1እምበኣር ንዅሉ ኽፍኣትን፥ ምትላልን፥ ግብዝናን፥ ቅንእን፥ ሓሜትን ኣወግዱ።
2እግዚኣብሄር ሕያዋይ ምዃኑ ጥዒምኩም እንተ ዄንኩም፥ ብእኡ ምእንቲ ኽትዓብዩ፥ ከምቶም ሕዚ ዝተወለዱ ህፃናት፥ ነቲ ፅሩይ መንፈሳዊ ፀባ በሃጉ።
4ናብቲ ብሰብ ዝተንዓቐ፥ ብእግዚኣብሄር ግና፥ ሕሩይን ክቡርን ዝኾነ ህያው እምኒ፥ ናብ ጐይታ ኢየሱስ ቅረቡ።
5ንስኻትኩምውን ቅዱሳን ካህናት ኴንኩም፥ ነቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኣብ እግዚኣብሄር ቅቡል ዝኾነ መንፈሳዊ መስዋእቲ ምእንቲ ኽተቕርቡ፥ ከም ህያዋን ኣእማን ኴንኩም፥ ኣብ መንፈሳዊ ቤት ተሃነፁ።
6መፅሓፍ ከም ዝብል፦ “እንሆ ኣብ ፅዮን ሕሩይን ክቡርን፥ እምኒ መኣዝን ኣንብር ኣለኹ፤ እቲ ብእኡ ዝኣምን ከዓ፥ ኣይሓፍርን እዩ።”
7እምበኣር ንእትኣምኑ ንኣኻትኩም ክቡር እዩ። ነቶም ዘይኣምኑ ግና፥ እቲ “ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፥ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኮነ”
8ከምኡውን፦ “መዐንቀፊ እምንን፥ ኣንደልሂፁ ዘውድቕ ኰዅሕን እዩ።” ነቲ ቓል ብዘይምእዛዞም ወደቑ፤ ነዙይ ከዓ ምዱባት ነበሩ።
9ንስኻትኩም ግና፥ ናይቲ ኻብ ፀልማት፥ ናብቲ ዘገርም ብርሃኑ ዝፀውዐኩም፥ ዘደንቕ ስራሕ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽትነግሩ ዝመረፀኩም፥ ሕሩይ ወለዶ፥ ናይ ንጉስ ካህናት፥ ቅዱስ ህዝቢ፥ ጥሪት እግዚኣብሄር ዝኾነ ህዝቢ ኢኹም።
10ንስኻትኩም ቀደም ህዝቡ ኣይነበርኩምን፤ ሕዚ ግና ህዝቢ እግዚኣብሄር ኢኹም፤ ቀደም ምሕረት ኣይረኸብኩምን፤ ሕዚ ግና ምሕረት ረኺብኩም ኢኹም።
11ኣቱም ፍቑራተይ፥ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ስለ ዝኾንኩም፥ ካብቲ ምስ ነፍሲ ዝዋጋእ፥ ስጋዊ ፍትወት ረሓቑ እናበልኩ፥ እልምነኩም ኣለኹ።
12እቶም ከም ገበርቲ እከይ ገይሮም ዝሓምዩኹም ዘለዉ፥ ንሰናይ ግብርኹም ሪኦም፥ በታ እግዚኣብሄር ዝምልከተላ መዓልቲ፥(ሀ) ንእግዚኣብሄር ምእንቲ ኸኽብርዎ፥ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ኣካይዳኹም ኣፀብቑ።
13ምእንቲ እግዚኣብሄር ኢልኩም፥ ንዅሎም ሰብ ስልጣን ተገዝእዎም፤ ነቲ ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ ንጉስ ኮነ፥
14ንሹመኛታትውን ተኣዘዙ፤ ንገበርቲ እከይ ክቐፅዑ፥ ንገበርቲ ሰናይ ድማ ኽንእዱ፥ ካብኡ ዝተልኣኹ እዮም እሞ።
15ሰናይ እናገበርኩም፥ ናይ ዓያሹ ኸንቱ ዘረባ ስቕ ክተብሉ፥ ፍቓድ እግዚኣብሄር እዩ እሞ።
16ከም ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር፥ ብሓርነት ንበሩ እምበር፥ ነቲ ሓርነትስ፥ መጐልበቢ ኽፍኣት ኣይትግበርዎ።
17ንዅሉ ሰብ ኣኽብሩ፤ ፍቕሪ ኣሕዋት ይሃሉኹም፤ ንእግዚኣብሄር ፍርሑ፤ ንንጉስውን ኣኽብሩ።
18ኣቱም ግዙኣት፥ ነቶም ሕያዎትን ርህሩሃትን ጐይቶትኩም ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ነቶም ክፉኣትውን እንተይተረፈ፥ ብዅሉ ኽብሪ ተኣዘዝዎም።
19ሓደኳ ተዓሚፁ እንተሎ፥ ምእንቲ እግዚኣብሄር ኢሉ እንተ ተዓገሰ፥ ዝነኣድ ንሱ እዩሞ።
20እናበደልኩም፥ መቕፃዕቲ እንተ ተዓገስኩም፥ እንታይ ናእዳ ኣለኩም? ሰናይ እናገበርኩም፥ መከራ እንተ ተዓገስኩም ግና፥ ኣብ እግዚኣብሄር ዘንእደኩም እዙይ እዩ።
21ንስኻትኩምውን ነዙይ ኢኹም ዝተፀዋዕኹም እሞ፤ ክርስቶስ ድማ፥ ኣሰሩ ምእንቲ ኽትስዕቡ ኢሉ፥ ምእንታኻትኩም መከራ ተቐበለ፤ ኣርኣያውን ሓደገልኩም።
22“ንሱ ሓጢኣት ኣይገበረን፤ ሓሰትውን ኣብ ኣፉ ኣይተረኽበን።”
23ምስ ፀረፍዎ መሊሱ ኣይፀረፈን፤ መከራ እንተፅንዑሉውን፥ ነቲ ብቕንዕና ዝፈርድ እግዚኣብሄር ደኣ፥ ነገሩ ኣሐሊፉ ሃበ እምበር፥ ኣየፈራርሐን።
24ንሓጢኣት ሞይትና፥ ንፅድቂ ምእንቲ ኽንነብር፥ ንሱ ባዕሉ፥ ንሓጢኣትና በቲ ኣብ መስቀል ዝተሰቕለ ሰብነቱ ፆሮ፤ ብቝስሉ ኢኹም ዝሓወኹም።(ለ)
25ከም ዝጠፍኡ ኣባጊዕ፥ ከርተት ትብሉ ኔርኩም፤ ሕዚ ግና ናብቲ ጓሳኹምን፥ ሓላዊ ነፍስኹምን፥ ተመሊስኩም ኣለኹም።