1ከምዙይ ድማ ኾነ፥ ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ሙሴ ምስ ሞተ፥ እግዚኣብሄር ንኢያሱ ወዲ ነዌ፥ ኣገልጋሊ ሙሴ፥
2“ኣገልጋሊየይ ሙሴ ሞይቱ እዩ እሞ፥ ሕዚ ተስእ፤ ንስኻን ኵሉ ህዝቢ እስራኤልን፥ ናብታ ኣነ ዝህበኩም ምድሪ ኽትኣትዉ፥ ንፈለግ ዮርዳኖስ ተሳገርዎ።
3ከምቲ ንሙሴ ዝነገርክዎ፥ ኵላ እግርኹም ዝረገፀታ ቦታ ንኣኻትኩም ሂበኩም ኣለኹ።
4ወሰንኩም ካብ ምድረ በዳን ካብ ሊባኖስን ክሳዕ እቲ ዓብዪ ፈለግ ኤፍራጥስ፥ ብምልእታ ምድሪ ኬጢያውያንን ክሳዕ እቲ ኣብ ምዕራብ ዘሎ ዓብዪ ባሕሪ(ሀ) ክኸውን እዩ።
5ኣብ ምሉእ ዕድሜኻ ዝቃወመካ ሰብ ኣይህሉን እዩ። ምስ ሙሴ ኸም ዝነበርኩ፥ ምሳኻውን ክኸውን እየ። ኣይሓድገካን እየ፤ ኣይድርብየካንውን እየ።
6“እታ ነቦታቶም ክህቦም ዝመሓልኩሎም ምድሪ፥ ንስኻ ነዝ ህዝቢ እዙይ ክተውርሶ ኢኻ እሞ፥ ፅናዕ፤ ትባዕ።
7ከምቲ ኣገልጋሊየይ ሙሴ ዝኣዘዘካ፥ ንዅሉ ሕጊ ተጠንቂቕካ ሓልዎ። ፅናዕ፤ ኣይዞኻ ትባዕ። ብዅሉ እትኸዶ ምእንቲ ኽቐንዐካ ኻብቲ ሕጊ ንየማን ወይ ንፀጋም ኣይትበል።
8ነቲ ኣብኡ ዝተፅሓፈ ምእንቲ ተጠንቂቕካ ኽትገብሮ፥ መዓልትን ለይትን ኣስተንትኖ እምበር፥ ነዝ መፅሓፍ ሕጊ እዙይ ካብ ኣፍካ ኣይትፍለዮ። ሽዑ መንገድኻ ኽቐንዐካን ክሰልጠካን እዩ።
9ፅናዕ፤ ትባዕ፥ ኢለዶ ኣይኣዘዝኩኻን? ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ኵሉ እትኸዶ ምሳኻ እየ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤ ኣይትደንግፅ ኢለዶ ኣይኣዘዝኩኻን?”
10ሽዑ ኢያሱ ነቶም ኣሕሉቕ ህዝቢ “ብማእኸል ሰፈር ሓሊፍኩም ነቶም ህዝቢ፦ ‘በዘን ሰለስተ መዓልቲ እዚኣተን ንፈለግ ዮርዳኖስ ተሳጊርኩም ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምእንቲ ኽትወርስዋ ንርስቲ ዝህበኩም ምድሪ ኽትኣትዉ ኢኹምሞ ስንቅኹም ኣዳልዉ’ በልዎም” ኢሉ ኣዘዞም።
12ኢያሱ ድማ ንደቂ ሮቤልን ንደቂ ጋድን ንፍርቂ ነገድ ምናሴን፦
13“እቲ ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ዝኣዘዘኩም ቃል ዘክሩ፦ ‘እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከዕርፈኩም እዩ፤ ነዛ ምድሪ እዚኣ ኸዓ ሂቡኩም ኣሎ።’
14ኣንስትኹምን ህፃናትኩምን ከፍትኹምን ኣብታ ሙሴ ኣብ ማዕዶ ፈለግ ዮርዳኖስ ዝሃበኩም ምድሪ ይፅንሑ። ንስኻትኩም ግና ኸምቲ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩም ዘዕረፈኩም፥ ነሕዋትኩም ድማ ኽሳዕ ዘዕርፎም፥ ንሳቶምውን እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህቦም ም??ሪ ኽሳዕ ዝወርሱ፥ ሓያላት ጀጋኑ ዝኾንኩም ኵልኻትኩም ኣፅዋር ሒዝኩም፥ ነሕዋትኩም ክትሕግዙ ቐቅድሚኣቶም ሕለፉ። ብድሕሪኡ ናብታ ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ሙሴ፥ ብምውፃእ ፀሓይ ብወገን ምብራቕ ዮርዳኖስ ዝሃበኩም ምድሪ ርስትኹም ክትምለሱ ኢኹም” በሎም።
16ንሳቶም ድማ ንኢያሱ፦ “ኵሉ ዝኣዘዝካና ንገብር፤ ናብ ኵሉ ዝለኣኽካናውን ንኸይድ።
17ከምቲ ንሙሴ ብዅሉ ዝተኣዘዝናዮ፥ ንኣኻውን ክንእዘዘካ ኢና። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ደኣ ኸምቲ ምስ ሙሴ ዝነበረ፥ ምሳኻውን ይኹን።
18ንስኻ ደኣ ፅናዕ፥ ትባዕ እምበር፥ ኵሉ ቓልካ ዘይሰምዕን ትእዛዝካ ዘይፍፅምን ሰብ ይቀተል” ኢሎም መለሱሉ።