1ኢየሱስ ኵሉ ዘረባኡ፥ ነቶም ህዝቢ ኣስሚዑ ምስ ወድአ፥ ናብ ቅፍርናሆም ኣተወ።
2ኣብኡ ኸዓ ሓሚሙ ንሞት ዝቐረበ፥ ዝፈትዎ ሓሽከር ዝነበሮ፥ ሓደ ሓለቓ ሚእቲ ነበረ።
3ብዛዕባ ኢየሱስ ምስ ሰምዐ፥ መፂኡ ንሓሽከሩ ኸሕውየሉ፥ ሽማግለታት ኣይሁድ ንኽልምንዎ ናብኡ ለኣኸ።
4ንሳቶም ድማ ናብ ኢየሱስ መፂኦም “ንሱ ንህዝብና ይፈቱ፤ ቤተ ፀሎትና ዝሰርሐልናውን ንሱ እዩ እሞ፥ እዙይ ክትገብረሉ ይግብኦ እዩ” ኢሎም ኣበርቲዖም ለመንዎ።
6ኢየሱስ ከዓ ምስኣቶም ከደ፤ ናብ ገዛኡ ምስ ቀረበ ድማ፥ እቲ ሓለቓ ሚእቲ ኣዕርኽቱ ልኢኹ ኸምዙይ በሎ፦ “ኦ ጐይታ! ናብ ገዛይ ክትኣቱ ኣይግብአንን እዩ እሞ ኣይትድከም።
7ስለዙይ ድማ እየ፥ ናባኻ ንምምፃእ፥ ንርእሰይ ብቑዕ ገይረ ዘይቈፀርኩ። ግና ሓንቲ ቓል ተዛረብ ሓሽከረይ ክሓዊ እዩ።
8ኣነውን ሹም እየ፤(ሀ) ኣብ ትሕተይውን ዝእዝዞም ወታደራት ኣለዉኒ፤ ነዙይ ‘ኪድ’ እብሎ ይኸይድ፤ ነቱይ ከዓ ‘ነዓ’ እብሎ ይመፅእ፤ ንሓሽከረይ ድማ ‘ከምዙይ ግበር’ እንተ በልክዎ፥ ይገብር” በሎ።
9ኢየሱስ ነዙይ ምስ ሰምዐ ተገረመ፤ ናብቶም ዝስዕብዎ ዝነበሩ ምልስ ኢሉ ኸዓ “ከምዙይ ዝበለ እምነት፥ ኣብ እስራኤል እኳ ኣይረኸብኩን፥ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።
10እቶም ልኡኻት፥ ናብ ገዛ ምስ ተመለሱ ድማ፥ ነቲ ሓሚሙ ዝነበረ ሓሽከር ሓውዩ ረኸብዎ።
11ኢየሱስ ንፅባሒቱ፥ ናይን ናብ እትብሃል ዓዲ ኸደ፤ ምስኡ ኸዓ ደቀ መዛሙርቱን ብዙሕ ህዝብን ከዱ።
12ናብ በሪ እታ ኸተማ ምስ ቀረበ፥ እንሆ ንኖኡ ሓደ ዝኾነ፥ ወዲ ሓንቲ መበለት ሞይቱ፥ ሬሳኡ ተሸኪሞም እንትወፁ ረኸበ። ብዙሓት ደቂ እታ ኸተማ ድማ ምስኣ ነበሩ።
13ጐይታ ኢየሱስ ምስ ረአያ ራህርሀላ እሞ፥ “ኣይትብከዪ” በላ።
14ቀሪቡውን ነቲ ቓሬዛ ነኽኦ፤ እቶም ፀወርትውን ደው በሉ፤ ንሱ ኸዓ “ኣታ ጐበዝ፥ ተስእ እብለካ ኣለኹ!” በሎ።
15እቲ ምዉት ድማ ተሲኡ ኾፍ በለ፤ ምዝራብውን ጀመረ፤ ኢየሱስ ድማ ንኖኡ ሃባ።
16ንዅሎም ከዓ ፍርሓት ሓዞም፤ “ኣብ ማእኸልና ዓብዪ ነቢይ ተሲኡልና፤ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ተመልኪትዎ” እናበሉ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣመስገንዎ።
17ዝናኡውን ኣብ ኵላ ይሁዳን ከባቢኣን ተሰምዐ።
18ደቀ መዛሙርቱ ድማ እዝ ዅሉ ነገር እዙይ ንዮሃንስ ነገርዎ።
19ዮሃንስ ከዓ ኽልተ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ፀዊዑ፦ “እቲ ዝመፅእ ንስኻ ዲኻ ወይ ካልእ ክንፅበ ኢና?” ኢሉ ናብ ጐይታ ኢየሱስ ለኣኾም።
20እቶም ዝለኣኾም፥ ናብ ኢየሱስ ምስ በፅሑ “ ‘እቲ ዝመፅእ ንስኻ ዲኻ ወይ ካልእ ክንፅበ ኢና?’ ኢሉ መጥምቕ ዮሃንስ ናባኻ ልኢኹና” በልዎ።
21ሽዑ በታ ሰዓት እቲኣ፥ ኢየሱስ ካብ ሕማምን ቃንዛን፥ ካብ ርኹሳት መናፍስትን፥ ንብዙሓት ኣሕወየ፤ ንብዙሓት ዕዉራትውን ከም ዝሪኡ ገበሮም።
22ኢየሱስ ከዓ “ዕዉራት ይሪኡ፤ ሓንካሳት ይኸዱ፤ ለምፃማት ይነፅሁ፤ ፀማማት ይሰምዑ፤ ምውታን ይትስኡ፤ ንድኻታትውን ወንጌል ይስበኸሎም ኣሎሞ፥ ኬድኩም ዝረአኹምዎን ዝሰማዕኹምዎን ንዮሃንስ ንገርዎ።
23ብኣይ ዘይዕንቀፍ ብፁእ እዩ” ኢሉ መለሰሎም።
24እቶም ልኡኻት ዮሃንስ ምስ ከዱ፥ ኢየሱስ ነቶም ህዝቢ ብዛዕባ ዮሃንስ ከምዙይ ክብሎም ጀመረ፦ “እንታይ ክትሪኡ ናብ ምድረ በዳ ወፃእኹም? ብንፋስ ነነው ዝብል ሻምብቆዶ?
25እንታይ ክትሪኡ ደኣ ወፃእኹም? ቀጭን ናይ ክብሪ ኽዳውንቲ ዝተኸደነ ሰብዶ፥ ክትሪኡ ወፂእኹም? እንሆ ብቐጭን ናይ ክብሪ ኽዳውንቲ ዘጌፁን፥ ብምቾት ዝነብሩንስ፥ ኣብ ኣዳራሽ ነገስታት ኣለዉ።
26እንታይ ክትሪኡ ደኣ ወፃእኹም? ነቢይዶ? እወ፥ እኳ ደኣ ኻብ ነቢይ ዝዓቢ እዩ፥ እብለኩም ኣለኹ።
27ንሱ እቲ ብዛዕባኡ ‘እንሆ፥ መንገድኻ ዝፀርግ ልኡኸይ፥ ቀቅድሜኻ እልእኽ ኣለኹ’ ተብሂሉ ዝተፅሓፈሉ እዩ።
28ኣንስቲ ኻብ ዝወለዳኦም፥ ካብ መጥምቕ ዮሃንስ ዝዓቢ ነቢይ፥ ሓደኳ የለን እብለኩም ኣለኹ፤ ኣብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ግና፥ እቲ ዝንእሶ እዩ ዝዓብዮ።”
29ኵሎም ህዝብን ተቐበልቲ ቐረፅን ከዓ እዙይ ሰሚዖም፥ ብጥምቀት ዮሃንስ ተጠሚቖም ስለ ዝነበሩ “መንገዲ እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ” በሉ።
30ፈሪሳውያንን ሊቃውንቲ ሕግን ግና፥ ብእኡ ስለ ዘይተጠመቑ ነቲ ፍቓድ እግዚኣብሄር ኣይተቐበልዎን።
31“እምበኣር ነዝ ትውልዲ እዙይ፥ ብምንታይ ክምስሎ እየ? ንመንከ ይመስል?
32እቶም ኣብ ዕዳጋ ዝቕመጡሞ ንስንሳቶም ተፀዋዊዖም፦ ‘እምብልታ ነፋሕናልኩም፥ ኣይሳዕሳዕኹምን፤ ኣልቀስናልኩም፥ ኣይበኸኹምን፤’ ዝበሃሃሉ ቘልዑ ይመስሉ።’
33እንጀራ ዘይበልዕን ወይኒ ዘይሰትን፥ መጥምቕ ዮሃንስ እንተ መፀ ‘ጋኔን ኣለዎ’ ትብሉ።
34ዝበልዕን ዝሰትን፥ ወዲ ሰብ እንተ መፀ ድማ ‘እንሆ በላዕን ሰታዪ ወይንን ዓርኪ ቐረፅትን ሓጥኣንን’ ትብሉ።
35ጥበብ ግና ብዅሎም ደቃ ሓቅነታ ተረጋገፀ።”(ለ)
36ሓደ ኻብ ፈሪሳውያን፥ ንኢየሱስ ምስኡ ኽመስሕ ጠየቖ፤ ናብ ገዛኡ ኣትዩ ድማ፥ ኣብ ማእዲ ተቐመጠ።
37እንሆ ኣብቲ ዓዲ፥ ሓንቲ ሓጢኣተኛ ሰበይቲ ነበረት፤ እንዳ እቲ ፈሪሳዊ፥ ኣብ ማእዲ ምቕማጡ ምስ ፈለጠት ድማ፥ ጥዑም ጨና ዘለዎ፥ ብኣልባስጥሮስ ኣብ ዝተሰርሐ ብልቃጥ ዝመልአ ሽቱ ኣምፅአት።
38ብድሕሪኡ ኣብ ጥቓ እግሩ ኾይና፥ እናበኸየት በቲ ንብዓታ እግሩ ኽተርሕሶ ጀመረት፤ ብፀጕሪ ርእሳ እናደረዘት ድማ እግሩ ትስዕሞ፥ ጥዑም ዝጨናኡ ሽቱውን ትቐብኦ ነበረት።
39እቲ ዝፀውዖ ፈሪሳዊ ድማ ነዙይ ሪኡ፥ “እዙይ ነቢይ እንተ ዝኸውንስ፥ እዛ እትነኽኦ ዘላ ሰበይቲ ሓጢኣተኛ እያ እሞ፥ እንታወይትን ከመይ ዝበለት ምዃናን ምፈለጠ ነይሩ” ኢሉ ብልቡ ሓሰበ።
40ኢየሱስ ከዓ “ስምኦን፥ ዝብለካ ኣለኒ” በሎ፤ ንሱ ኸዓ “መምህር፥ ተዛረብ” በሎ።
41“ንሓደ መለቅሒ፥ ክልተ ሰብ ዕዳ ነበርዎ፤ ኣብቲ ሓደ ሓሙሽተ ሚእቲ፥ ኣብቲ ሓደ ድማ ሓምሳ ዲናር ነበሮ።
42ዝኸፍልዎ ስለ ዝሰኣኑ ግና፥ ንኽልቲኦም ሓደገሎም። ካብኣቶም እቲ የመና ዘፍቅሮ ኣየናይ እዩ?”
43ስምኦን ከዓ “ንኣይስ እቲ ብዙሕ ዝተሓደገሉ ይመስለኒ” ኢሉ መለሰ፤ ኢየሱስ ድማ “ሓቂ ተዛሪብካ” በሎ።
44ሽዑ ናብታ ሰበይቲ ግልፅ ኢሉ፥ ንስምኦን ከምዙይ በሎ፥ “ነዛ ሰበይቲ እዚኣ ትሪኣዶ ኣለኻ? ናብ ገዛኻ ኣትየ፥ ንስኻ ንእግረይ እኳ ማይ ኣይሃብካንን፤ እዚኣ ግና ብንብዓታ ኣእጋረይ ኣርሓሰት፤ ብፀጕሪ ርእሳውን ሓበሰት።
45ንስኻ ኣይሰዓምካንን፤(ሐ) እዚኣ ግና ኻብ ዝኣቱ ጀሚራ፥ ኣእጋረይ ካብ ምስዓም ኣየቋረፀትን።
46ንስኻ ርእሰይ ብዘይቲ ኣይቀባእኻንን፥ እዚኣ ግና ኣእጋረይ ብሽቱ ቐብአትኒ።
47ስለዙይ ብዙሕ ስለ ዝፈተወት፥ ንኣኣ እቲ ብዙሕ ሓጢኣታ ተሓዲጉላ እዩ፤ እብለካ ኣለኹ። እቲ ቑሩብ ዝሕደገሉ ግና፥ ቁሩብ እዩ ዘፍቅር።”
48ንኣኣ ድማ፦ “ሓጢኣትኪ ተሓዲጉልኪ እዩ” በላ።
49እቶም ምስኡ ኣብ ማእዲ ተቐሚጦም ዝነበሩ ድማ ብልቦም “እዙይ ሓጢኣት ክሓድግ ዝኽእልስ መን እዩ?” ኢሎም ሓሰቡ።
50ንሱ ግና ነታ ሰበይቲ “እምነትኪ እያ ዘድሓነትኪ፤ ብሰላም ኪዲ” በላ።