ወንጌል ዮሃንስ 7

BCV aksumትግርኛ53 ፍቕድታት7:05 ስማዕ
ስማዕ 7:05 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ድሕሪዙይ ኢየሱስ፥ ኣብ ምድሪ ይሁዳ ዝነብሩ ኣይሁድ፥ ክቐትልዎ ይደልዩ ስለ ዝነበሩ፥ ናብ ምድሪ ይሁዳ ክኸይድ ኣይደለየን፤ እንተ ኾነ ኣብ ገሊላ ይመላለስ ነበረ።

2ሽዑ ናይ ኣይሁድ ናይ ዳስ በዓል ቀሪቡ ነበረ።

3ኣሕዋቱ ድማ “ደቀ መዛሙርትኻ ነዝ እትገብሮ ምእንቲ ኽሪኡስ(ሀ) ካብዙይ ወፂእኻ ናብ ምድሪ ይሁዳ ኺድ።

4ብገሃድ ክፍለጥ እናደለየ ብሕቡእ ዝገብር የለንሞ፥ እዙይ እትገብር እንተ ደኣ ዄንካ፥ ንባዕልኻ ንዓለም ግለፅ” በልዎ።

5ኣሕዋቱ ብእኡ ኣይኣመኑን ነበሩሞ።

6ኢየሱስ ድማ “ጊዜይ ገና ኣይበፅሐን፤ ጊዜኹም ግና፥ ኵልሻዕ ድልዊ እዩ።

7ዓለም ንኣኻትኩም ክፀልእ ኣይኽእልን እዩ፤ ንኣይ ግና፥ ግብሩ ኽፉእ ከም ዝኾነ ስለ ዝምስክረሉ ይፀልአኒ እዩ።

8ንስኻትኩም ናብቲ በዓል ደይቡ፤ ኣነ ግና፥ ጊዜይ ገና ስለ ዘይበፅሐ፥ ናብዝ በዓል እዙይ ኣይድይብን እየ” በሎም።

9እዙይ ምስ በሎም ኣብ ገሊላ ተረፈ።

10እቶም ኣሕዋቱ ናብቲ በዓል ምስ ደየቡ፥ ንሱ ኸዓ ብገሃድ ዘይኮነስ ብሕቡእ ደየበ።

11ኣይሁድ ግና በቲ በዓል “ኣበይ ኣሎ?” እናበሉ ይደልይዎ ነበሩ።

12ኣብ መንጎ እቶም ህዝቢ ኸዓ፥ ብዛዕባኡ ብርቱዕ ምጕርምራም ኮነ፤ ገሊኣቶም “ሕያዋይ እዩ” ገሊኣቶም ድማ “ንህዝቢ እባ ደኣ የስሕት ኣሎ” ይብሉ ነበሩ።

13ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሑ ግና፥ ሓደኳ ብዛዕባኡ ኣግሂዱ ዝተዛረበ ኣይነበረን።

14ኣብ ፍርቂ እቲ በዓል ከዓ፥ ኢየሱስ ናብ ቤተ መቕደስ ደዪቡ ኽምህር ጀመረ።

15ስለዙይ ኣይሁድ “እዙይ እንተይተምሃረ፥ ከመይ ገይሩ እዩ መፃሕፍቲ ዝፈልጥ?” እናበሉ ተገረሙ።

16ሽዑ ኢየሱስ መሊሱ ኸምዙይ በሎም፦ “ትምህርተይስ፥ ናይቲ ዝለኣኸኒ እዩ እምበር፥ ናተይ ኣይኮነን።

17ፍቓዱ ኽገብር ዝደሊ እንተ ሃልዩ፥ ትምህርተይ ካብ እግዚኣብሄር እምበር፥ ካባይ ከም ዘይኮነ ኽፈልጥ ይኽእል እዩ።

18እቲ ኻብ ርእሱ ዝዛረብ፥ ክብሪ ርእሱ እዩ ዝደሊ፤ እቲ ናይቲ ዝለኣኾ ኽብሪ ዝደሊ ግና፥ ንሱ ሓቀኛ እዩ፤ ኣብኡ ኸዓ ዓመፅ የለን።

19ሙሴዶ ሕጊ ሂቡኩም ኣይነበረን? ካባኻትኩም ግና፥ ሓደኳ ነቲ ሕጊ ዝፍፅሞ የለን። ንምንታይ ደኣ ኽትቀትሉኒ ትደልዩ ኣለኹም?”

20እቶም ህዝቢ ኸዓ “ጋኔን ኣለካ፤ መን እዩ ኽቐትለካ ዝደሊ?” ኢሎም መለሱሉ።

21ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰሎም፦ “ሓደ ግብሪ ገበርኩ፤ ንዅልኻትኩም ድማ ኣገረመኩም።

22ስለዙይ ሙሴ ግርዘት ሰርዐልኩም፤ እዙይ ድማ ኻብ ኣቦታት እዩ እምበር፥ ካብ ሙሴ ኣይነበረን፤ ንሰብውን ብሰንበት ትገርዝዎ።

23እቲ ሕጊ ሙሴ ምእንቲ ኸይጠሓስ፥ ሰብ ብሰንበት ዝግረዝ ካብ ኮነ፥ ኣነ ንሰብ ኵለንትናኡ ብሰንበት እንተ ኣሕወኹዎ ደኣ፥ ስለ ምንታይ ትነቕፉኒ?

24ቅኑዕ ፍርዲ ፍረዱ እምበር፥ ገፅ ርኢኹም ኣይትፍረዱ።”

25ሓድሓደ ኻብ ሰብ ኢየሩሳሌም ድማ “እቲ ኽቐትልዎ ዝደልዩስ እዙይዶ ኣይኮነን?

26እንሆ ንሱ ብገሃድ ይዛረብ ኣሎ፤ ንሳቶምውን ገለ እኳ ኣይበልዎን፤ እዞም ኣሕሉቕ፥ ንሱ ክርስቶስ ከም ዝኾነ ብሓቂ ፈሊጦም ደኾን ኮይኖም?

27ግና እዝ ሰብኣይ እዙይ ካበይ ከም ዝኾነ ንፈልጦ ኢና፤ ክርስቶስ ክመፅእ እንተሎ ግና፥ ካበይ ከም ዝኾነ ዝፈልጥ ሓደኳ የለን” በሉ።

28ኢየሱስ ከዓ ኣብ ቤተ መቕደስ ክምህር እንተሎ ዓው ኢሉ “ንኣይ ትፈልጡኒ ኢኹም፤ ካበይ ምዃነይውን ትፈልጡ ኢኹም፤ ኣነ ብባዕለይ ኣይመፃእኹን፤ እቲ ዝለኣኸኒ ግና ሓቀኛ እዩ፤ ንእኡ ንስኻትኩም ኣይትፈልጥዎን ኢኹም።

29ኣነ ግና ኻብኡ እየ፤ ንሱ ስለ ዝለኣኸኒ እውን እፈልጦ እየ” በለ።

30ስለዙይ ክሕዝዎ ደለዩ፤ ጊዜኡ ስለ ዘይበፅሐ ግና፥ ሓደኳ ኣይሓዞን።

31ካብቶም ህዝቢ ኸዓ ብዙሓት ብእኡ ኣመኑ እሞ “ክርስቶስ ምስ መፀኸ፥ ካብዝ ንሱ ዝገብሮ ዘሎ ተኣምራት ዝበዝሕዶ ኽገብር እዩ?” በሉ።

32ፈሪሳውያን ድማ እቶም ህዝቢ ብዛዕባኡ፥ ከምዙይ ኢሎም ከም ዘጕረምረሙ ምስ ሰምዑ፥ ምስ ሊቃነ ካህናት ኮይኖም ክሕዝዎ ሓሻኽሮም ለኣኹ።

33ሽዑ ኢየሱስ “ገና ቑሩብ ጊዜ ምሳኻትኩም ኣለኹ፤ ድሕሪዙይ ናብቲ ዝለኣኸኒ ክኸይድ እየ።

34ክትደልዩኒ ኢኹም፤ እንተ ኾነ ኣይትረኽቡንን፤ ናብቲ ኣነ ዘለኽዎ ኸዓ፥ ክትመፁ ኣይትኽእሉን ኢኹም” በሎም።

35ስለዙይ ኣይሁድ “ንሕና ኽንረኽቦ ናብ ዘይንኽእል፥ ንሱ ናበይ ኮን ክኸይድ ኢሉ? ናብቶም ኣብ ሃገር ግሪክ ተበቲኖም ዘለዉ ኣይሁድን ኣህዛብን፥ ክምህር ዶኾን ክኸይድ ኮይኑ?

36‘ክትደልዩኒ ኢኹም፤ ግና ኣይትረኽቡንን፤ ናብቲ ኣነ ዝኸዶ ኸዓ፥ ክትመፁ ኣይትኽእሉን ኢኹም’ ዝብለና ዘሎኸ እንታይ እዩ?” ተበሃሃሉ።

37በታ ዳሕረወይቲ ዓባይ መዓልቲ በዓል፥ ኢየሱስ ደው ኢሉ ብዝለዓለ ድምፂ “ዝፀምአ እንተ ሃልዩ ናባይ መፂኡ ይስተ።

38እቲ ብኣይ ዝኣምን፥ ከምቲ መፅሓፍ ዝበሎ፥ ‘ካብ ውሽጡ ማይ ህይወት ክፍልፍል እዩ’ ” እናበለ ተዛረበ።

39እዙይ ብዛዕባቲ እቶም ብእኡ ዝኣምኑ፥ ክቕበልዎ ዘለዎም መንፈስ ቅዱስ እዩ ዝተዛረበ፤ ኢየሱስ ገና ስለ ዘይከበረ መንፈስ ቅዱስ ገና ኣይወረደን ነበረሞ።

40ካብቶም ህዝቢ ብዙሓት ነዝ ዘረባዙይ ሰሚዖም፥ “እዙይ ብሓቂ እቲ ነቢይ እዩ” በሉ።

41ካልኦት ከዓ “ክርስቶስ እዩ” በሉ። ገሊኣቶም ግና “ክርስቶስ ካብ ገሊላ ድዩ ዝመፅእ?

42ክርስቶስ ካብ ዘርኢ ዳዊት፥ ካብታ ዳዊት ዝነበረላ ዓዲ፥ ካብ ቤተ ልሔም ከም ዝመፅእ፥ መፅሓፍዶ ኣይነግርን እዩ?” በሉ።

43ስለዙይ እቶም ህዝቢ ብዛዕባኡ ንስንሳቶም ተፈላለዩ።

44ገሊኣቶም ክሕዝዎ ደለዩ፤ ግና ኽሕዞ ኢዱ ዘልዓለሉ ሓደ እኳ ኣይነበረን።

45እቶም ሓሻኽር ናብ ሊቃነ ካህናትን ፈሪሳውያንን ተመለሱ፤ ንሳቶም ድማ “ስለ ምንታይ ደኣ ዘየምፃእኹምዎ?” በልዎም።

46እቶም ሓሻኽር ከዓ “ከምዝ ሰብኣይ እዙይ ገይሩ ዝተዛረበ ኸቶ የለን” ኢሎም መለሱ።

47ፈሪሳውያን ድማ “ንስኻትኩምውንዶ ትጋገዩ ኣለኹም?

48ብዘይ እዞም ሕጊ ዘይፈልጡ ግጉያት ህዝቢ፥ ካብ ኣሕሉቕ ወይ ካብ ፈሪሳውያን፥ ብእኡ ዝኣመኑዶ ኣለዉ እዮም?

49እዝ ሕጊ ዘይፈልጥ ህዝቢ ግና ዝተረግመ እዩ” ኢሎም መለሱሎም።

50ሓደ ኻብኣቶም፥ እቲ ቕድም ብለይቲ ናብ ኢየሱስ ከይዱ ዝነበረ ኒቆዲሞስ፥

51“ሕግና፥ ንሰብ ቅድም እንተይሰምዖን፥ እቲ ዝገበሮ እንተይፈለጠንዶ ይፈርዶ እዩ?” በሎም።

52ንሳቶም ከዓ “ንስኻውንዶ ኻብ ገሊላ ኢኻ? መፅሓፍ መርምር እሞ፥ ካብ ገሊላ ነቢይ ከም ዘይትስእ ክትርኢ ኢኻ” ኢሎም መለሱሉ።

53ኵሎም ድማ ነናብ ገዛኦም ከዱ።

ትርጓሜ

7:1-13 እቶም ኣሕዋስ የሱስ ወይ ከኣ ስጋዊ ኣዝማዱ፡ ካብኡ ናይ ስጋዊ ረብሓ ተስፋ ከም ዘየለ ምስ ረኸቡ፡ ተቖጢዖም ነበሩ። ዓለማውያን ሰባት ገሊኡ ግዜ ነቶም ኣብ ዕዮ ኣምላኽ ዝተዋፈሩ ክምዕዱ ይፍትኑ፤ እቲ ዝምዕድዎ ግና፡ ነዚ ሕጂ ዘሎ ረብሓ ዜመሓይሽ ዝመስል ጥራይ እዩ። ህዝቢ ብዛዕባ ትምህርቱን ተኣምራቱን ይፈላለዩ ነበሩ፤ እቶም ንእኡ ዝድግፍዎ ዝነበሩ ግና፡ ኣተሓሳስቦኦም ብግልጺ ኪገልጹ ኣይደፈሩን። እቶም ንሰበኽቲ ወንጌል ኣታላልይ ዝብሉ፡ ብግልጺ ይዛረቡ፤ እቶም ንኣቶም ዝድግፉ ብዙሓት ግና፡ ንኣቶም ብምድጋፍ መቃናዕቲ ኸምጽኡ ይፈርሁ።

7:14-24 ነፍሲ ወከፍ እሙን ኣገልጋሊ ብትሕትና ቃላት ክርስቶስ ክጥቀም ይኽእል እዩ። ትምህርቱ ብገዛእ ርእሱ ዝረኸቦ ኣይኮነን፣ እኳ ደኣስ ብምምሃር መንፈሱ ኣቢሉ ካብ ቃል ኣምላኽ እዩ። ኣብ መንጎ እቲ ንዓለም ዜረብሽ ባእሲ ኸኣ፣ ካብ ዝዀነ ይኹን ሃገር ዝመጸ ሓደ ሰብ ፍቓድ ኣምላኽ ኪገብር እንተ ደለየ፣ እቲ ትምህርቲ ኻብ ኣምላኽ ምዃኑ ወይስ ሰባት ብገዛእ ርእሶም ከም ዝዛረቡ ኪፈልጥ እዩ። እቶም ሓቂ ዚጸልኡ ጥራይ ነቶም ጥፍኣት ዝዀኑ ጌጋታት ኪሕደጉ እዮም። ንዕላማ ሰንበት ንሕሙማት ጥዕና ምምላስ ልክዕ ከምቲ ግዳማዊ ስነ-ስርዓት ምትግባር ዝሰማማዕ ነይሩ። የሱስ ብዛዕባ ኣካይድኡ ብመንፈሳዊ ትርጉም ናይቲ መለኮታዊ ሕጊ መሰረት ኪውስኑ ነገሮም። ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ሰብ ብግዳማዊ ትርኢቱ ኽንፈርዶ ኣይግባእን፣ እኳ ደኣስ ብኽብረቶም ከምኡ’ውን ብናይ መንፈስ ኣምላኽ ህያባትን ጸጋታትን ኣብኣቶም ዘሎ ኢና ኽንፈርዶም ዘሎና።

7:25-30 ክርስቶስ ብዓውታ ኣወጀ፡ ብዛዕባ መበቆሉ ኣብ ሓሳባቶም ይጋገዩ ምንባሮም። ንሱ ብእግዚአብሔር እተላእከ እዩ፣ እቲ ንመብጽዓታቱ እሙን ዝኾነ። እዚ ንኣምላኽ ከም ዘይፈልጥዎ ዝገለጸ ኣዋጅ እዚ፡ ምስቲ ንሱ ዝነበሮ ፍሉይ ፍልጠት ሓዊሱ፡ ንሰማዕቲ ኣቖጥዖም።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6