ትንቢት ህዝቅኤ 19

BCV aksumትግርኛ14 ፍቕድታት2:12 ስማዕ
ስማዕ 2:12 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ንስኻ ኸዓ ንመሳፍንቲ እስራኤል መልቀስ ኣልቅሰሎም፤ በል ድማ፦

2እኖኻ እንታይ ነበረት? ኣንስተይቲ ኣንበሳ ነበረት፤ ኣብ ማእኸል ኣናብስውን ተጋደመት፤ ኣብ ማእኸል ሽደናት ኣናብስ ንዀራዅራ ኣዕበየቶም።

3ንሓደ ኻብቶም ኰራዅራ ኣዕበየት፤ ሽደን ኣንበሳ ኸዓ ኾነ፤ ምምንጣል ግዳይ ተምሃረ፤ ሰብውን በልዐ።

4ህዝብታት ብዛዕባኡ ሰምዑ፤ ኣብ ጕድጓዶም ከዓ ተትሓዘ፤ ብሰንሰለት ገይሮም ናብ ሃገር ግብፂ ወሰድዎ።

5ትፅቢታ ኸንቱ ምዃኑ ምስ ረአየት፥ ተስፋ ኸዓ ምስ ቀበፀት፥ ካብ ኰራዅራ ሓደ ኻልእ ወሰደት፥ ሽደን ኣንበሳውን ገበረት።

6ኣብ ማእኸል ኣናብስ ተመላለሰ፤ ሽደን ኣንበሳ ኸዓ ኾነ፤ ምምንጣል ግዳይ ተምሃረ፤ ሰብውን በልዐ።

7ንኣዳራሻቶም ኣፍረሰ፤ ንከተማታቶም ኣዕነወ፤ ኢር ኢሉ ምስ ጓዘመ፥ ምድርን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ራዕራዕ በለ።

8ሽዑ ኻብቲ ኣብ ኸባቢ ዘሎ ሃገራት ኣህዛብ ተኣከቡ፤ መርበቦም ዘርግሑሉ፤ ኣብ ጕድጓዶም ድማ ተትሓዘ።

9ብሰንሰለት ኣሲሮም ኣብ ቆፎ ኣእተውዎ፤ ናብ ንጉስ ባቢሎን ድማ ወሰድዎ፤ ድምፁ ኣብ እምባታት እስራኤል ድሕሪዙይ ከይስማዕ፥ ኣብ ፅኑዕ እምባ ኣቐመጥዎ።

10እኖኻ ኸማኻ ኣብ ጥቓ ማያት እተተኽለት ኦም ወይኒ ነበረት፤ ሳላ ብዝሒ ማያት እትጥጥዕ ሃረግ ፈራይት ኦም ወይኒ ኾነት።

11ንበትሪ መንግስቲ ዝኸውን ድልዱል ጨንፈር ኣውፅአት፤ ጕንዳ ኣብ ማእኸል ፅቡቕ ኣቝፅልቲ ነውሐ፤ ነዋሕን ሃረግ ዝመልኣን ስለ ዝነበረት፥ እትረአ ኾነት።

12ግናኸ ብቝጥዓ ተበቈሰት፤ ኣብ ምድሪ ኸዓ ተደርበየት፤ ንፋስ ምብራቕ ድማ ንፍሪኣ ኣንቀፆ፤ ድልዱል ጨናፍራ ተሰባቢሩ ነቐፀ፤ ሓዊውን በልዖ።

13ሕዚ ኣብ ምድረ በዳ፥ ኣብ ደረቕ ምድሪ ኣፃምእ ተተኺላ ኣላ።

14ካብ ጨናፍር ሓረጋ፥ ሓዊ ወፀ፤ ንፍሪኣ ኸዓ ሞዅ ኣበሎ፤ ዘንጊ ገዛኢ ዝኸውን ድልዱል ጨንፈር የብላን። እዚኣ ልቕሶ እያ፤ ከም መልቀስ ትለቐስ።

ትርጓሜ

19:1-9 ህዝቅኤል መንግስቲ ይሁዳ ምስ ኣንበሳ ከም እትመሳሰል ተነጊርዎ። ንሱ ድማ ንነገስታት ይሁዳ ምስ ደናግል ኣንበሳ ከም ዘመሳስሎም ኣለዎ፤ ንሳቶም ንገዛእ ህዝቦም ጨካናትን ጸለውትን ነበሩ። እቶም ንኻልኦት ዘፍርሑን ብባርነት ዝገዝኡን ባዕላቶም ክፈርሑን ብባርነት ክግዝኡን ከለው፡ ጽድቂ ኣምላኽ ክእመን ኣለዎ። ኣመንቲ ሃይማኖት ምስ ሓጥኣን ሰባት ምትእስሳር ክገብሩ ከለው፡ ደቆም ብልምምድ ናይ እከይ ዓለም መርሃ-ሓሳባትን ኣነባብራን እናሰዓቡ ይዓብዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6