ወንጌል ዮሃንስ 9

BCVትግርኛ41 ፍቕድታት
ስማዕ መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኢየሱስ ብመንገዲ ኽሓልፍ እንተሎ ዕዉር ኮይኑ ዝተወለደ ሓደ ሰብ ረአየ።

2ደቀ መዛሙርቱ ድማ፥ “መምህር፥ እዝ ሰብ እዙይ ዕዉር ኮይኑ ዝተወለደ፥ ብናይ መን ሓጢኣት እዩ? ብናይ ባዕሉ ድዩ ወይ ብናይ ወለዱ?” ኢሎም ጠየቕዎ።

3ኢየሱስ ከዓ ኸምዙይ ኢሉ መለሰ፦ “ግብሪ እግዚኣብሄር ኣብኡ ምእንቲ ኽግለፅ ደኣ እምበር፥ ብናይ ባዕሉ ወይ ብናይ ወለዱ ሓጢኣት ኣይኮነን።

4ሓደኳ ኽሰርሐላ ዘይከኣሎ ለይቲ ትመፅእ ኣላ እሞ፥ መዓልቲ እንተላ፥ ግብሪ እቲ ዝለኣኸኒ ኽሰርሕ ይግብአኒ እዩ።

5ኣብ ዓለም እንተለኹ፥ ኣነ ናይ ዓለም ብርሃን እየ።”

6እዙይ ኢሉ ናብ ምድሪ እንትፍ በለ፤ በቲ ምራቑውን ፀብሪ ገበረ፤ በቲ ፀብሪ ኸዓ፥ ኣዒንቲ እቲ ዕዉር ቀብአ እሞ፥

7“ኬድካ ኣብ ቃላይ ሰሊሆም ተሓፀብ” በሎ። ሰሊሆም ማለት “ዝተልኣኸ” ማለት እዩ። ንሱውን ከይዱ ተሓፀበ እሞ፥ እናረአየ ተመለሰ።

8እቶም ጐረባብቱን እቶም ቅድም እንትልምን ዝሪእዎ ዝነበሩን “እዙይ ደኣ እቲ ኣብ መንገዲ ተቐሚጡ ዝልምን ዝነበረዶ ኣይኮነን?” በሉ።

9ገሊኣቶም “ንሱ እዩ” በሉ፤¶ ገሊኣቶም ከዓ “ንእኡ ደኣ እዩ ዝመስል እምበር፥ ንሱ ኣይኮነን” በሉ፤¶ ንሱ ግና “ኣነ እየ” በለ።

10ስለዙይ ንሳቶም “ከመይ ኢለን ደኣ ኣዒንትኻ ተኸፈታ?” በልዎ።

11ንሱ ኸዓ “ኢየሱስ ዝበሃል ሰብ ፀብሪ ገይሩ(ሀ) ኣዒንተይ ቀቢኡ፥ ‘ናብ ሰሊሆም ኪድ እሞ ተሓፀብ’ በለኒ፤ ከይደ ምስ ተሓፀብኩ ድማ ረአኹ” ኢሉ መለሰሎም።

12ንሳቶም ከዓ “እቲ ሰብኣይ እቱይከ ኣበይ ኣሎ?” በልዎ፤¶ ንሱ ድማ “ኣይፈልጥን” በሎም።

13ሽዑ ነቲ ዕዉር ዝነበረ ናብ ፈሪሳውያን ወሰድዎ።

14እታ ኢየሱስ ፀብሪ ገይሩ ኣዒንቱ ዝኸፈተላ መዓልቲ ኸዓ፥ ሰንበት ነበረት።

15ስለዙይ ፈሪሳውያን ከመይ ኢሉ ኸም ዝረአየ መሊሶም ጠየቕዎ።¶ ንሱ ድማ “ፀብሪ ኣብ ኣዒንተይ ገበረለይ፤ ተሓፀብኩ እሞ ረአኹ” በሎም።

16ሽዑ ኻብቶም ፈሪሳውያን ገሊኣቶም “እዝ ሰብኣይ እዙይ ሰንበት ስለ ዘየኽብር ካብ እግዚኣብሄር ኣይኮነን” በሉ፤¶ ካልኦት ድማ “ሓጢኣተኛ ሰብ ደኣ፥ ከመይ ገይሩ ኸምዙይ ዝበለ ተኣምራት ክገብር ይኽእል?” በሉ።¶ ኣብ መንጎኣቶም ከዓ ምፍልላይ ኮነ።

17ሽዑ መሊሶም ነቲ ዕዉር “ንስኻኸ ኣዒንትኻ ኸፊቱልካ እዩ እሞ፥ ብዛዕባኡ እንታይ ትብል?” በልዎ፤¶ ንሱ ድማ “ነቢይ እዩ” በሎም።

18እቶም ኣይሁድ ግና፥ ንወለዲ እቲ ኣዒንቱ ዝተኸፈታሉ ሰብ ክሳዕ ዝፅውዑ፥ ዕዉር ነይሩስ ከም ዝረአየ ኣይኣመንዎን ነበሩ።

19ስለዙይ “እቲ ብዕዉሩ ተወሊዱ እትብልዎ ወድኹም እዙይ ድዩ? ሕዚ ደኣ ኸመይ ኢሉ ኽርኢ ኸኣለ?” ኢሎም ጠየቕዎም።

20እቶም ወለዱ ድማ “እዙይ ወድና ኸም ዝኾነን፥ ብዕዉሩ ኸም ዝተወለደን ንፈልጥ።

21ሕዚ ግና ኸመይ ኢሉ ኽርኢ ኸም ዝኸኣለ ኣይንፈልጥን፤ ኣዒንቱውን መን ከም ዝኸፈተሉ ኣይንፈልጥን፤ ንእኡ ጠይቕዎ፤ ንሱ ዓብዪ እዩ፤ ብዛዕባ ርእሱ ባዕሉ ኽዛረብ ይኽእል እዩ” ኢሎም መለሱ።

22እቶም ወለዱ ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሑ እዮም እዙይ ዝበሉ። ኣይሁድ “ንሱ ክርስቶስ(ለ) እዩ” ኢሉ ንዝመስከረ ኻብ ቤተ ፀሎቶም ክሰጕዎ ተሰማሚዖም ነበሩሞ።

23ስለዙይ እዮም እቶም ወለዱ “ንሱ ዓብዪ እዩ እሞ፥ ጠይቕዎ” ዝበሉ።

24ሽዑ ነቲ ዕዉር ዝነበረ ሰብኣይ፥ ካልኣይ ጊዜ ፀዊዖም “ንእግዚኣብሄር ክብሪ ሃብ፤ ንሕና እዝ ሰብኣይ እዙይ ሓጢኣተኛ ምዃኑ ኢና እንፈልጥ” በልዎ።

25ንሱ ድማ መሊሱ “ኣነስ ሓጥእ ከም ዝኾነ ኣይፈልጥን፤ ዕዉር ከም ዝነበርኩን ሕዚ ግና፥ እርኢ ኸም ዘለኹን፥ እዛ ሓንቲ ነገር እዚኣ እየ ዝፈልጥ” በሎም።

26ንሳቶም ከዓ “እንታይከ ገበረልካ? ኸመይ ገይሩኸ ኣዒንትኻ ኸፈተልካ?” በልዎ።

27ንሱ ድማ “ቅድሚ ሕዚ ነጊረኩም ኣይሰማዕኹምን፤ ንምንታይ መሊስኩም ክትሰምዑ ትደልዩ ኣለኹም? ንስኻትኩምውንዶ ደቀ መዛሙርቱ ኽትኮኑ ትደልዩ ኢኹም?” በሎም።

28ንሳቶም ድማ ፀረፍዎ “ደቀ መዝሙሩስ ንስኻ ኢኻ፤ ንሕና ግና ደቀ መዛሙርቲ ሙሴ ኢና።

29ንሕናስ እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸም ዝተናገሮ ንፈልጥ ኢና፤ እዝ ሰብ እዙይ ግና፥ ካበይ ከም ዝኾነ ኣይንፈልጥን ኢና” በልዎ።

30እቲ ሰብኣይ ከዓ “ካበይ ምዃኑ ዘይምፍላጥኩም ዘገርም እዩ፤ ንኣይ ግና ኣዒንተይ ከፊቱለይ።

31እግዚኣብሄር፥ ንዝፈርሖን ፍቓዱ ንዝፍፅምን እዩ ዝሰምዕ እምበር፥ ንሓጥኣን ከም ዘይሰምዖም ንፈልጥ ኢና።

32ዓለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ፥ ብዕዉሩ ንዝተወለደ ሰብ፥ ኣዒንቱ ኸፊቱሉ ዝበሃል ከቶ ኣይተሰምዐን።

33እዝ ሰብ እዙይ ካብ እግዚኣብሄር እንተ ዘይኸውን፥ ሓደኳ ኽገብር ኣይምኸኣለን ነይሩ” ኢሉ መለሰሎም።

34ንሳቶም ከዓ “ንስኻ ኵለንትናኻ ብሓጢኣት ዝተወለድካ እንተለኻስ ንኣና ኽትምህረና?” ኢሎም ናብ ወፃኢ ኣውፅእዎ።

35ኢየሱስ ናብ ወፃኢ ኸም ዘውፅእዎ ሰምዐ፤ ምስ ረኸቦ ድማ “ንስኻ ብወዲ እግዚኣብሄርዶ ተኣምን ኢኻ?” በሎ።

36ንሱ ኸዓ “ጐይታይ፥ ብእኡ ኽኣምንስ መን እዩ ንሱ?” ኢሉ መለሰ።

37ኢየሱስ ድማ “ርኢኻዮ ኣለኻ፤ ሕዚ እውን ምሳኻ ዝዛረብ ዘሎ ንሱ እዩ” በሎ።

38ንሱ ኸዓ “ጐይታ፥ እኣምን እየ” ኢሉ ሰገደሉ።

39ኢየሱስ ድማ “ኣነ እቶም ዘይሪኡ ምእንቲ ኽሪኡ፥ እቶም ዝሪኡ ኸዓ ምእንቲ ኽዓውሩ፥ ንፍርዲ እየ ናብዛ ዓለም እዚኣ መፂአ ዘለኹ” በለ።

40ካብቶም ምስኡ ዝነበሩ ፈሪሳውያን ገሊኣቶም ነዙይ ሰሚዖም “ንሕናኸ ዕዉራት ምዃንና ዲና?” በልዎ።

41ኢየሱስ ድማ “ዕዉራት እንተ እትኾኑስ፥ ሓጢኣት ኣይምኾነኩምን ነይሩ፤ ሕዚ ግና ‘ንርኢ ኢና’ ትብሉ ስለ ዘለኹም፥(ሐ) ሓጢኣትኩም ኣባኻትኩም ይነብር ኣሎ” በሎም።

ትርጓሜ

9:1-7 ክርስቶስ ብሕማም ወይ ብሓደጋ ዓይኖም ዝጠፈአ ብዙሓት ፈወሰ፤ ኣብዚ ግና ካብ ማሕጸን ኣዲኡ ጀሚሩ ዕዉር ዝነበረ ሰብኣይ ፈወሰ። በዚ ድማ ኣብ እቲ ዝኸበደ ኩነታት ምሕጋዝ ዝኽእል ስልጣኑ ኣርኣየ፤ ከምኡውን ኣብ ነፍሳት ሓጥኣን ዝፍጸም ግብሪ ጸጋኡ፣ ንሳቶም ብባህሪኦም ዕዉራት ንዝኾኑ ብርሃን ዝህቦም። እዚ ድኻ ሰብኣይ ንክርስቶስ ክርእዮ ኣይከኣለን፣ ክርስቶስ ግና ንዕኡ ረኣዮ። ንሕና ሓንቲ ነገር ካብ ክርስቶስ እንተፈልጥና ወይ እንተተረደኣና፣ ቅድም ብዕኡ ስለ እተፈለጥና እዩ።

ክርስቶስ ብዛዕባ ዘይተለምደ ሕማማት (ወይ መዓርሲ) ከም ዝበሎ፣ ንሳቶም ወትሩ ፍሉይ መቕጻዕቲ ሓጢኣት ተባሂሎም ክርኣዩ የብሎምን፤ ሓድሓደ ግዜ ንኽብሪ ኣምላኽን ግብርታቱ ንምግላጽን እዮም። ህይወትና መዓልትና እያ፣ ኣብኣ ስራሕ እታ መዓልቲ ንምፍጻም የገድሰና። ንሕና ድልዱል ክንከውን ኣለና፣ ግዜ መዓልቲ ኸኣ ከነባኽን የብልናን፤ መዓልትና ምስ ተወድአት ግዜ ዕረፍቲ ክኸውን እዩ፣ ምኽንያቱ ንሳ ሓንቲ መዓልቲ ጥራይ እያ። ምምጻእ ሞት ንኹሉ ዕድላትና ንኽንጥቀምን ንጽቡቕ ንምግባርን ንምርካብን ከነፋጥነና ይግባእ። ክንገብሮ ዕድል ዘለና ጽቡቕ ነገር፣ ብቕልጡፍ ክንገብሮ ይግባእ። እቲ ሓንቲ ነገር እትቃወም ዘይተረኽበት ክሳብ ዘይትኸውን ጽቡቕ ስራሕ ዘይገብር፣ ብዙሓት ጽቡቕ ግብርታት ንዘለኣለም ከይገበረ ክተርፍ እዩ። መክ 11:4።

ክርስቶስ ንዕዉር ሰብኣይ ብምፍዋስ ስልጣኑ ኣዕበየ፣ ነቲ ሓደ ሰብ ንዝርአ ሰብኣይ ዕዉር ንምግባር ዝያዳ ዝኸውን ይመስል ዝበሃል ግብሪ ኸኣ ፈጸመ። ስብኣዊ ምኽንያት ንመገድታት እግዚኣብሔር ክፈርድ ኣይክእልን እዩ፤ ንሱ ሰባት ዝንዕቅዎም መገድታትን መሳርሕታትን ይጥቀም። እቶም ብክርስቶስ ክፍወሱ ዝደልዩ ብዕኡ ክመሓደሩ ይግባእ። ካብቲ ጸበል እናተገረመን ብዕኡ ድማ እናተገረመ ክምለስ ከሎ፣ ዓይኒ ርእዩ መጸ። እዚ ድማ ኣብ ስርዓታት ክርስቶስ ብምስታፍ ዝርከብ ረብሓታት የርኢ፤ ነፍሳት ደኺመን ይኸዳ፣ ሓይለን ድማ ይምለሳ፤ ተጠራጢረን ይኸዳ፣ ርጊኤን ድማ ይምለሳ፤ ሓዚነን ይኸዳ፣ ተሓጒሰን ድማ ይምለሳ፤ ዕዉራት ኰይነን ይኸዳ፣ ርእየን ድማ ይምለሳ።

9:8-12 እቶም ኣዒንቶም ዝተኸፍታን ልቦም ብጸጋ ዝነጽሃን ሰባት፣ እቲ ሓደ ሰብ ንባዕሎም ኮይኖም፣ ግናኸ ብባህሪኦም ኣዝዮም ዝተፈላለዩ፣ ንኽብሪ እቲ በጃኦም ዝዀነ መቓድሕ ኰይኖም ይነብሩ፣ እዚ ሓደ ክቡር ድሕነት ዝደልዩ ዅሎም ከኣ ጸግኡ የመስክሩ። ኣሰራርሓን ኣገባብን ግብሪ ኣምላኽ ምምልካት ጽቡቕ እዩ፣ እሞ ድማ ዝያዳ ግሩም ኰይኖም ይርኣዩ። ነዚ ብመንፈሳዊ ኣገባብ ተግብርዎ። ኣብቲ ኣብ ነፍሲ ብጸጋ ዝተባዕተወ ግብሪ፣ ንለውጢ ንርኢ፣ እታ እትገብሮ ኢድ ግና ኣይንርእያን ኢና። መገዲ መንፈስ ከኣ ከምቲ ድምጹ እትሰምዖ፣ ግናኸ ካበይ ከም ዝመጽእ ወይ ናበይ ከም ዝኸይድ ክትነግር ዘይትኽእል ንፋስ እዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6