላ መዓልቲ ትኹነልኩም።

2ሽዑ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብሎ ጥዑም ዝጨናኡ ዝቃፀል መስዋእቲ ጌርኩም፥ ሓደ ዝራብዕ፥ ሓደ ማጕላ፥ ዓመት ዝገበሩ ሸውዓተ ጡበታት ኣባጊዕ፥ ኵሎም ጐደሎ ዘይብሎም ኣቕርቡ።

3መስዋእቲ እኽሊ ኸዓ ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ፥ መምስ ሓደ ዝራብዕ ሰለስተ ናይ ዓስራይ ኣፍ፥ ምስቲ ማጕላ ኽልተ ናይ ዓስራይ ኣፍ፥

4ነቶም ሸውዓተ ጡበታት ኣባጊዕ፥ ነንሓደ ጡበት በጊዕ ሓደ ናይ ዓስራይ ኣፍ ኣቕርቡ።

5ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኽሕደገልኩም ድማ ምእንቲ ስርየት ሓጢኣት ሓደ ጤል ሰውኡ።

6እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ መጀመርታ ወርሒ ዝቃፀል መስዋእትን ምስኡ ዝቐርብ መስዋእቲ እኽልን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእትን ምስኡ ዝቐርብ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ዝውፈ እዩ። እዝ መስዋእቲ እዙይ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብለኒ ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ እዩ።

7ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ ናይዛ ሻውዐይቲ ወርሒ እዚኣ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ፤ ነፍስኹም ኣዋርዱ፤ ዝኾነ ስራሕ ከዓ ኣይትስርሑ።

8ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ክኸውን ጥዑም ዝጨናኡ ዝቃፀል መስዋእቲ፥ ሓደ ዝራብዕ፥ ሓደ ማጕላ፥ ዓመት ዝገበሩ ሸውዓተ ጡቦታት ኣባጊዕ ኣቕርቡ፤ ኵሎም ከዓ ጐደሎ ዘይብሎም ይኹኑልኩም።

9ምስኡ ዝውፈ መስዋእቲ እኽሊ ኸዓ ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ኣቕርቡ፤ ምስቲ ዝራብዕ ሰለስተ ኺሎ ግራም፥ ምስቲ ማጕላ ኽልተ ኺሎ ግራም፥

10መምስ ሓደ ጡበት በጊዕ ከዓ ሓደ ኺሎ ግራም ሰውኡ።

11ምእንቲ ስርየት ሓጢኣት ዝስዋእ ድማ ሓደ ጤል ኣቕርቡ። እዝ መስዋእቲ እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርየት ሓጢኣት ዝውፈ መስዋእትን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ዝውፈ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእትን ዝቐርብ እዩ።

12ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ፥ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ፤ ዝኾነ ስራሕ ኣይትስርሑ፤ ሸውዓተ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር በዓል ኣብዕሉ።

13ዓሰርተ ሰለስተ ዝራብዕ፥ ክልተ ማጓሉ፥ ዓመት ዝገበሩ ዓሰርተ ኣርባዕተ ጡበታት ኣባጊዕ፥ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ ጌርኩም ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብሎ ጥዑም ዝጨናኡ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕርቡ።

14ምስኡ ዝውፈ መስዋእቲ እኽሊ ኸዓ ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ኣቕርቡ፤ መምስ ሓደ ዝራብዕ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ፥ መምስ ሓደ ማጕላ ኽልተ ዓስራይ ኣፍ፥

15መምስ ሓደ ጡበት በጊዕ ዓስራይ ኣፍ ኣቕርቡ።

16ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ድማ ሓደ ጤል ኣቕርቡ። እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ዝውፈ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ።

17ኣብታ ኻልአይቲ መዓልቲ ድማ፥ ዓሰርተ ኽልተ ዝራብዓት፥ ክልተ ማጓሉ፥ ዓመት ዝገበሩ ዓሰርተ ኣርባዕተ ጡበታት ኣባጊዕ፥ ኵሎም ጐደሎ ዘይብሎም ሰውኡ።

18ምስቶም ዝራብዓትን ማጓሉን ጡቦታትን ዝውፈ፥ ከምቲ ስሩዕ ቝፅሮም መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ኣቕርቡ።

19ክንዲ ስርየት ሓጢኣት ዝስዋእ ድማ ሓደ ጤል ኣቕርቡ። እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ዝውፈ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ።

20በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ዓሰርተ ሓደ ዝራብዓት፥ ክልተ ማጓሉ፥ ዓመት ዝገበሩ ዓሰርተ ኣርባዕተ ጡበታት ኣባጊዕ፥ ኵሎም ጐደሎ ዘይብሎም ሰውኡ።

21ምስቶም ዝራብዓትን ማጓሉን ጡቦታትን ዝውፈ፥ ከከምቲ ስሩዕ ቍፅሮም መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ኣቕርቡ።

22ክንዲ ስርየት ሓጢኣት ዝስዋእ ድማ ሓደ ጤል ኣቕርቡ። እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ዝውፈ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ።

23ኣብታ ራብዐይቲ መዓልቲ ድማ ዓሰርተ ዝራብዓት፥ ክልተ ማጓሉ፥ ዓመት ዝገበሩ ዓሰርተ ኣርባዕተ ጡበታት ኣባጊዕ፥ ኵሎም ጐደሎ ዘይብሎም ሰውኡ።

24ምስቶም ዝራብዓትን ማጓሉን ጡቦታትን ዝውፈ ኸምቲ ስሩዕ ቍፅሪ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ኣቕርቡ።

25ክንዲ ስርየት ሓጢኣት ዝስዋእ ድማ ሓደ ጤል ኣቕርቡ። እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ዝውፈ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ።

26ኣብታ ሓምሸይቲ መዓልቲ ድማ ትሽዓተ ዝራብዓት፥ ክልተ ማጓሉ፥ ዓመት ዝገበሩ ዓሰርተ ኣርባዕተ ጡበታት ኣባጊዕ፥ ኵሎም ጐደሎ ዘይብሎም ሰውኡ።

27ምስቶም ዝራብዓትን ማጓሉን ጡበታትን ዝውፈ ኸከምቲ ስሩዕ ቝፅሮም መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ኣቕርቡ።

28ክንዲ ስርየት ሓጢኣት ዝስዋእ ድማ ሓደ ጤል ኣቕርቡ። እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ዝውፈ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ።

29ኣብታ ሻድሸይቲ መዓልቲ ድማ ሸሞንተ ዝራብዓት፥ ክልተ ማጓሉ፥ ዓመት ዝገበሩ ዓሰርተ ኣርባዕተ ጡቦታት ኣባጊዕ፥ ኵሎም ጐደሎ ዘይብሎም ሰውኡ።

30ምስቶም ዝራብዓትን ማጓሉን ጡቦታትን ዝውፈ ኸከምቲ ስሩዕ ቝፅሮም መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ኣቕርቡ።

31ክንዲ ስርየት ሓጢኣት ዝስዋእ ድማ ሓደ ጤል ኣቕርቡ። እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ዝውፈ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ።

32ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ድማ ሸውዓተ ዝራብዓት፥ ክልተ ማጓሉ፥ ዓመት ዝገበሩ ዓሰርተ ኣርባዕተ ጡበታት ኣባጊዕ፥ ኵሎም ጐደሎ ዘይብሎም ሰውኡ።

33ምስቶም ዝራብዓትን ማጓሉን ጡበታትን ዝውፈ፥ ከከምቲ ስሩዕ ቍፅሮም፥ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ኣቕርቡ።

34ክንዲ ስርየት ሓጢኣት ዝስዋእ ድማ ሓደ ዲበላ ኣቕርቡ። እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ዝቐርብ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ።

35ኣብታ ሻምነይቲ መዓልቲ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ። ዝኾነ ስራሕ ድማ ኣይትስርሑ።

36ሓደ ዝራብዕ፥ ሓደ ማጕላ፥ ዓመት ዝገበሩ ሸውዓተ ጡበታት ኣባጊዕ፥ ኵሎም ጐደሎ ዘይብሎም፥ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ዝጨናኡ፥ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ ኣቕርቡ።

37ምስቲ ዝራብዕን ማጓሉን፥ ከምኡውን ምስቶም ጡበታት ኣባጊዕ፥ ከከምቲ ቝፅሮም መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ኣቕርቡ።

38ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ድማ ሓደ ዲበላ ኣቕርቡ። እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ዝቐርብ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ።

39ኣብ ልዕሊ እቲ ብመብፅዓ ወይ ብድልየትኩም እተቕርብዎ መስዋእትኹም፥ በቲ ምዱብ በዓላትኩም፥ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን መስዋእቲ ምስጋናን ንእግዚኣብሄር ኣቕርቡ።

40ሙሴ ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ዅሉ ንደቂ እስራኤል ነገሮም።

ትርጓሜ

29:1-11 ኣብ ሻውዐይቲ ወርሒ ካብ ዝኾነት ካልእ ወርሒ ንላዕሊ ብዙሓት ቅዱሳት ኣከባብራታት ነበሩ። እዚ ኸኣ ኣብ መንጎ ግዜ ምዕጻድን ግዜ ዘርእን ዝነበረ እዩ። ካብ ተጣባቒ ዕዮታት እዛ ህይወት እዚኣ ዝበዝሐ እረፍቲ ኣብ ዝህልወና መጠን፡ ኣብቲ ንኣምላኽ ብቐጥታ ዝወፍር ኣገልግሎት ዝያዳ ግዜ ክንጥቀም ይግባእ። መለኸት ምንፋሕ ተሰሪዑ ነበረ፣ ዘሌዋውያን 22:24። ኣብዚ በታ መዓልቲ እቲኣ እንታይ መስዋእቲ ከቕርቡ ከም ዘለዎም መምርሒ ተዋሂብዎም።

እቶም ሓሳብ ኣምላኽ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ክፈልጡ ዝደልዩ፡ ሓደ ክፋል ምስ ካልእ ክፋል ከነጻጽሩ ኣለዎም። እቲ ድሕሪኡ ዝተረኽበ መለኮታዊ ብርሃን፡ ኣብቲ ቀዳማይ ዝነበረ ዘይተረድኤ የብርህ፡ ንዝጎደለ ኸኣ የማልእ፣ ሰብ ኣምላኽ ፍጹም ምእንቲ ክኸውን።

ምዕራፍ 29 እዚ ምዕራፍ እዚ ኣብ ሰባእተኛ ወርሒ ኣብ ዝነበሩ ሰለስተ ዓበይቲ በዓላት ናብ እግዚአብሔር ብሓዊ ዚቐርቡ መስዋእትታት ይገልጽ።

I. ኣብቲ ናይቲ ወርሒ ቐዳማይ መዓልቲ ዝነበረ በዓል መለኸት (ቁ. 1-6)።

II. ኣብቲ ዓስረይቲ መዓልቲ ዝነበረ መዓልቲ ስርየት ሓጢኣት (ቁ. 7-11)።

III. ኣብቲ ዓሰርተ ሓሙሽተይቲ መዓልቲ ዝነበረ በዓል ዳስን ድሕሪኡ ዝነበሩ ሾብዓተ መዓልትታትን (ቁ. 12-38)።

ድሕሪኡ ድማ መደምደምታ ናይዚ ስርዓታት እዚ (ቁ. 39, 40)።

ቁጥር 1-11 ኣብ ሰባእተኛ ወርሒ ካብ ካልእ ወርሒ ንላዕሊ ብዙሕ ቅዱስ በዓላት ነበሩ። እዚ ድማ እስራኤል ካብ ግብጺ ክሳዕ ዝወጹ እቲ ቐዳማይ ወርሒ ስለ ዝነበረ ጥራይ ዘይኮነስ (እዚ ድማ ኣብ ወርሒ ኣቢብ ስለ ዝወዓለ፡ ካብ ሽዑ ንነጀው ኣብ ኩሉ ቤተ-ክርስትያናዊ ኣቈጻጽራ መጀመርታ ወርሒ ክኸውን ምኽንያት ኮይኑ)፡ እንታይ ደኣ ኣብ ሲቪላዊ ኣቈጻጽራ ናይ ኢዮቤልን ዓመታት ምፍናውን ቀዳማይ ወርሒ ኮይኑ ስለ ዝቐጸለ እዩ። ከምኡውን ኣብ መንጎ ግዜ ምእካብ ፍረን ግዜ ምዝራእን ዝነበረ ዕረፍቲ ስለ ዝነበረ፡ ንመቕደስ ንምእካብ ዝበዝሐ ዕረፍቲ ዝረኸቡሉ ግዜ እዩ ነይሩ። እዚ ድማ እግዚአብሔር ብሰንኪ ኣድላይነትን ምሕረትን ዝግበሩ ተግባራት መስዋእትታት እንተዘይተገብሩ እኳ እንተተዓገሰ፡ ካብ ህጹጽ ናይዛ ህይወት እዚኣ ዕዮታት ዝበዝሐ ዕረፍቲ ክህልወና እንተኾይኑ፡ ኣብ ቀጥታዊ ኣገልግሎት ኣምላኽ ዝበዝሐ ግዜ ክንጥቀም ከም ዘሎና የረድእ።

1. ኣብዚ ኣብ ቐዳማይ መዓልቲ ወርሒ፡ ማለት መዓልቲ ምትራር መለኸት፡ ዚቐርቡ መስዋእትታት ተመዚዞም ኣለዉ። እዚ ድማ ንኽልተ ዓበይቲ በዓላት፡ ማለት ንቕዱስ ሓዘን ናይ መዓልቲ ስርየትን ንቕዱስ ሓጎስ ናይ በዓል ዳስን መዳለዊ እዩ ነይሩ። ሓደ ሃይማኖታዊ ኣገልግሎት ንኻልእ ከዳልወናን ኩሉ ንሰማይ ከዳልወናን ከሎ፡ ዕላማ ናይ መለኮታዊ ስርዓታት ብጽቡቕ ይፍጸም። ምትራር መለኸት ኣብ ዘሌዋውያን 23:24 ተመዚዙ ነይሩ። ኣብዚ ድማ ህዝቢ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ እንታይ መስዋእትታት ከቕርቡ ከም ዘለዎም ተመሪሖም ኣለዉ፡ እዚ ድማ ሽዑ ኣይተጠቕሰን ነይሩ። እሞኸ፡ እቶም ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘሎ ሓሳብ ኣምላኽ ኪፈልጡ ዚደልዩ፡ ሓደ ክፋል ቅዱስ ጽሑፍ ምስ ካልእ ክፋል ኪወዳድሩን ነቶም ንሓደ ነገር ዚምልከቱ ክፋላት ድማ ብሓደ ኬእክቡን ኣለዎም። ምኽንያቱ እቲ ድሕሪኡ ዚርከብ መለኮታዊ ብርሃን፡ ነቲ ቐደም ዝጸልመተ ነገር የብርህን ነቲ ዝጎደለ ድማ ይምልእ፡ እቲ ሰብኣይ ኣምላኽ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውን። ሽዑ ዚቐርቡ መስዋእትታት ኣብዚ ብፍላይ ተመዚዞም ኣለዉ (ቁ. 2-6)፡ እዚኦም ድማ ነቲ ዕለታዊ መስዋእትን ናይ ሓድሽ ወርሕን ከየብድሉ ተጠንቂቑ። እዚ ድማ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ዘሎና ቅንኣት ንኸነጕድል ምኽንያት ክንደሊ የብልናን፡ ወይ ጽቡቕ ግዴታ ንምሕዳግ ምኽንያት ክንረክብ ክንሕጎስ የብልናን፡ የግዳስ ኣብ ሃይማኖት ካብ ልሙድ ንላዕሊ ንምእካብን ንምግባርን ዕድል ብምርካብ ክንሕጎስ ይግባእ። ስድራቤታዊ ኣምልኾ እንተፈጺምና፡ እዚ ኻብ ውልቃዊ ጸሎትና ከዕቍበና እዩ ኢልና ክንሓስብ የብልናን። ከምኡውን ናብ ቤተ-ክርስትያን ኣብ እንኸደሉ መዓልትታት፡ ንበይንናን ምስ ስድራቤትናን ንኣምላኽ ከነምልኽ የብልናን ኢልና ክንሓስብ የብልናን። የግዳስ ወትሩ ኣብ ዕዮ እግዚአብሔር ክንበዝሕ ይግባእ።

2. ኣብ መዓልቲ ስርየት ሓጢኣት። ካብ ኩሉ ናይቲ መዓልቲ ኣገልግሎታት ወጻኢ፡ እዚ ድማ ኣብ ዘሌዋውያን 16 ስርዓቱ ዝረኸብናዮ፡ ሓደ ሰብ ከም ዝሓስቦ ብዙሕ ጻዕርን ወጻኢታትን ዝሓትት እዩ ነይሩ፡ ኣብዚ ድማ መስዋእቲ ምሕራር ከቕርቡ ተመዚዙ ኣሎ (ቁ. 8-10)። ምኽንያቱ ኣብ እምነትናን ንስሓናን፡ እዘን ብኣፈጻጽማ ናይቲ መዓልቲ እተመልክታ ክልተ ዓበይቲ ጸጋታት ወንጌል፡ ናብ ክብርን ክብረትን ኣምላኽ ክንጥምት ኣሎና፡ እዚ ድማ ብንጹህ ልቢ ኣብ መስዋእቲ ምሕራር ዝተሓስበ እዩ ነይሩ። ከምኡውን ንሓጢኣት መስዋእቲ ዚኸውን ድሙቕ ድሙቕ ወይ ጤል ነበረ፡ ካብቲ ዓቢ መስዋእቲ ስርየት ሓጢኣት ወጻኢ (ቁ. 11)።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG በሰባተኛውም ወር ከወሩ በመጀመሪያ ቀን የተቀደሰ ጉባኤ ይሁንላችሁ፤ የተግባርን ሥራ ሁሉ አትሥሩበት፤ መለከቶች የሚነፉበት ቀን ነው። አማርኛ ENGNIV “ ‘On the first day of the seventh month hold a sacred assembly and do no regular work. It is a day for you to sound th… English GAZBIB “Ji'a torbaffaatti, ji'ichattiis guyyaa duraatti wal ga'ii qulqullaa'aa godhadhaa! Gaafas hojii nama dadhabsiisu hin ho… Afaan Oromoo BCV GIZ ወበሳብዕ ወርኅ አመ ሠርቀ ወርኅ ቅድስተ ትሰመይ ለክሙ ይእቲ ዕለት ኵሎ ግብረ ማሕረስ ኢትግበሩ ባቲ ወዕለተ ትእምርት ትኩንክሙ። giz GAZGAZ “Ji'a torbaffaatti, ji'ichattiis guyyaa duraatti wal ga'ii qulqullaa'aa godhadhaa! Gaafas hojii nama dadhabsiisu hin ho… Afaan Oromoo BCV aksum በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ፥ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ። ዝኾነ ስራሕ ኣይትስርሑ። ንሳ መለኸት እትነፍሑላ መዓልቲ ትኹነልኩም። ትግርኛ AMHNIV “ ‘በሰባተኛው ወር በመጀመሪያው ቀን የተቀደሰ ጉባኤ አድርጉ፤ የዘወትር ሥራም አትሥሩበት፤ ይህም የመለከት ድምፅ የምታሰሙበት ቀናችሁ ነው። አማርኛ SWAHSUV Tena mwezi wa saba, siku ya kwanza ya mwezi, mtakuwa na kusanyiko takatifu; hamtafanya kazi yo yote ya utumishi; ni sik… Kiswahili