መጽሓፍ መክብብ 1

BCV aksumትግርኛ18 ፍቕድታት5:24 ስማዕ
ስማዕ 5:24 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1እዙይ ኣብ ኢየሩሳሌም ነጊሱ ናይ ዝነበረ ሰባኺ ወዲ ዳዊት ቃል እዩ።

2“እቲ ሰባኺ ኸንቱ ኸንቱ፥ ናይ ከንቱ ኸንቱ እዩ፤ ኵሉ ኸንቱ እዩ” ይብል።

3ሰብ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝፅዕረሉ ኵሉ ፃዕሪ ረብሓኡ እንታይ እዩ?

4ትውልዲ ይኸይድ፤ ትውልዲ ኸዓ ይመፅእ፤ ምድሪ ግና ንዘለኣለም ትነብር።

5ፀሓይ ትበርቕ፤ ፀሓይ ተዓርብ። ናብቲ ዝበረቐትሉ ቦታ ኽትምለስውን ትቕልጥፍ።

6ንፋስ ናብ ደቡብ ኣቢሉ ይነፍስ፤ ዘይሩ ኸዓ ንሰሜን ኣቢሉ ይነፍስ። ዘይሩ ዘይሩ ኸዓ መሊሱ ኽጅምር ናብ ቦታኡ ይምለስ።

7ኵሉ ኣፍላግ ናብ ባሕሪ ይውሕዝ፤ ባሕሪ ግና ኣይመልእን፤ መሊሱ ኽጅምር ከዓ እቲ ማይ ናብቲ ምውሓዝ ዝጀመረሉ ኣፍላግ ይምለስ።

8ኵሉ ነገር መድከሚ እዩ፤ ሰብ ብቓል ክገልፆ ኣይኽእልን፤ ዓይኒ ብምርኣይ ኣይትፀግብን፤ እዝንውን ብምስማዕ ኣይትመልእን።

9እቲ ዝኾነ ነገር፥ ንሱ መሊሱ ይኸውን፤ እቲ ቕድም ዝተገብረ ኸዓ ሕዚ መሊሱ ይግበር። ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ሓድሽ ነገር የለን።

10ሰብ፥ “እንሆ እዝ ነገር እዙይ ሓድሽ እዩ” ኽብልዶ ይኽእል? ንሱ በቶም ኣብ ቅድሜና ዝነበሩ ዘመናት ተገይሩ እዩ።

11ነቲ ቐደም ዝነበረ ነገራት ዝዝክሮ የብሉን፤ ነቲ ኻብ ሕዚ ንደሓር ዝኾን ከዓ እቶም ደሓር ዝመፁ ኣይዝክርዎን እዮም።

12ኣነ ሰባኺ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ነበርኩ።

13ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዝግበር ኵሉ ብጥበብ ክምርምርን ከፅንዕን ልበይ ኣትጋህኹ። እዙይ ከዓ ደቂ ሰብ ክደኽሙሉ እግዚኣብሄር ዝሃቦም ከንቱ ፃዕሪ እዩ።

14ትሕቲ ፀሓይ ዝግበር ኵሉ ተግባር ረአኹ፤ እንሆ ኸዓ ዅሉ ኸንቱ እዩ፤ ንንፋስውን ከም ምኽታል እዩ።

15ቀይናን ክቐንዕ ኣይኽእልን እዩ፤ ዝጐደለውን ክቝፀር ኣይኽእልን እዩ።

16ኣነ ብልበይ “እንሆ፥ ሕልፊ እቶም ቅድመይ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ጥበብ ኣብዚሐ ወሰኽኩ። ልበይውን ብዙሕ ጥበብን ፍልጠትን ተመልከተ” ኢለ ሓሰብኩ።

17ንጥበብ ክፈልጣ፥ ንዕብዳንን ንዕሽነትን፥ ከስተብህለን ኢለ ልበይ ወፈኹ። እዙይውን ንንፋስ ከም ምኽታል ምዃኑ ኣስተውዓልኩ።

18ብዙሕ ጥበብ ኣብ ዘለዎ፥ ኣብኡ ብዙሕ ትካዘ ኣሎ፤ ፍልጠት ዝውስኽ ድማ ሓዘን ይውስኽ።

ትርጓሜ

1:1-3 ሓደ ክፋል ቅዱስ ጽሑፍ ምስ ካልእ ብምንጽጻር ብዙሕ ትምህርቲ ይርከብ። ኣብዚ ሰሎሞን ካብቲ ዝተሰብረን ባዶን ማሕለፍቲ ዓለም ናብቲ ፈልፋሊ ህይወት ዘለዎ ማይ ክምለስ ከሎ ንዕዘቦ። ንስንፍናኡን ውርደቱን፣ ንምርዑዕኡ መሪርነትን፣ ከምኡ’ውን ንዝመሃሮም ትምህርትታትን እናመዝገበ። እቶም ተጠንቂቖም ተመሊሶም ንኽነብሩ ዝወሰኑ፣ ንኻልኦት ከይቕጽሉን ከይሞቱን ከጠንቅቑ ይግባእ። ኵሉ ነገር ከንቱ እዩ ጥራይ ኣይኮነን ዝብል፣ እንታይ ደኣ ከንቱነት ባዕሉ ምዃኑ እዩ። ከንቱ ዘበለ ከንቱ፣ ኵሉ ከንቱ እዩ። እዚ እዩ እቲ ንሰብካይቲ ዋና መልእኽቲ ስብከቱ፣ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ፈጺሙ ዘይርስዖ። እዛ ዓለም እዚኣ ብዝርከበሉ ሃለዋታ ኵሉ እንተዝኾነት፣ ክንነብረላ ኣይምጥንትን። ብልጽግናን ሓጎስን ናይ እዛ ዓለም እዚኣ፣ ብዝበዝሐ መጠን እንተረኸብና እውን፣ ሓጐስ ንኽህቡና እኹል ኣይኮኑን። ሰብ ካብ ኵሉ ጻዕሩ እንታይ ረብሓ ይረክብ? ኵሉ እቲ ብኡ ዝረኽቦ ንድለታት ነፍሲ ኣየማልእን፣ ከምኡ’ውን ንህጕፋታ ኣየዕግበን። ንሓጢኣት ነፍሲ ካሕሳ ኣይከውንን፣ ከምኡ’ውን ካብ ጥፍኣታ ኣየድሕንን።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6