ወንጌል ዮሃንስ 21

BCVትግርኛ25 ፍቕድታት4:37 ስማዕ
ስማዕ 4:37 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ድሕሪዙይ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፥ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ጥብርያዶስ መሊሱ ተገለፀሎም። በዝ ኸምዙይውን ተርኣዮም።

2ስምኦን ጴጥሮስን፥ ዲዲሞስ ዝብልዎ ቶማስን፥ ኣብ ገሊላ ኻብ እትርከብ ካብ ቃና ዝኾነ ናትናኤልን፥ ደቂ ዘብዴዎስን፥ ክልተ ኻልኦት ካብ ደቀ መዛሙርቱን፥ ሓቢሮም ነበሩ።

3ስምኦን ጴጥሮስ ድማ “ኣነስ ዓሳ ኸስግር ክኸይድ እየ” በሎም። ንሳቶም ከዓ “ንሕናውን ምሳኻ ኽንኸይድ ኢና” በልዎ። ወፂኦም ድማ ናብ ጃልባ ኣተዉ፤ እንተ ኾነ በታ ለይቲ እቲኣ ሓደኳ ኣይሓዙን።

4ምድሪ ምስ ወግሐ ኢየሱስ ኣብ ገምገም ባሕሪ ደው በለ፤ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ግና፥ ኢየሱስ ከም ዝኾነ ኣይፈለጡን።

5ኢየሱስ “ደቀይ፥ ዝብላዕዶ ኣለኩም?” በሎም። ንሳቶም ድማ “የብልናን” ኢሎም መለሱሉ።

6ንሱ ኸዓ “ነቲ መርበብ ናብ የማን ጃልባ ኣቢልኩም ደርቢይዎሞ፥ ክትረኽቡ ኢኹም” በሎም። ሽዑ ነቲ መርበቦም ደርበይዎ እሞ፥ ካብ ብዝሒ ዓሳ ዝተልዓለ ምስሓቡ ሰኣኑ።

7እቲ ኢየሱስ ዝፈትዎ ደቀ መዝሙር ከዓ ንጴጥሮስ “ጐይታ እኮ እዩ” በሎ። ስምኦን ጴጥሮስ ድማ፥ ጐይታ ምዃኑ ምስ ሰምዐ፥ ጥራሕ ዝባኑ ስለ ዝነበረ፥ ክዳኑ ተዓጢቑ ናብ ባሕሪ ዘለለ።

8እቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርት ግና፥ ካብ ወሰን ባሕሪ ኣስታት ሓደ ሚእቲ ሜትር ዝኣክል ጥራሕ ርሒቖም ስለ ዝነበሩ፥ ነቲ ዓሳ ዝመልአ መርበብ እናሰሓብዎ ብጃልባ መፁ።

9ናብ ምድሪ ምስ ወረዱ ኸዓ፥ ኣብ ልዕሊኡ ዓሳ ዝነበሮ ጓህርን፥ ዝተሰርዐ እንጀራን ረአዩ።

10ኢየሱስ ከዓ “ኻብዝ ሕዚ ዝሓዝኩምዎ ዓሳ ኣምፅኡ” በሎም።

11ስምኦን ጴጥሮስ ናብታ ጃልባ ደዪቡ፥ ነቲ ሚእትን ሓምሳን ሰለስተን ገዘፍቲ ዓሳ ዝመልአ መርበብ፥ ናብ ምድሪ ጐተቶ። ብዝሓቱ ኽሳዕ ክንድዙይ ዝኣክል እንተ ኾነኳ፥ እቲ መርበብ ኣይተቐደደን።

12ኢየሱስ ድማ “ንዑ ብልዑ” በሎም። እቶም ደቀ መዛሙርቱ፥ ንሱ ጐይታ ምዃኑ ስለ ዝፈለጡ፥ ካብኣቶም ሓደኳ “ንስኻ መን ኢኻ” ኢሉ ኽጥይቖ ዝደፈረ ኣይነበረን።

13ኢየሱስ መፂኡ ነቲ እንጀራ ኣልዒሉ ሃቦም፤ ካብቲ ዓሳውን ከምኡ።

14ካብ ሙታን ድሕሪ ምትስኡ፥ ንደቀ መዛሙርቱ እንትግለፀሎም፥ እዙይ ሳልሳይ ጊዜ እዩ።

15ምስ በልዑ ድማ፥ ኢየሱስ ንስምኦን ጴጥሮስ፥ “ስምኦን ወዲ ዮና፥ ካብዚኣቶም ኣብሊፅካዶ ትፈትወኒ ኢኻ?” በሎ። ንሱ ኸዓ “እወ ጐይታ፤ ኣነ ኸም ዝፈትወካ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። ኢየሱስ ከዓ “መሓሲአይ መግብ” በሎ።

16ንካልኣይ ጊዜ ድማ “ስምኦን ወዲ ዮና፥ ትፈትወኒ ዲኻ?” በሎ። ንሱ ድማ “እወ ጐይታ፥ ኣነ ኸም ዝፈትወካ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ” በሎ። ንሱ ኸዓ “ኣባጊዐይ ሓሉ” በሎ።

17ንሳልሳይ ጊዜ ድማ “ስምኦን ወዲ ዮና፥ ትፈትወኒ ዲኻ?” በሎ። ጴጥሮስ ንሳልሳይ ጊዜ “ትፈትወኒ ዲኻ?” ስለ ዝበሎ እናሓዘነ “ጐይታ፥ ንስኻ ዅሉ ትፈልጥ ኢኻ፤ ኣነ ኸም ዝፈትወካውን ትፈልጥ ኢኻ” በሎ። ኢየሱስ ከዓ “ኣባጊዐይ ኣብልዕ፤

18ንስኻ ጐበዝ እንተለኻ፥ ባዕልኻ ሕቘኻ ተዓጢቕካ፥ ናብ ዝደለኻዮ ትኸይድ ኔርካ፤ ምስ ሸምገልካ ግና፥ ኣእዳውካ ኸም እተልዕል እሞ፥ ሕቘኻ ኻልእ ከም ዘዕጥቐካ፥ ናብ ዘይደለኻዮውን ከም ዝወስደካ፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ” በሎ።

19እዙይ ዝበለ፥ ጴጥሮስ ብኸመይ ዝበለ ሞት፥ ንእግዚኣብሄር ከኽብሮ ኸም ዘለዎ፥ ምእንቲ ኸመልክቶ እዩ። እዙይ ምስ በለ ኸዓ፥ “ተኸተለኒ” በሎ።

20ጴጥሮስ ድማ ግልፅ ኢሉ፥ ነቲ ኢየሱስ ዝፈትዎ ደቀ መዝሙር ክስዕብ እንተሎ ረአዮ። ንሱውን እቲ ኽድረሩ እንተለዉ፥ ናብ ኢየሱስ ፅግዕ ኢሉ “ጐይታ፥ ኣሕሊፉ ዝህበካ መን እዩ?” ዝበሎ ደቀ መዛሙር እዩ።

21ሽዑ ጴጥሮስ ንእኡ ሪኡ ንኢየሱስ “ጐይታ፥ እዙይከ ኸመይ ክኸውን እዩ?” በሎ።

22ኢየሱስ ከዓ “ክሳዕ ዝመፅእ ኽፀንሕ እንተ ደለኹኸ እንታይ ኣእተወካ? ንስኻ ግዳ ተኸተለኒ” በሎ።

23ስለዙይ “እቲ ደቀ መዝሙር እቱይ ኣይመውትን እዩ” ዝብል ዘረባ ኣብ ማእኸል ኣሕዋት ተሰምዐ። ኢየሱስ ግና “ክሳዕ ዝመፅእ ክፀንሕ እንተ ደለኹኸ እንታይ ኣእተወካ?” እዩ ዝበለ እምበር፥ “ኣይመውትን” ኣይበለን።

24እቲ ብዛዕባዙይ ዝመስከረን ዝፀሓፈን፥ እዝ ደቀ መዝሙር እዙይ እዩ። እቲ ምስክርነቱ ሓቂ ምዃኑ ድማ፥ ንሕና ንፈልጥ ኢና።

25ኢየሱስ ዝገበሮ ኻልእ ብዙሕ ነገራትውን ኣሎ። ኵሉ በብሓደ ተፅሒፉ እንተ ዝኸውንስ፥ ነቲ ዝፀሓፍ መፃሕፍቲ፥ ዓለም ኣይምኣኸሎን ይመስለኒ።

ትርጓሜ

21:1-14 ክርስቶስ ንርእሱ ንህዝቡ የፍልጦ፣ ብሓፈሻ ብስርዓታቱ እዩ፤ ሓሓሊፉ ግና ብመንፈሱ፡ ብዕዮኦም ተዋፊሮም ከለዉ ይበጽሖም። ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ብሓባራዊ ምዝራብን ሓባራዊ ዕዮን ሓቢሮም ክህውኩ ጽቡቕ እዩ። እቲ ናብ ዕዮኦም ዝኣትዉሉ ሰዓት ኣይበጽሔን ነይሩ። ንርእሶም ንምዕንጋል ሓገዙ፣ ንሓደ እውን ጾር ንኸይኮኑ። ክርስቶስ ንርእሱ ንህዝቡ ዘፍልጠሉ እዋን፡ ኣዝዮም ዝተሓላለኹሉ ወይ ዝጠፍኡሉ እዋን እዩ። ንግዝያዊ ድሌታት ህዝቡ ይፈልጥ እዩ፣ ከምኡ'ውን እኹል ጸጋ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ግቡእ ምግቢ እውን ኣትያ እዩሎም። መለኮታዊ ምድላው ኣምላኽ ክሳዕ እቲ ዝነኣሰ ነገራት እውን ይበጽሕ፣ እቶም ኣብ ኩሉ መገድታቶም ንኣምላኽ ዝእመኑ ሕጉሳት እዮም። እቶም ትሑታት፣ ትጉሃትን፣ ተጻወርትን፡ ዕዮኦም እንተተዓናቕፉ እኳ፡ ዘውድ ክግበርሎም እዩ፤ ሓሓሊፉ ድሕሪ ብዙሕ ቃልሲ ጉዳዮም ናብ ጽቡቕ ንምቕያር ይረኣዩ። ትእዛዛት ክርስቶስ ብምሕላው ሓደ እውን ዝጠፍእ የልቦን፤ መርበብ ኣብ የማናይ ወገን መርከብ ምድርዋይ እዩ። የሱስ ንርእሱ ንህዝቡ ይገልጽ፡ ካልእ ክገብሮ ዘይክእል ነገር ብምግባር ከምኡ'ውን ዘይተጸበይዎ ነገራት ብምግባር። እቶም ንእኡ ኢሎም ኩሉ ዝገደፉ፡ ጽቡቕ ነገር ከይጎድሎም ክከናኸን እዩ። ድሕራዎት ውህበታት ንቀደማዎት ሞገሳት ዘኪሮም የንብሩ፡ ዝተበልዐ እንጀራ ከይርስዑ። የሱስ ዝፈትዎ ሓዋርያ፡ እግዚኣብሔር እዩ በለ። ዮሃንስ ኣብ መከራኡ ምስ ጐይታኡ ኣዝዩ ተጸጊዑ ነይሩ፡ ኣዝዩ ብቅልጡፍ እውን ፈሊጥዎ። ጴጥሮስ ኣዝዩ ተቓጻሊ ነይሩ፡ ንክርስቶስ ቀዳማይ በጺሑ። ኣምላኽ ውህበታቱ ከመይ ዝበለ ፍልልይ ገይሩ ከም ዝህብ፡ ከምኡ'ውን ኣብ መንጎ ገለ ምእመናንን ካልኦትን ብመንገዲ ምኽባሮም ንክርስቶስ ዘሎ ፍልልይ እንታይ ከም ዝኸውን እንተተራእየ እኳ፡ ኩሎም ግና ብእኡ ክቕበሉ ይኽእሉ እዮም! ካልኦት ኣብ መርከብ ይቕጽሉ፣ መርበብ ይስሕቡ፣ ዓሳ ናብ ገምገም የመጹ፣ ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ዓለማውያን ተባሂሎም ክውቀሱ ኣይግባእን፤ ከመይሲ ንሳቶም ብቦታኦም ልክዕ ከምቶም ካልኦት ንክርስቶስ ብሓቂ የገልግሉ እዮም። ጐይታ የሱስ ምግቢ ኣዳልዩሎም ነይሩ። ካበይ ከም ዝመጸ ብምሕታት ክንገርህን ኣየድልየናን እዩ፤ ግናኸ ብምሕረት ክርስቶስን ብክንክኑ ንደቀ መዛሙርቱ ምጽንናዕ ንረክብ። ብዙሓትን ዓበይትን ዓሳታት እንተነበሩ እኳ፡ ሓደ እውን ኣይሰኣኑን፡ መርበቦም እውን ኣይጎድኡን። መርበብ ወንጌል ንብዙሓት ኣኪባ እያ፡ ንነፍሳት ናብ ኣምላኽ ንምምጻእ ከም ቀደማ ብርኽቲ እያ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6