1ሃዋርያ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዝኾነ ጴጥሮስ፥ ኣብ ጳንጦስ፥ ገላትያ፥ ቀጰዶቅያ፥ እስያ፥ ቢታንያ፥ ተበቲኖም ንዘለዉ ስደተኛታት፥
2እግዚኣብሄር ኣብ፥ ኣቐዲሙ ብዝወሰኖ ዝሓረየኩም፥ ንኢየሱስ ክርስቶስ እዙዛት ክትኮኑን፥ ብምንዛሕ ደሙ ኸዓ፥ ምእንቲ ኽትነፅሁን፥ ብመንፈስ ቅዱስ ንዝተቐደስኩም፥ ፀጋን ሰላምን ይብዝሐልኩም።
3ንኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሞት ብምትሳኡ ህያው ተስፋ ዝሃበና፥ ብብዝሒ ምሕረቱ ብሓድሽ ልደት ውሉዱ ዝገበረና፥ ኣምላኽን ኣቦን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ይባረኽ።
4ንሱ ነቲ ዘይጠፍእን፥ ዘይበላሾን፥ ዘይፅምሉን፥ ኣብ ሰማያት ኣዳልዩልና ዘሎ ርስቲ ኽንወርስ ገበረና።
5ንስኻትኩም ስለ ዝኣመንኩም፥ እቲ ኣብ መወዳእታ ዘመን ክገሃድ ዘለዎ ድሕነት ክሳዕ ዝመፅእ፥ ብሓይሊ እግዚኣብሄር ተሓሊኹም ኣለኹም።
6ንቑሩብ ጊዜ፥ ብዙሕ ብዝዓይነቱ ፈተና ኽትሓልፉ እኳ ግዲ እንተ ኾነ፥ በዙይ ክትሕጐሱ ኢኹም።
7እዝ ፈተና እዙይ ዝበፅሐኩም ከዓ፥ እቲ እምነትኩም ብሓዊ ኻብ ዝዅላዕ ብሉፅ ወርቂ፥ የመና ኸቢሩ ምእንቲ ኽርከብ እሞ፥ ኢየሱስ ክርስቶስ ክግለፅ እንተሎ፥ ምስጋናን ስብሓትን ክብርን ምእንቲ ኸምፅአልኩም እዩ።
8ንኢየሱስ ክርስቶስ እንተይረአኹምዎ፥ ተፍቅርዎ ኣለኹም፤ ሕዚ እውን ኣይትሪእዎን ዘለኹም፤ ብእኡ ግና ትኣምኑ ኣለኹም፤ ክንገር ብዘይከኣል ምሉእ ሓጐስውን፥ ትሕጐሱ ኣለኹም። ናይ እምነትኩም ፍረ ኸዓ፥ ድሕነት ነፍስኹም ተቐበልኩም።
10እቶም ብዛዕባ እቲ ንኣኻትኩም ዝተመደበ ፀጋ ዝተነበዩ ነቢያት፥ ብዛዕባ እዝ ምድሓን እዙይ፥ ደለዩን መርመሩን፤
11እቲ ኣብኣቶም ሓዲሩ፥ ብዛዕባ ስቓይ ክርስቶስን፥ ብዛዕባ እቲ ዝስዕብ ክብሩን፥ ተነቢዩ ዝነበረ መንፈስ ክርስቶስ፥ ብዛዕባ ኣየናይ ሰብን፥ ኣየናይ ጊዜን የመልክት ከም ዝነበረ፥ ይምርምሩ ነበሩ።
12ኣምላኽ ከዓ፥ እቲ ኣገልግሎቶም ንኣኻትኩም እምበር፥ ንባዕላቶም ከም ዘይኮነ ገለፀሎም። እዝ ነገራት እዙይ፥ በቲ ኻብ ሰማይ ዝተልኣኸ መንፈስ ቅዱስ ገይሮም፥ ወንጌል ዝሰበኹልኩም ልኡኻት፥ ሕዚ ተነጊሩኩም ኣሎ። ነዝ ነገር እዙይ፥ መላእኽቲ እውን ክሪእዎ ይምነዩ እዮም።
13ስለዙይ ሕቘ ልቦናኹም ተዓጢቕኩም፥ ንስራሕ ተዳለዉ፤ ብመጠን ንበሩ፤ ሙሉእ ተስፋኹም ከዓ፥ ኢየሱስ ክርስቶስ እንትግለፅ፥ ኣብ እትረኽብዎ ፀጋ ይኹን።
14እዙዛት ውሉድ ከም ምዃንኩም፥ ከምቲ ቐደም፥ ብዘይፍልጠት እትገብርዎ ዝነበርኩም፥ ክፉእ ድሌትኩም ኣይትግበሩ።
15“ኣነ ቕዱስ እየ እሞ፥ ቅዱሳን ኩኑ” ተብሂሉ ተፅሒፉ እዩ እሞ፥ ከምቲ እቲ ዝፀውዐኩም ቅዱስ ዝኾነ፥ ንስኻትኩምውን፥ ብዅሉ ኣካይዳኹም ቅዱሳን ኩኑ።
17ብዘይ ኣድልዎ፥ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ፥ ከከም ግብሩ ንዝፈርድ እግዚኣብሄር “ኣቦ” ኢልኩም እትፅውዕዎ እንተ ደኣ ዄንኩም፥ ኣብዝ ምድሪ ኣጋይሽ ኴንኩም፥ ኣብ ትነብሩሉ ጊዜ፥ ንእኡ ብምፍራሕ ንበሩ።
18ካብቲ ኻብ ኣቦታትኩም ዝወረስኩምዎ፥ ከንቱ ዝኾነ ህይወት ዝደሓንኩም፥ ብዝጠፍእ ነገር፥ ብብሩር ወይ ብወርቂ ዘይኮነስ፥ በቲ ነቐፋን ርኽሰትን ከም ዘይብሉ በጊዕ ዝኾነ፥ ብኽቡር ደም ክርስቶስ፥ ከም ዝተቤዘወኩም ትፈልጡ ኢኹም።
20ንሱ ቕድሚ ምፍጣር ዓለም ዝተፈልጠ እንትኸውን፥ ኣብ መወዳእታ ዘመን ግና፥ ምእንታና ተገሊፁ እዩ።
21እምነትኩምን ተስፋኹምን ኣብ እግዚኣብሄር ምእንቲ ክኸውን፥ ብኢየሱስ ነቲ ንእኡ ኻብ ሞት ዘተስኦ፥ ክብሪውን ዝሃቦ፥ ብእግዚኣብሄር ኣመንኩም።
22ንሓቂ ብምእዛዝኩም፥ ግብዝና ንዘይብላ ፍቕሪ ኣሕዋት፥ ነፍስኹም ስለ ዘፅረኹም፥ ብምሉእ ልብኹም ንስንሳትኩም ተፋቐሩ።
23ዳግም ዝተወለድኩም፥ ብህያውን ንዘለኣለም ብዝነብርን ቃል እግዚኣብሄር፥ ካብ ዘይጠፍእ ዘርኢ እዩ እምበር፥ ካብ ዝጠፍእ ዘርኢ ኣይኮነን።
24“ኵሉ ሰብ ከም ሳዕሪ እዩ፤ ኵሉ ኽብሩውን ከም ዕምበባ በረኻ እዩ፤ እቲ ሳዕሪ ይነቅፅ፤ እቲ ዕምበባውን ይረግፍ፤
25ቃል እግዚኣብሄር ግና ንዘለኣለም ይነብር።” እቲ ንኣኻትኩም ዝተሰበኸልኩም ቃል ብስራት ከዓ እዙይ እዩ።