ኦሪት ዘሁልቊ 1

BCV aksumትግርኛ54 ፍቕድታት10:25 ስማዕ
ስማዕ 10:25 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ኻብ ዝወፁ ኣብ ካልአይቲ ዓመት፥ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ኻልአይቲ ወርሒ፥ እግዚኣብሄር ኣብ ምድረ በዳ ሲና፥ ኣብ ውሽጢ እቲ መራኸቢ ድንኳን ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተናገሮ፦

2“ናይ ኵሉ ህዝቢ እስራኤል ቍፅሪ ውሰድ፤ በብዓሌቶምን በብማይ ቤት ኣቦታቶምን በብቝፅሪ ስሞምን፥ ተባዕታይ ዝኾነ ዅሉ ቝፅሩ ውሰድ።

3ንስኻን ኣሮንን፥ ኣብ እስራኤል ንዘለዉ ዅሎም ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ናብ ውግእ ክወፁ ዝኽእሉ በብኽፍሊ ሰራዊቶም ቍፀርዎም።

4ካብ ነፍሲ ወከፍ ነገድ ሓደ ሓለቓ ማይ ቤት ምሳኻትኩም ይኹን።

5ስም ናይቶም ምሳኻትኩም ዝቖሙ ሰባት እዙይ እዩ፦ ካብ ሮቤል፥ ኤሊሱር ወዲ ሱሪሳዳይ፥

6ካብ ስምኦን፥ ሰለሚኤል ወዲ ሰዲዮር፥

7ካብ ይሁዳ፥ ነኣሶን ወዲ ኣሚናዳብ፥

8ካብ ይሳኮር፥ ናትናኤል ወዲ ሶገር፥

9ካብ ዛብሎን፥ ኤልያብ ወዲ ኬሎን፥

10ካብ ኤፍሬም ወዲ ዮሴፍ፥ ኤሊሳማ ወዲ ዓሚሁድ፥ ካብ ምናሴ ወዲ ዮሴፍ፥ ገማልኤል ወዲ ፈዳሱር፥

11ካብ ብንያም፥ ኣቢዳን ወዲ ጋዴዮን፥

12ካብ ዳን ኣኪዔዘር ወዲ ዓሚሳዳይ፥

13ካብ ኣሴር፥ ፋግኤል ወዲ ኤክራን፥

14ካብ ጋድ፥ ኤልያሳፍ ወዲ ራጉኤል፥

15ካብ ንፍታሌም፥ ኣኪሬ ወዲ ዔናን።”

16እቶም ካብቲ ህዝቢ ዝተሸሙ፥ ሹመኛታት ነገዳት ኣቦታቶም እዚኣቶም እዮም። ንሳቶም ነናይ ማይ ቤቶም ኣሕሉቕ ነበሩ።

17ሙሴን ኣሮንን ድማ ነዞም በብስሞም ዝተፀውዑ ሰባት ወሲዶም፥

18በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ኻልአይቲ ወርሒ ንዅሉ ህዝቢ ኣከብዎ። ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ዘሎ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤቶም፥ በብሓደ በብስሞም ተቘፂሮም ተፅሓፉ።

19ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ፥ ሙሴ ኣብ በረኻ ሲና ቘፀሮም፦

20ካብ ሮቤል በዅሪ ያእቆብ ዝተወለዱ፦ በብትውልዶም፥ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥ በብቝፅሪ ስሞም ዝተቘፀሩ፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም ተባዕትዮ፥

21ኣርብዓን ሽዱሽተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ኮኑ።

22ካብ ስምኦን ዝተወለዱ፦ በብትውልዶም፥ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥ በብቝፅሪ ስሞም ዝተቘፀሩ፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም ተባዕትዮ፥

23ሓምሳን ትሽዓተን ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ኮኑ።

24ካብ ጋድ ዝተወለዱ፦ በብትውልዶም፥ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥ በብቝፅሪ ስሞም ዝተቘፀሩ፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥

25ኣርብዓን ሓሙሽተን ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ሓምሳን ኮኑ።

26ካብ ይሁዳ ዝተወለዱ፦ በብትውልዶም፥ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥ በብቝፅሪ ስሞም ዝተቘፀሩ፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥

27ሰብዓን ኣርባዕተን ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ኮኑ።

28ካብ ይሳኮር ዝተወለዱ፦ በብትውልዶም፥ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥ በብቝፅሪ ስሞም ዝተቘፀሩ፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥

29ሓምሳን ኣርባዕተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኮኑ።

30ካብ ዛብሎን ዝተወለዱ፦ በብትውልዶም፥ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥ በብቝፅሪ ስሞም ዝተቘፀሩ፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥

31ሓምሳን ሸውዓተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኮኑ።

32ካብ ኤፍሬም ወዲ ዮሴፍ ዝተወለዱ፦ በብትውልዶም፥ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥ በብቝፅሪ ስሞም ዝተቘፀሩ፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥

33ኣርብዓ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ኮኑ።

34ካብ ምናሴ ወዲ ዮሴፍ ዝተወለዱ፦ በብትውልዶም፥ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥ በብቝፅሪ ስሞም ዝተቘፀሩ፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥

35ሰላሳን ክልተን ሽሕን ክልተ ሚእትን ኮኑ።

36ካብ ብንያም ዝተወለዱ፦ በብትውልዶም፥ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥ በብቝፅሪ ስሞም ዝተቘፀሩ፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥

37ሰላሳን ሓሙሽተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኮኑ።

38ካብ ዳን ዝተወለዱ፦ በብትውልዶም፥ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥ በብቝፅሪ ስሞም ዝተቘፀሩ፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥

39ስሳን ክልተን ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ኮኑ፥

40ካብ ኣሴር ዝተወለዱ፦ በብትውልዶም፥ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥ በብቝፅሪ ስሞም ዝተቘፀሩ፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥

41ኣርብዓን ሓደን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ኮኑ።

42ካብ ንፍታሌም ዝተወለዱ፦ በብትውልዶም፥ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥ በብቝፅሪ ስሞም ዝተቘፀሩ፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥

43ሓምሳን ሰለስተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበሩ።

44እዚኣቶም እቶም ሙሴን ኣሮንን ምስቶም ዓሰርተ ኽልተ መራሕቲ ደቂ እስራኤል ኮይኖም ዝቘፀርዎም እዮም። ነፍሲ ወከፎም ነናይ ሓደ ማይ ቤት ኣቦታት እዮም።

45ካብ ደቂ እስራኤል በብማይ ቤቶም ዝተቘፀሩ ዅሎም፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥

46ሽዱሽተ ሚእትን ሰለስተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ሓምሳን ነበሩ።

47ሌዋውያን ግና በብማይ ቤት ኣቦታቶም ምስኣቶም ኣይተቘፀሩን።

48እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉዎ ነበረ፦

49“ንነገድ ሌዊ ኣይትቝፀሮም፤ ቍፅሮም ድማ ምስቶም ደቂ እስራኤል ኣይትሕወሶ።

50ክንድኡ ኣብ ልዕሊ እቲ መራኸቢ ድንኳንን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ዅሉ ኣቑሑኡን፥ ኣብ ልዕሊ ናቱ ዝኾነ ሓለፍቲ ጌርካ መድቦም። ንሳቶም ነቲ ድንኳንን ንዅሉ ኣቑሑኡን ይፁሩ። ንእኡ ኸዓ የገልግሉ፤ ኣብ ዙርያ እቲ ድንኳን ድማ ይስፈሩ።

51እቲ ናይ ምስክር ድንኳን ካብ ሰፈር እንትለዓል፥ ሌዋውያን ይንቀልዎ፤ ክሰፍሩ እንተለዉ ኸዓ ንሳቶም ይትከልዎ። ካልእ ሰብ ናብኡ እንተ ቐረበ ግና ይቀተል።

52ደቂ እስራኤል ከዓ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ሰሰፈሩ፥ ነፍሲ ወከፍ ድማ ኣብ ትሕቲ ሰንደቕ ዕላማኡ ምስ ዓሌቶም በብኽፍሎም ይስፈሩ።

53ግና ኣብ ህዝቢ እስራኤል ቍጥዓ ምእንቲ ኸይወርድ፥ ሌዋውያን ኣብ ዙርያ እቲ መራኸቢ ድንኳን ይስፈሩ፤ ነቲ ድንኳን ከዓ ይሓልውዎ።”

54እስራኤላውያን ድማ ኸምኡ ገበሩ፤ ከምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበሩ።

ትርጓሜ

1:1-43 ህዝቢ ዝተቖጽሩሉ ምኽንያት፡ ኣምላኽ ብኸምዚ ንዘርኢ ያዕቆብ ብምብዛሑ ዝገለጾ እምነቱ ንምግላጽ፡ ንውግኣትን ምትሓዝ ከነኣንን ዝሓሸ ስልጠና ንኽረኽቡ፡ ከምኡውን ምድሪ ንምምቃል ቤተ-ሰብኦም ንምፍላጥ ኢዩ። ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ነገድ ድማ፡ እቶም ንውግእ ክወጹ ዝኽእሉ እዮም ተቖጺሮም ተባሂሉ ኣሎ። ንሶም ሕጂ ገለ ተቓውሞ እኳ እንተዘይረኸቡ፡ ውግኣት ግን ኣብ ቅድሚኦም ነይርዎም። ኩሉ ሰላም ዝመስል እንተኾነ እኳ፡ እቲ ምእመን ንጸላእቲ ነፍሱ ንምቅዋም ድሉው ይኹን።

ቁጽሪ 17-43 ኣብዚ ንህዝቢ ንምቍጻር ዝወሃበ ትእዛዝ ብቕልጡፍ ከም እተፈጸመ ንርኢ። ትእዛዝ ዝወሃበሉ ዕለት ማለት፡ ቀዳመይቲ መዓልቲ ናይ ካልኣይ ወርሒ ተጀሚሩ ነበረ። ቁ. 18 ምስ ቁ. 1 ኣነጻጽር። እምበኣር፡ ንኣምላኽ ዝስራሕ ዝኾነ ይኹን ዕዮ፡ ግዴታና ሓያልን ኣስገዳድን ከሎ፡ ብቕልጡፍ ምጅማሩ ጽቡቕ እዩ። ከም ዝረአ ድማ፡ እዚ ዕዮ እዚ ናይ ሓንቲ መዓልቲ ጥራይ ነበረ፡ ከመይሲ ኣብ መንጎ እዚ ዕለትን ዕስራን መዓልቲ ናይዚ ወርሕን፡ ሰፈርኦም ምስ ኣልዓሉ፡ ብዙሓት ካልኦት ነገራት ተፈጺሞም እዮም (ምዕ. 10:11)። ዮኣብ ኣብ ዘመን ዳዊት ንህዝቢ ንምቍጻር ኣስታት ዓሰርተ ወርሒ ወሲዱ ነበረ (2 ሳሙኤል 24:8)። ግናኸ ሽዑ ተበታቲኖም ነበሩ፡ ሕጂ ግን ብሓንሳብ ተቐሪቦም ይነብሩ ነበሩ። ሽዑ ሰይጣን እዩ ነቲ ዕዮ ዝሓዘ፡ ሕጂ ግን ኣምላኽ እዩ ኣዚዝዎ። ሕጂ እቲ ዕዮ ብቕልጡፍን ብቐሊሉን ተፈጺሙ፡ ከመይሲ ቅድሚ ሕጂ እውን ተሰሪሑ ነበረ፡ እቶም ዝተገብሩ ለውጥታት ዘለዎም ኣረጊት መዝገባት ምምርማር ጥራይ እዩ ዘድልዮም ነይሩ፡ እዚ ድማ ከም ዝተፈጸመ መጠን መዝጊቦምዎ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።

ኣብዚ ተመዝጊቡ ዘሎ ዝርዝራት፡ ንሕና ክንርኢ ንኽእል፡

1. እቲ ቍጽሪ ብቍጽርታት ዘይኮነስ፡ ብቓላት ተመዝጊቡ ምህላዉ (ከም ዝብሎ)። ንነፍሲ ወከፍ ካብተን ዓሰርተ ክልተ ነገዳት፡ እቲ ቍጽሪ ብወለዶኦም፡ ብስድራቤቶም፡ ብቤት ኣቦታቶም፡ ከም ብዝሒ ስማት ከም እተቍጽሩ ተደጊሙ ተጠቒሱ ኣሎ። እዚ ድማ ነፍሲ ወከፍ ነገድ ብሓደ ዓይነት ስርዓትን ኣገባብን ከም ዝቘጸረን ጸብጻብ ከም ዝሃበን ንምርኣይ እዩ፡ ብዙሓት ሰባት ኣብኡ እኳ እንተተዋፈሩ። መጀመርታ፡ ስድራቤቶም ካብ እስራኤል ከም ዝወረደት ንምርኣይ፡ ወለዶኦም ተመዝጊቡ፡ ድሕሪኡ እተን ስድራቤታት ባዕለን ብስርዓተን፡ ድሕሪኡ ነፍሲ ወከፍ ስድራቤት ናብ ኣባይቲ ወይ ንኡሳን ስድራቤታት ተመቒላ፡ ካብኡ ዝወጹ፡ ኣብ ትሕቲ እዚኦም ድማ ስማት እቶም ውልቀ ሰባት፡ ከም ስርዓት ኣርማታት ተመዝጊቡ። በዚ ኸምዚ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ መን ኣዝማዱ ወይ ቀረባ ዘመዱ ምዃኑ ክፈልጥ ይኽእል ነበረ፡ እዚ ድማ ኣብ ገለ ቅድሚ ሕጂ ዝረኣናዮም ሕግታት ዝምርኮስ ነበረ። ብዘይካዚ፡ ዝቐረበና ዝኾነ ሰብ፡ ዝያዳ ጽቡቕ ክንገብረሉ ድሉዋት ክንከውን ይግባእ።

2. ኩሎም ብኣማእቲ ምዝዛሞም፡ ጋድ ጥራይ ብሓምሳ (ቁ. 25)፡ ግናኸ ዝኾነ ቍጽሪ ናብ ኣሃዱ ወይ ዓሰርተታት ኣይወረደን። ገሊኦም፡ ኩሎም ነገዳት ኣብዚ እዋን እዚ ምሉእ ቍጽሪ ክኾኑ፡ ኣብ መንጎኦም ድማ ዘይተመጣጠነ ወይ ዝተሰባበረ ቍጽሪ ከይህሉ ዝገበረ ፍሉይ ኣምላኻዊ ምድላው ነበረ ይብሉ። እዚ ድማ ኣብ ምዕባሌኦም ካብ ንቡር ንላዕሊ ዝኾነ ነገር ከም ዝተሓስበ ንምርኣይ እዩ፡ ከመይሲ ኣብ ኩነታቱ እዚ ዘይተለመደ ነገር ነበረ። ብዝያዳ ግን፡ ሙሴ ቅድሚ እዚ ገለ ግዜ መራሕቲ ሚእትን መራሕቲ ሓምሳን (ዘጸ. 18:25) ስለ ዝመደበ፡ ንህዝቢ ብመራሕቶም ቘጺሮምዎም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም፡ እዚ ድማ ነቲ ቍጽሪ ናብ ምሉእ ሚእቲ ወይ ሓምሳታት ከምጽኦ እዩ።

3. ይሁዳ ካብ ኩሎም ዝበዝሐ ምዃኑ፡ ካብ ብንያምን ምናሴን ክልተ ዕጽፊ ዝበዝሐ፡ ካብ ዝኾነ ካልእ ነገድ ድማ ኣስታት 12,000 ዝበዝሐ ነበረ (ቁ. 27)። ይሁዳ እዩ እቶም ኣሕዋቱ ኪውድስዎ ዝግባእ ነበረ፡ ከመይሲ ካብኡ መሲሕ እቲ መስፍን ክወርድ ነበረ። ግናኸ እዚ ርሑቕ ነገር ስለ ዝነበረ፡ ኣምላኽ ኣብ መንጎ እዚ፡ ነቲ ነገድ ብብዙሕ መገዲ ኣኽቢርዎ፡ ብፍላይ ድማ ብዓብዪ ምዕባሌኡ፡ ምእንቲ እቲ ካብ ይሁዳ ዝወጽእ ዝነበረ (እብ. 7:14) ኣብ ምልኣት ዘመን። ይሁዳ ኣብ ምድረበዳ መሪሕ ክኸይድ ነበረ፡ ስለዚ ድማ ካብ ዝኾነ ካልእ ነገድ ዝበለጸ ሓይሊ ተዋሂብዎ ነበረ።

4. ኤፍሬምን ምናሴን፡ ደቂ ዮሴፍ፡ ከም ፍሉያት ነገዳት ተቘጺሮም ኣለዉ፡ ክልቲኦም ድማ ብሓንሳብ ኣስታት ከም ይሁዳ ዝበዝሑ ነበሩ። እዚ ድማ ያዕቆብ ንኣቶም ብምውሳዱ ዝመጸ እዩ፡ በዚ ድማ ምስ ኣቦሓጎታቶም ሮቤልን ስምኦንን ማዕረ ተገይሮም ነበሩ (ዘፍ. 48:5)። እዚ ድማ ናይ ዮሴፍ በረኸት ውጽኢት እዩ ነበረ፡ ንሱ ድማ ፍርያም ጨንፈር ክኸውን ነበረ (ዘፍ. 49:22)። ኤፍሬም እቲ ንእሽቶ ድማ ቅድሚ ምናሴ ተቐሚጡ፡ ካብ ምናሴ ዝበዝሐ እዩ፡ ከመይሲ ያዕቆብ ኣእዳዉ ኣሳጊሩ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤፍሬምን ኣሽሓት ምናሴን ርእዩ ነበረ። ምፍጻም እዚ ድማ ኣብቲ ኣቦታት ዝነበሮም መንፈስ ትንቢት እምነትና የጽንዕ።

5.

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG እግዚአብሔርም ሙሴን በሲና ምድረ በዳ በመገናኛው ድንኳን ውስጥ፥ በሁለተኛው ወር በመጀመሪያው ቀን፥ ከግብፅ ምድር ከወጡ በኋላ በሁለተኛው ዓመት እንዲህ ብሎ ተናገረው፦ አማርኛ ENGNIV The Lord spoke to Moses in the Tent of Meeting in the Desert of Sinai on the first day of the second month of the secon… English BCV ደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ኻብ ዝወፁ ኣብ ካልአይቲ ዓመት፥ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ኻልአይቲ ወርሒ፥ እግዚኣብሄር ኣብ ምድረ በዳ ሲና፥ ኣብ ውሽጢ እቲ መራኸቢ ድንኳን ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ… ትግርኛ GAZBIB Namoonni Israa'el biyya Gibxii ba'anii waggaa lammaffaatti, waggicha keessaa ji'a lammaffaatti, ji'icha keessaa guyyaa … Afaan Oromoo BCV GIZ ወነበቦ እግዚአብሔር ለሙሴ በገዳም ዘሲና በውስተ ደብተራ ዘመርጡል አመ ርእሰ ሠርቀ ካልእ ወርኅ በካልእት ዓመት ዘወፅኡ እምድረ ግብፅ ወይቤሎ፦ giz GAZGAZ Namoonni Israa'el biyya Gibxii ba'anii waggaa lammaffaatti, waggicha keessaa ji'a lammaffaatti, ji'icha keessaa guyyaa … Afaan Oromoo AMHNIV እስራኤላውያን ከግብፅ በወጡ በሁለተኛው ዓመት፣ በሁለተኛው ወር፣ በመጀመሪያው ቀን በሲና ምድረ በዳ ሳሉ እግዚአብሔር (ያህዌ) ሙሴን በመገናኛው ድንኳን ውስጥ ተናገረው፤ እንዲህም አለው፤ አማርኛ SWAHSUV Bwana akanena na Musa katika bara ya Sinai, hemani mwa kukutania, siku ya kwanza ya mwezi wa pili, katika mwaka wa pili… Kiswahili