1ድሕሪዙይ ድማ በዓል ኣይሁድ ኮነ፤ ኢየሱስውን ናብ ኢየሩሳሌም ደየበ።
2ኣብ ኢየሩሳሌም፥ ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገ ኣባጊዕ ከዓ፥ ብዕብራይስጢ ቤተ ሳይዳ ዝበሃል፥ ሓሙሽተ መመላለሲ ገበላ ዘለዎ ቓላይ ነበረ።
3ኣብኡ ናይቲ ማይ ምንዋፅ ዝፅበዩ ብዙሓት ሕሙማትን፥ ዕዉራትን፥ ሓንካሳትን መፃጕዓትን ይድቅሱ ነበሩ።
4ፀፀኒሑ መልኣኽ እግዚኣብሄር፥ ናብቲ ቓላይ ወሪዱ ነቲ ማይ የናውፆ ነበረ፤ እቲ ቐዲሙ ወሪዱ፥ ኣብቲ ዝተናወፀ ማይ ዝኣተወ፥ ካብ ዅሉ ዘለዎ ሕማም ይሓዊ ነበረ።
5ካብ ዝሓምም ሰላሳን ሸሞንተን ዓመት ዝገበረ፥ ሓደ ሰብ ኣብኡ ነበረ።
6ኢየሱስ ድማ ንእኡ ኣብ ዓራቱ ደቂሱ ምስ ረአዮ፥ ነዊሕ እዋን ምሕማሙ ፈሊጡ፥ “ክትሓዊዶ ትደሊ ኢኻ?” በሎ።
7እቲ ሕሙም ከዓ “ጐይታይ! እቲ ማይ ምስ ተናወፀ፥(ሀ) ናብቲ ቓላይ ዘውርደኒ ሰብ የብለይን፤ ኣነ ኽሳዕ ዝኸይድ ድማ፥ ካልእ ቀዲሙኒ ይወርድ” ኢሉ መለሰሉ።
8ኢየሱስ ድማ “ተስእ! ዓራትካ ተሸኪምካ ኺድ” በሎ።
9እቲ ሰብኣይ ከዓ ሽዑ ንሽዑ ሓወየ፤ ዓራቱ ተሸኪሙውን ከደ። እታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ሰንበት ነበረት።
10ስለዙይውን ኣይሁድ ነቲ ዝሓወየ ሰብኣይ “ሎሚ ሰንበት ስለ ዝኾነ ዓራትካ ኽትሽከም ኣይፍቀደልካን እዩ” በልዎ።
11ንሱ ግና “እቲ ዘሕወየኒ እዩ ‘ዓራትካ ተሸኪምካ ኺድ’ ዝበለኒ” ኢሉ መለሰሎም።
12ንሳቶም ከዓ “እቲ ‘ዓራትካ ተሸኪምካ ኺድ’ ዝበለካ ሰብ መን እዩ?” ኢሎም ጠየቕዎ።
13ኢየሱስ ኣብ ማእኸል እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ተሓዊሱ ነበረሞ እቲ ዝሓወየ ሰብኣይ መን ከም ዘሕወዮ ኣይፈለጠን።
14ብድሕሪዙይ ኢየሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ እናመሃረ እንተሎ፥ ነቲ ዝሓወየ ሰብኣይ ረኸቦ እሞ “እንሆ ሓዊኻ ኣለኻ፤ ካብዙይ ዝገደደ ኸይረኽበካ፥ ደጊም ሓጢኣት ኣይትግበር” በሎ።
15እቲ ሰብኣይ ከዓ ኸይዱ፥ እቲ ዘሕወዮ ኢየሱስ ከም ዝኾነ ንኣይሁድ ነገሮም።
16ስለዙይ ብሰንበት ነዝ ነገራትዙይ ስለ ዝገበረ፥ ኣይሁድ ንኢየሱስ የሳጕጉዎ ነበሩ፤ ክቐትልዎውን ይደልዩ ነበሩ።
17ኢየሱስ ግና “ኣቦይ ክሳዕ ሕዚ ይሰርሕ ኣሎ፤ ኣነውን እሰርሕ ኣለኹ” ኢሉ መለሰሎም።
18ስለዙይ ሰንበት ብምስዓሩ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ንእግዚኣብሄርውን “ኣቦይ” ስለ ዝበለ፥ ንባዕሉውን ምስ እግዚኣብሄር ስለ ዘመዓራረየ፥ ኣይሁድ ክቐትልዎ ኣበርቲዖም ይደልዩ ነበሩ።
19ሽዑ ኢየሱስ ከምዙይ ኢሉ መለሰሎም፦ “ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ወልድ፥ ነቲ ኣብ ክገብሮ ዝረኣዮ እንተ ዘይኮይኑ፥ ካብ ባዕሉ ሓንቲ ነገር እኳ ኽገብር ኣይኽእልን እዩ፤ ነቲ ዅሉ ኣብ ዝገብሮ፥ ወልድውን ይገብሮ።
20ኣብ፥ ንወልድ ስለ ዘፍቅሮ፥ ነቲ ዝገብሮ ዅሉ የርእዮ እዩ፤ ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትድነቑውን፥ ካብዙይ ዝዓቢ ግብሪ ኸርእዮ እዩ።
21ኣብ፥ ንምዉታን ከም ዘተስኦም ህያዋንውን ከም ዝገብሮም፥ ወልድ ድማ፥ ከምኡ ነቶም ዝደለዮም ህያዋን ይገብሮም።
22ኵሉ ሰብ ከምቲ ንኣብ ዘኽብሮ፥ ንወልድ ምእንቲ ከኽብሮ፥ ኵሉ ፍርዲ ንወልድ ሃቦ እምበር፥ ኣብ ንሓደኳ ኣይፈርድን እዩ፤ ንወልድ ዘየኽብር፥ ነቲ ዝለኣኾ ኣብውን ኣየኽብርን።
24ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ እቲ ንቓለይ ዝሰምዕ፥ በቲ ዝለኣኸኒውን ዝኣምን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣለዎ፤ ንሱ ኻብ ሞት ናብ ህይወት ይሳገር እምበር፥ ናብ ፍርዲ ኣይቐርብን እዩ።
25እቶም ምዉታን፥ ድምፂ ወዲ እግዚኣብሄር ዝሰምዑላ ሰዓት ትመፅእ ኣላ፤ ንሳ ኸዓ ሕዚ እያ፤ ኵሎም እቶም ዝሰምዕዎ ድማ፥ ብህይወት ከም ዝነብሩ፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።
26ከምቲ ንኣብ ናይ ባዕሉ ህይወት ዘለዎ፥ ንወልድውን ናይ ባዕሉ ህይወት ክህልዎ ሃቦ።
27ወዲ ሰብ፥(ለ) ስለ ዝኾነ ድማ ኽፈርድ ስልጣን ሃቦ።
28ኵላቶም እቶም ኣብ መቓብር ዘለዉ፥ ድምፁ ዝሰምዑላ ሰዓት ክትመፅእ እያ እሞ፥ በዙይ ኣይትገረሙ።
29ሽዑ እቶም ሰናይ ዝገበሩ፥ ናብ ናይ ትንሳኤ ህይወት፥ እቶም ክፉእ ዝገበሩ ድማ፥ ናብ ናይ ትንሳኤ ኵነኔ፥ ክኸዱ እዮም።
30“ኣነ ኻብ ርእሰይ ሓደ ነገርኳ ኽገብር ኣይክእልን፤ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር፥ ፍቓደይ ኣይገብርን እየሞ፤ ኣነ ኸምቲ ዝሰማዕኽዎ እየ ዝፈርድ፤ ፍርደይ ከዓ ቕኑዕ እዩ።
31ኣነ ብዛዕባ ርእሰይ ባዕለይ ዝምስክር እንተ ኾይነ፥ ምስክርነተይ ሓቂ ኣይኮነን።
32ግና ንኣይ ዝምስክረለይ ካልእ እዩ፤ እቲ ንሱ ብዛዕባይ ዝምስክሮ ምስክርነት ከዓ፥ ሓቂ ምዃኑ እፈልጥ እየ።
33ንስኻትኩም ናብ ዮሃንስ ለኣኽኩም፤ ንሱ ኸዓ ንሓቂ መስከረ።
34እዙይ ግና ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትድሕኑ ኢለ እየ ዝብሎ ዘሎኹ እምበር፥ ኣነስ ምስክርነት ሰብ ደልየ ኣይኮንኩን።
35ንሱ ዝነድድን ዘብርህን መብራህቲ ነበረ፤ ንስኻትኩም ከዓ በቲ ብርሃኑ ንቑሩብ ጊዜ ደስ ክብለኩም ደለኹም።
36ኣነ ግና ኻብ ምስክርነት ዮሃንስ ዝበልፅ ምስክር ኣለኒ፤ እዙይ ድማ፥ እቲ ኣብ ክፍፅሞ ኢሉ ዝሃበኒ ግብሪ፥ ኣነውን ዝገብሮ ዘለኹ፥ ኣብ ከም ዝለኣኸኒ ንሱ ይምስክረለይ እዩ እሞ።
37እቲ ዝለኣኸኒ ኣብ ከዓ፥ ባዕሉ መስኪሩለይ ኣሎ፤ ንስኻትኩም ድምፁ ኸቶ ኣይሰማዕኹምን፤ መልክዑውን ከቶ ኣይረአኹምን።
38በቲ ንሱ ዝለኣኾ ስለ ዘይኣመንኩም ከዓ፥ ቃሉ ኣባኻትኩም ኣይሓድርን።
39ንስኻትኩም በተን ቅዱሳት መፃሕፍቲ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት እትረኽቡ እናመሰለኩም፥ ትምርምሩወን ኣለኹም፤ ንሳተንውን ብዛዕባይ እየን ዝምስክራ።
40ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽትረኽቡ ናባይ ክትመፁ ኣይትደልዩን ኢኹም።
41ኣነ ኻብ ሰብ ከንቱ ኽብሪ ኣይደልን እየ።
42ንስኻትኩም ግና ፍቕሪ እግዚኣብሄር፥ ኣባኻትኩም ከም ዘየለ እፈልጥ እየ።
43ኣነ ብስም ኣቦይ መፂአ ኣይተቐበልኩምንን፤ ካልእ ብስም ርእሱ እንተ መፀ ግና፥ ንእኡ ኽትቅበልዎ ኢኹም።
44ንስኻትኩም ካብ ብፃይኩም ክብሪ እናደለኹም፥ ናይ ሓደ እግዚኣብሄር ክብሪ ግና ዘይትደልዩ፥ ከመይ ኢልኩም ክትኣምኑ ትኽእሉ?
45ኣነ ኣብ ኣብ ዝኸሰኩም ኣይምሰልኩም፤ ዝኸሰኩምስ ኣሎ፤ ንሱውን እቲ ተስፋ እትገብርዎ ሙሴ እዩ ዝኸሰኩም።
46ንሙሴ እንተ እትኣምንዎስ፥ ንሱ ብዛዕባይ ፅሒፉ እዩ እሞ፥ ንኣይ ድማ ምኣመንኩምኒ ኔርኩም።
47ነቲ ሙሴ ዝፀሓፎ እንተ ዘይኣሚንኩም ግና፥ ከመይ ጌርኩም ድኣ ንቓለይ ክትኣምኑ?”