ወንጌል ዮሃንስ 19

BCVትግርኛ42 ፍቕድታት6:39 ስማዕ
ስማዕ 6:39 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ድሕሪዙይ ጲላጦስ ንኢየሱስ ወሲዱ ገረፎ።

2እቶም ወታደራት ከዓ፥ ኣኽሊል እሾዅ ተኒጎም፥ ኣብ ርእሱ ደፍኡሉ። ቀይሕ ኽዳንውን ከደንዎ።

3ናብኡ እናመፁ ኸዓ “ኦ ንጉስ ኣይሁድ፥ ሰላም ንኣኻ” እናበሉ ገፁ ይፀፍዕዎ ነበሩ።

4ጲላጦስ መሊሱ ናብ ደገ ወፂኡ “ኣብዝ ሰብ እዙይ፥ ሓንቲ በደል እኳ ኸም ዘይረኸብኩሉ ንኽትፈልጡ፥ እንሆ ናብ ደገ ኣውፅአልኩም ኣለኹ” በሎም።

5ሽዑ ኢየሱስ ኣኽሊል እሾዅ ደፊኡ፥ ቀይሕ ኽዳን ተኸዲኑ፥ ናብ ደገ ወፀ። ጲላጦስ ድማ፥ “እንሆ፥ እቲ ሰብኣይ!” በሎም።

6ሊቃነ ካህናትን እቶም ሓሻኽሮምን ምስ ረአይዎ ኸዓ “ስቐሎ! ስቐሎ!” እናበሉ ዓው ኢሎም ድምፂ ኣስምዑ። ጲላጦስ ከዓ “ባዕልኻትኩም ደኣ ወሲድኩም ስቐልዎ እምበር፥ ኣነስ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩሉን” በሎም።

7ኣይሁድ ድማ “ንሕና ሕጊ ኣለና፤ ከም ሕግና ኸዓ፥ ንሱ ንባዕሉ ወዲ እግዚኣብሄር ስለ ዝገበረ፥ ክመውት እዩ ዝግብኦ” ኢሎም መለሱሉ።

8ጲላጦስ እዝ ዘረባ እዙይ ምስ ሰምዐ የመና ፈርሐ።

9መሊሱ ናብ መጋባእያ ኣትዩ፥ ንኢየሱስ “ንስኻ ካበይ ኢኻ?” በሎ። ኢየሱስ ግና ሓንቲኳ ኣይመለሰሉን።

10ጲላጦስ ከዓ፥ “ንኣይውንዶ ኣይትዛረበንን ኢኻ? ክሰቕለካን ክፈትሐካን፥ ስልጣን ከም ዘለኒዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ?” በሎ።

11ኢየሱስ ድማ “ካብ ላዕሊ እንተ ዘይተውሂቡካስ፥ ኣባይ ስልጣን ኣይምሃለወካን ነይሩ። ስለዙይ እቲ ናባኻ ኣሕሊፉ ዝሃበኒ፥ ዝገደደ ሓጢኣት ኣለዎ” ኢሉ መለሰሉ።

12ድሕሪዙይ ጲላጦስ ክፈትሖ ደለየ። ኣይሁድ ግና “ነዙይ እንተ ፈቲሕኻዮ፥ ፈታዊ ቄሳር ኣይኮንካን። ኵሉ ንባዕሉ ንጉስ ዝገብር፥ ተቐናቓኒ ቄሳር እዩ” ኢሎም ጫው ጫው በሉ።

13ጲላጦስ ነዝ ዘረባዙይ ምስ ሰምዐ፥ ንኢየሱስ ናብ ደገ ወሲዱ፥ ኣብቲ ብዕብራይስጢ ገበታ ዝበሃል ፀፍፀፍ፥ ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐመጠ።

14ጊዜኡ ናይ ፋሲካ ምድላው፥ ኣጋ ፍርቂ መዓልቲ ኣቢሉ ነበረ። ጲላጦስ ንኣይሁድ “እንሆ ንጉስኩም!” በሎም።

15ሽዑ ንሳቶም “ኣወግዶ! ኣወግዶ! ስቐሎ!” እናበሉ ጫው ጫው በሉ። ጲላጦስ ከዓ “ንንጉስኩምዶ ኽሰቕሎ?” በሎም። እቶም ሊቃነ ካህናት ከዓ “ብዘይ ቄሳር ንጉስ የብልናን” ኢሎም መለሱ።

16ሽዑ ንኢየሱስ ክሰቕልዎ ኣሕሊፉ ሃቦም። ንኢየሱስ ድማ ሒዞም ወሰድዎ።

17መስቀሉ ፆይሩ ናብቲ “ሓምሓም ርእሲ” ብዕብራይስጢ ድማ፥ “ጎልጎታ” ናብ ዝበሃል ስፍራ ወፀ።

18ኣብኡውን ሰቐልዎ፤ ምስኡ ኸዓ ኽልተ [ሸፋቱ] ሓደ በዙይ ሓደ ድማ በቱይ ሰቐሉ፤ ንኢየሱስ ከዓ ኣብ ማእኸሎም ሰቐልዎ።

19ጲላጦስ ድማ ፅሑፍ ፅሒፉ፥ ኣብቲ መስቀል ኣንበሮ። እቲ ፅሕፈቱ ድማ “ናይ ናዝሬት ኢየሱስ ንጉስ ኣይሁድ” ዝብል ነበረ።

20እታ ኢየሱስ ዝተሰቐለላ ስፍራ፥ ጥቓ እታ ኸተማ ስለ ዝነበረት፥ ብዙሓት ካብ ኣይሁድ፥ ነቲ ፅሑፍ ኣንበብዎ። እቲ ፅሑፍ ብዕብራይስጢን ብላቲንን ብግሪክን ዝተፅሓፈ ነበረ።

21እቶም ናይ ኣይሁድ ሊቃነ ካህናት ንጲላጦስ “ንሱ ባዕሉ ‘ኣነ ንጉስ ኣይሁድ እየ’ ኸም ዝበለ ደኣ እምበር፥ ‘ንጉስ ኣይሁድ እዩ’ ኢልካ ኣይትፅሓፍ” በልዎ።

22ጲላጦስ ከዓ “ዝፀሓፍኩ ፅሒፈ ኣለኹ” ኢሉ መለሰ።

23እቶም ወታደራት ግና ንኢየሱስ ምስ ሰቐልዎ፥ ነቲ ኽዳውንቱ ወሲዶም፥ ንነፍሲ ወከፍ ሓድሓደ ምእንቲ ኽበፅሖም፥ ኣብ ኣርባዕተ መቐልዎ፤ ነቲ ቐሚሹውን ከምኡ። እቲ ቐሚሹ ግና፥ ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ታሕቲ ዅለንትናኡ እሉም ነበረ እምበር፥ ስፋይ ኣይነበሮን።

24ንስንሳቶም ከዓ “ንዝበፅሐ ኽበፅሖስ፥ ዕፃ ደኣ ነውድቐሉ እምበር፥ ኣይንቕደዶ” ተበሃሃሉ። እዙይ ከዓ “እቲ ኽዳውንተይ ንርእሶም ተማቐልዎ፤ ንቐምሸይውን ዕፃ ኣውደቑሉ” ዝብል ፅሑፍ ምእንቲ ኽፍፀም፥ እቶም ወታደራት ከምዙይ ገበሩ።

25ኣብ ጥቓ መስቀል ኢየሱስ ከዓ፥ እኖኡን ሓፍቲ እኖኡን፥ ማርያም ሰበይቲ ቀለዮጳን፥ ማርያም መግደላዊትን፥ ደው ኢለን ነበራ።

26ኢየሱስ፥ ንኖኡን ነቲ ዝፈትዎ ደቀ መዝሙሩን፥ ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ምስ ረአዮም፥ ንኖኡ፥ “ኣቲ ሰበይቲ፥ እኒሆ ወድኺ” በላ።

27ነቲ ደቀ መዝሙር ከዓ “እኒሃትልካ እኖኻ!” በሎ። እቲ ደቀ መዝሙርውን፥ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ናብ ገዛኡ ወሰዳ።

28ድሕሪዙይ ኢየሱስ፥ ኵሉ ኸም ዝተፈፀመ ፈሊጡ፥ እቲ ቓል መፅሓፍ ምእንቲ ኽፍፀም “ፀማእኹ” በለ።

29ኣብኡ መፂፅ ዝመልአ ሳርማ ነበረ። ካብቲ መፂፅ ሰፍነግ መሊኦም፥ ኣብ ዘንጊ ስምዕዛ ኣሲሮም፥ ናብ ኣፉ ኣቕረቡሉ።

30ኢየሱስ ከዓ ነቲ መፂፅ ምስ ጠዓመ፥ “ተፈፀመ!”(ሀ) በለ፤ ርእሱ ኣድነነ፤ ነፍሱውን ሃበ።

31ድሕሪዙይ፥ ሽዑ ዓርቢ ናይ ሰንበት ምድላው ስለ ዝነበረ፥ እታ ሰንበት እቲኣ ድማ፥ ክብርቲ በዓል ስለ ዝነበረት፥ እቶም ሬሳታት ኣብ መስቀል ምእንቲ ኸይሓድሩ፥ መምሕዅልቶም ሰቢሮም ንኸውርድዎም፥ መራሕቲ ኣይሁድ ንጲላጦስ ለመንዎ።

32ሽዑ እቶም ወታደራት መፂኦም፥ ምሕዅልቲ እቲ ቐዳማይን፥ ናይቲ ምስኡ ዝተሰቕለ ኻልኣይን ሰበሩ።

33ናብ ኢየሱስ ምስ መፁ ግና፥ ድሮ ኸም ዝሞተ ሪኦም፥ ምሕዅልቱ ኣይሰበርዎን።

34ሓደ ኻብቶም ወታደራት ግና፥ ብዅናት ጐድኑ(ለ) ወግኦ፤ ሽዑ ንሽዑ ኸዓ ደምን ማይን ወፀ።

35እቲ ነዙይ ዝረአየ መስከረ፤ እቲ ምስክርነቱ ኸዓ ሓቂ እዩ፤ ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትኣምኑ ድማ፥ ንሱ ሓቂ ኸም ዝዛረብ ይፈልጥ እዩ።

36እዝ ዅሉ ዝኾነ ኸዓ፥ እቲ “ካብኡ ሓደ ዓፅሚ(ሐ) እኳ ኣይስበርን እዩ” ዝብል ፅሑፍ ምእንቲ ኽፍፀም እዩ።

37ካልእ ፅሑፍውን “እቶም ዝወግእዎ ኽሪእዎ እዮም” ዝብል ኣሎ።

38ድሕሪዙይ፥ ንኣይሁድ ብምፍራሕ፥ ብሕቡእ ናይ ኢየሱስ ደቀ መዝሙር ዝነበረ፥ በዓል ኣርማትያስ ዮሴፍ፥ ናይ ኢየሱስ ስጋ ንኽህቦ ንጲላጦስ ለመኖ። ጲላጦስ ከዓ ፈቐደሉ፤ ንሱውን ከይዱ ነቲ ስጋ ኢየሱስ ወሰዶ።

39እቲ ቕድም ብለይቲ፥ ናብ ኢየሱስ መፂኡ ዝነበረ ኒቆዲሞስውን፥ ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ግራም(መ) ዝኣክል ከርበ ምስ ሽቱ ዝተሓዋወሰ ሒዙ መፀ።

40ንስጋ ኢየሱስ ወሲዶም ከዓ፥ ከምቲ ልማድ ኣገናንዛ ኣይሁድ፥ ምስ ሽቱ ብሓድሽ ዓለባ ገይሮም ገነዝዎ።

41ኣብቲ ጥቓ ዝተሰቐለሉ ቦታ ድማ ኣታኽልቲ ነበረ። ኣብቲ ኣታኽልቲ ኸዓ፥ ሰብ ተቐቢሩሉ ዘይፈልጥ ሓድሽ መቓብር ነበረ።

42እቲ ዕለት በዓል ምድላው ድሮ ሰንበት ስለ ዝነበረ፥ እቲ መቓብርውን ቀረባ ነበረ እሞ፥ ንኢየሱስ ኣብኡ ቐበርዎ።

ትርጓሜ

19:1-18 ጲላጦስ ፈጺሙ ኣይሓሰበን፥ እዚ መከራታት ክርስቶስ ድሕረ-ዘመናት ብዝበለጹን ዝዓበዩን ሰባት ብኸመይ ቅዱስ ኣኽብሮት ከም ዝግደሰሉን ከም ዝዝረበሉን። ጐይታና የሱስ፡ ንንዕቀቶም ክቃልዕ ፍቓደኛ ኮይኑ ወጸ። ንነፍሲ ወከፍ እሙን፡ ንየሱስ ክርስቶስ ኣብ መከራኡ ምርኣይ ጽቡቕ እዩ። ርኣዮ እሞ ኣፍቅሮ፤ ምጥማትካ ኣብ የሱስ ይኹን። ጽልኦም ንጻዕሮም ኣንጻሩ ኣሰላሰሎዶ? ፍቕርና ንእኡ ግና ንጻዕርታትና ንእኡን ንመንግስቱን ኣይፍትንኖን ድዩ? ጲላጦስ የሱስ ካብቲ ልሙድ ደረጃ ዝላዕለ ሰብ ክኸውን ከም ዝኽእል ዝሓሰበ ይመስል። ቅድመ-ልቢ’ውን ንሰብ ኣንጻር ኣምላኽ ክዋጋእ ከሎ ንኸይርከብ የፍርሆ። ጐይታና ንሓጢኣት ኣይሁድን ኣሕዛብን ስለ ዝተሰቐለ፡ ኣይሁድ ቅድም ንሞቱ ክሓስቡ፡ ኣሕዛብ ድማ ነቲ ዕላማ ተባዕተወ፡ እዚ ፍሉይ ክፋል ምኽሪ መለኮታዊ ጥበብ ነበረ። ክርስቶስ ብሰባት ከምዚ ገይሩ እንተዘይተነጺጉ፡ ንሕና ንሓዋሩ ብኣምላኽ ምተነጸግና። ሕጂ ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ረሲዓትን ዘይቅኑዓትን ሰባት ተዋሂቡ። ንሱ ምእንታና ተመርሔ፡ ንሕና ምእንቲ ክንመልቕ። ንሱ ኣብ መስቀል ተሸሚሙ፡ ከም ኣብ መሰውኢ ዝተኣስረ መስዋእቲ። ጽሑፍ ተፈጸመ፤ ንሱ ኣብ መሰውኢ ኣብ መንጎ መስዋእትታት ኣይሞተን፡ ግናኸ ኣብ መንጎ ንህዝባዊ ፍትሒ ዝተወፈዩ ገበነኛታት ሞተ። ሕጂ ንዕቆብ፡ ብእምነት ድማ ናብ የሱስ ንጠምት። ከም ሓዘኑ ዝበለ ሓዘንዶ ይርከብ? ደም እናፈሰሰ ረኣዮ፡ እናሞተ ረኣዮ፡ ረኣዮ እሞ ኣፍቅሮ! ኣፍቅሮ እሞ ንእኡ ንበር!

ዮሃንስ 19:19-30. እዚ ድማ ካብቲ ዝነበረ ዝበለጸ ብዝርዝር ተዘንቢቡ ዘሎ ብዛዕባ ሞት የሱስ እተወሰኑ ፍሉያት ኩነታት እዩ። ጲላጦስ ነቲ ጽሑፍ ክቕየር ብምፍቃድ ንሊቃነ ካህናት ኬሐጉሶም ኣይፈቐደን፤ እዚ ድማ ብዘይ ጥርጥር ብሕቡእ ሓይሊ ኣምላኽ ኣብ ልቡ ስለ እተገብረ እዩ፣ እዚ ብዛዕባ ባህሪን ስልጣንን ጐይታና ዝገልጽ ቃል ኪቕጽል ምእንቲ። እተን ብሮማውያን ወተሃደራት እተገብራ ብዙሓት ነገራት ከኣ ምፍጻም ትንቢታት ብሉይ ኪዳን እዩ ነይሩ። ኣብኡ እተጻሕፈ ኩሉ ነገር ኪፍጸም እዩ። ክርስቶስ ክመውት ከሎ ንኣዲኡ ብርሕራሔ ኣተሓሒዙ። ሓድሓደ ግዜ ኣምላኽ ሓደ መጸናንዒ ካባና ምስ ኣርሓቐ፣ ኣብ ዘይጸበናዮ ስፍራ ንዓና ካልእ ይህበና። ኣብነት ክርስቶስ ንኹሉ ሰብ ኣብ ህይወትን ሞትን ንወለዶም ኬኽብሩ፣ ንጸገሞም ኬማልኡ፣ ብዝከኣሎም ኩሉ ድማ ንጽንሖም ኬዐውቱ የምህር።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6