1ሃዋርያትን እቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ኣሕዋትን፥ ኣህዛብ፥ ንቓል እግዚኣብሄር ከም ዝተቐበሉ ሰምዑ።
2ጴጥሮስ ናብ ኢየሩሳሌም ምስ ተመለሰ፥ እቶም ካብ ግሩዛት ወገን ዝኾኑ ኣመንቲ ኣይሁድ “ንስኻ ናብ ዘይተገረዙ ሰባት ኣቲኻ፥ ምስኣቶም በሊዕኻ ኢኻ” ኢሎም ነቐፍዎ።
4ጴጥሮስ ድማ፥ ካብ መጀመርታ ጀሚሩ ኽነግሮም ጀመረ፤ ከምዙይ ድማ በሎም፦
5“ኣነ ኣብ ከተማ ኢዮጴ ኽፅሊ እንተለኹ፥ ተመሰጥኩ እሞ፥ ራእይ ረአኹ፤ እንሆ ኸዓ በርባዕተ መዓዝኑ ዝተትሓዘ ዓብዪ መጋረጃ ዝመስል፥ ካብ ሰማይ ወሪዱ ናባይ መፀ።
6ናብኡ ኣትኲረ እንተ ጠመትኩ፥ ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም እንስሳን ኣራዊትን፥ ለመም ዝብሉን፥ ኣዕዋፍ ሰማይን ረአኹ።
7‘ጴጥሮስ፥ ተስእ፤ ሓሪድካ ብላዕ’ ዝብለኒ ድምፂ ኸዓ ሰማዕኹ።
8ኣነ ግና ‘ጐይታይ፥ ርኹስ ወይ ዘፀይፍ ከቶ ኣብ ኣፈይ ኣትዩ ኣይፈልጥን እዩ እሞ፥ ኣይኸውንን’ በልኩ።
9ንኻልኣይ ጊዜ ኸዓ ‘ነቲ እግዚኣብሄር ዘንፅሆ ንስኻ ኣይተርክሶ’ ዝብል ድምፂ፥ ካብ ሰማይ ሰማዕኹ።
10እዝ ነገርዙይ ሰለስተ ጊዜ ኾነ፤ መሊሱ ድማ፥ ኵሉ ናብ ሰማይ ተስሓበ።
11እንሆ ኸዓ ሽዑ፥ ሰለስተ ሰባት ካብ ቂሳርያ ናባይ ተልኢኾም፥ ኣብ ጥቓ እታ ኣነ ዝነበርክዋ ገዛ ደው ኢሎም ነበሩ።
12መንፈስ ቅዱስ ከዓ፥ እንተይተጠራጠርኩ ምስኣቶም ክኸይድ ነገረኒ፤ እዞም ሽዱሽተ ኣሕዋት ድማ ምሳይ ከዱ፤ ናብ እንዳ ቆርኔሌዎስውን ኣተና።
13ንሱ ኸዓ፥ መልኣኽ ኣብ ቤቱ ደው ኢሉ፥ ‘ናብ ኢዮጴ ለኣኽ እሞ፥ ነቲ ጴጥሮስ ዝበሃል ስምኦን ፀዊዕኻ ኣምፅኣዮ፤ ንስኻን ኵሉ ቤትካን እትድሕኑሉ ቓል፥ ንሱ ኽነግረካ እዩ’ ኽብሎ እንተሎ ኸም ዝረአየ ነገረና።
15ክዛረብ ምስ ጀመርኩ ድማ፥ ከምቲ ቕድም ኣባና ዝወረደ፥ መንፈስ ቅዱስ፥ ኣብኣቶምውን ወረደ።
16ሽዑ ነቲ ‘ዮሃንስ ብማይ እዩ ዘጥመቐ፤ ንስኻትኩም ግና፥ ብመንፈስ ቅዱስ ክትጥመቑ(ሀ) ኢኹም’ ዝበሎ ቓል ጐይታ ዘከርኩ።
17እምበኣር ከምቲ ንኣና ብጐይታ ብኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኣመንና ዝሃበና፥ ኣምላኽ ማዕረና ገይሩ ውህብቶ ኻብ ሃቦም፥ ንእግዚኣብሄር ክኽልክሎ ዝኽእል ኣነ መን እየ!” በለ።
18ነዙይ ምስ ሰምዑ ስቕ በሉሞ፥ “እምበኣርከስ እግዚኣብሄር ንኣህዛብ ድማ፥ ንህይወት ዝኸውን ንስሃ ሂብዎም ኣሎ” እናበሉ ንእግዚኣብሄር ኣመስገኑ።
19እቶም ብሰንኪ እቲ ኣብ እስጢፋኖስ ዝበፅሐ መከራ፥ ዝተበተኑ ሰባት ግና፥ ክሳዕ ፊንቂስን ቆጵሮስን ኣንፆኪያን ከዱ፤ ነቲ ቓል ድማ ንኣይሁድ እንተ ዘይኮይኑ፥ ንሓደኳ ኣይነግሩን ነበሩ።
20ገሊኣቶም ግና ሰብ ቆጵሮስን ሰብ ቀርኔንን ነበሩ፤ እዚኣቶም ናብ ኣንፆኪያ መፂኦም፥ ብዛዕባ ጐይታና ኢየሱስ ሰበኹሎም። ነቶም ግሪካውያን እንተይተረፈ ነገርዎም።
21ኢድ ጐይታውን ምስኣቶም ነበረ፤ ብዙሕ ዝቝፅሮም ሰባት ድማ፥ ኣሚኖም ናብ ጐይታ ተመለሱ።
22እዝ ወረ እዙይ ከዓ፥ ኣብታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘላ ቤተ ክርስቲያን ተሰምዐ፤ ንበርናባስ ድማ ናብ ኣንፆኪያ ለኣኽዎ።
23ንሱ ኣብኡ ምስ በፅሐ፥ ፀጋ እግዚኣብሄር ሪኡ ተሓጐሰ፤ ብምሉእ ልቦም ብእግዚኣብሄር ፀኒዖም ክነብሩ ድማ መዓዶም።
24ንሱ መንፈስ ቅዱስን እምነትን ዝመልኦ ሕያዋይ ሰብ ነበረሞ፤ ብዙሕ ህዝቢ ድማ ናብ ጐይታ ተመለሰ።
25በርናባስ ካብኡ ወፂኡ፥ ንሳውል ክደልዮ ናብ ጠርሴስ ከደ።
26ምስ ረኸቦ ናብ ኣንፆኪያ ኣምፅኦ፤ ኣብታ ቤተ ክርስቲያን ከዓ፥ ዓመት ምሉእ ሓቢሮም ነበሩ፤ ንብዙሕ ህዝቢ እውን መሃሩ፤ እቶም ደቀ መዛሙርት ድማ ንፈለማ ጊዜ፥ ኣብ ኣንፆኪያ ክርስቲያን ተብሂሎም ተፀውዑ።
27በተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ነቢያት ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ኣንፆኪያ ወረዱ።
28ሓደ ኻብኣቶም ኣጋቦስ ዝስሙ ተሲኡ፥ ኣብ ኵሉ ዓለም ብርቱዕ ጥሜት ከም ዝኸውን፥ ብመንፈስ ቅዱስ ተዛረበ፤ እዙይ ዝኾነ ድማ ብዘመን ቀላውዴዎስ ቄሳር እዩ።
29ስለዙይ እቶም ደቀ መዛሙርት፥ ነፍሲ ወከፍ ከከም ዓቕሞም፥ ነቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ኣሕዋት፥ ረድኤት ክሰዱሎም መደቡ።
30ነቲ ዝተዋፅአ ገንዘብ ድማ፥ ብኢድ በርናባስን ሳውልን ገይሮም፥ ናብቶም ሽማግለታት(ለ) ሰደድዎ።