ወንጌል ሉቃስ 24

BCVትግርኛ52 ፍቕድታት6:24 ስማዕ
ስማዕ 6:24 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፥ እተን ኣንስቲ ነቲ ዘዳለዋኦ ሽቱ ሒዘን፥ ካልኦትውን ምስኣተን፥ ኣንጊሀን ናብቲ መቓብር ከዳ።

2እቲ እምኒ ኸዓ፥ ካብቲ መቓብር ተንከባሊሉ ረኸባኦ።

3ኣብኡ ኣትየን ግና፥ ናይ ጐይታ ኢየሱስ ስጋ ኣይረኸባን።

4ብዛዕባ እዙይ ክግረማ እንተለዋ ድማ፥ እንሆ ዘንፀባርቕ ክዳውንቲ ዝተኸደኑ ኽልተ ሰባት ኣብ ጥቓአን ደው በሉ።

5ፈሪሐን ገፀን ናብ ምድሪ ኣድኒነን እንተለዋ፥ ንሳቶም፦ “ንምንታይ ደኣ፥ ነቲ ህያው፥ ምስ ምውታን ትደልያኦ ኣለኽን?

6ንሱስ፥ ተሲኡ እዩ፤ ኣብዙይ የለን። ነቲ ኣብ ገሊላ እንተሎ ‘ወዲ ሰብ፥ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ክወሃብን ክስቀልን፥ ብሳልሰይቲ መዓልቲ እውን፥ ክትስእ ግድን እዩ’ ኢሉ ዝነገረክን ዘክራ” በልወን።

8ነቲ ቓሉ ኸዓ ዘከራ።

9ካብቲ መቓብር ተመሊሰን ድማ ነዝ ዅሉ፥ ነቶም ዓሰርተ ሓደን፥ ነቶም ካልኦት ብፆቶምን ነገራኦም።

10እተን እዙይ ንሃዋርያት ዝነገራ ድማ፥ ማርያም መግደላዊትን ዮሃናን፥ ማርያም እኖ ያእቆብን እየን። ካልኦት ኣንስትውን ምስኣተን ነበራ።

11እዝ ነገር እዙይ፥ ኣብ ቅድሚኣቶም ከም ሃተፍተፍ መሲሉ ስለ ዝተርኣዮም፥ ኣይኣመንወንን።

12ጴጥሮስ ግና ተሲኡ ናብቲ መቓብር ጐየየ፤ ድንን ኢሉ እንተ ጠመተ ኸዓ፥ እቲ መግነዝ በይኑ ተቐሚጡ ረአየ። በቲ ዝኾነ እናተገረመ ኸዓ፥ ናብ ገዛኡ ተመለሰ።

13እንሆ ኸዓ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ክልተ ኻብቶም ደቀ መዛሙርት፥ ካብ ኢየሩሳሌም ዓሰርተ ሓደ ኪሎ ሜትር(ሀ) ናብ እትርሕቕ፥ ኤማሁስ ናብ እትበሃል ዓዲ ይኸዱ ነበሩ።

14ንሳቶም ድማ በቲ ዅሉ ዝኾነ፥ ንስንሳቶም ይዘራረቡ ነበሩ።

15እንትዘራረቡን እንትመራመሩን እንተለዉ ኸዓ፥ ኢየሱስ ምስኣቶም ሕውስ ኢሉ፥ ክኸይድ ጀመረ።

16ከየለልይዎ ግና ኣዒንቶም ተኸሊለን ነበራ።

17ንሱ ድማ “እዝ እናኸድኩም፥(ለ) ንስንሳትኩም እትዛረብዎ ዘለኹም ነገር፥ እንታይ እዩ?” ኢሉ ጠየቖም፤ ንሳቶም ከዓ ሓዚኖም ደው በሉ።

18ሓደ ኻብኣቶም ስሙ ቀለዮጳ ዝበሃል “በዘን መዓልቲታት እዚኣተን፥ ነዝ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝኾነ ነገር ዘይትፈልጥስ፥ ንስኻ በይንኻዶ ጋሻ ኢኻ?” ኢሉ መለሰሉ።

19ንሱ ኸዓ “እንታይ እዩ?” በሎም፤ ንሳቶምውን ከምዙይ ኢሎም መለሱሉ፦ “ብዛዕባ ናይ ናዝሬት ኢየሱስ እዩ፤ ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን፥ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝብን፥ ብግብርን ብቓልን ብርቱዕ ነቢይ ነበረ።

20ንእኡ ሊቃነ ካህናትን ሹመኛታትን፥ ናብ ናይ ሞት ፍርዲ ኣሕሊፎም ከም ዝሃብዎን፥ ከም ዝሰቐልዎን፥

21ንሕና ግና፥ ንእስራኤል ዘድሕን፥ ንሱ እዩ ኢልና፥ ተስፋ ንገብር ኔርና፤ ምስ እዝ ዅሉ ኸዓ፥ እዙይ ካብ ዝኸውን፥ ሎሚ ሳልሳይ መዓልቲ እዩ።

22ካባና ናብ መቓብር ገስጊሰን ከይደን ዝነበራ ኣንስቲ ግና፥ ዘገርም ነገር ነገራና።

23ስጋኡ ምስ ሰኣና፥ ህያው ምዃኑ ዝነገርወን፥ ራእይ መላእኽቲ ኸም ዝረአያ፥ መፂአን ነገራና።

24ካባናውን ገሊኣቶም ሰባት፥ ናብ መቓብር ምስ ከዱ፥ ከምቲ እተን ኣንስቲ ዝበላኦ ኾይኑ ረኸብዎ፤ ንእኡ ግና ኣይረአይዎን።”

25ንሱ ድማ፥ “ኣቱም ነቢያት ዝተዛረብዎ ዅሉ ንምእማን ልቦም ዝደንጐየ፥ ኣቱም ዘይተስተውዕሉ፥

26ክርስቶስ ነዝ መከራ እዙይ ክቕበል እሞ፥ ናብ ክብሩ ኽኣቱ ግድንዶ ኣይኮነን?” በሎም።

27ነቲ ብዛዕባኡ ኣብ ኵሉ መፃሕፍቲ ዘሎ፥ ካብ ሙሴን ካብ ኵሎም ነቢያትን እናጠቐሰ፥ ክገልፀሎም ጀመረ።

28ናብታ ይኸዱዋ ዝነበሩ ዓዲ ምስ ቀረቡ ኸዓ፥ ሓሊፉ ዝኸይድ መሰለ።

29ንሳቶም ግና “መስዩ እዩ፤ ፀሓይውን ዓሪባ እያ እሞ፥ ምሳና ሕደር” ኢሎም ኣጥቢቖም ለመንዎ፤ ንሱ ኸዓ ምስኣቶም ክሓድር ኣተወ።

30ኣብ ማእዲ ምስኣቶም ምስ ተቐመጠ ድማ፥ እንጀራ ኣልዒሉ፥ ባሪኹ፥ ቈሪሱ ሃቦም።

31ሽዑ ኣዒንቶም ተኸፈታ እሞ ኣለለይዎ፤ ንሱ ግና ኻብኣቶም ተሰወረ።

32ንስንሳቶም ከዓ “እቲ ኣብ መንገዲ ኽዛረበናን፥ መፃሕፍቲ እናጠቐሰ ኽገልፀልናን እንተሎዶ ግዳ፥ ልብና ይነደና ኣይነበረን?” ተበሃሃሉ።

33በታ ሰዓት እቲኣ ተልዒሎም፥ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሱ፤ ነቶም ዓሰርተ ሓደ ደቀ መዛሙርቱን፥ ነቶም ምስኣቶም ዝነበሩን ተኣኪቦም ረኸብዎም።

34“ብሓቂ ጐይታ ተሲኡ እዩ! ንስምኦንውን ተርእዩዎ እዩ” ይብሉ ነበሩ።

35እቶም ክልተ ድማ፥ እቲ ኣብ መንገዲ ዝኾነን፥ እንጀራ ኽቘርስ እንተሎ፥ ከመይ ኢሎም ከም ዘለለይዎን ነገርዎም።

36እዙይ ክዘራረቡ እንተለዉ ኸዓ፥ ኢየሱስ ባዕሉ፥ ኣብ ማእኸሎም ደው ኢሉ “ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን”(ሐ) በሎም።

37ንሳቶም፥ መንፈስ ዝረአዩ መሲልዎም ደንገፁ።

38ኢየሱስ ከዓ ኸምዙይ በሎም፦ “እንታይ ኴንኩም ኢኹም እትድንግፁ? ከምዙይ ዝበለ ሓሳብከ፥ ስለ ምንታይ ኣብ ልብኹም ይለዓዓል?

39ኣነ ባዕለይ ምዃነይ፥ ኣእዳወይን ኣእጋረይን ረአዩ፤ ከምዝ ኣባይ እትሪእዎ ዘለኹም፥ ንመንፈስ ስጋን ዓፅምን የብሉን እሞ፥ ዳህሲስኩም ረአዩኒ” በሎም።

40እዙይ ኢሉ፥ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ኣርኣዮም።

41ንሳቶም ድማ ኻብ ታሕጓስ ዝተልዓለ፥ ምእማን ስኢኖም እናተገረሙ እንተለዉ፥ “ዝኾነ ዝብላዕዶ ኣለኩም?” በሎም።

42ንሳቶም ድማ ጥቡስ ዓሳን፥ ወለላ መዓርን ሃብዎ።

43ተቐቢሉ ኸዓ፥ ኣብ ቅድሚኣቶም በልዐ።

44ንሱ ድማ “እዙይ እቲ ምሳኻትኩም እንተለኹ፥ ኣብ ሕጊ ሙሴን ነቢያትን መዝሙርን፥ ብዛዕባይ ዝተፅሓፈ ኽፍፀም ግድን እዩ ኢለ፥ ነጊረኩም ዝነበርኩ ቓለይ እዩ” በሎም።

45ሽዑ ነተን መፃሕፍቲ ኸስተውዕልወን፥ ኣእምሮኦም ከፈተሎም።

46ቀፂሉ ድማ “ክርስቶስ መከራ ኸም ዝቕበል፥ ብሳልሰይቲ መዓልቲ እውን ካብ ሞት ከም ዝትስእ፥

47ብስሙ ኸዓ ንስሃን ሕድገት ሕጢኣትን፥ ካብ ኢየሩሳሌም ጀሚሩ፥ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ከም ዝስበኽ ተፅሒፉ እዩ።

48ናይዝ ነገራትዙይ መሰኻኽርውን፥ ንስኻትኩም ኢኹም።”

49“እንሆ ኣነ፥ ተስፋ ኣቦይ ክሰደልኩም እየ፤ ንስኻትኩም ግና፥ ካብ ላዕሊ ሓይሊ ኽሳዕ እትለብሱ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ፅንሑ” በሎም።

50ሽዑ ኢየሱስ ንወፃኢ፥ ክሳዕ ቢታንያ ወሰዶም፤ ኢዱ ኣልዒሉውን ባረኾም።

51ክባርኾም እንተሎ ኸዓ፥ ካብኣቶም ተፈለየ፤ ናብ ሰማይውን ዓረገ።

52ንሳቶም ድማ ሰገዱሉ፤ ብብዙሕ ሓጐስውን፥ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሱ።

53ኩልሻዕውን ኣብ ቤተ መቕደስ፥ ንእግዚኣብሄር የመስግኑ ነበሩ።

ትርጓሜ

24:1-12 ንክርስቶስ ምስ ሞተን ምስ ተቐብረን እተን ኣንስቲ ዘርኣያኦ ፍቕርን ኣኽብሮትን ርአዩ። እቲ እምኒ ተንከባሊሉን እቲ መቓብር ከኣ ጥራይን ምስ ረኸባ ዝነበረአን ምግራም ተመልከቱ። ክርስትያናት ብዙሕ ግዜ ኣብቲ ርእሶም ዜጸናንዑሉን ዜተባብዑሉን ነገር ይጨነቑ። ንጐይታኦም ኣብ ከፋንኡ ደኣ እምበር፡ ንመላእኽቲ ኣብ ብሩህ ክዳኖም ኪረኽቡ ዝደልዩ ይመስል። እቶም መላእኽቲ ድማ፡ ካብ ምዉታት ከም ዝተንስአ፡ ብገዛእ ሓይሉ ኸም ዝተንስአ ኣረጋገጻለን። እዞም ካብ ሰማይ ዝመጹ መላእኽቲ ሓድሽ ወንጌል ኣየምጽኡን እዮም፤ የግዳስ ንቓላት ክርስቶስ ንኣንስቲ የዘኻኽርወን እሞ፡ ከመይ ጌረን ከም ዝጥቀማሉ ይምህራኦን። ንየሱስ ወዲ ኣምላኽን ሓቀኛ መሲሕን ምዃኑ ዝኣመኑ፣ ክመውትን ክትንስእን ድሕሪኡ ድማ ናብ ክብሩ ኺኣቱን ከም ዘለዎ ኣዝዩ ብዙሕ ግዜ እተነግሮም፣ ንምዉታት ካብ ሓደ ግዜ ንላዕሊ ኸም ዘተንስአ ዝርኣዩ እዞም ደቀ መዛሙርቲ፡ ንገዛእ ርእሱ ምትንሳኡ ብምእማን ከምዚ ዝበለ ድኻም ዝነበሮም ምዃኖም ምግራምና ኣይተርፍን። ግናኸ ኵሉ ስሕተትና ኣብ ሃይማኖት፡ ካብ ድንቁርና ወይ ምዝንጋዕ ናይቲ ክርስቶስ ዝተዛረቦ ቓላት ይብገስ። ጴጥሮስ ሕጂ ናብ መቓብር ነቐለ፤ እዚ ድማ ቅድሚ ሕጂ ኻብ ጐይታኡ ሃዲሙ ዝነበረ እዩ። ተገረመ። ንዓና ዘደናግርን ዘጨንቕን ብዙሕ ነገር ኣሎ፤ ንቓላት ክርስቶስ ብግቡእ እንተ ዝተረዲእናዮ ግና፡ ንጹርን ጥቕምተኛን ምኾነ።

24:13-27 የሱስ ነዞም ናብ ኤማሁስ ዝኸዱ ዝነበሩ ክልተ ደቀ መዛሙርቲ ዝገበሮ ምግላጽ፡ በታ ኻብ ምዉታት ዝትንስኤላ መዓልቲ እያ ተፈጺማ። ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ሞቱን ትንሳኤኡን ሓቢሮም ክዛረቡ ክፉትኡ ይግባእ፤ በዚ ድማ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ፍልጠቱ ከዕብዮ፡ ሓሳቡ ኸሕድሶ፡ እቲ ሓደ ድማ ነቲ ሓደ መንፈሳዊ ፍቕሩ ኼባራብር ይኽእል። ክልተ ጥራይ እውን ኮይኖም ነዚ ዝኣመሰለ ስራሕ ብጽቡቕ ክዓይዩ ኸለዉ፡ ንሱ ናባታቶም ይመጽእ እሞ ሳልሳይ ይኸውን። ንክርስቶስ ዝደልይዎ ኺረኽብዎ እዮም፤ ንርእሱ ድማ ነቶም ዚሓትዎ ይገልጽ፤ ነቶም ዘለዎም ንፍልጠት ዚኸውን ሓገዝ ዚጥቀሙ ኸኣ ፍልጠት ይህቦም። ብኸመይ ምዃኑ ይትረፍ እሞ፡ ንሳቶም ግን ኣይፈለጥዎን፤ ንሱ ድማ ብዝበለጸ ብሓራነት ምእንቲ ኺዛረብዎ ኢሉ በዚ መገዲ እዚ ገበሮ። ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ብዙሕ ግዜ ሓዘንተኛታት እዮም፡ ሓጎስ ዚኸውን ምኽንያት እንተሃለዎም እውን፤ ግናኸ፡ ብሰንኪ ድኻም እምነቶም፡ እቲ ዝቐረበሎም ምጽንናዕ ኪቕበሉ ኣይከኣሉን። ክርስቶስ ኣብ ናይ ልዕልናኡ ኩነታት እንተኣተወ እውን፡ ንሱ ግና ንሓዘናት ደቀ መዛሙርቱ ይዕዘብ፡ ብጥምየትኦም ድማ ይጥመ እዩ። እቶም ብዛዕባ ሞቱን መከራን የሱስ ዘይፈልጡ፡ ኣብ የሩሳሌም ዘለዉ እንግዳታት እዮም። እቶም ብዛዕባ ዝተሰቕለ ክርስቶስ ፍልጠት ዘለዎም፡ ነቲ ፍልጠት ከስፋሕፍሕዎ ኪጽዕሩ ይግባእ። ጐይታና የሱስ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ናይ ብሉይ ኪዳን ዘለዎም ድኻም እምነት ገሰጾም። ክሳብ ክንደይ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝተገልጹ ሰማያዊ ምኽሪ ብዝበለጸ እንተፈለጥናሉ፡ ነፍስና ኣብ እንኣትወሉ ብዙሕ ግዜ ዝጠላልፈና ሽግራት ኣይምተሰዓርናን።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6