1ኢየሱስ ብሰንበት፥ ብማእኸል ዝሩእ ገራሁ ኽሓልፍ እንተሎ፥ ደቀ መዛሙርቱ ሸዊት እናቐንጠቡ፥ በእዳዎም እናሓሰዩ ኽበልዑ ጀመሩ።
2ካብ ፈሪሳውያን ገሊኣቶም “ስለ ምንታይ፥ ብሰንበት ክግበር ዘይግባእ ትገብሩ ኣለኹም?” በልዎም።
3ኢየሱስ ድማ “ዳዊት፥ ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩን ምስ ጠመዩ፥ እንታይ ድዩ ዝገበረ? ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከም ዝኣተወ እሞ፥ ንኻህናት ጥራሕ እምበር፥ ካልእ ክበልዖ ዘይግባእ፥ ሕብስቲ ቝርባን ወሲዱ ኸም ዝበልዐ፥ ነቶም ምስኡ ዝነበሩውን ከም ዝሃቦም፥ ኣየንበብኩምን ዲኹም?” ኢሉ መለሰሎም።
5“ወዲ ሰብ፥ ጐይታ ሰንበት እዩ” ድማ በሎም።
6ብኻልእ ሰንበት ድማ፥ ኢየሱስ ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ(ሀ) ኣትዩ መሃረ፤ ኣብኡውን የማነይቲ ኢዱ ዝሰለለት ሰብ ነበረ።
7መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ከዓ መኽሰሲ ምእንቲ ኽረኽቡሉ፥ ብሰንበት እንተ ኣሕወዮ ኢሎም፥ ይፀናተውዎ ነበሩ።
8ንሱ ግና ሓሳባቶም ፈሊጡ፥ ነቲ ኢዱ ዝሰለለት ሰብኣይ “ተስእ እሞ ኣብ ማእኸል ደው በል!” በሎ። ንሱውን ተሲኡ ደው በለ።
9ኢየሱስ ከዓ “እስኪ ኽጥይቐኩም፤ ብሰንበት ፅቡቕ ምግባርዶ ወይ ክፉእ ምግባር፥ ነፍሲ ምድሓንዶ ወይ ምቕታል ይግባእ?” በሎም።
10ንዅሎም እቶም ኣብ ዙርያኡ ዝነበሩ እናጠመተ፥ ነቲ ሰብኣይ “ኢድካ ዘርግሕ!” በሎ፤ ንሱ ኸዓ ዘርግሐ፤ እታ ኢዱውን ሓወየት፤ ከምታ ኻልአይታውን ኮነት።
11ንሳቶም ግና የመና ተናደዱ፤ ንኢየሱስ እንታይ ከም ዝገብርዎ ድማ ንስንሳቶም ተማኸሩ።
12ኢየሱስ በተን መዓልቲታት እቲኣተን ክፅሊ ናብ እምባ ደየበ፤ ምሉእ ለይቲ እውን ናብ እግዚኣብሄር ክፅሊ ሓደረ።
13ምስ ወግሐ ንደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ፀውዖም፤ ካብኣቶም ድማ፥ ዓሰርተ ኽልተ መረፀ፤ “ሃዋርያት” ኢሉ ድማ ሰመዮም፤
14ንሳቶም ከዓ፥ እቲ ጴጥሮስ ኢሉ ዝሰመዮ ስምኦንን፥ እንድርያስ ሓዉን፥ ያእቆብን፥ ዮሃንስን፥ ፊልጶስን፥ በርተሎሜዎስን፥
15ማቴዎስን፥ ቶማስን፥ ያእቆብ ወዲ እልፍዮስን፥ እቲ ቀናኢ ዝተብሃለ ስምኦንን፥
16ይሁዳ ወዲ ያእቆብን፥ እቲ ኣሕሊፉ ዝሃቦ ይሁዳ ኣስቆሮታዊን ነበሩ።
17ኢየሱስ ምስኣቶም ወሪዱ ድማ፥ ለጥ ኣብ ዝበለ መይዳ ደው በለ፤ ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱን ብዙሕ ህዝብን ድማ፥ ካብ ኵሉ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን፥ ካብ ገምገም ባሕሪ ጢሮስን ሲዶናን፥
18ምእንቲ ኽሰምዕዎን፥ ካብ ሕማሞም ምእንቲ ኽፍወሱን ናብኡ መፁ። እቶም ብርኹሳት መናፍስቲ ዝሳቐዩ ዝነበሩውን ሓወዩ።
19ካብኡ ሓይሊ ወፂኡ፥ ንዅሎም የሕውዮም ስለ ዝነበረ፥ ኵሎም እቶም ህዝቢ ኽነኽእዎ ይደልዩ ነበሩ።
20ንሱ ግና ናብ ደቀ መዛሙርቱ እናጠመተ ኸምዙይ በለ፦ “ኣቱም ድኻታት፥ መንግስቲ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩም እያ እሞ፥ ብፁኣን ኢኹም።
21ኣቱም ሕዚ እትጠምዩ፥ ክትፀግቡ ኢኹም እሞ፥ ብፁኣን ኢኹም። ኣቱም ሕዚ እትበኽዩ፥ ክትስሕቑ ኢኹም እሞ፥ ብፁኣን ኢኹም።
22ሰባት ምእንቲ ‘ወዲ ሰብ’ እንተ ፀልኡኹም፥ እንተ ፈለዩኹም፥ እንተ ፀረፉኹም፥ ንስምኩምውን እንተ ኣነወርዎ፥ ብፁኣን ኢኹም።
23እንሆ ኣቦታቶም ድማ፥ ንነቢያት ከምኡ ይገብርዎም ነይሮም እዮም እሞ፥ ዓስብኹም ኣብ ሰማይ ብዙሕ ስለ ዝኾነ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ደስ ይበልኩም፤ ብሓጐስውን ዝለሉ።
24ኣቱም ሃብታማት ግና ሓጐስኩም ወዲእኹም ኢኹም እሞ ወይለኹም!
25ኣቱም ሕዚ እትፀግቡ፥ ክትጠምዩ ኢኹም እሞ፥ ወይለኹም! ኣቱም ሕዚ እትስሕቑ፥ ክትበኽዩን ክትሓዝኑን ኢኹም እሞ፥ ወይለኹም!
26ኵሉ ሰብ ፅቡቕ እንተ ተዛረበልኩም፥ ወይለኹም! ኣቦታቶምውን ንሓሰውቲ ነቢያት ከምኡ ይገብሩሎም ነይሮም እዮም እሞ።
27“ኣነ ግና ንኣኻትኩም ንእትሰምዑኒ እብለኩም ኣለኹ፦ ፀላእትኹም ፍተዉ፤ ንዝፀልኡኹም ድማ ፅቡቕ ግበሩ።
28ንዝረግሙኹም መርቑ፤ ምእንቲ እቶም ዝብድሉኹም ፀልዩ።
29መትልሕኻ ንዝፀፍዐካ፥ እታ ኻልአይታውን ኣዙረሉ፤ ነፀላኻ ንዘሕደገካ፥ እጀ ጠባብካውን ኣይትኽልኣዮ።
30ንዝለመነካ ሃብ፤ ገንዘብካ ንዝወሰደውን፥ ምለሰለይ ኣይትበሎ።
31ከምቲ ሰባት ክገብሩልኩም እትደልይዎ፥ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም።
32“ንዝፈትዉኹም ጥራሕ እንተ ፈተኹም ደኣ፥ እንታይ ዓስቢ ኣለኩም? ሓጥኣንውን ንዝፈትውዎምስ ይፈትዉ እዮም።
33ሰናይ ንዝገብሩልኩም ጥራሕ፥ ሰናይ እንተ ገበርኩምከ፥ እንታይ ዓስቢ ኣለኩም? ከምኡስ ሓጥኣንውን ይገብሩ እዮም።
34ክፈድየኩም ንትፅበይዎ እንተ ኣለቃሕኹምከ፥ እንታይ ዓስቢ ኣለኩም? ሓጥኣንውን ንሓጥኣን፥ ክንድቲ ዘለቅሕዎም ክፍደዩ የለቅሕዎም እዮም።
35ንስኻትኩም ግና ፀላእትኹም ኣፍቅሩ፤ ሰናይውን ግበሩ፤ ክትፍደዩ እንተይተፀበኹም ኣለቅሑ። እግዚኣብሄር ንዘየመስግኑን፥ ንሕሱማትን ርህሩህ እዩ እሞ፥ ዓስብኹም ብዙሕ ክኸውን እዩ፤ ውሉድ እቲ ልዑልውን ክትኮኑ ኢኹም።
36ከምቲ ሰማያዊ ኣቦኻትኩም ርህሩህ ዝኾነ፥ ንስኻትኩምውን ርህሩሃት ኩኑ።
37“ኣይትፍረዱ፤ ኣይትፍረዱን ኢኹም፤ ኣይትዀንኑ፤ ኣይትዅነኑን ድማ ኢኹም፤ ይቕረ በሉ፤ ይቕረ ኽትበሃሉ ኢኹም።
38ሃቡ፤ ክወሃበኩም እዩ፤ በቲ እትሰፍሩሉ መስፈሪ፥ ክስፈረልኩም እዩ፤ ብፅቡቕ መስፈሪ ዝመልአ፥ ዝተፀቐጠ፥ ዝተነነወ፥ ሕልፍን ትርፍን ዝኾነ፥ ኣብ ሕቝፍኹም ክወሃበኩም እዩ።”
39መሊሱውን ብምስላ ኸምዙይ በሎም፦ “ዕዉርዶ ንዕዉር ክመርሖ ይኽእል እዩ? ክልቲኦምከ ኣብ ጕድጓድ ኣይወድቁን ድዮም?
40ተምሃራይ ካብ መምህሩ ኣይበልፅን፤ ኵሉ ተምሂሩ ዝወድአ ግና፥ ከም መምህሩ እዩ ዝኸውን።
41“ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ እንተይረአኻ፥ ኣብ ዓይኒ ሓውካ ዘሎ መንገፍ ንምንታይ ትርኢ?
42ወይ ንስኻ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ዘይትርእስ፥ ንሓውካ፥ ‘ኣታ ሓወይ፥ ነቲ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ መንገፍ እስኪ ኸውፅአልካ’ ኽትብሎዶ ትኽእል? ኣታ ግብዝ! ቅድም ነቲ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ኣውፅእ እሞ፥ ብድሕሪኡ ነቲ ኣብ ዓይኒ ሓውካ ዘሎ መንገፍ ንምውፃእ፥ ኣፅሪኻ ኽትርኢ ኢኻ።
43“ሕማቕ ፍረ ዝፈሪ፥ ፅቡቕ ኦም የለን፤ ወይ ከዓ ፅቡቕ ፍረ ዝፈሪ ሕማቕ ኦም የለን።
44በለስ፥ ካብ እሾኽ ኣይእረን፤ ወይኒ እውን፥ ካብ ኣሜከላ ኣይቕንጠብን እዩ፤ ኵሉ ኦም፥ ብፍረኡ እዩ ዝፍለጥ።
45ኣፍ ድማ፥ ካብ ምልኣት ልቢ እዩ ዝዛረብ እሞ፥ እቲ ቕኑዕ ሰብ፥ ካብቲ ሰናይ መዝገብ ልቡ፥ ሰናይ ነገር የውፅእ፤ እቲ ኽፉእ ሰብ ድማ፥ ካብቲ ኽፉእ መዝገብ ልቡ፥ ክፉእ እዩ ዘውፅእ።
46“ነቲ ኣነ ዝብሎ ዘይትገብሩስ፥ ስለ ምንታይ ኢኹም ጐይታ! ጐይታ! እትብሉኒ?
47ኵሉ እቲ ናባይ ዝመፅእን፥ ንቓለይ ሰሚዑ ዝገብሮን፥ ንመን ከም ዝመስል ከርእየኩም እየ።
48ንሱ ገዛኡ ኽሰርሕ እንተሎ፥ ኣዕሚቑ ዝዀዓተን፥ መሰረቱውን ኣብ ኰዅሒ ዝሰረተን ሰብ እዩ ዝመስል። ብርቱዕ ውሕጅ መፂኡ፥ ነቲ ገዛ ደፍኦ፤ ኣብ ኰዅሒ ስለ ዝተሰረተ ግና፥ ክነቓነቕ ኣይከኣለን።
49እቲ ንቓለይ ሰሚዑ ዘይገብሮ ግና፥ ገዛኡ ብዘይ መሰረት፥ ኣብ ምድሪ ዝሰርሐ ሰብ እዩ ዝመስል፤ እቲ ውሕጅ ደፍኦ፤ ሽዑ ንሽዑውን ወደቐ፤ ኣወዳድቓ እቲ ገዛ ኸዓ ዓብዪ ኾነ።”