መጽሓፍ መክብብ 12

BCVትግርኛ14 ፍቕድታት2:46 ስማዕ
ስማዕ 2:46 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ክፉኣት መዓልቲታት እንተይመፃ “ደስ ኣየብሉን” እትብለሉ ዓመታት ከዓ እንተይቀረበ፥ ብመዋእል ጕብዝናኻ ንፈጣሪኻ ዘክሮ።

2ብርሃንን ፀሓይን ወርሕን ከዋኽብትን እንተይፀልመቱ፥ ደመናታትውን ድሕሪ ዝናም እንተይተመለሱ፥

3በታ ሓለውቲ ቤት ዝንቅጥቀጡላ፥ ብርቱዓት ሰባት ዝጐብጡላ፥ ውሑዳት ኮይኖም እዮምሞ፥ ጠሓንቲ ስራሕ ብዝፈትሓላ፥ ጠማቶውን ኣብ መሳዅቲ ዝፅልሙቱላ፥

4ናብ ኣደባባይ ዘእቱ በርታት ከዓ ዝዕፀወሉ መዓልቲ፥ ድምፂ መጥሓን ምስ ላሸወ፥ ድምፂ ኣዕዋፍ ሰሚዑ እንትለዓል፥ ድምፂ ደረፍቲ ኣዋልድ እንትልሕትት፥

5ሽዑ ንበረኽቲ ይፈርሑ፤ ኣብ መንገዲውን ድንጋፀ እንትኸውን እንተሎ፥ ለውዚ እንትዕምብብ፥ ኣንበጣውን ከም ፆር እንትኸብድ፥ ድሌት ኵሉ እንትጠፍእ፥ ሰብ ናብ ናይ ዘለኣለም መንበሪኡ እንትኸይድ፥ መልቀስቲውን ኣብ ኣደባባይ እንትዞሩ፥

6ሓብሊ ብሩር እንተይተበትከ፥ ፍዮ ወርቂ እንተይተሰበረ፥ ዕትሮ ኣብ ዓይኒ ማይ እንተይተሰበረ፥ መንኰራዅር ኣብ ዒላ እንተይተሰባበረ፥

7ሓመድ ድማ ናብቲ ዝነበሮ ምድሪ እንተይተመለሰ፥ መንፈስውን ናብቲ ወሃቢኡ እግዚኣብሄር እንተይተመለሰ፥ ብመዓልቲታት ጕብዝናኻ ንፈጣሪኻ ዘክሮ።

8እቲ ሰባኺ “ናይ ከንቱ ኸንቱ፥ ኵሉ ኸንቱ እዩ” ይብል።

9ምስ ናይዙይ ግና እቲ ሰባኺ ጥበበኛ ስለ ዝነበረ፥ ነቲ ህዝቢ ፍልጠት መሃረ። ኣስተንተነ፤ መርመረ፤ ደላለየ ብዙሕ ምስላታት ከዓ ሰርዐ።

10እቲ ሰባኺ ዘሐጕስ ቃላት ክረክብ ደለየ፤ እቲ ዝፀሓፎ ኸዓ ቕኑዕን ቃል ሓቅን እዩ።

11ቃላት ጠቢባን ከም መውግኢ ብዕራይ እዩ፤ ንሱ ኸዓ ብእኩባት መምህራን ኣፀቢቑ ዝተሸንከረ ሽንካራት እዩ፤ ብሓደ ጓሳ ኸዓ ዝተውሃበ እዩ።

12ብዝተረፈ ወደይ፥ ንተግሳፅ ስማዕ፤ መፃሕፍቲ ምፅሓፍ መወዳእታ የብሉን፤ ብዙሕ ምምርማር ድማ ንሰውነት የድክም እዩ እሞ።

13መወዳእታ ዅሉ እቲ ነገር ንስማዕ፤ እዙይ ናይ ሰብ ኵለንትናኡ እዩሞ፤ ንእግዚኣብሄር ፍራሕ፤ ንትእዛዛቱውን ሓሉ።

14እግዚኣብሄር ንዅሉ ተግባራት፥ ንዅሉ ስውር ዝኾነ፥ ሰናይ ኮነ ኽፉእ፥ ናብ ፍርዲ ኸምፅኦ እዩ።

ትርጓሜ

12:1-7፡ ንበደላትና ኣብ ቅድሚ ፈጣሪና ክንዝክር፣ ንስሓ ክንኣቱ፣ ምሕረት ድማ ክንደሊ ይግባእ። ግቡኣትና ክንዝክር፣ ንሳቶም ድማ ክንፍጽም ይግባእ፣ ንጸጋን ሓይልን ናብኡ እናጠመትና። እዚ ኣቐዲሙ ክግበር ይግባእ፣ ስጋ ሓያል፣ ኣእምሮ ድማ ንጡፍ ከሎ። ሓደ ሰብ ንብኸንቱ ዝሓለፈት ህይወቱ ክምርምር ከሎ ቃንዛ ክስመዖ ከሎ፣ ንሓጢኣትን ዓለማዊ ከንቱነትን ክሳብ "ኣብአን ባህ የብለኒን" ክብል ዝግደድ ዘይገደፈ ምዃኑ፣ ንቅንዕናኡ ኣዝዩ ዘጠራጥር ይገብሮ። ድሕሪኡ ናይ ሽምግልናን ደኻሞታቱን ምሳሌያዊ መግለጺ ይስዕብ፣ እዚ ድማ ገለ ጸገማት ዘለዎ እዩ፤ ግናኸ ትርጉሙ ግልጽ እዩ፣ ብሓፈሻ መዓልታት ሽምግልና ከመይ ዘየመችአ ምዃኑ ንምርኣይ። እተን ኣርባዕተ ፍቕርታት፣ 2-5፣ ንሽምግልና ብሓፈሻ ዝስዕባ ደኻሞታት ምሳሌያዊ መግለጺ ኮይነን ከለዋ፣ ፍቕዲ 6 ኣብ ሰዓት ሞት ዝረአ ኩነታትን የስተብህል። ሓጢኣት ናብ ዓለም እንተዘይኣትወ ነይሩ፣ እዘን ደኻሞታት እዚኤን ኣይምተፈልጣን ነይረን። እምበኣርከስ ሽማግለታት ብዛዕባ እከይነት ሓጢኣት ከሓስቡ ይግባእ።

12:8-14 ሰሎሞን ቃሉ ደጋጊሙ ይዛረብ፡ ከንቱነትታት ከንቱነት፣ ኵሉ ከንቱ እዩ። እዚ ቃላት፡ ብብዙሕ ዝተኸፍለሉ ተመክሮ ናይ ዓለም ከንቱነት ክዛረብ ዝኽእል ሰብ ዝበሎም እዮም፣ እዚ ድማ ንሰብ ካብ ጾር ሓጢኣት ንምምቃል ምንም ክገብር ኣይክእልን እዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6