ወንጌል ሉቃስ 21

BCV aksumትግርኛ38 ፍቕድታት5:14 ስማዕ
ስማዕ 5:14 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኢየሱስ ቅንዕ ኢሉ፦ እቶም ሃብታማት ኣብቲ ሙዳየ ምፅዋት፥ መባእ እንተእትዉ ረአየ።

2ሓንቲ ድኻ መበለትውን፥ ኣብኡ ኽልተ ሳንቲም ክተእቱ እንተላ ረአየ።

3“እዛ ድኻ መበለት እዚኣ፥ ካብ ኵላቶም ኣብዚሓ ኸም ዝሃበት፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።

4እዚኣቶም ኵላቶምስ፥ ካብ ተረፎም እዮም መባእ ዝሃቡ፤ እዚኣ ግና ስእንቲ እንተላ፥ ኵላ እታ ዘለታ እያ ዝሃበት” በለ።

5ካብ ደቀ መዛሙርቱ ገሊኣቶም፥ ብዛዕባ ቤተ መቕደስ፥ ብፅቡቕ ኣእማንን፥ ንመባእ ብዝተውሃበ ሽልማትን፥ ኣጊፁ ኸም ዘሎ ኽዛረቡ እንተለዉ፥

6ኢየሱስ፥ “እዝ እትሪእዎ ዘለኹም፥ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ እንተይፈረሰ ዘይተርፈለን መዓልቲታት ክመፃ እየን” በለ።

7ንሳቶም ከዓ፥ “ኦ መምህር! እዙይ መኣዝ እዩ ዝኸውን? እዙይ ዝኾነሉ ጊዜኸ፥ ምልክቱ እንታይ እዩ?” ኢሎም ጠየቕዎ።

8ንሱ ድማ ኸምዙይ በሎም፦ “ከየስሕቱኹም ተጠንቀቑ! ብዙሓት ‘ኣነ ክርስቶስ እየ፤ እቲ ዘመን ከዓ ቐሪቡ እዩ’ እናበሉ፥ ብስመይ ክመፁ እዮም እሞ ኣይትከተልዎም።

9ብዛዕባ ውግእን ህውከትን እንተ ሰማዕኹምውን፥ ኣይትደንግፁ፤ ኣቐዲሙ እዙይ ክኸውን ግድን እዩ እሞ፥ እንተ ኾነ፥ እቲ ፍፃሜ ሽዑ ንሽዑ ኣይኸውንን እዩ።”

10ኣስዒቡውን ኸምዙይ በሎም፦ “ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፥ መንግስቲ እውን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኽለዓል እዩ።

11ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት፥ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድርን ጥሜትን ፌራን ክኸውን እዩ፤ ኣብ ሰማይውን ዘርዕድን፥ ዓብዪ ምልክትን ክኸውን እዩ።

12ቅድሚ እዝ ዅሉ ግና፥ ክሕዙኹምን ከሳጕጉኹምን እዮም። ምእንቲ ስመይ ከዓ፥ ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድን፥(ሀ) ናብ ቤት ማእሰርትን ክወስዱኹም፥ ናብ ነገስታትን ሹመኛታትን ከብፅሑኹም እዮም።

13እዙይ ንምስክርነት ክኾነልኩም እዩ።

14እንታይ ኢልኩም ከም እትምልሱ፥ ኣቐዲምኩም ክትሓስቡ ኸም ዘይብልኩም፥ ኣብ ልብኹም ኣሕድርዎ።

15እቶም ኣብ ልዕሌኹም ዝለዓሉ፥ ምምላስን ምቅዋምን ዘይኽእልዎ ኣንደበትን ጥበብን፥ ኣነ ኽህበኩም እየ።

16ወለድኹም፥ ኣሕዋትኩም፥ ኣዝማድኩም፥ ኣዕርኽትኹም፥ እንተይተረፉ ኣሕሊፎም ክህቡኹም፥ ካባኻትኩምውን ንገሊኣቶም ክቐትሉ እዮም።

17ስለ ስመይ ከዓ፥ ብዅሉ ዝተፀላእኹም ክትኮኑ ኢኹም።

18ግና ኻብ ርእስኹም፥ ሓንቲ ፀጕሪ እኳ ኣይትጠፍእን እያ።

19ንነፍስኹም ከዓ፥ ብትዕግስትኹም ክተጥርይዋ ኢኹም።

20“ኢየሩሳሌም ብሰራዊት ተኸቢባ እንተ ርኢኹም፥ ሽዑ ዕንወታ ኸም ዝቐረበ ፍለጡ።

21ሽዑ እቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ፥ ናብ እምባ ይህደሙ፤ እቶም ኣብ ውሽጣ ዘለዉውን፥ ካብኣ ይውፅኡ፤ እቶም ኣብ ዙርያኣ ዘለዉ ድማ፥ ናብኣ ኣይእተዉ።

22እዙይ ከዓ ዅሉ እቲ ዝተፅሓፈ ምእንቲ ኽፍፀምስ፥ እዋን ምፍዳይ ሕነ እዩ።

23በተን መዓልቲታት እቲኣተን ግና፥ ንጥኑሳትን ንዘጥብዋን ወይለአን! ኣብ ምድሪ ብርቱዕ መከራ ክኸውን እዩ፤ ኣብ ልዕሊ እዝ ህዝቢ እዙይ ድማ፥ መዓት ክወርድ እዩ እሞ።

24ብስሕለት ሰይፊ ኽወድቁ፥ ተማሪኾም ድማ፥ ናብ ኵሎም ኣህዛብ ክውሰዱ እዮም፤ ዘመን ኣህዛብ ክሳዕ ዝፍፀምውን፥ ኢየሩሳሌም ብኣህዛብ ክትርገፅ እያ።

25“ኣብ ፀሓይን ወርሕን ከዋኽብትን ከዓ፥ ምልክት ክኸውን እዩ፤ ኣብ ምድሪ እውን፥ ብድምፂ ባሕርን ማዕበልን ኣህዛብ ክጭነቑን ክህወኹን እዮም።

26በቲ ጊዜ እቱይ ሓይላት ሰማያት ክናወፁ እዮም፤ ኣብ ዓለም ክመፅእ ዘለዎ ብምፅባይን ብፍርሓትን ድማ፥ ሰባት ልቦም ክጠልሞም እዩ።

27ሽዑ ንወዲ ሰብ፥ ምስ ብዙሕ ሓይልን ግርማን፥ ብደመና ሰማይ ክመፅእ እንተሎ ኽሪእዎ እዮም።

28እዙይ ክኸውን ምስ ጀመረ፥ ምድሓንኩም ቀሪቡ እዩ እሞ፥ ርእስኹም ኣቕኒዕኹም ንላዕሊ ተመልከቱ።”

29ብምስላ ድማ ኸምዙይ በሎም፦ “ንኦም በለስን፥ ንዅሉ ኣእዋምን ተመልከቱ፤

30ክጥጥዑ እንተለዉ ምስ ረአኹም፥ ሓጋይ ከም ዝቐረበ ትፈልጡ ኢኹም።

31ከምኡ ኸዓ እዙይ ክኸውን ክትሪኡ እንተለኹም፥ መንግስቲ እግዚኣብሄር ከም ዝቐረበት ፍለጡ።

32እዝ ዅሉ ኽሳዕ ዝኸውን፥ እዝ ትውልዲ እዙይ ከም ዘይሓልፍ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።

33ሰማይን ምድርን ክሓልፍ እዩ፤ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን።

34“እታ መዓልቲ እቲኣ፥ ብድንገት ከይትመፀኩምስ፥ ብስስዐን ብስኽራንን፥ ብናይ ናብራ ሓሳብን፥ ልብኹም ከይኸብድ ንርእስኹም ተጠንቀቑ!

35እታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንዅሎም ኣብ ገፅ ምድሪ ዝነብሩ፥ ከም መፈንጠር ክትበፅሖም እያ እሞ።

36እምበኣርከስ ካብቲ ዅሉ ክኸውን ዘለዎ ነገራት ምእንቲ ኽተምልጡን፥ ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብውን፥ ደው ምባል ምእንቲ ኽትክእሉን፥ ኵልሻዕ ተጊህኹም ፀልዩ።”

37ኢየሱስ መዓልቲ መዓልቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ይምህር፥ ለይቲ ለይቲ ኸዓ፥ ደብረ ዘይት ኣብ ዝበሃል እምባ ደዪቡ ይሓድር ነበረ።

38ኵሉ እቲ ህዝቢ ድማ፥ ንእኡ ኽሰምዕ፥ ናብ ቤተ መቕደስ ይግስግስ ነበረ።

ትርጓሜ

21:1-4 ካብ እቲ እዛ ድኻ ሰበይቲ ዘቕረበቶ ስጦታ፡ ብቕንዕና ንምሕጋዝ ድኻታት ከምኡ’ውን ንምድጋፍ ኣምልኾ ኣምላኽ እንህቦ ዘበለ ንኣምላኽ ከም ዝወሃብ ተምሃር። መድሓኒና ድማ ንምሕጋዝ ኣባላት ስጋኡ ወይ ንኣገልግሎቱ ኣብ ልብና እንህቦ ዘበለ ብሓጎስ ይርእዮ። እቲ ብሩኽ ጐይታይ! እቶም ዝደኸዩ ኣገልገልትኻ ክልተ ፍርቂ ድርብ ድሪም ኣለዎም፡ ነፍስን ስጋን ድማ ኣለዎም። ኣቕንዓና እሞ ነፍስናን ስጋናን ክልቲኡ ንኣኻ ኸነቕርብ ኣኽእለና። ንስኻ ምስ ተቐበልካዮም! ክንደይ ኢና እንሕጐስ!

21:5-28 ብብዙሕ ሃንቀውታ እቶም ምስ ክርስቶስ ዝነበሩ፡ እቲ ዓብዪ ዕንወት መዓስ ከም ዚኸውን ሓተትዎ። ንሱ ድማ ግቡኦም ንምምሃር ዝድለ ብንጹርን ምሉእን መለሰሎም። ከመይሲ ኵሉ ፍልጠት ንተግባር እንተኾይኑ ጥራይ እዩ ዚብሃግ። እቶም መንፈሳውያን ፍርድታት ኣብ ግዜ ወንጌል እቲ ዝበዝሐ ዝኾኑ እኳ እንተኾኑ፡ እንተኾነ ግና ኣምላኽ ግዚያውያን ፍርድታት’ውን ይጥቀም እዩ። ክርስቶስ ብሰንኪ ስሙ ኸባዱ ነገራት ከም ዝሳቐዩ ነገሮም፡ ኣብ ትሕቲ ፈተናታቶም ክጻወሩን ዘጋጥሞም ተቓውሞ እናሃለወ ኣብ ዕዮኦም ክቕጽሉን ኣተባብዖም። ኣምላኽ ኣብ ጥቓኹም ኪኸውን፣ ናቱ ምዃንኩም ኪእምት፣ ኪሕግዘኩም ድማ እዩ። እዚ ድማ መንፈስ ቅዱስ ድሕሪ ምፍሳሱ፡ ክርስቶስ ንደቀ-መዛሙርቱ ጥበብን ምግላጽን ብዝሃበሉ፡ ብፍላይ ተፈጸመ። ንክርስቶስ ኢልና እንሰንፍ እኳ እንተኾና፡ ብእኡ ግን ብመወዳእታ ኣይንሰንፍን ኢና፣ ክንሰንፍ’ውን ኣይንኽእልን ኢና። ንዘለኣለም ግዜ፡ ብፍላይ ኣብ ሓደገኛን ፈታንን ግዜያት፡ ንነፍስና ምሕላው ግዴታናን ረብሓናን እዩ። ብክርስትያናዊ ትዕግስቲ ኢና ንነፍስና እንውንና፣ ኰነ ኢሉ ዜቖጥዑና ኵሎም ጽልዋታት ድማ እንግልግል። ነቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ትንቢት፡ ልክዕ ከምቶም ምስቲ ዓብዪ ዕላማኦም ሓዊስካ፡ ንቤተ ክርስቲያን ኣገዳስነት ዘለዎም ዝቐረቡ ዕላማታት ዜጠቓልሉ ወይ ዜርእዩ ትንቢታት ብሉይ ኪዳን ክንርእዮ ንኽእል ኢና። ክርስቶስ ንዝቕጽሉ ሰላሳን ሾመንተን ዓመታት ዘሎ ግዜ ሓሳብ ድሕሪ ምሃቡ፡ እዚ ኵሉ ነገራት ብምንታይ ከም ዝዛዘም ኣርኣየ፡ ማለት ድማ፡ ዕንወት የሩሳሌምን ምሉእ ምብታን ህዝቢ ኣይሁድን እዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6